ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ ዘዳለወ መን ኢዩ፧
ሓደ ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ዝነብር ዝነበረ ኣንሪ ሙኦ እተባህለ ፈረንሳዊ ዳህሳሲ: ነቲ ኣብ ካምቦድያ ዘሎ ጫካ ብምሕላፍ ኣብቲ ነቲ ቤተ መቕደስ ከቢብዎ ዝርከብ ሰፊሕ ርባ በጽሐ። ካብቲ ደው ኢልሉ ዝነበረ ቦታ ዳርጋ ሓደ ኪሎ ሜተር ዝኸውን ርሒቑ: እቲ ሓሙሽተ ግምብታት ቤተ መቕደስ ልዕሊ 60 ሜትሮ ዝኸውን ክብ ኢሉ ይርአ ነበረ። እዚ ኣንኮር ዋት ዝበሃል ኣብ ምድሪ እቲ ዝዓበየ ሃይማኖታዊ ቅርሲ ኢዩ ነይሩ። ሙኦ ክረኽቦ ከሎ: እዚ ቤተ መቕደስ እዚ ዳርጋ ንሸውዓተ ክፍለ-ዘበናት ዝኣክል ንሕማቕ ኵነታት ኣየር ተጻዊርዎ ነበረ።
ሙኦ እቲ ብሰበባ ተሸፊኑ ዝነበረ ህንጻታት ብኢድ ሰብ እተሃንጸ ምዃኑ ክግንዘብ ክኢሉ ኢዩ። ከምዚ ብምባል ድማ ጸሓፈ:- “ብሓደ ጥንታዊ ከም ናይ ሚካኤል ኣንጀሎ ክእለት ህንጻ ዝነበሮ ሰብ እተሃንጸ ኢዩ: ካብቲ ኣብ ግዜና ዘሎ ብግሪኽን ሮሜን ንድፊ ወጺኡዎ እተሰርሐ ናይ ቅድም ህንጻታት እቲ ዝዓበየ ኢዩ።” ንኽፍለ-ዘበናት ዝኣክል ቍሊሕ ዝብሎም እኳ እንተ ዘይረኸቡ: ብድሕርዚ ዓበይቲ ህንጻታት እዚ ግን ሓደ ንድፊ ዘውጽአ ሰብ ከም ዝነበረ ምንም ምጥርጣር ኣይነበሮን።
ዘገርም ድማ: እቲ ቅድሚ ነዊሕ ክፍለ-ዘበናት እተጻሕፈ ናይ ጥበብ መጽሓፍ: እዛ ኣብ ከባቢና ዘላ ዓለም ናይ ሓደ ንድፊ ዘውጽእ ኣካል ውጽኢት ክትኰነሉ እትኽእል ምኽንያት ክገልጽ ከሎ ተመሳሳሊ መርትዖ ተጠቕመ። ምድሪ ናይ ግድን ተፈጢራ ክትከውን ኣለዋ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ: እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ” ብምባል ጸሓፈ። (እብራውያን 3:4) ገሊኦም ‘እቲ ናይ ተፈጥሮ ስርሓት ካብቲ ሰባት ዝሰርሕዎ ነገራት እተፈልየ ኢዩ’ ብምባል ምስዚ ምንጽጻር እዚ ከይሰማምዑ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር: ነዚ ተቓውሞ እዚ ዝድግፉ ኵሎም ተመራመርቲ ኣይኰኑን። ኣብ ዩኒቨርስቲ ሊሃይ ናይ ባዮኬምስትሪ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር ማይክል ቢሂ “ባዮኬሚካላዊ ኣገባባት ህይወት ዘይብሉ ነገር ኣይኰነን” ብምባል ኣፍልጦ ድሕሪ ምሃቡ “ህወይት ዘሎዎ ባዮኬሚካላዊ ኣገባባት ብምስትውዓል ንድፊ ክወጾ ይከኣል ድዩ፧” ብምባል ይሓትት። ቀጺሉ ድማ ሕጂ ሊቃውንቲ ከም ጀኔቲክ ኢንጅነሪን ዝኣመሰለ ሜላታት ተጠቒሞም ህይወት ንዘለዎም ነገራት መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽእ ንድፊ የውጽኡ ከም ዘለዉ ይሕብር። ክልቲኡ ማለት ህይወት ዘለዎን ዘይብሉን ነገራት ክንደፍን ክውጠንን ከም ዝከኣል ንጹር ኰይኑ ኣሎ! ቢሂ ኣብቶም ደቀቕቲ ፍጥረታት ዝዀኑ ህያዋን ዋህዮታት መጽናዕቲ ብምግባር: እቲ ንኽሰርሕ ኣብ ንሓድሕዱ እተመርኰሰ ብብዙሕ ክፍለ-ኣካላት ዝቘመ ዘገርም እተሓላለኸ ኣገባባት ይዛረብ። እንታይ ኢሉኸ ደምደመ፧ “ውጽኢት ናይዚ ብዛዕባ ዋህዮ መጽናዕቲ ንምክያድ—ብዛዕባ እቲ ኣብ ሞለኲላዊ ደረጃ ዘሎ ህይወት መጽናዕቲ ንምክያድ—እተገብረ ብዙሕ ጻዕሪ: ዋህዮ ‘ብንድፊ!’ እተረኽበ ምዃኑ ኢዩ ኣነጺሩ ዝገልጽ።”
ብዛዕባ ኣድማስ መጽናዕቲ ዝገብሩ ተመራመርትን ናይ ፊዚክስ ምሁራትን ብተመሳሳሊ ብዛዕባ ዓለምን ኣድማስን መጽናዕቲ ብምግባር ኣብ ሓደ ዘገርም ሓቅታት ዝገልጽ መደምደምታ በጺሖም ኢዮም። ንኣብነት: ኣብ ዝዀነ ይኹን ናይ ኣድማስ ቀዋሚ ኣሃዛት ኣዝዩ ንእሽቶ ለውጢ እውን ይኹን ከይተረፈ ነይሩ እንተ ዝኸውን: ኣድማስ ህይወት ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል ከም ዝነበረ ሕጂ ይፈልጡ ኢዮም።a ብረንደን ካርተር እተባህለ ብዛዕባ ኣድማስ ዘጽንዕ ተመራማሪ ነዚ ሓቅታት እዚ ዘደንጹ ኣጋጣሚታት ብምባል ጸውዖ። ይኹን እምበር: ብተኸታታሊ እተተሓሓዘ ምስጢራዊ ዝዀነ ኣጋጣሚታት እንተ ዘጓንፈካ: እንተወሓደ ነዚ ኣጋጣሚታት እዚ ዘዳለወ ከም ዘሎ ኣይምተጠራጠርካንዶ፧
ብርግጽ: ብድሕርዚ እተሓላለኸ ኣገባባት ከምኡውን ጥንቃቐ ዘለዎ ምቅናዕ እተገብረሉ “ኣጋጣሚታት” ሓደ ንድፊ ዘውጽእ ኣካል ኣሎ። ንሱ መን ኢዩ፧ ፕሮፌሰር ቢሂ “ነዚ ንድፊ እዚ ዘውጽእ ኣካል ብስነ-ፍልጠታዊ ሜላታት ገይርካ ክትፈልጦ ምፍታን ኣዝዩ ኣሸጋሪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ” ብምባል ይእመን: ነዚ ሕቶ እዚ ድማ “ፍልስፍናን ትምህርቲ ሃይማኖትን” መልሱ ንምርካብ ክፍትኑ ይገድፈሎም። ብብሕትኻ እዚ ሕቶ እዚ ዘይምልከተካ ኰይኑ ክስምዓካ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ንዓኻ ብሓቂ ዘድልየካ ጽቡቕ ነገራት ዝሓዘ ጥቕላል እንተ ዝመጸካ: መን ከም ዝለኣኸልካ ክትፈልጥዶ ኣይምደለኻን፧
ብምሳሌያዊ ኣዘራርባ: ከምዚ ዝኣመሰለ ጥቕላል—ብህይወት ንኽንነብርን ንኽንሕጐሰሉን ዘኽእለና ዘገርም ህያባት ዝመልአ ጥቕላል—ተቐቢልና ኢና። እዚ ጥቕላል እዚ ምድርን እቲ ህይወት ክህሉ ዝገብር ኵሉ ፍሉይ ኣገባባታን ኢዩ። ነዚ ህያባት እዚ ዝሃበና መን ምዃኑ ክንፈልጥ ክንደሊ ይግብኣናዶ ኣይኰነን፧
እቲ ዘሐጕስ ከኣ እቲ ለኣኺ ምስቲ ጥቕላል ኣተሓሒዙ መልእኽቲ ሰዲዱ ኢዩ። እቲ “መልእኽቲ” ድማ እቲ ኣቐድም ኣቢሉ እተጠቕሰ ናይ ጥበብ መጽሓፍ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ናይ መእተዊ ቃላቱ: ነዚ ጥቕላል ዝሃበና መን ኢዩ ንዝብል ሕቶ: “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” ብምባል ቀሊልን ንጹርን ብዝዀነ ዘገርም መገዲ ገይሩ ይምልሶ።—ዘፍጥረት 1:1
ፈጣሪ ኣብቲ ዝሰደዶ “መልእኽቲ”: “እቲ ንሰማያት ዝፈጠሮን . . . ንምድርን ንሳ እተብቍሎን ዝዘርግሔ: ነቲ ኣብኣ ዘሎ ህዝቢ ኸኣ ትንፋስ ዝሀበ: . . . እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ኣምላኽ ከምዚ ይብል” ኢሉ ስሙ ብምንጋር ንገዛእ ርእሱ የፋልጥ። (ኢሳይያስ 42:5 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: የሆዋ ናይቲ ንኣድማስ ዝነደፈን ኣብ ምድሪ ድማ ሰብኣይን ሰበይትን ዝፈጠረ ኣምላኽ ስም ኢዩ። ይኹን እምበር የሆዋ መን ኢዩ፧ ከመይ ዝበለ ኣምላኽከ ኢዩ፧ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኵሎም ሰባትከ ክሰምዕዎ ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧
[እግረ-ጽሑፍ]
a እቲ ብእንግሊዝኛ “ኮንስታንትስ ” ዝበሃል ቀዋሚ ኣሃዛት ኣብ ብምልኡ ኣድማስ ክቕየር ዘይክእል ዝመስል ቍጽርታት ኢዩ። ክልተ ኣብነታት ናይ ብርሃን ፍጥነት ከምኡውን ስሕበት ምስ ክብደት ዘሎዎ ዝምድና ምጥቃስ ይከኣል።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ኣንኮር ዋት ብሰባት እተሃንጸ ኢዩ ነይሩ
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]
ህያብ ክመጸካ ከሎ: መን ከም ዝለኣኸልካ ክትፈልጥዶ ኣይምደለኻን፧