ካብቲ ናይ ከተማ ነዋሕቲ ህንጻታት ክሳዕ እቲ ብበረድ እተሸፈነ ምድረ በዳ ናብ ሰባት ኪዱ
ዝናም ይኹን ውርጪ: በረድ ይኹን ተዃሉ: ኣናብስ ይኹኑ ተጻባእቲ ደቀባት ነቲ ዝነበሮም ናይ ቈራጽነት መንፈስ ከቕህምዎ ኣይከኣሉን። ናብቲ ምዕራባዊ ገማግም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ህጹጽ መልእኽቲ ንምብጻሕ ብርቱዕ ኣፍላጋትን ዓሚቝ ስንጭሮታትን ሰውሕን ብምቍራጽ: ብዘገርም ናህሪ 3,000 ኪሎ ሜተር ተጓዕዙ። እዚኣቶም እንታዎት ኢዮም ነይሮም፧
እዚኣቶም ፖኒ ኤክስፕረስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣገልግሎት ምብጽጻሕ መልእኽቲ ንምፍጻም ኣፍራስ ተወጢሖም ዝጐዩ ደፋራት መንእሰያት ኢዮም ነይሮም።a ኣብዞም መንእሰያት እዚኣቶም ከምዚ ዝበለ ውዕዉዕ መንፈስ ከም ዝለዓዓል ዝገበረ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ምናልባት እቲ ዘጋጥም ብድሆ: እቲ ድፍረት ዝሓትት ሓደገኛ ጕዕዞ: ከምኡውን እቲ መልእኽቲ ኣብ ቦትኡ ከም ዝበጽሕ ብምግባር ዝርከብ ዕግበት ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ዘገርም ድማ: ነፍሲ ወከፍ ፈረሰኛ ኣብቲ ናይ ኮረሻ ቍርባብሽኡ ምስቲ ህጹጽ መልእኽቲ ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ይስከም።
ልዕሊ ሓደ ክፍለ-ዘበን ጸኒሑ: በቶም ኣብ ምልእቲ ካናዳ ዘለዉ ልዕሊ 113,000 ዝዀኑ ውፉያት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዓበየ መንፈስ ቈራጽነትን ውዕዉዕ ስምዒትን ተወፋይነትን ተራእዩ ኢዩ። እቲ ዘለዓዕሎም ድራኸ እንታይ ኢዩ፧ ንኣምላኽን ንብጻዮምን ዘለዎም ፍቕሪ ብጽሑፍን ብቓልን ናይታ መንግስቲ ሓቂ ንኸብጽሑ ኣለዓዓሎም። እዚ ህይወት ዝህብ ሓቂ እዚ ካብቲ ብኣገልግሎት ፖኒ ኤክስፕረስ ዝበጽሕ ዝነበረ ዝዀነ ይኹን መልእኽቲ ንላዕሊ ኣዝዩ ህጹጽ ኢዩ። እወ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ክቡር መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ኢዩ: እዚ እቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ኮረሻ ቍርባብሻ ናይቶም ፈረሰኛታት ኣገልግሎት ፖኒ ኤክስፕረስ ዝርከብ ዝነበረ መጽሓፍ ኢዩ።—ምሳሌ 2:21-22፣ ኢሳይያስ 2:2-4፣ 61:2፣ ማቴዎስ 22:37-39፣ 24:14
ንየሆዋን ንሰባትን ብዘለዎም ፍቕሪ እተለዓዓሉ
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ብዛዕባ እታ መንግስቲ ምዝራብ ባህ ኢዩ ዘብሎም። ኣብቲ ናይ ከተማ ነዋሕቲ ህንጻታት: ኣብቲ ብበረድ እተሸፈነ ርሑቕ ቦታታት ኣብ ዝርከብ ማሕበረሰባት: ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ: ኣብ መገድታትን ካልእ ህዝባዊ ቦታታትን: ከምኡውን ብቴሌፎን ከምኡ ክገብሩ ኢኻ እትረኽቦም። ኣብ ከምዚ ዝበለ እተፈላለየ ቦታታት ዝግበር ስለምንታይ ኢዩ፧
ብሰንኪ ቁጠባውን ኵነታት ህዝብን ዝመጽእ ተለዋዋጢ ናብራ ህይወት ንሰባት ኣብ ገዝኦም ክትረኽቦም ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኢዩ። ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት: ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ነታ ስድራቤት ዘድልያ መሰረታዊ ነገራት ንምምእራር ይሰርሑ: እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ብመንፈስ ዘድሊ ነገራት ሸለል ብምባል ኢዩ ዝግበር። ኣብ ከምዚ ዝበለ ጸቕጥታትን ጭንቀትን ከለዉ: ደስ ዘብል ናይ ተስፋ መልእኽቲ ብሓቂ ኢዩ ዘድልዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ተሓጒሶም ኢዮም ዝምልስሉ። ውሕልነትን ሕያውነትን ተጠቒሞም: ብዝማርኽን ስምዒት ብዝትንክፍን ኣገባብ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ብስራት ንምንጋር ኣጋጣሚታት ይፈጥሩ።—1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4
ብኻልእ ቋንቋታት:- የሱስ ንሰዓብቱ ‘ከይዶም ደቀ መዛሙርቲ ክገብሩ’ ክእእዞም ከሎ: ነቲ ናይ ተስፋ መልእኽቲ ናብቶም እተፈላለየ ቋንቋታት ዝዛረቡ ሰባት ኣብ ምብጻሕ ተበግሶን ቈራጽነትን ክግበር ዝእምት ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 28:19) ልክዕ ከም ካልኦት ብዙሓት ሃገራት: ካናዳ እውን እተፈላለየ ባህልታትን ቋንቋታትን ዝርከበላ ሃገር ኰይና ኣላ: ብዙሓት ኣወጅቲ መንግስቲ ድማ ሓደስቲ ቋንቋታት ብምምሃር ምስቲ ኵነታት ተለማሚዶም ኣለዉ።
ንኣብነት ኣብ ኤድመንተን: ኣልቤርታ: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን: ኣብታ ከተማኦም ማንደሪን እተባህለ ቋንቋ ቻይና ዝዛረቡ ክብጽሑ ዘድልዮም ሰባት ከም ዘለዉ ኣስተብሃሉ። ይኹን እምበር: መጀመርታ እዞም ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ቛንቋ ክማሃርዎ ስለ ዝነበሮም: ምስ ሓደ ቋንቋ ማንደሪን ዝዛረብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ተማሃራይ ተራኸቡ። ንሱ ንዓኣቶም እቲ ቋንቋ ክምህሮም ንሳቶም ድማ ንዕኡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክምህርዎ ተሰማምዑ። ከመይ ዝበለ ጽቡቕ ምግጣም ኰን ኢዩ! ኣብ ውሽጢ 24 ኣዋርሕ እዞም ክልተ ውፉያት ኣወጅቲ መንግስቲ ብቛንቋ ማንደሪን ክምህሩ ብቑዓት ኰኑ። ምስናይዚውን: እቲ መምህሮምን ተማሃራዮምን ዝነበረ ሰብ ንክርስትያናዊ ጥምቀት ብቑዕ ኰነ።
ኣብ ካልኦት ከተማታት እውን ብፍቕሪ እተለዓዓሉ ኣወጅቲ መንግስቲ ከም ፖሊሽ: ራሻ: ቬትናሚዝ ዝኣመሰለ ቋንቋታት ብምምሃር ተመሳሳሊ ተመክሮታት ኢዮም ዘሕልፉ ዘለዉ።
ኣብ መገዲ :- ልክዕ ከምቶም ኣብ ዝሓለፈ ዘበን ንበይኖም ዝጋልቡ ዝነበሩ ናይ ፖኒ ኤክስፕረስ ፈረሰኛታት: ኣብ ብሪቲሽ ኮሎምብያ ዘለዉ ገሊኦም ኣወጅቲ መንግስቲ ድማ ኣብ ናይ ጽዕነት ማካይን ንበይኖም ኢዮም ዝጓዓዙ። ዝበዝሕ ግዜኦም ኣብ ማእከል ዱር: ኣጕናድ ዝጸዓና ዓበይቲ ማካይን እናዘውርካ ናብቲ ዕንጸይቲ ዝጽረበሉ ፋብሪካታት ኣብ ምውሳድ ኣብ ዓለማዊ ስራሕ ኢዮም ዘሕልፍዎ። እዚ ድማ ሲቢ (ሲትዘንስ ባንድ) ዝዓይነተን ረድዮ ተጠቒምካ ብዛዕባ መስመር ትራፊክን ናይ መገዲ ሓደጋታትን ምስ ካልኦት መራሕቲ ማካይን ቀጻሊ ርክብ ምግባር ዝሓትት ኢዩ።
እዞም ናይ መንግስቲ ኣወጅቲ እዚኣቶም ብሜላ ነተን ሲቢ ረድዮታቶም ብፍሉይ መገዲ ኢዮም ዝጥቀሙለን። ንሓደ እዋናዊ ፍጻመ ብምጥቃስ በታ ረድዮ ምይይጥ ይጅምሩ። ድሕርዚ ብውሕልነት ነቲ ዝርርብ ናብ መጽሓፍ ቅዱስ የቃንዕዎ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓደ ብጻዮም መራሕ ማኪና ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ተስፋ ምዉታት ዝዛረቦ ነገራት ምላሽ ሂብሉ ኢዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29፣ ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ኣብ ጕዕዞ ዘጋጠመ ድንገታዊ ሞት ናይ ሓደ ብጻዮም ዝነበረ መራሕ መኪና ኣዝዩ ተንኪፍዎ ነበረ። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብር ፍቓደኛ ኰነ: ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ንኻልኦት መሳርሕቱን ኣዕሩኹን እቲ ብስራት ይእውጀሎም ኣሎ። ብተወሳኺ: በዓልቲ ቤት ናይቲ ዝሞተ ዓርኩ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ምጅማራ ድማ ኣሐጒስዎ ኢዩ። እዝስ ነቲ ህይወት ዝህብ መልእኽቲ ናይቲ ሓቂ በዚ ልሙድ ዘይኰነ ኣገባብ ንምቕራብ እተወስደ ተበግሶ ዝበቅዕ ከመይ ዝበለ ዓስቢ ኰን ኢዩ!
ብነፋሪት:- ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ነቲ ኽቡር መልእኽቲ ቃል ሓቂ ብምብጻሕ ዝመጸ: ንኣሽቱ ነፈርቲ ተጠቒሞም ናብቲ ሰባት ክርከብሉ ዝኽእሉ ዘበለ ‘ዓድታት ይኣትዉ’ ኢዮም ዘለዉ። (ማቴዎስ 10:11, 12) ገለ ግዜ ኣቢሉ ይገብር: ናይ ገዛእ ርእሶም ወጻኢታት ብምሽፋን ነቲ ብስራት ንምእዋጅ ብቕንኢ እተለዓዓሉ ጕጅለ ሰባት ዝሓዛ ክልተ ነፈርቲ: ናብቲ ሰባት ፋሕ ኢሎምሉ ዘለዉ ብበረድ እተሸፈነ ሰፊሕ ምድረ በዳ በረራ። ነፍሲ ወከፍ ነፋሪት ናብ ኣርክቲክ ሰርክል ቅድሚ ምእታውካ ኣብ ናይ 250 ኪሎ ሜተር ርሕቀት ዘሎ ቦታ ብምብጻሕ: እተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣብ ዝርከብዎ 14 ቦታታት እናዓለበት ገለ 3,000 ኪሎ ሜተር ተጓዕዘት። እዞም ዘይሕለሉ ኣወጅቲ እዚኣቶም ነቶም ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታታት ተነጺሎም ዝርከቡ ሰባት ንምብጻሕ ንሸውዓተ መዓልትታት ኣብኡ ቀነዩ።
እዚ ዅሉ ጻዕሪኸ ረብሓ ነይርዎዶ፧ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ኣብዞም ማሕበረሰባት እዚኣቶም ዘሕደሮ ኣወንታዊ ጽልዋ እሞ ሕሰበሉ። እቶም በጻሕቲ ኣገልገልቲ: ነታ ድሕሪ ቐረባ ግዜ እትመጽእ ገነታዊት ምድሪ ዝምልከት ዕላማ የሆዋ ምስ ገለጹሎም ኣድላዪ ዝዀነ መንፈሳዊ ጽምኢ ኣብ ምርዋይ ሓጊዞም ኢዮም። (ማቴዎስ 5:3) እቶም ነቲ መልእኽቲ ዘብጽሑ ንዓዶም ምስ ተመልሱ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ: ኣብተን ማሕበረሰባት ዝነበሩ ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ካብቲ እተዓደልዎ 542 መጽሓፍ ቅዱሳት ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዝሕግዝ ጽሑፋት: 3,000 መጽሔታት ከንብቡ ክኢሎም ኢዮም።—ምስ ግብሪ ሃዋርያት 12:24 ኣረኣእዮ።
ብቴሌፎን:- ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ተቐማጦ ከተማ: እተራቐቐ ጽኑዕ ሓለዋ ኣብ ዝግበረሉ ነዋሕቲ ህንጻታት ኢዮም ዝነብሩ። ይኹን ድኣምበር: ውፉያት ኣወጅቲ መንግስቲ ብቕንእን ውሕልነትን ኢዮም ተበጊሶም። ናብቲ እዞም ሰባት እዚኣቶም ዝቕመጥሉ ቦታ ክበጽሑ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ ገጽ ንገጽ ምርኻብ ዝምረጽ እኳ እንተዀነ: መብዛሕትኡ ግዜ ግን ነቲ ኣብቲ ህንጻ ዘሎ ናይ መራኸቢ መስመር ኢዮም ጽቡቕ ገይሮም ዝጥቀምሉ። ከምዚ ምግባር ዘይከኣል ምስ ዝኸውን: ነቲ ናይ ቴሌፎን መሐበሪ ተጠቒሞም ናብ ሰባት ይድውሉ።
ሓደ ንግሆ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሰበይቲ ቴሌፎና ምስ ደወለት ተልዕላ። ሕጽር ዝበለ ግቡእ ሰላምታ ምስ ቀረበላ: ሰባት ብምሸት ኣብ ጽርግያታት ከይፈርሁ ክዛወርሉ ዝኽእሉ ግዜ ክህሉ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ዘለዋ እንተድኣ ኰይና ተሓተት። ኣብ መጻኢ ሰላም ብብዝሒ ክህሉ ምዃኑ ዘረጋግጸላ ጥቕስታት ድማ ተነበላ። (መዝሙር 37:10, 11፣ ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:9, 10) ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ስለምንታይ ክንኣምን ከም እንኽእል ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ልክዕ ኣብታ ሰዓት እቲኣ ብቴሌፎን ክትመያየጥ ተሰማምዐት። እታ ናይ መንግስቲ ኣዋጂት ንሓደ ወርሒ ዝኣክል ቴሌፎን ገይራ ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ እተዳለወ ጽሑፍ: ሕጡብ ጽሑፋት ብምንባብን ግቡእ ዝዀነ ሕቶታት ብምሕታትን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ድሕሪ ምግባራ: እታ ሰበይቲ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣዝዩ ብዙሕ እተፈላለየ ትምህርትታት ክትማሃር ብምኽኣላ ኣመስገነታ። ዓይነት ናይታ ዘጽንዓኣ ዝነበራ መጽሓፍ እትንገረሉን ናይ ብሕታ ቅዳሕ እትዋሃበሉን ግዜ ድማ መጸ። ክልቲአን ብብሕቲ ዝራኸባሉ ምድላዋት ከኣ ተገብረ። ብርግጽ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሰባት ዘለዎም ፍቕሪ ገሊጾም ኢዮም: ሰባት ድማ የሆዋ ምስዞም ክርስትያን ሰበኽቲ እዚኣቶም ከም ዘሎ ኣፍልጦ ብምሃብ ምላሽ ይህቡ ኢዮም ዘለዉ።—ምስ 1 ቈረንቶስ 14:25 ኣረኣእዮ።
ብጽሑፍ:- ኣብታ ፈረንሳይኛ ዝዛረቡ ሰባት ብብዝሒ ዝርከቡዋ ኣውራጃ ኲቤክ ዘለዉ ኣወጅቲ መንግስቲ እውን ኣብቲ ሰባት ዝርከቡዎ ዘበለ ቦታታት ይኸዱ ኢዮም ዘለዉ። ሓደ ገያሺ ኣገልጋሊ ከምዚ ብምባል ትዕዝብቱ ይገልጽ:- “እቶም ኣሕዋት ብሰንኪ ሕሱም ምጽራር ናይ ቤተ-ክርስትያን ንብዙሕ ዓመታት ምዕባለ የርእዩ ከም ዘይነበሩ ተሰሚዕዎም ኢዩ። በቲ እቶም ኣሕዋት ዘርኣይዎ ዘይሕለል ጻዕርን ተመላሊስካ ምብጻሕን ግን: እቲ ብሓቂ ክርአ ኸሎ ዘይፍለጥን ብሒደት ሰባት ጥራይ ከኣ ዝንበብን ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ: ሎሚ ኣብ መብዛሕትኡ ኣባይቲ ይርከብ ኣሎ።”
ነቶም ናይ ሕክምና ምሁራት ሓዊስካ: ካብ ኵሉ ደረጃታት ናይቲ ኣብ ኲቤክ ዘሎ ሕብረተሰብ ሓደስቲ ወንጌላውያን ምስ መጹ ዘሐጕስ ፍረ ተረኺቡ ኢዩ። ናይ ሓደ ሓኪም ኵነታት ልክዕ ከምዚ ኢዩ። ንርእሳ ኣዋጂት መንግስቲ ዝዀነት በዓልቲ ቤቱ: ወትሩ ምስኡ ኰይና ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተስፋ ትመያየጥ ነበረት። ሓደ ትኩር ናይ ጉባኤ ሽማግለ ተበግሶ ብምውሳድ እታ ሃው ካን ብላድ ሰይቭ ዩር ላይፍ፧ እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ትውሰደሉ ኣብ ዝነበረት ግዜ ናብቲ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ክመጽእ ዓደሞ። ናብቲ ኣኼባ መጺኡ ተሳትፎ እውን ከይተረፈ ገበረ። በቲ ቑም ነገርን መንፈሳዊ ዕምቈትን ናይቲ ምይይጥ ስለ እተመሰጠ: ናይ ብሕቲ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክግበረሉ ፍቓደኛ ኰነ። ኣብዚ እዋን እዚ ንሱ እውን ኣዋጂ መንግስቲ ኰይኑ ኣሎ።
ንመጽሔታት ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ምጥቃም ሰባት ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽስሓቡ ኣገዳሲ ግደ ኢዩ ዘለዎ። ሓደ ሰብ ናብ ሓቂ ክመጽእ ኣየነይቲ ዓንቀጽ ጽልዋ ከም እተሕድረሉ ዝፈልጥ ሰብ የለን። ሓንቲ ናይ መንግስቲ ኣዋጂት ንሓንቲ ነቲ መልእኽቲ ክትሰምዖ ዘይትደሊ ግናኸ ብዛዕባ ደቀቕቲ ነፍሳት እትግደስ ዝነበረት ጐረቤታ ሓንቲ ናይ ንቕሑ! ሕታም ኣበርከተትላ። እቲ ኣብ ናይ 22 ሕዳር 1992 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) “ቻጋስ ዲዝዝ —ኤ ኪስ ኦቭ ዴዝ ” ኣብ እትብል ዓንቀጽ ዘሎ ስእሊ ተንከፋ። በቲ ዘንበበቶ ስለ እተመሰጠት: ካልእ ተወሳኺ መጽሔታት ክዋሃባ ሓተተት። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ: ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ ንኻልኦት ትሰብኽ ነበረት።
ኣብ ህዝባዊ ቦታታት:- ናይ ካናዳ ሕጊ ኣብ ከም መዕርፎ ነፈርቲ ዝኣመሰለ ህዝባዊ ቦታታት ናጻ ኴንካ ክትዛረብ የፍቅድ ኢዩ። ኣብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ሃሊፋክስ: እቶም ኣወጅቲ መንግስቲ ናብቶም ነፈርቲ ዝጽበዩ ገያሾ ውሕሉል ብዝዀነ ኣገባብ ብምቕራብ ዕላል ይጅምሩሎም። ነቲ ዕላል ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ንምቅንዑ እዋናዊ ዝዀነ መሪሕ ሕቶታት ይጥቀሙ። ኣብ ጁባ እትኣቱ መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ ጽሑፋትን ስለ ዝማልኡ: ብመንፈስ ንዘድሊ ነገራት ምላሽ ክህቡ ይኽእሉ ኢዮም። ናይ መጥባሕቲ ሓካይም: ሊቃውንቲ: ጠበቓታት: መራሕቲ ነፈርቲ: ኣቕሽሽቲ: ፖሊስ: መራሕቲ ታክሲ: መሃንድሳት: መምህራን: ወተሃደራዊ ሰበ-ስልጣን: ከምኡውን ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ፖለቲከኛታት ካብቶም በዚ መገዲ እዚ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ዝስምዑን ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዘርኢ ቃል ሓቂ ንኽፈሪ ድማ ተማሊኦምዎ ዝኸዱን ሰባት ኢዮም።—ቈሎሴ 1:6
ሓደ ንግሆ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ: ሓደ ሰብኣይ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ወሰደ። ድሕርዚ ቀስ ኢሉ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ ከይትዀኑ!” በለ። ስለምታይ ኢዩ ከምዚ ዝበለ መልሰ-ግብሪ ዘርኣየ፧ እቲ ሰብኣይ ኣብቲ ኣምልኾ ዝካየደሉ ክፍሊ ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ኰይኑ ዝሰግድ ዝነበረ ውፉይ ኣማኒ ምስልምና ኢዩ ነይሩ። ኣምላኽ ጥበቡን ምስትውዓሉን ሓቁን ክገልጸሉ ይጽሊ ነበረ። ናይ ጸሎቱ ቅልጡፍ መልሲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ምርካቡ ድማ ደንጸዎ።
ብርግጽ: ኣብ ካናዳ ዘለዉ ተባዓት ኣወጅቲ መንግስቲ ነቲ ኽቡር መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ንምዝርጋሕ ዝዀነ ይኹን ነገር ክዕንቅፎም ኣየፍቅድሉን ኢዮም። ናይ ወጻኢ ቋንቋታት: ሓባጥ ጎባጥ ዝዀነ ዶራን መገድታት: ኣብ ርሑቕ ቦታታት ዝርከቡ ማሕበረሰባት: ወይ ኣብ ከተማ ዝርከብ እተራቐቐ ሓለዋ ጸጥታ ዝግበረሉ ነዋሕቲ ህንጻታት ዕንቅፋት ክዀኖም ኣየፍቅድሉን ኢዮም። እቲ ህይወት ዝህብ ናይ ኣምላኽ መልእኽቲ ናብቶም ቅኑዕ ዝልቦም ደለይቲ ሓቂ ከም ዝበጽሕ ንምግባር ቈሪጾም ኢዮም። ምስቶም ኣብ ምሉእ ዓለም መተዓይይቶም ዝዀኑ ኣሕዋቶም ብምዃን: ነቲ ‘ኬድኩም ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ’ ዝብል ትእዛዝ የሱስ ብዘይ ስስዐ ኢዮም ዝሕልውዎ።—ማቴዎስ 28:19
[እግረ-ጽሑፍ]
a ፖኒ ኤክስፕረስ ካብ 1860 ክሳዕ 1861 ን18 ኣዋርሕ ጥራይ ዝቐጸለ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበረ መልእኽቲ ናይ ምብጽጻሕ ኣገልግሎት ኢዩ።
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ሳጹን]
ዕዉታት ኣወጅቲ መንግስቲ ቴሌፎን ይጥቀሙ ኢዮም
ገሊኦም ከምዚ ዝስዕብ ይብሉ:- “ሰላም: እገለ እበሃል [ስምካ ንገር]። ኣብዚ እትነብርሉ ህንጻ ምስ ዘለዉ ሰባት ሰላም ብኸመይ ክርከብ ከም ዝኽእል ሕጽር ዝበለ ዝርርብ እገብር ኣለኹ። ኣብ ምሉእ ዓለም ሰላም ክህሉ ኢዩ ኢልኩም ሓሲብኩምዶ ትፈልጡ፧ [መልሲ ተጸበ።] ፍዅስ ምእንቲ ክብለኩም: ብዛዕባ ሓደ ነገር መጽናዕቲ ዝገብር ወይ ኣቕሑ ዝሸይጥ ሰብ ኣይኰንኩን። ኣብ ክንድኡ: ኣምላኽ ብሓቂ ሰላም ከምጽእ ምዃኑ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝረኸብክዎ ሓሳብ ኢየ ዘካፍል ዘለኹ።” ድሕርዚ እቲ ዕላል ሕጽር ዝበለ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ ብምሃብ ኽቕጸል ይከኣል።
ካልኦት ድማ ከምዚ ይብሉ:- “ከመይ ኣምሲኹም፧ እገለ እበሃል [ስምካ ንገር]። ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ወለንተኛ ኢየ። ኣብዚ ህንጻኹም ናይ ዝነብሩ ውልቀ-ሰባት ርእይቶታት ክሰምዕ ጸኒሐ። ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ እቲ ኣብ ከባቢና እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽን ገበንን ንብሕታዊ ድሕንነት ዝምልከት ይሻቐሉ ኢዮም። ንዓኹምከ የሻቕለኩም ድዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] ምልእቲ ዓለም ድሕንነት ዝስምዓ እትዀነሉ ግዜ ክመጽእ ኢዩ ኢልኩም ሓሲብኩምዶ ትፈልጡ፧” መልሲ ክህብ ተጸበዮ: ድሕሪኡ ድማ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳብ ሃብ።