ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp17 ቍ. 5 ገጽ 5
  • ንውልቅኻ እተመደበ መልኣኽ ኣሎ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንውልቅኻ እተመደበ መልኣኽ ኣሎ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓላዊ መልኣኽ ኣሎካዶ ኢዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • መላእኽቲ መን ወይ እንታይ እዮም፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መላእኽቲ ብኸመይ ይጸልዉና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • መላእኽቲ ክሕግዙኻ ዝኽእልሉ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
wp17 ቍ. 5 ገጽ 5

ገበር | መላእኽቲ ብሓቂዶ ኣለዉ እዮም፧ ስለምንታይከ የገድሰና፧

ንውልቅኻ እተመደበ መልኣኽ ኣሎ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ነናቱ ዚሕልዎ መልኣኽ ከም ዘለዎ ኣይምህርን እዩ። ሓቂ እዩ፡ የሱስ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ “ካብዞም ንኣሽቱ [ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ] ንሓደ እኳ ኸይትንዕቁ ተጠንቀቑ፣ ከመይሲ፡ ኣብ ሰማይ ዘለዉ መላእኽቶም፡ ወትሩ ገጽ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ይርእዩ እዮም፡ እብለኩም ኣለኹ” ኢሉ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 18:10) ኰይኑ ግና፡ የሱስ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ነናቱ ዚሕልዎ መልኣኽ ከም ዘለዎ ኣይኰነን ዚእምት ነይሩ፣ የግዳስ፡ መላእኽቲ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ወደ መዝሙር ኣዝዮም ከም ዚግደሱ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ስለዚ እምበኣር፡ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ፡ ‘መላእኽቲ ኣምላኽ ኬዕቍቡና እዮም’ ኢሎም ብዕሽነትን ብሸለልትነትን ሓደገኛ ስጕምቲ ኣይወስዱን እዮም።

እዚ ግና መላእኽቲ ንደቂ ሰብ ኣይሕግዝዎምን እዮም ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። (መዝሙር 91:11) ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ብመላእኽቲ ገይሩ ኸም ዘዕቈቦምን ከም ዝመርሖምን ይኣምኑ እዮም። እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ከነት እውን ከምኡ እዩ ዚስምዖ። ቅኑዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ስብከት ኪካፈሉ ኸለዉ፡ መላእኽቲ ኢዶም ከም ዘእተዉ ዜርኢ መርትዖ ብተደጋጋሚ ይርእዩ እዩ። ይኹን እምበር፡ መላእኽቲ ዘይርኣዩ ስለ ዝዀኑ፡ ንውልቀ ሰባት ኣብ እተፈላለየ ጕዳያት ንምሕጋዝ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዚጥቀመሎም ኣይንፈልጥን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ስለቲ ገይሩልና ኪኸውን ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ደገፍ እንተ ኣመስጊንናዮ ኣይተጋገናን።—ቈሎሴ 3:15፣ ያእቆብ 1:17, 18።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ