“ናይ ኣምላኽ መገዲ ህይወት” ዘርእስቱ ናይ 1998-1999 ዓቢ ኣኼባ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ክጅመር ኢዩ!
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ: ካብ ግንቦት ክሳዕ መስከረም 198 ዓበይቲ ኣኼባታት ክካየድ ተመዲቡ ኣሎ። ምናልባት ሓደ ካብዚ ንሰለስተ መዓልትታት —ዓርቢ ክሳዕ ሰንበት —ዝካየድ ኣኼባታት: ካብቲ እትነብረሉ ከባቢ ኣዝያ ርሕቕቲ ኣብ ዘይኰነት ከተማ ይካየድ ይኸውን። ኣብ ዝበዝሕ ቦታታት: እቲ ፕሮግራም ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ 9:30 ቅ.ቐ. ብሙዚቃ ክጅመር ኢዩ።
ናይ ዓርቢ ንግሆ ፕሮግራም ካብ እተፈላለየ ክፍልታት ዓለም ዝመጸ ኣብ ስብከት መንግስቲ እተራእየ ዕቤት ዝምልከት ጸብጻባት ከጕልሕ ኢዩ። ቀንዲ ኣርእስቲ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ “በጅነት ክርስቶስ —ናይ ኣምላኽ መገዲ ድሕነት” ብዘርእስቱ ሕመረት ዝርርብ ክጐልሕ ኢዩ።
ድሕሪ ቐትሪ እቲ “ወለዲ—ንውሉዳትኩም መገዲ ኣምላኽ ትኸሉሎም” ዘርእስቱ ዓውደ-መጽናዕቲ: መንእሰያት ንየሆዋ ምእንቲ ከፍቅሩዎን ከገልግልዎን ብኸመይ ከም እተለዓዕሎም ዝሕብር ሓሳባት ከቕርብ ኢዩ። እቲ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ፕሮግራም “ድሕሪ ሞት ህይወት ኣሎዶ፧” ዘርእስቱ ዝርርብ ብምቕራብ ክዛዘም ኢዩ።
ቀዳም ናይ ንግሆ ዘሎ ፕሮግራም: “ሰባት ንመገዲ ህይወት ክፈልጡ ምሕጋዝ:” “ንሰባት ኣብ ምርካብ ዘጋጥም ብድሆ” ከምኡውን “ንደቀ መዛሙርቲ ኵሉ እቲ የሱስ ዝኣዘዞ ምምሃር” ዝብል ኣርእስትታት ዘለዎ: ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘካይድዎ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ዕዮ ዘተኵር ሰለስተ ተኸታታሊ ክፍልታት ከቕርብ ኢዩ። ኣብ ምዝዛም ናይቲ ንግሆ ዝቐርብ ፕሮግራም: ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ዝጥመቕሉ ምድላው ክህሉ ኢዩ።
ቀዳም ድሕሪ ቐትሪ ዝቐርብ ናይ መኽፈቲ ዝርርብ “ነቲ መወዳእታ ዘይብሉ ህይወት ኣማዕዲኻ ብምጥማት ምግልጋል” ዝብል ክኸውን ከሎ: ንኣምላኽ ንምግልጋል ዝድርኸና ናይ ብሕትና ምኽንያታት ኣዕሚቝና ክንጽልየሉ ዘተባብዕና ኢዩ። “ነቶም መገዲ ኣምላኽ ዝምህሩ ‘ውህበት ሰብኡት’ ሞሳ ምርኣይ” ከምኡውን “ሰብኣዊ ባህርያት— ነቲ ኣረጊት ቀንጢጥካ ነቲ ሓድሽ ምልባስ” ዘርእስቱ ዝርርባት: ንኤፌሶን ምዕራፍ 4 ቍጽሪ ብቝጽሪ ዝምርምር ዘነቓቕሕ ትምህርቲ ክህብ ኢዩ። ቀጺሉ: ኣብቲ “ርእስኹም ካብ ርኽሰት ዓለም ሓልዉ” ዝብል ከምኡውን “መንእሰያት—መገዲ ኣምላኽ ስዓቡ” ዘርእስቱ ሰለስተ ክፍልታት ዘለዎ ዓውደ-መጽናዕቲ ሰናይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምዕዶ ክቐርብ ኢዩ። ናይ ድሕሪ ቐትሪ ፕሮግራም “ፈጣሪ—ባህርያቱን መገድታቱን” ዘርእስቱ ዝርርብ ብምቕራብ ክዛዘም ኢዩ።
ሰንበት ናይ ንግሆ ዘሎ ፕሮግራም መወዳእታ ምዕራፋት ናይታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ህዝቅኤል ከምኡውን ካልእ ትንቢታዊ ኣወዓዕላታት ዝዝርዝር ሰለስተ ክፍልታት ዘለዎ ዓውደ-መጽናዕቲ ከቕርብ ኢዩ። እቲ ናይ ንግሆ ፕሮግራም ኣብ ተኣማንነት ናይቶም ሰለስተ እብራውያን መንእሰያት እተመርኰሰ ኰይኑ: ነቲ ታሪኽ ምሉእ ብምሉእ ዘንጸባርቕ ኣከዳድና ዘለዎ ድራማ ምስ ቀረበ ክዛዘም ኢዩ። ድሕሪ ቐትሪ ዝህሉ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ድማ “እቲ ዘለኣለማዊ ህይወት ዘውህብ እንኮ መገዲ” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ኢዩ።
ኣብቲ ኣኼባ ሰለስቲኡ መዓልታት ብምክፋል ብመንፈስ ከም እትብልጽግ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መደብ ንኽትርከብ ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣሎኻ: እዚ ድማ ብዘይ ክፍሊት ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። ኣብቲ ዝቐርበካ ቦታ ምእንቲ ክትካፈል ኣብቲ ከባቢ ምስ ዝርከብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣደራሽ መንግስቲ ተራኸብ ወይ ናብ ሓተምቲ ናይዚ መጽሔት እዚ ጽሓፍ።