ናይ ዓለም ሰላም ካበየናይ ምንጪ፧
ትምህርትን ሃይማኖትን ኣብ ኵሉ ከም ዘስፋሕፍሕ ምግባር ኣብ ዓለም ሰላም የምጽእዶ ኢዩ፧ እዚ ሕልሚ እቲ ቕድም ተሓጋጋዚ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዝነበረ: ኣብቲ ብ1989 እተገብረ ትምህርቲ ንሰላም ዝብል ናይ ዩኔስኮ ሽልማት ከኣ ዝወሰደ ዶክተር ሮበርት ሙለር ኢዩ። ኣብ ዘ ቫንኮቨር ሳን እትበሃል ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) ጸብጻብ ተዋሂብሉ ከም ዘሎ: ዶክተር ሙለር “ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ተማሃሮ መሰረታዊ ሓቅታትን ወግዕታትን ፕላኔት: ሰብኣውነትን ዘይምትዕምማጽን ክማሃሩ ከም ዘለዎም ይኣምን።” ኵለን ኣብ ዓለም ዘለዋ ናይ ትምህርቲ ትካላት: ሕቡራት ሃገራት እታ ዝበለጸት ናይ ሰላም ተስፋ ምዃና ንቘልዑ ዝምህራኦም ግዜ ከም ዘሎ ተራእዮ። እታ ጋዜጣ ቀጺላ “ኣብ ዓለም ዘለዋ ኵለን ሃይማኖታት ኣባላት ናይታ ንሕቡራት ሃገራት እትመስል ሕቡራት ሃይማኖታት እትበሃል ማሕበር ክዀና ኣለወን” ኢሉ ከም ዝኣምን እውን ትገልጽ። ድሕርዚ “ኵሉ ሃይማኖታዊ ትምህርትታት ዓመጽ ዘይብሉ ኵነታት ንኽህሉ ከተባብዕ ኢዩ።”
ናይ ዓለም ሰላም ብሓቂ ክህሉ ድዩ፧ እወ: ብርግጽ ክህሉ ኢዩ! እንተዀነ ግን: ብሰብኣውያን ትካላት ኣይኰነን ዝኸውን። ልዕሊ 2,700 ዓመታት ይገብር ሓደ ብመንፈስ እተደረኸ ጸሓፊ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት “ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ” ከምኡውን ሰላሞም “ዓብዪ” ክኸውን ምዃኑ ክንበ ኸሎ ዝበለጸ ምንጪ ሰላም ክኸውን ዝኽእል ትምህርቲ ኣየናይ ምዃኑ ገሊጽዎ ኣሎ።—ኢሳይያስ 54:13
መጽሓፍ ቅዱስ “ሰላም ዝህብ” ኣምላኽ ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ። (ሮሜ 16:23 NW ) ሎሚ እውን እንተዀነ የሆዋ ንህዝቡ ‘ንሰላም ክደልዩዋን ክስዕብዋን:’ “ኣስያፎም ንማሕረሻታት . . . ኪሰርሕዎ:” ከምኡውን ‘ድሕሪ ደጊም ውግእ ከይማሃሩ’ መምርሒ ክህቦም ከሎ ዘደንቕ ዓለምለኻዊ ትምህርታዊ ፕሮግራም ይካየድ ኣሎ።—1 ጴጥሮስ 3:11፣ ኢሳይያስ 2:2-4
ኣምላኽ ነቲ ኣብ ሓቂ እተመስረተ: ካብ ግብዝናን ምትላልን ከኣ ዝረሓቐ ኣምልኾ ይሰምሮን ይባርኾን ኢዩ። (ማቴዎስ 15:7-9፣ ዮሃንስ 4:23, 24) እቲ ምስ ቃል ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ዝሰማማዕ ሓቀኛ ኣምልኾ ጥራይ ኢዩ ብሰላምን ብሓድነትን ዝነብሩ: ንሓድሕዶም ከኣ ብሓቂ ዝፋቐሩ ሰባት ከፍሪ ዝኽእል።—ዮሃንስ 13:35
ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ናይ ዓለም ሰላም እንታይ ከም ዝብል ዝያዳ ክትማሃር እንተ ደሊኻ: ምስ ኣዳለውቲ እዚ መጽሔት ክትራኸብ ንዕድመካ።