ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 15/11 ገጽ 3-4
  • ሓላዊ መልኣኽ ኣሎካዶ ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓላዊ መልኣኽ ኣሎካዶ ኢዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብመላእኽቲ ምምሳጥ
  • ንውልቅኻ እተመደበ መልኣኽ ኣሎ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • መላእኽቲ መን ወይ እንታይ እዮም፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መላእኽቲ ክሕግዙኻ ዝኽእልሉ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • መላእኽቲ —“መናፍስቲ ኣገልግሎት”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 15/11 ገጽ 3-4

ሓላዊ መልኣኽ ኣሎካዶ ኢዩ፧

ሓላዊ መልኣኽ ኣሎኒ ኢልካዶ ትኣምን ኢኻ፧ ብዙሓት ሰባት ሓላዊ መልኣኽ ከም ዘለዎም ይሓስቡ ኢዮም። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ: ሓንቲ ኣብ ምዕራባዊ ካናዳ ዘላ ሰበይቲ ምስ መላእኽቲ እተተሓሓዘ ፍሉይ ውህበት ከም ዘለዋ ይዝረብ። ምሉእ ስምካን 200 ዶላር ካናዳን እንተድኣ ሂብካያ: ምስቲ ሓላዊኻ መልኣኽ ከም እተራኽበካ ትዛረብ። መጀመርታ: ናብቲ ካብ ሽምዓ ዝወጽእ ሃልሃልታ ኣተኲራ ብምጥማት ተስተንትን። ቀጺላ: እቲ መልኣኽካ ንዓኻ ክትነግረካ ዘለዋ መልእኽቲ ክነግራ ከሎ ራእይ ትርኢ። ኣብ ርእሲኡ: መልኣኽካ እንታይ ከም ዝመስል ስእሊ ስኢላ ትህበካ።

ገሊኦም ሰባት እዚ ምስቲ ብዛዕባ ፈረንሳዊ ንጉስ ሉዊስ ታሽዓይ ዝዛረብ ጽውጽዋይ ዝመሳሰል ኰይኑ ክስምዖም ይኽእል ኢዩ። ካብ ናይ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ መንፈርፈር ዝወደቐ ኢዩ ተባሂሉ ዝውረ ክቡር ክንቲት ከም ዝገዝአ ይንገር። ብዙሓት ሰባት ሓቅነት ናይዚ ጽውጽዋይ እዚ ይጠራጠሩ ክንሶም: ናይታ ካናዳዊት ሰበይቲ ዘረባ ንምእማን ግን ድሕር ኣይብሉን ኢዮም።

ብመላእኽቲ ምምሳጥ

ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኣብ መላእኽቲ ብዙሕ ተገዳስነት ይርአ ኣሎ። ብዛዕባ እቶም ንኣዝዮም ዝሓመሙ ሰባት ዝሕግዙ: ንሓዘንተኛታት ዘጸናንዑ: ጥበብ ዝህቡ: ከምኡውን ንውልቀ-ሰባት ካብ ሞት ዘናገፉ መላእኽቲ ብተሌቪዥን: ፊልምታት: መጻሕፍቲ: መጽሔታት: ከምኡውን ንኣሽቱ ጽሑፋት ተነጊሩና ኢዩ። ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ዳርጋ 20 ሚልዮን ዝዀኑ ተመልከትቲ: መላእኽቲ ኣብ ናይ ሰባት ህይወት ኢዶም ከም ዘእተዉ ዝገልጽ ተኸታታሊ ዝዀነ ሰሙናዊ መደብ ተሌቪዥን ይርእዩ። ኣብ ሓደ መጻሕፍቲ ዝሽየጠሉ ብዛዕባ መላእኽቲ ዝዛረብ ልዕሊ 400 ዝኸውን ናይ መጻሕፍቲ ዝርዝር ኣሎ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝወጸት ሓንቲ መጽሓፍ: ሓለውቲ መላእኽቲ ንህይወት ናይቶም ኣብ ውግእ ዝነበሩ ወተሃደራት ብኸመይ ከም ዘድሓኑ ዝገልጽ ተመክሮታት ተዘንቱ። ካብ ፕላስቲክ እተሰርሐ እተፈላለየ ነገራት ኣብ ማኪና ምጥቃዕ ዝስርሖም ሰባት: መራሕቲ ማካይን ካብ ሓለውቲ መላእኽቲ ዕቝባ ከም ዝረኽቡ ይገልጹ። ማሕበራትን ዋዕላታትን ሰሚናራትን ብዛዕባ መላእኽቲ መጽናዕቲ ክግበር የተባብዑ: ንሰባት ምስ መላእኽቲ ንምርኻብ ከም ዝሕግዙ ድማ ይዛረቡ።

ኢለን ፍሪማን ብዛዕባ መላእኽቲ ዝዛረብ ሰለስተ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈትን ኣዳላዊት ናይ ሓንቲ ብዛዕባ መላእኽቲ ጥራይ እትገልጽ መጽሔት ኢያ። ከምዚ ብምባል ከኣ ትገልጽ:- “ክንዲ እቶም ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቲ ዝምብዝሖም ሓለውቲ መላእኽቲ ኣብ ምድሪ ኣለዉ። እዞም ኣብ ምድሪ ዘለዉ መላእኽቲ እዚኣቶም ኣካል ዘለዎም ኰይኖም ዕይኦም ኣብ ሰማይ ንኣምላኽ ምውዳስ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ደቅሰብን ካልእ ዓይነት ህይወትን ምሕላው ኢዩ። ካብ ግዜ ድቂ ኣትሒዙ ንነፍሲ ወከፍና ሓደ ሓላዊ መልኣኽ ይምደበልና ኢዩ: ኣብ ማህጸን ክንዓቢ ኸሎና: ክንውለድ ከሎና: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ክንነብር ከሎና: ናብ ሰማያዊ ክብሪ ንምብጻሕ ካብዛ ዓለም እዚኣ መሪሑ ክሳዕ ዘውጽኣና ይሕልወና ኢዩ።” እዚ ነቲ ብዛዕባ ሓለውቲ መላእኽቲ ዘሎ ልሙድ ኣረኣእያ ጽቡቕ ገይሩ ዝገልጾ ኢዩ።

ኣብዚ ጭንቀትን ግድልን ዝመልአ ግዜ: ዘዕቍበና ናይ ብሕቲ ሓላዊ መልኣኽ ከም ዘሎና ምእማን ዘጸናንዕ ኢዩ። እቲ ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብዛዕባ እዚ እንታይ ኢዩ ዝብል፧ ምስ መላእኽቲ ንምርኻብ ክንጽዕር ግቡእ ድዩ፧ ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታትናን ሃይማኖታዊ እምነትናንከ ይግደሱ ድዮም፧ ካብኣቶምከ ከመይ ዝበለ ሓገዝ ኢና ክንጽበ እንኽእል፧ እዚ ሕቶታት እዚ ኣብዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ክምለስ ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ