ምድሪ ንጥፍኣት ተመጥያ ድያ፧
መበል 20 ክፍለ-ዘበን ክውዳእ ቀሪቡ ኢዩ: መበል 21 ክፍለ-ዘበን ድማ ዳርጋ ኣብ ምጅማሩ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋንን ኵነታትን: እቶም ነቲ ብዛዕባ ጥፍኣት ዓለም ዝዝረብ ትንቢታት ብዙሕ እዝኒ ዘይገብርሉ ወይ ፈጺሞም ዘየቕልብሉ ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ሰባት: ንዓለም ምሉእ ዘጥፍእ ገለ ኵነታት ይመጽእ ደዀን ይህሉ ብምባል ይግረሙ ኣለዉ።
ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዝዛረብ ናይ ጋዜጣን መጽሔትን ዓንቀጻት—ምሉእ መጻሕፍቲ እውን ከይተረፈ—ኣስተብሂልካ ትኸውን። መበል 21 ክፍለ-ዘበን እንታይ ምዕባለታት ሒዙ ከም ዝቕልቀል ንምርኣይ ክንጽበ ኣሎና። ገለ ሰባት ኣብ መወዳእታ ናይ 2000 ዓመተ ምሕረት ምብጻሕ ዘምጽኦ ለውጢ ከም ዘየለ: ዳርጋ ብዙሕ እተፈልየ ውጽኢት ድማ ከም ዘይህልዎ ይገልጹ። ንብዙሓት ሰባት ዘሻቕሎም እቲ ንፕላኔትና ዝምልከት ናይ ነዊሕ እዋን መጻኢ ኢዩ።
ኣብዚ እዋን እዚ ብተደጋጋሚ ኣቓልቦ ዝግበረሉ ዘሎ ሓደ ትንቢት—ኣብ ቀረባ መጻኢ ወይ ድሕሪ ነዊሕ እዋን—ኣብ ዘሎ ገለ ግዜ ምድርና ምሉእ ብምሉእ ክትጠፍእ ምዃና ኢዩ ዝዛረብ። ንገለ ካብዚ ጽልሙት ትንቢታት እዚ እስከ ንርአ።
ጆን ለስሊ እተባህለ ደራስን ፈላስፋን ኣብታ ንመጀመርታ ግዜ ብ1996 እተሓትመት ዘ ኢንድ ኦቭ ዘ ዎርልድ —ዘ ሳይንስ ኤንድ ኤቲክስ ኦቭ ሂዩማን ኤክስቲንክሽን እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፉ: ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት ሰብ ብኸመይ ከም ዝጠፍእ ዝእምት ሰለስተ ተኽእሎታት የቕርብ። መጀመርታ ከምዚ ኢሉ ይሓትት:- “ጠቕላላዊ ናይ ኑክሌር ውግእ: ምብራስ ሰብኣዊ ዓሌት ከስዕብ ይኽእልዶ፧” ወሲኹ ድማ “እቲ ምናልባት ክህሉ ዝኽእል ኵነታት . . . ከም እተፈላለየ ዓይነት መንሽሮ: ተላባዒ ሕማማት እናበዝሐ ብምኻዱ ዘጋጥም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ድኽመት: ወይ ብዙሕ ናይ ወሊድ ጕድለታት ዘስዕብ ጠንቅታት ጸርጊ ኢዩ። ናይቶም ንጥዕና ኣከባቢ ኣድለይቲ ዝዀኑ ማይክሮኦርጋኒዝምስ ሙማት እውን ክህሉ ይኽእል ኢዩ” ይብል። ሚስተር ለስሊ ዝገለጾ ሳልሳይ ተኽእሎ ድማ: ምድሪ ብሓደ ኮመት ወይ ኣስትሮይድ ክትውቃዕ ትኽእል ኢያ ዝብል ኢዩ:- “ብዛዕባ ኮመትን ኣስትሮይድን ዝመጸ ዝውንጨፍሉ መገዲ ምናልባት ሓደ መዓልቲ ምስ ምድሪ ከጋጭዎም ዝኽእል ካብ ሓደ ክሳዕ ዓሰርተ ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ሰንጣቒት ዘለዎም ዳርጋ ክልተ ሽሕ ዝዀኑ ኣለዉ። ሒደት (ክንድዚ ኢዩ ኢልካ ክትግምቶም ኣሸጋሪ ዝዀነ) ገዘፍቲ: ከምኡውን ቍጽሮም ብርክት ዝበለ ንኣሽቱ ኣለዉ።”
ብዛዕባ “ጥፍኣት ዓለም” እተዋህበ ሓሳባዊ መግለጺ
ወይ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣድለይድ: ኣውስትራልያ ፕሮፌሰር ዝዀነ ፓውል ዴቪስ እተባህለ ካልእ ሊቅ ርአ። ዋሺንግተን ታይምስ እተባህለ ጋዜጣ (እንግሊዝኛ) “ኣብ ምሉእ ዓለም ኣዝዩ እተፈልጠ ናይ ስነ-ፍልጠት ጸሓፊ” ብምባል ገለጾ። ብ1994 “ናይ ኵሉ እቲ ብዛዕባ ጥፍኣት ዓለም ዝዛረብ መጻሕፍቲ መናጪት” ዝብል ስያመ ዝረኸበት ዘ ላስት ስሪ ሚንትስ እተባህለት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ጸሓፈ። ቀዳመይቲ ምዕራፍ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ “ጥፍኣት ዓለም” ዝብል ኣርእስቲ ኢዩ ዘለዋ: ኮመት ንምድሪ ኽወቕዓ እንተድኣ ዀይኑ እንታይ ከጋጥም ከም ዝኽእል ዘርኢ ሓሳባዊ ትርኢት ኢያ እትገልጽ። ክፋል ናይዚ ከብድኻ ዘሕቍፍ መግለጺኡ ኣንብብ:-
“እዛ ፕላኔት ምስ ዓሰርተ ሽሕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብዝዳረግ ብርቱዕ ሓይሊ ትናወጽ። ጸፍዒ ናይቲ ካብ ቦትኡ እተማዛበለ ኣየር: ኣብ ቅድሚኡ ንዝጸንሖ ኵሉ ህንጻታት ሜዳ እናገበረ: ንዅሉ ነገር ድማ ናብ ሓሙዅሽቲ እናቐየረ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ክሕምበብ ኢዩ። ኣብ ዙርያ ናይቲ ኮመት ዝወደቐሉ ቦታ ድማ 150 ኪሎ ሜተር ሰንጣቒት ዘለዎ ኣፍ እሳተ ጎመራ ተኸፊቱ መዓሙቝ ምድሪ ጋህ ከም ዝብል ብምግባር: ብብዙሕ ኪሎ ሜተራት ዝቝጸር ቁመት ዘለዎ ናይ መኺኹ ዝፈስስ ኣኽራን ዓንኬል ክህሉ ኢዩ። ንምእልቲ ፕላኔት ናይ ጸሓይ ብርሃን ከም ዘይትረክብ ገይሩ ዘጸልምት: ካብቲ ዑናታት እተላዕለ ሰፊሕ ዓንዲ ዶሮና ንላዕሊ ናብ ከባቢ ኣየር ገጹ ክዝርጋሕ ኢዩ። ሽዑ ናይ ጸሓይ ብርሃን በቲ ቐታልን መስመስ ዝብልን ማሕማሕታ ናይቶም ሓደ ቢልዮን ዝዀኑ ተወንጨፍቲ ከዋኽብቲ ክትካእ ኢዩ: ካብ ቦትኡ እተማዛበለ ንጥረ-ነገር ካብ ጠፈር ናብቲ ከባቢ ኣየር ክንቈት ከሎ ድማ ነቲ ኣብ ትሕቲኦም ዘሎ መሬት በቲ ቅምርር ዘብል ዋዒኦም የሕርርዎ።”
ፕሮፌሰር ዴቪስ ቀጺሉ ነዚ ሓሳባዊ ትርኢት ምስቲ ስዊፍት-ታትል እተባህለ ኮመት ንምድሪ ክወቕዓ ምዃኑ ዝነግር ትንቢት የተሓሕዞ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍጻመ ኣብዚ ቐረባ መጻኢ ከየጋጥም ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ብኣረኣእያኡ “ይቕረብ ይርሓቕ ስዊፍት-ታትል: ወይ ንዕኡ ዝመስል ካልእ ኣካል: ንምድሪ ክወቕዓ ” ስለ ዝዀነ መጠንቀቕታ ይህብ። እቲ ንሱ ዝበጽሖ መደምደምታ: ፍርቂ ኪሎ ሜተር ወይ ካብኡ ዝዛይድ ሰንጣቒት ዘለዎም 10,000 ሰማያዊ ኣካላት ነቲ ምድሪ እትዞረሉ ቅናት-ዙረት ሰንጢቖም ይሓልፉ ኢዮም ኣብ ዝብል ግምት እተመስረተ ኢዩ።
ከምዚ ዝኣመሰለ ዘፍርሕ መጻኢ ግዜ ናይ ሓቂ ኢዩ ኢልካ ትኣምንዶ፧ ሓያለይ ሰባት ይኣምኑ ኢዮም። ይኹን እምበር ኣብ ግዚኦም ከም ዘይፍጸም ባዕላቶም ብምርግጋጽ ካብ ጭንቀት ይርሕቁ። ድሕሪ ቐረባ ግዜ ይኹን ድሕሪ ኣሽሓት ዓመታት ምድሪ እትጠፍእ ግን ስለምንታይ፧ ንሰብ ይኹን ንእንስሳታት ንዅሉ ኣብ ልዕሊኣ ዘሎ ነገር ቀንዲ ምንጪ ጸገም ምድሪ ከም ዘይኰነት እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ ክንድኡ: ነቲ ምሉእ ብምሉእ ‘ንምድሪ ንምጥፋእ’ ዘሎ ተኽእሎ ሓዊስካ: ካብቲ ኣብዚ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ዘጋጠመ ግድላት ንዝበዝሐ ብሓላፍነት ዝሕተተሉ ሰብ ባዕሉዶ ኸይኰነ፧—ራእይ 11:18
ሰብ ንምድሪ ዘርኣዮ ሕማቕ ኣተሓሕዛ ይዕረ
ብዛዕባ እቲ ሰብ ባዕሉ ብዝፍጽሞ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ስስዐን ንምድሪ ምሉእ ብምሉእ ከጥፍኣ ወይ ከዕንዋ ዘለዎ ተኽእሎኸ እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧ ክቱር ምብራስ ኣግራብ: ምቍጽጻር ዘይተገብረሉ ምብካል ከባቢ ኣየር: ከምኡውን ምብልሻው ማያት ኣብ ገሊኡ ክፍልታት ምድሪ ድሮ ዓቢ ዕንወት ኣስዒቡ ከም ዘሎ ኣየተሓታትትን ኢዩ። እዚ ድማ ባርባራ ዋርድ ከምኡውን ረነ ዳቦ እተባህሉ ደረስቲ ኣብታ ኦንሊ ዋን አርዝ እተባህለት መጽሓፎም (እንግሊዝኛ) ቅድሚ 25 ዓመታት በዚ ዝስዕብ ሓሳብ ጽሙቝ ኣቢሎም ገሊጾምዎ ኢዮም:- “እቲ ክንምርምሮ ዝግብኣና ምብካል ዘጋጥሞ ዘሎ ሰለስተ ሰፊሕ ከባቢታት—ኣየር: ማይ: ሓመድ—ነቲ ኣብዛ ፕላኔት ዘሎ ህይወት ዘቕውም ሰለስተ ቀንዲ ንጥረ-ነገራት ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ።” ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ እቲ ዅነታት ብመሰረቱ ኣይተመሓየሸን: እዝስ ሓቂዶ ኣይኰነን፧
ነቲ ሰብ ብዕሽነቱ ንምድሪ ከዕንዋ ወይ ከጥፍኣ ዘለዎ ተኽእሎ ክንርኢ ከሎና: ምድሪ እንደገና ባዕላ ክትሕደስን ክትዕረን ዘለዋ ዘደንቕ ሓይሊ ብምምርማር ክንጸናናዕ ንኽእል ኢና። ረነ ዳቦ ዘ ሪሳይለንስ ኦቭ ኢኮሲስተምስ ኣብ እተባህለት ካልእ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ነዚ እንደገና ናይ ምሕዳስ ዘደንቕ ሓይሊ ክገልጾ ኸሎ እዚ ዝስዕብ ዘጸናንዕ ትዕዝብትታት ይገልጽ:-
“ብዙሓት ሰባት እቲ ድሮ ኣብ ልዕሊ ኣከባቢ ዝወረደ ብዙሕ ጕድኣት ክፍወስ ስለ ዘይክእል: ናይ ኣከባቢ ምብልሻው ክስትብሃለሉ ዝጀመረ ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ምስ ኰነ ኢዩ ይብሉ። ንዓይ ከም ዝመስለኒ: እዚ ንመጻኢ ግዜ ዝምልከት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ርጡብ መሰረት ዝጐደሎ ኢዩ: ምኽንያቱ ኣከባቢ ካብ ዘሰንብድ ተመክሮታት እንደገና ናይ ምምላስ ብርቱዕ ሓይሊ ኣለዎ።
“ኣከባቢ ባዕሉ ንባዕሉ ምእንቲ ክፍወስ ብርክት ዝበለ ስርዓተ-ኣሰራርሓ ይጥቀም ኢዩ። . . . ብቐሊሉ ነቲ ናይ መጀመርታ ኵነት ኣከባብያዊ ሚዛን በብደረጅኡ ከም ዝምለስ ብምግባር: እቲ ኣከባቢ ንሳዕቤን ናይቲ ምብልሻዋት ከሰንፎ ዘኽእል ሓይሊ ይህብዎ።”
ክግበር ይከኣል ኢዩ
እዚ ይከኣል ምዃኑ ዝሕብር ብሉጽ ኣብነት: ቅድሚ ቐረባ ዓመታት ኣብቲ ኣብ ለንደን ውሩይ ዝዀነ ፈለግ ቴምዝ በብደረጅኡ እተፈጸመ ምጽራይ ኢዩ። ብጀፈሪ ሃሪሰን ከምኡውን ፒተር ግራንት እተዳለወት ዘ ቴምዝ ትራንስፎርምድ እተባህለት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ሰባት ንሓባራዊ ረብሓ ሓቢሮም ምስ ዝዓዩ እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል ዝገልጽ ጸብጻብ ናይዚ ኣዝዩ ፍሉይ ዝዀነ ዓወት ሒዛ ኣላ። ኣብ ብሪጣንያ ናይ ኢደንበርግ መስፍን ኣብ መቕድም ናይዛ መጽሓፍ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “እንሆ ኣብ መወዳእታ ነቲ ብዝዓበየ ደረጃ እተረኽበ ዓወት ዝምልከት ታሪኽ ቀሪቡ ኣሎ: ገሊኦም ሰባት ተፈጥሮ ናይ ምዕቃብ ግድላት ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ኣሸጋሪ ምዃኑ ከም ዝኣምንዎ እተገብረ: ክሳዕ ክንድቲ ዘሸግር ኣይኰነን ኢሎም ንኽሓስቡ ምናልባት ከተባብዖም ዝኽእል እኳ እንተዀነ ክሕተም በቒዑ ኣሎ። . . . ኵላቶም በቲ ኣብ ቴምዝ እተረኽበ ዓወት እምንቶ ከሕድሩ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ክግበር ዝከኣል ምዃኑን ውጥናቶም እውን ክዕወት ዝኽእል ምዃኑን ዝገልጽ ብስራት ኢዩ።”
ሃሪሰንን ግራንትን ኣብታ “ዝዓበየ ናይ ምጽራይ ዕዮ” እትብል ኣርእስቲ: ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት እተረኽበ ነገራት ብውዕዉዕ መንፈስ ከምዚ ዝስዕብ ይጽሕፉ:- “ኣብ ዓለም ንመጀመርታ ግዜ: ኣዝዩ እተበከለን ኣብ ከባቢኡ ዓበይቲ ኢንዱስትሪታት ዝርከብዎን ፈለግ: ደርሆ ማይን ዓሳን ብብዝሒ ዝርከብሉ ክሳዕ ምዃን እንደገና ተሓዲሱ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምሕዳስ ምስቲ ኣብ መጀመርታ ፈጺሙ ተስፋ ዘይብሉ ዝመስል ዝነበረ ኵነታት ክርአ ኸሎ ኣዝዩ ቕልጡፍ ኢዩ: እዚ ድማ ነቲ ፈጺሙ ተስፋ ዘይብሉ ኣመለኻኽታ ዝሓዘ ዓቃቢ እንስሳ ዘገዳም ምጽንናዕ ዝህቦ ኢዩ።”
ድሕሪኡ ቀጺሎም ነቲ ምሕዳስ ከምዚ ብምብል ይገልጽዎ:- “ኵነታት ናይቲ ፈለግ ንነዊሕ ዓመታት ብቐጻሊ እናተበላሸወ ክመጽእ ምስ ጸንሐ: መወዳእትኡ ምናልባት እቲ ዝኸፍአ ማህሰይቲ ክኸውን ዝኽእል: ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ዓበይቲ ናይ ረሳሕ ፈሳሲ መትረባት ምስ ተባላሸዉ ወይ ምስ ዓነዉ ኢዩ መጺኡ። ካብ 1940ታት ክሳዕ 1950ታት ኣብ ዝነበረ ግዜ ኵነታት ፈለግ ቴምዝ ኣብቲ ዝኸፍአ ደረጃ ኢዩ ነይሩ። እቲ ፈለግ ዳርጋ ካብ ሓደ ኽፉት መትረብ ርስሓት ዝሓይሽ ኣይነበረን፣ እቲ ማይ ሕብሩ ጠቐር: ኦክስጅን ዘይብሉ: ኣብ ወርሓት ሓጋይ ድማ ካብ ፈለግ ቴምዝ ዝመጽእ ሕማቕ ጨና ኣብ ኵሉ እቲ ኸባቢ ፍሉጥ ኢዩ ነይሩ። . . . እቶም ካብ ደገ ኣየር ስሒብካ ናይ ምስትንፋስ ክእለት ስለ ዘለዎም ብህይወት ክቕጽሉ ዝኸኣሉ ኣትማን ባሕሪ እንተ ዘይኰይኖም: እቶም ሓደ እዋን ውንጅርጅር ዝብሉ ዝነበሩ ዓሳታት ኣብ መወዳእታ ጠፍኡ። እተን ካብ ለንደን ክሳዕ ዉሊዊች ኣብ ገማግም ናይቲ ፈለግ ኣብ ዝርከብ ህንጻታት ዝነበራ ኣዕዋፍ ቍጽረን ውሒዱ ማላርድ ከምኡውን ሚዩት ስዋን ዝበሃላ ሒደት ኣዕዋፍ ጥራይ ተረፋ: እዚኣተን ድማ በቲ ካብ ተፈጥሮ ዝርከብ ናይ መግቢ ቀረብ ዘይኰናስ በቲ ኣብ መዐሸግ መራኽብ ዝፈሰሰ ኣእካል ኢየን ዝናበራ ነይረን። . . . ሽዑ ነቲ ክመጽእ ዝነበሮ ሃንደበታዊ ለውጢ ክፍጸም ኢዩ ኢሉ መን ምኣመነ፧ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት እቲ ገማግም ናይቲ ፈለግ ካብ ጥር እትብል ዑፍ ዘይብሉ ከባቢ: ነተን ኣብ ክራማት ዝመጻ 10,000 ኣዕዋፍ በረኻን 12,000 ዝዀና ዋደር እተባህላ ዓይነት ኣዕዋፍን ሓዊስካ: መዕቈብ ብዙሕ ዝዓሌተን ናይ ማይ ኣዕዋፍ ብምዃን ክሕደስ ነበሮ።”
ርግጽ ኢዩ: እዚ ብዛዕባ ኣብ ሓደ ንእሽቶ ኵርናዕ ምድሪ እተፈጸመ ምሕዳስ ጥራይ ኢዩ ዝገልጽ። እንተዀነ ግን: ካብዚ ኣብነት እዚ ትምህርቲ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ምድሪ ብምኽንያት ግጉይ ምምሕዳርን ስስዐን ጕድለት ምስትውዓል ወዲ ሰብን ንጥፍኣት ከም እተመጠወት ገይርካ ምውሳዳ ከም ዘየድሊ ኢዩ ዘርኢ። ግቡእ ትምህርትን ምእንቲ ሓባራዊ ጥቕሚ ወድሰብ ዝግበር ስሙር ጻዕርን ምድሪ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ከባቢኡን: ኣብ ኣከባቢኣ: ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ግዳማዊ መልክዕ መሬታ ዝወርድ ሰፊሕ ዕንወት ንኽትክኦ ክሕግዛ ይኽእል ኢዩ። ብዛዕባ እቲ ስሒቱ ዝመጽእ ከም ኮመት ወይ ኣስትሮይድ ዝኣመሰለ ካብ ደገ ክመጽእ ይኽእል ኢዩ ዝበሃል ጥፍኣትከ፧
እዛ እትስዕብ ዓንቀጽ ንኸምዚ ዝበለ ጋን ዝሰርሕ ሕቶታት ዘዕግብ መልሲ ንምርካብ ዝጠቅም ሓሳብ ሒዛ ኣላ።
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ግቡእ ትምህርትን ስሙር ጻዕርን ምድሪ ነቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝወርድ ሰፊሕ ዕንወት እውን ከይተረፈ ንኽትክኦ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ