ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w98 1/5 ገጽ 5-7
  • የሆዋ መን ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ መን ኢዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትርጕም ስሙ
  • ብሉጽ ባህርያት የሆዋ
  • ኣምላኽ ኵሎም ህዝብታት
  • ንየሆዋ ብምፍላጥ ዝርከብ በረኸታት
  • እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ መን ኢዩ፧
    ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት
  • ነቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኣዕብዮ
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
  • ስም ኣምላኽ ክንፈልጠሉ ዝግብኣና ምኽንያት
    መለኮታዊ ስም
  • ስም ኣምላኽ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
w98 1/5 ገጽ 5-7

የሆዋ መን ኢዩ፧

የሆዋ ንሓደ ካብቶም እሙናት ኣምለኽቱ: “ሰብ ርእዩኒ ብህይወት ኣይነብርን እዩ” ብምባል ተዛረቦ። (ዘጸኣት 33:20) “ኣምላኽ መንፈስ እዩ:” ሰባት ድማ ብስጋዊ ኣዒንቶም ክርእይዎ ኣይክእሉን ኢዮም። (ዮሃንስ 4:24) ልክዕ ከምቲ ፍርቂ መዓልቲ ኣተኲርካ ናብ ጸሓይ ምጥማት ንኣዒንትና ጐዳኢ ክኸውን ዝኽእል: ብተመሳሳሊ ድማ ነቲ ነዛ ደማቕ ጸሓይና ጥራይ ዘይኰነስ ነተን ኣብ ኣድማስ ዘለዋ ማእለያ ዘይብለን ጸሓያት ዝፈጠረ ብርቱዕ ምንጪ ሓይሊ ምርኣይ እውን ንጕድኣትና ኢዩ ዝኸውን።

እቲ ዘሐጕስ ግን: ብዛዕባ ኣምላኽ ንኽንፈልጥ ንዕኡ ምርኣይ ኣየድልየናን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ዘገርም ጥቕላል: ማለት ምድሪ ዘዳለወልና ኣካል ፈልዩ ይጠቕሶ: ንባህርያቱ ኸኣ ይገልጾ። ስለዚ ብዛዕባ እቲ ህይወት ዝሃበናን ነዚ ህይወት እዚ ምእንቲ ክንሕጐሰሉ ኢሉ ድማ ምልኩዕ መንበሪ ዘዳለወልናን ኣቦ ንኽንፈልጥ መጽሓፍ ቅዱስ ምምርማር ዝግባእ ኢዩ።

ትርጕም ስሙ

ሎሚ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኣስማቶም እውን ከይተረፈ ዘይግደሱ እኳ እንተዀኑ: ኵሉ ኣስማት ግን ትርጕም ኣለዎ። ንኣብነት: እቲ ኣብ ትግርኛ ፍሉጥ ዝዀነ ዳዊት ዝብል ስም ካብቲ “ፍቱው” ዝብል ትርጕም ዘለዎ ናይ እብራይስጢ ቃል ዝመጸ ኢዩ። እቲ የሆዋ ዝብል ናይ ፈጣሪ ስም እውን ትርጕም ኣለዎ። ትርጕሙ እንታይ ኢዩ፧ እቲ መለኮታዊ ስም: ኣብቲ በዅሪ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቋንቋ እብራይስጢ የሀወሀ ብዝብል ኣርባዕተ ፊደላት ኢዩ ተጻሒፉ: ኣብቲ ናይ እብራይስጢ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ዳርጋ 7,000 ግዜ ተጻሒፉ ይርከብ። እቲ መለኮታዊ ስም “ከምቲ ዝኸውን ዘኽውን” ዝብል ትርጕም ከም ዘለዎ ርዱእ ኢዩ። እዚ ድማ ዕላማታቱ—ንኽፍጽም የሆዋ ገዛእ ርእሱ ጥበባዊ ብዝዀነ መገዲ ከምቲ ዝደለዮ ዘኽውን ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ። ንሱ ፈጣሪ: ዳኛ: መድሓኒ: ሓብሓቢ ህይወት ስለ ዝዀነ መብጽዓታቱ ክፍጽም ይኽእል ኢዩ። እቲ ብዝያዳ ዘገድስ ድማ: እቲ የሆዋ ዝብል ስም ኣብ ቋንቋ እብራይስጢ ኣብ ናይ ምፍጻም መስርሕ ዘሎ ተግባር ከመልክት ብዝኽእል ኣገባብ ኢዩ ኣትዩ ዘሎ። እወ: የሆዋ ፈጻሚ ዕላማታቱ ምእንቲ ክኸውን ንገዛእ ርእሱ ገና የኽውን ኢዩ ዘሎ። ህያው ኣምላኽ ድማ ኢዩ!

ብሉጽ ባህርያት የሆዋ

መጽሓፍ ቅዱስ ንፈጣሪ “መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን [“ፍቕራዊ ሕያውነትን:” NW] ሓቅን: ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ [“ፍቕራዊ ሕያውነት:” NW] ዚሕሉ: ዓመጽን ምትሕልላፍን ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል” ከም ዝዀነ ኢዩ ዝገልጾ። (ዘጸኣት 34:6, 7) እታ ኣብዚ “ፍቕራዊ ሕያውነት” ተባሂላ ተተርጕማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል ፍሉይ ትርጕም ዘለዋ ኢያ። እዚ ድማ ንሓደ ነገር ዘለዎ ዕላማ ክሳዕ ዝፍጽም ገዛእ ርእሱ ፍቕራዊ ብዝዀነ መገዲ ምስቲ ነገር ዝተኣሳሰር ሕያውነት እተመልክት ኢያ። “እምንቲ ፍቕሪ” ተባሂላ እውን ክትርጐም ትኽእል ኢያ። ሕያውነት የሆዋ ፍቕራዊ ብዝዀነ መገዲ ምስ ፍጡራቱ ይተኣሳሰር ኢዩ: ነቲ ዘገርም ዕላምኡ ድማ ክፍጽም ኢዩ። ካብቲ ህይወት ዝሃበካ ኣካል ዝንጸባረቕ ከምዚ ዝኣመሰለ ፍቕሪ ኣኽቢርካ ኣይትርእዮንዶ፧

የሆዋ ንዅራ ደንጓይ: ንጌጋታትና ይቕረ ንኽብል ድማ ቅልጡፍ ኢዩ። ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርይ ዘሎዎ ኣካል ምቕራብ ዘሐጕስ ኢዩ። ንኣበሳ ሸለል ይብሎ ኢዩ ማለት ግን ኣይኰነን። ንሱ “ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW] ንቕንዕና [“ንፍትሒ:” NW] ኤፍቅሮ: ንኸትርን ዓመጻን እጸልኦ እየ” ብምባል ተዛረበ። (ኢሳይያስ 61:8) ከም ናይ ፍትሒ ኣምላኽ መጠን ድማ: ነቶም ኣብ እከዮም ዝጸንዑ ደረቐኛታት ሓጥኣን ሰባት ንዘለኣለም ኣይክጻወሮምን ኢዩ። በዚ ኸኣ: የሆዋ ኣብቲ ንሱ ዝመደቦ ግዜ: ነዚ ኣብ ዓለም ዘሎ ምጕዳል ፍትሒ ከም ዘዐርዮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። ነቶም ውጹዓት ሰባት ዝባኑ ኣይክህቦምን ኢዩ።

ንፍቕርን ፍትሕን ፍጹም ሚዛናዊ ብዝዀነ መገዲ ክትጥቀመለን ቀሊል ኣይኰነን። ወላዲ እንተድኣ ዄንካ: ደቅኻ ምስ ዝብድሉ መዓስ: ብኸመይ: ከምኡውን ክሳዕ ክንደይ ከም እትቐጽዖም ኣጸጋሚ ዀይኑ ረኺብካዮዶ ኢኻ፧ ንፍትሕን ፍቕራዊ ድንጋጽን ብሚዛን ክትጥቀመለን ዓቢ ጥበብ ዝሓትት ኢዩ። የሆዋ ምስ ሰባት ርክብ ክገብር ከሎ ነዚ ባህርይ እዚ ብብዝሒ ኢዩ ዘንጸባርቖ። (ሮሜ 11:33-36) ብርግጽ: እቲ ናይ ፈጣሪ ጥበብ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንኣብነት እኳ ኣብዚ ኣብ ከባቢና ዘሎ ዘገርም ፍጥረት ክርአ ይኽእል ኢዩ።—መዝሙር 104:24፣ ምሳሌ 3:19

ይኹን እምበር: ጥበብ ምህላው ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ፈጣሪ ፍቓዱ ንምፍጻም: ሓይሊውን የድልዮ ኢዩ: መጽሓፍ ቅዱስ ድማ “ኣዒንትኹም ናብ ላዕሊ ቋሕ ኣቢልኩም ርአዩ: ነዚ ዝፈጠሮ መን እዩ፧ እቲ ንሰራዊቶም ብፍቕዲ ዜውጽኦ: በብስሞም ዚጽውዖም እዩ: ካብ ዕቤት ምልኩን ካብ ብርትዔ ሓይሉን እተላዕለ ሓደ እኳ ኣይተርፍን” ብምባል ኣዝዩ ሓያል ምዃኑ ይገልጽ። (ኢሳይያስ 40:26) የሆዋ ‘ዕቤት ምልኩ’ ተጠቒሙ ነገራት ኣዳለወ። ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሪ ናብኡ ከም እትቐርብ ዝገብረካዶ ኣይኰነን፧

ኣምላኽ ኵሎም ህዝብታት

‘የሆዋ: ኣምላኽ ናይቲ “ብሉይ ኪዳን:” ኣምላኽ ናይ ጥንቲ እስራኤልዶ ግን ኣይኰነን፧’ ብምባል ትሓትት ትኸውን። የሆዋ ንእስራኤላውያን ገዛእ ርእሱ ከም ዝገልጸሎም ሓቂ ኢዩ። ገና ግን: የሆዋ ብሓይሉ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ብምፍጣር: ‘ኣብ ምድሪ ዘሎ ዅሉ ወለዶታት ካብኡ ዝስመ’ ኣምላኽ ኢዩ። (ኤፌሶን 3:15) ንኣቦሓጐታትካ ከተኽብር ቅኑዕ ኢዩ ኢልካ ትኣምን እንተድኣ ዄንካ: ነቲ ናይዚ ሎሚ ኣብ ምድሪ ዘሎ ወለዶታት ሱርን ናይ ኵላትና ኣባሓጎን ዝዀነ ቐዳማይ ሰብኣይ ህይወት ዝሃበ: ኣካል ክትሰግደሉ ግቡእዶ ኣይኰነን፧

ፈጣሪ ወድሰብ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘሎዎ ኣይኰነን። ሓቂ ኢዩ: ሓደ ግዜ ምስ ህዝቢ እስራኤል ፍሉይ ዝምድና ነይርዎ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን እንተዀነ: ንዅሎም እቶም ስሙ ዝጽውዑ ሰባት ኢዱ ዘርጊሑሎም ኢዩ። እቲ ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ኣብቲ ናብ የሆዋ ዘቕረቦ ጸሎት ከምዚ በለ:- “ካብ ህዝብኻ እስራኤል ዘይኰነ ጓና ድማ: ንሱ ምእንቲ ስምካ ኢሉ ኻብ ርሑቕ ሃገር እንተ መጸ: . . . ብዘለዉ ህዝብታት ምድሪ ንስምካ ምእንቲ ኺፈልጡ . . . ንስኻ ኣብ ሰማይ: . . . ዄንካ ስምዓዮ: ነቲ ጓና ኸኣ ከምቲ ዅሉ ዚጽውዓካ ግበረሉ።” (1 ነገስት 8:41-43) ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ: ካብ ኵሎም ህዝብታት ዝዀኑ ሰባት ንየሆዋ ክፈልጥዎን ምስኡ ድማ ትርጕም ዘሎዎ ዝምድና ክምስርቱን ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ግን ንዓኻ ብኸመይ ኢዩ ዝትንክፈካ፧

ንየሆዋ ብምፍላጥ ዝርከብ በረኸታት

ናብቲ ኣብታ ዝሓለፈት ዓንቀጽ እተገልጸ ምሳሌ ንምምላስ: ብዝማርኽ መገዲ እተዓሸገ ጥቕላል እንተድኣ ተቐቢልካ: ብባህርያዊ መገዲ እቲ ህያብ እቲ ንምንታይ ከም ዝጠቅም ክትፈልጥ ትደሊ ኢኻ። ነቲ ህያብ ብኸመይ ኢኻ ክትጥቀመሉን ክትሕብሕቦን ዘሎካ፧ ብተመሳሳሊ: ኣምላኽ ንምድሪ ኸዳልወልና ኸሎ ኣብ ኣእምሮኡ እንታይ ከም ዝነበረ ክንፈልጥ ከድልየና ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር: ጥራያ ኽትከውን ዘይጠፈራ” ምዃኑ ይዛረብ።—ኢሳይያስ 45:18

ብዙሓት ሰባት ግን ነቲ ናይ ፈጣሪ ህያብ ኣይተኸናኸንዎን። ንምድሪ የዕንውዋ ኢዮም ዘለዉ: እዚ ድማ ንየሆዋ ዘጕሂ ኢዩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ምስቲ ትርጕም ስሙ ተሰማሚዑ: ነቲ ንሰብን ንምድርን ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ክፍጽም ወሲኑ ኢዩ። (መዝሙር 115:16፣ ራእይ 11:18) ንምድሪ ከሐድሳ ኢዩ: ነቶም ከም እዙዛት ደቁ ኰይኖም ክነብሩ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ድማ ከውርሶም ኢዩ።—ማቴዎስ 5:5

እዚ ኽፍጸም ከሎ ኵነታት ከመይ ከም ዝኸውን እታ ናይ መወዳእታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ትገልጽ ኢያ:- “እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ: ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ: ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም: . . . ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።” (ራእይ 21:3, 4) ሽዑ ዘፍቅሮ ሰብ ስለ እተፈለዮ ናይ ጓሂ ንብዓት ዝነብዕ ወይ ዝሓዝን ዋላ ሓደ ኣይክህሉን ኢዩ። ተስፋ ብምቝራጽ ሓገዝ ደልዩ ዝጭድር ወይ ድማ ሞት ዘስዕብ ሕማም ሒዝዎ ዝሳቐ ዋላ ሓደ ኣይክህሉን ኢዩ። “ሞት” እውን ከይተረፈ ‘ክሰዓር’ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 15:26፣ ኢሳይያስ 25:8፣ 33:24) እዚ ተስፋ እዚ: የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ወለድና ክፈጥሮም ከሎ: እቲ ካብ መጀመርታ ክንሕጐሰሉ ደልዩና ዝነበረ ዓይነት ህይወት ከመይ ምዃኑ ዝገልጽ ኢዩ።

ብሓቂ: ኣብ መንጎ እቶም ኣምለኽቲ የሆዋ ከምዚ ዝኣመሰለ ገነታዊ ዅነታት ሕጂ ብመጠኑ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ነቶም ኣምለኽቱ “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW] ኣምላኽካ እየ” ብምባል ነጊርዎም ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:17) የሆዋ ንዓና: ነዞም ደቁ እቲ ዝበለጸ መገዲ ናብራ ዝምህረና ሕያዋይ ኣቦ ኢዩ። እቲ ንሰባት ዘዳለወሎም መምርሒታቱ ዘየድሊ ቀይዲ ዝገብረሎም ዘይኰነስ ፍቕራዊ ዕቝባ ዝዀኖም ኢዩ። መምርሒታቱ ምስዓብ ድማ ከምቲ እቲ ጽሑፍ “ጐይታስ [“የሆዋ:” NW] መንፈስ እዩ: ኣብቲ መንፈስ ጐይታ [“የሆዋ:” NW] ዘለዎ ድማ: ኣብኡ ሓርነት አሎ” ዝበሎ: ሓቀኛ ሓርነትን ሓጐስን የፍርየሎም። (2 ቈረንቶስ 3:17) ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ መምርሒታት ብምስዓብ: ሕጂ እቶም ንግዝኣቱ ዝቕበሉ ሰባት ነቲ ሓደ መዓልቲ ኣብ ብምልኡ ናይ ደቅሰብ ዓለም ዘስፋሕፍሕ ናይ ኣእምሮ ሰላም የስተማቕሩ ኣለዉ።—ፊልጲ 4:7

የሆዋ ከመይ ዝበለ ለጋስ ኣቦ ዀን ኢዩ! ብዛዕባ እቲ ነዚ ዘገርም ፍጥረታት እዚ ዘዳለወ ኣካል ዝያዳ ክትማሃር ፍቓደኛ ዲኻ፧ ነቶም ክማሃሩ ዝደልዩ ሰባት: እቲ ዓስቢ ሕጂ እውን ከይተረፈ ብዋጋ ዘይሽነን ኢዩ። ኣብ መጻኢ ድማ እቲ በረኸት ዘለኣለማዊ ክኸውን ኢዩ።

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ስእሊ]

እቲ ብኣርባዕተ ፊደላት እብራይስጢ እተጻሕፈ መለኮታዊ ስም ኣብ ሓያሎ መናድቕ ናይ ቅድም ኣብያተ-ክርስትያናት ክርአ ይከኣል ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ