ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ንጡፋት ኢዮም
“ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም።”—ግብሪ ሃዋርያት 1:8
1. የሱስ ሰዓብቱ ኣብዚ ግዜና እንታይ መልእኽቲ ክእውጁ ከም ዘለዎም ኢዩ ዝተዛረበ?
ነቲ የሆዋ ንወዱ ኣብ ምድሪ ብምስዳድ ክዓዮ ዘለዎ ዕዮ ክገልጾ ኸሎ የሱስ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኽ ይግብኣኒ ኢዩ” በለ። (ሉቃስ 4:43) ብተመሳሳሊ፡ ብዛዕባ’ቲ ብንጉሳዊ ስልጣኑ ኣብ ምድሪ ክምለስ ከሎ ደቀ መዛሙርቱ ክዓይዎ ዘለዎም ዕዮ ክዛረብ ከሎ የሱስ “እዚ ወንጌል [ብስራት ትሓዓ] መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” በለ።—ማቴዎስ 24:14
2. (ሀ) እቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ሰፊሕ ተፈላጥነት ክረክብ ኣዝዩ ኣድላዪ ኾይኑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ? (ለ) ኵላትና ንገዛእ ርእስና እንታይ ኢልና ኢና ክንሓትት ዝግብኣና?
2 ስለምንታይ ኢዩ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዛረብ ዜና ክሳዕ ክንድዚ ኣገዳሲ ዝኸውን? ስለምንታይ ኢያ እታ መንግስቲ ሰፊሕ ተፈላጥነት ዘድልያ? ምኽንያቱ እዛ መሲሓዊት መንግስቲ እዚኣ ኢያ ነቲ ናይ የሆዋ ጠቕላላዊ ልዕልነት እትሕለቐሉ። (1 ቈረንቶስ 15:24-28) ብእኣ ገይሩ ኢዩ የሆዋ ፍርዱ ኣብ ልዕሊ’ዚ ሕጂ ዘሎ ሰይጣናዊ ኣገባብን ንኹሎም ስድራቤታት ናይ ምድሪ ክባርኽ ኣትዩዎ ዘሎ መብጽዓን ዝፍጽሞ። (ዘፍጥረት 22:17, 18፣ ዳንኤል 2:44) ብዛዕባ እታ መንግስቲ ምስክርነት ከም ዝወሃብ ብምግባሩ፡ የሆዋ ነቶም ደሓር ምስ ወዱ መዋርስቲ ክኾኑ ዝቐብኦም ክረኽቦም ክኢሉ ኢዩ። በዚ ምእዋጅ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ድማ ሎሚ ናይ ምፍልላይ ዕዮ ይፍጸም ኣሎ። (ማቴዎስ 25:31-33) የሆዋ ንኹሎም ህዝብታት ብዛዕባ ዕላምኡ ከፍልጦም ይደሊ ኢዩ። ከም ተገዛእቲ ናይታ መንግስቱ ኰይኖም ህይወት ምእንቲ ክመርጹ ኣጋጣሚ ክረኽቡ ይደልዮም ኢዩ። (ዮሃንስ 3:16፣ ግብሪ ሃዋርያት 13:47) ንስኻኸ ነዛ መንግስቲ እዚኣ ብምእዋጅ ምሉእ ተሳትፎዶ ተርኢ ኣሎኻ?
መወዳእታ ዘመናት ኣህዛብ ብሃንቀውታ ምጽባይ
3. (ሀ) ሲ.ቲ. ራሰል ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ጉጅለታት ከተሓባብር ኢሉ ዝገበሮ ቀዳማይ ጉዕዞኡ እንታይ ምስቲ ኵነታት ዝሰማማዕ ዝርርብ ኢዩ ዝሃበ? (ለ) እቶም ቀዳሞት ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ክትሕዞ ዝግባእ ቦታ እንታይ ምርዳእ ወሲዶምሉ ነይሮም?
3 ብ1880፡ ቻርለስ ተይዝ ራሰል፡ እቲ ቀዳማይ ሓታማይ ናይ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ፡ ንናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ዝእከባ ጉጅለታት ንምቋም ምእንቲ ከተባብዕ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ዑደት ገበረ። እታ ዝተዛረበላ ኣርእስቲ ድማ “ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝምልከት ነገራት” ትብል ብምንባራ ግብእቲ ኢያ ነይራ። ኣብተን ቀዳሞት ሕታማት ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ተንጸባሪቑ ከም ዘሎ፡ እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ (ሽዑ ዝነበረ መጸውዒ ናይ የሆዋ መሰኻኽር) ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ግደ ንኽህልዎም ዝበቕዑ ኰይኖም ክርከቡ እንተደኣ ኾይኖም፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ቀዳማይ ቦታ ክህብዋ፡ ተሓጒሶም ህይወቶም፡ ክእለቶም፡ ጥሪቶም ኣብ ናታ ኣገልግሎት ከውዕሉ ከም ዘለዎም ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ካልእ ነገራት ኵሉ ኣብ ህይወቶም ካልኣይ ቦታ ክሕዝ ነይርዎ። (ማቴዎስ 13:44-46) እቲ ሓላፍነቶም ንኻልኦት ብስራት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር ዘጠቓለለ ኢዩ ነይሩ። (ኢሳይያስ 61:1, 2) ነዚ ኸኣ ዘመናት ኣህዛብ ብ1914 ቅድሚ ምውድኡ ክሳዕ ክንደይ ኢዮም ዝፈጸምዎ?
4. እቶም ሒደት ጉጅለ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ 1914 ክሳዕ ክንደይ ኢዮም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ዓዲሎም ዝነበሩ?
4 ካብ 1870ታት ክሳዕ 1914፡ እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ቁጽሮም ውሑድ ኢዩ ነይሩ። ብ1914 ገለ 5,100 ዝኾኑ ጥራይ ኢዮም ህዝባዊ ምስክርነት ኣብ ምሃብ ንጡፋት ኰይኖም ዝነበሩ። ግናኸ ከመይ ዝበለ ሓለፍ ዝበለ ምስክርነት ኢዩ ዝነበረ! ብ1881፡ ልክዕ ክልተ ዓመት ድሕሪ ምሕታም ናይታ ቀዳመይቲ ግምቢ ዘብዐኛ ንመስተውዓልቲ ክርስትያናት ዝኸውን መግቢ ዘርእስታ 162 ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ ናይ ምዕዳል ዕዮ ተተሓሓዝዎ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ 1,200,000 ቅዳሓት ዓደሉ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ከኣ ብዓሰርተታት ሚልዮናት ዝቑጸሩ ንኣሽቱ ጽሑፋት (ትራክት) ኣብ ዓዓመት ብብዙሕ ቋንቋታት ይዕደሉ ነበሩ።
5. እቶም ወንጌላውያን እንታዎት ኢዮም ነይሮም? እንታይ ዓይነት መንፈስከ ኣንጸባረቑ?
5 ከምኡውን፡ ካብ 1881 ጀሚሮም ገለ ክርስትያናት ዘርጋሕቲ-ወንጌል ዝብል መጸውዒ ሒዞም ወንጌላውያን ኮይኖም ከገልግሉ ጀመሩ። እዚኣቶም ናይዞም ሎሚ ፓይነራት (ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላውያን) ተባሂሎም ዝጽውዑ ዘለዉ፡ ጸረግቲ መገዲ ኢዮም ነይሮም። ገለ ካብቶም ወንጌላውያን፡ ብእግሮም እናተጓዕዙ ወይ ቢቸክለታ እናዘወሩ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ናይቲ ዝቕመጥሉ ሃገር እናኸዱ ይምስክሩ ነበሩ። ካልኦት ከኣ ኣብ ናይ ወጻኢ ግራት እናበጽሑ ከም ኣብ በዓል ፊንላንድ፡ ባርባዶስን በርማን (ሕጂ ሚያንማር ተባሂላ ዘላ) ብስራት ብምብጻሕ ቀዳሞት ኮይኖም ተረኽቡ። ከምቲ ናይ የሱስን ሃዋርያቱን ዝኣመሰለ ሚስዮናዊ ቅንኢ ኸኣ የንጸባርቑ ነበሩ።—ሉቃስ 4:43፣ ሮሜ 15:23-25
6. (ሀ) ሓው ራሰል ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምዝርጋሕ ክንደይ ዝኣክል ጉዕዞ ኢዩ ዘካየደ? (ለ) ዘመናት ኣህዛብ ቅድሚ ምውዳኡኸ ነቲ ስብከት ናይቲ ብስራት ኣብ ወጻኢ ግራት ንምስፍሕፋሕ እንታይ ካልእ ኢዩ ዝተገብረ?
6 ሓውና ራስል ንገዛእ ርእሱ፡ ነታ ሓቂ ንምዝርጋሕ ሰፊሕ ጉዕዞ የካይድ ነይሩ ኢዩ። ብተደጋጋሚ ናብ ካናዳ ከይዱ፡ ኣብ ፓናማ፡ ጃማይካን ክዩባን ዝርርብ ሂቡ፡ ኣብ ኤውሮጳ ብደርዘን ዝኣክል ጉዕዞ ፈጺሙ፡ ንምልእቲ ዓለም ድማ ብናይ ወንጌላውነት ዕዮ ዞራ። ከምኡውን ኻልኦት ሰብኡት ኣብ ወጻኢ ግራት ብስራት ምስባኽ ክጅምሩን መሪሕነት ክወስዱን ለኣኾም። ኣዶልፍ ወይበር ኣብ መፋርቕ ናይ 1890ታት፡ ናብ ኤውሮጳ ተላእከ፡ ኣገልግሎቱ ድማ ካብ ስዊዘርላንድ ጀሚሩ፡ ናብ ፈረንሳ፡ ኢጣልያ ጀርመንን በልጁምን በጽሐ። ኢቨንድ ዮኤል ኮዋርድ ኣብ ከባቢ ካሪብያን ተላእከ። ሮበርት ሆልስተር ብ1912 ናብ ምብራቕ ተመደበ። ኣብኡ ኸኣ ፍሉያት ንኣሽቱ ጽሑፋት (ትራክት) ብዓሰርተ ቋንቋታት ተዳለዉ፡ ናይዚ ጽሑፋት’ዚ ቅዳሓት ድማ ብሚልዮናት ዝኣክል ኣብ ህንዲ፡ ቻይና፡ ጃፓንን ኮረያን ብደቀባት ተዓደለ። ኣብቲ ግዜቲ ትነብር ኔርካ እንተትኸውን፡ ነቶም ኣብ ከባቢኻን ኪንኡ ዘለዉን ብስራት ሒዝካ ክትበጽሖም ትግሃት ዝተሓወሶ ጻዕሪ ንምግባር ልብኻ ምደረኸካዶ ነይሩ?
7. (ሀ) ጋዜጣታት ነቲ ምስክርነት ንምቅልጣፍ ብኸመይ ይሕግዙ ነይሮም? (ለ) እቲ “ፎቶ ድራማ ናይ ፍጥረት” እንታይ ነበረ? ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራይከ ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ረኣይዎ?
7 ዘመናት ኣህዛብ ክውድኣ እናቐረባ ብዝኸዳ፡ ነቲ ብሓው ራስል ዝተዋህበ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስብከት ኣብ ጋዜጣታት ሓቲሞም የውጽእዎ ነበሩ። እቲ ቀዳማይ ኣተኵሮኦም ኣብ ዓመት ናይ 1914 ኣይነበረን፡ ኣብ ክንድኡስ ኣብ ዕላማ ኣምላኽን ርግጽነት ናይ ፍጻሜኡን ዘተኰረ ኢዩ ነይሩ። እዚ ናይ ስብከት ዝርርባት፡ ብሓደ እዋን ኣብ 2,000 ጋዜጣታት ዝኣክል እናተሓትመ ን15,000,000 ዝኣኽሉ ኣንበብቲ ብዘይምቍራጽ ይበጽሖም ነበረ። ብድሕርዚ ኣብ ምጅማር ናይ 1914 ማሕበር “ፎቶ ድራማ ናይ ፍጥረት” ኣብ ህዝቢ ከተርእዮ ጀመረት። ኣብ ኣርባዕተ፡ ከክልተ ሰዓት ዝወስድ ትርኢት ካብ ግዜ ፍጥረት ጀሚሩ ክሳዕ ሽሓዊ ግዝኣት ዘሎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት ኣቕረበት። ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራይ፡ ልዕሊ ትሽዓተ ሚልዮን ተኣከብቲ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፡ ኤውሮጳ፡ ኣውስትራልያን ኒው ዘላንድን ክርእይዎ ክኢሎም ኢዮም።
8. ክሳዕ 1914፡ እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክንደይ ዝኣኽላ ሃገራት ኢዮም ዝበጽሑ?
8 ብመሰረት እቲ ተረኺቡ ዘሎ ጸብጻባት፡ ኣብቲ ዳሕራይ ክፋል ናይ 1914 እዞም ቀናኣት ጉጅለ ወንጌላውያን፡ ነቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣዋጆም ኣብ 68 ሃገራት ኣብጺሖሞ ነይሮም ኢዮም። a እዚ ግን መጀመርያ ጥራይ ኢዩ ነይሩ።
ነታ ዝቖመት መንግስቲ ብቕንኢ ምግልጋል
9. ኣብቲ ናይ ሰዳር ፖይንት ዓበይቲ ኣኼባታት ነቲ ዕዮ ምስክርነት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ፍሉይ ድፍኢት ኢዩ ዝተገብረሉ?
9 እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብ1919 ኣብ ሰዳር ፖይንት ኦሃዮ ምስ ተኣከቡ፡ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ እቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንት ዝነበረ፡ ከምዚ ኢሉ ኣወጀ፦ “ኣምላኻዊ መጸዋዕታና ነታ እትመጽእ ዘላ ግርማዊት መንግስቲ ናይቲ መሲሕ ንምእዋጅ ኢዩ ነይሩ፡ ሕጂውን ከምኡ ኢዩ።” ኣብቲ ብ1922 ኣብ ሰዳር ፖይንት ዝተኻየደ ካልኣይ ዓቢ ኣኼባ፡ ሓው ራዘርፎርድ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ዘመናት ኣህዛብ፡ ማለት ብ1914 “እቲ ንጉስ ክብሪ፡ ነቲ ዓቢ ስልጣኑ ከም ዝወሰዶን ክነግስ ከኣ ከም ዝጀመረን” ዝገልጽ ሓቂ ኣጕልሐ። ብድሕሪኡ ነቲ ጉዳይ ብቐጥታ ናብ ሰማዕቱ ብምቕራብ፡ “እቲ ንጉስ ክብሪ፡ ክነግስ ከም ዝጀመረ ኣሚንኩምዶ ኣሎኹም? ሃየ እምበኣር ኣቱም ደቂ እቲ ኣዝዩ ልዑል፡ ናብ ግራት ተመለሱ! . . . ነቲ መልእኽቲ ኣርሒቕኩምን ኣስፊሕኩምን ኣውጅዎ። የሆዋ፡ ኣምላኽ ከም ዝኾነ፡ የሱስ ክርስቶስ ከኣ ንጉሰ ነገስትን ጐይታ ጐይቶትን ከም ዝኾነ ዓለም ክትፈልጥ ኣለዋ። እዛ መዓልቲ እዚኣ ካብ ኵለን መዓልትታት ጸብለል ዝበለት መዓልቲ ኢያ። ርኣዩ እቲ ንጉስ ነጊሱ ኣሎ! ንስኻትኩም ድማ ልኡኻቱ ኢኹም።”
10, 11. ከመይ ኢሉ ኢዩ ሬድዮ፡ ንመጕልሕ ድምጺ ዘለወን መኪናታትን ፖስተራትን ነቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ሓቂ ናብ ሰባት ብስሉጥ መገዲ ንምብጻሕ ዝሕግዝ ዝነበረ?
10 እተን ናይ ሰዳር ፖይንት ኣኼባታት ካብ ዝካየዳ ድሮ 70 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ፡ የሆዋ በቲ መሲሓዊ ግዝኣት ናይ ወዱ ገይሩ ልዕልነቱ ካብ ዝገልጽ ከኣ ዳርጋ 80 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። እሞኸ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ ቃል ኣምላኽ ክዓይዎ ዝነግሮም ዕዮ፡ ክሳዕ ክንደይ ኢዮም ፈጺሞሞ ዘለዉ? ንስኻኸ ኣብኡ እንታይ ግደ ተበርክት ኣሎኻ?
11 ኣብ ፈለማ ናይ 1920ታት፡ ሬድዮ ነቲ መልእኽቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ሰፊሕ ተፈላጥነት ንኽረክብ ዝሓገዘት መሳርሒት ኢያ ነይራ። ኣብ 1930ታት ኣብቲ ዓበይቲ ኣኼባታት ዝተዋህበ መንግስቲ ኣምላኽ ተስፋ ናይ ዓለም ከም ዝኾነት ዝገልጽ ዝርርባት ብዝተኣሳሰራ ናይ ሬድዮ መደበራት ወይ ሰፊሕ ቦታ ክዓማ ብዝኽእላ ረድዮ ፈነወታትን ንምልእቲ ዓለም ብዝተቐነታ ናይ ቴለፎን መስመራትን ይዝርጋሕ ነበረ። መጕልሒ ዘለወን መኪናታትውን ኣብ ቴፕ ዝተቀድሐ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርባት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት የስምዓ ነበራ። ብድሕሪኡ ብ1936 ኣብ ግላስገው፡ ስኮትላንድ፡ ኣሕዋትና ፖስተራት ኣብ ሕቖኦም ተሰኪሞም ኣብቲ ህዝቢ ዝበዝሖ ናይ ዕዮ ቦታታት እናኸዱ ነቲ ህዝባዊ ዝርርባት ንህዝቢ የፍልጥዎ ነበሩ። ኵሉ እዚ ኣብቲ ውሑዳት ዝነበርናሉ ግዜ ንብዙሓት ሰባት ምስክርነት ንምብጻሕ ዝሕግዝ ስሉጥ ኣገባባት ኢዩ ነይሩ።
12. እቲ ጽሑፋት ከም ዘመልክቶ፡ ነፍሲ ወከፍና ብውልቀ ሰብ ደረጃ ምስክርነት ክንህበሉ እንኽእል ኣዝዩ ውጽኢታዊ ዝኾነ መገዲ እንታይ ኢዩ?
12 ርግጽ’ዩ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ክርስትያናት መጠን ነፍሲ ወከፍና ምስክርነት ንምሃብ ሓላፍነት ከም ዘሎና ኣብሪሁ ይገልጾ ኢዩ። ናይ ጋዜጣ ዓንቀጻት ወይ ናይ ሬድዮ ፈነወታት ነቲ ዕዮ ክገብረልና ክንጽበ ኣይግባእን። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እሙናት ክርስትያናት፡ ሰብኡት፡ ኣንስትን መንእሰያትን ነዚ ሓላፍነት’ዚ ተቐቢሎም ኢዮም። ውጽኢቱ ኸኣ፡ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ምስባኽ መለለዪ ምልክት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኮይኑ ኣሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 5:42፣ 20:20
ኣብ ኵላ ምድሪ ምብጻሕ
13, 14. (ሀ) ስለምንታይ ኢዮም ገለ መሰኻኽር ኣገልግሎቶም ምእንቲ ክፍጽሙ ናብ ካልእ ከተማታት፡ አረ ናብ ካልእ ሃገራት ከይተረፈ ዝጓዓዙ? (ለ) እቲ፡ ነቶም ኣብታ ዝተወለድካሉ ሃገር ዘለዉ ሰባት ዘሎካ ፍቕራዊ ሓልዮት ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ ዝሓገዘ ከመይ ኢሉ ኢዩ?
13 ገለ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቲ መልእኽቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ክስበኽ ከም ዘለዎ ብምፍላጦም፡ ኪንየው እቲ ከባቢኦም ዘሎ ቦታታት ምእንቲ ክበጽሑ እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ብብሕቲ ኣርዚኖም ሓሲቦምሉ ኢዮም።
14 ብዙሓት ሰባት ካብቲ ዝተወልዱሉ ዓዲ ድሕሪ ምንቅስቓሶም ሓቂ ክመሃሩ ክኢሎም ኢዮም። ሽሕ’ኳ ዓዲ መቐየሪኦም ስጋዊ ረብሓ ንምርካብ እንተ ነበረ፡ ካልእ ዝያዳ ኽብሪ ዘለዎ ነገር ረኺቦም ኢዮም፡ አረ ገሊኦምሲ ናብቲ ዝተወልድሉ ዓዲ ተመሊሶም ነታ ሓቂ ንኻልኦት ከካፍልዋ ተደሪኾም ኢዮም። ስለዚ ኣብቲ ፈለማ ናይዚ ክፍለ ዘመንዚ፡ እቲ ስብከት ብስራት ኣብ ስካንዲናቭያ፡ ግሪኽ፡ ኢጣልያ፡ ኣብ ሃገራት ምብራቓዊ ኤውሮጳን ኣብ ካልኦት ብዙሓት ከባቢታትን ተዘርጊሑ ኢዩ። ሕጂውን ከይተረፈ ኣብዚ ናይ 1990ታት እቲ መልእኽቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸምኡ ዝበለ ኣገባብ ኢዩ ዝዝርጋሕ ዘሎ።
15. ኣብቲ ናይ 1920ታትን 1930ታትን ዓመታት በቶም ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 6:8 ተገሊጹ ዘሎ ኣረኣእያ ዝነበሮም ሰባት እንታይ ኢዩ ክፍጸም ዝኸኣለ?
15 ገሊኣቶም ነቲ ምኽሪ ናይ ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወቶም ብምውዓል፡ ምትዕርራያት ገይሮም ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ፈጺሞም ተቐሚጦምዎ ዘይፈልጡ ቦታታት እናኸዱ የገልግሉ ኣለዉ። ዊልያም ሮላንድ ብራውን (ዝበዝሕ ግዜ “ባይብል ብራውን” ተባሂሉ ዝጽዋዕ) ሓደ ካብኣቶም ኢዩ ነይሩ። ብ1923 ነቲ ናይ ወንጌላውነት ዕዮ ንምስፍሕፋሕ፡ ካብ ትሪኒዳድ ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተጓዕዘ። ኣብቲ ናይ 1930ታት ከኣ ፍራንክን ግረይ ስሚዝን፡ ሮበርት ኒዝበትን ደቪድ ኖርማንን ካብቶም ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ክሳዕ ኣብ ገምገም ምብራቕ ኣፍሪቃ ዘብጽሕዎ ኢዮም ነይሮም። ካልኦት ከኣ ነቲ ኣብ ደቡባዊ ኣሜሪካ ዝነበረ ግራት ኣገልግሎት ንምኹስኳስ ሓጊዞም ኢዮም። ኣብቲ ፈለማ ናይ 1920ታት ጆርጆ ያንግ፡ ሓደ ካናዳዊ ኣብ ኣርጀንቲና፡ ብራዚል፡ ቦሊቭያ፡ ቺለን ፐሩን ኣብቲ ዕዮ እጃሙ ኣበርከተ። ክዋን ሙኒዝ ኣብ ስጳኛ ዘገልግል ዝነበረ፡ ቀጺሉ ድማ ኣብ ኣርጀንቲና፡ ቺለ፡ ፓራጓይን ዩራጓይን የገልግል ነበረ። እዚኣቶም ኩላቶም፡ ከምቲ ኣብ ኢሳይያስ 6:8 ዘሎ “እኔኹ ለኣኸኒ” ዝብል መንፈስ ኢዮም ኣንጸባሪቖም።
16. ኣብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበረ ዓመታት ብዘይካ ኣብቲ ቀንዲ መደበራት ናይ ህዝቢ፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ካልእ ቦታታት እውን’ዩ ምስክርነት ዝወሃብ ዝነበረ?
16 እቲ ስብከት ናይቲ ብስራት ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ከባቢታት ከይተረፈ ኢዩ ዝበጽሕ ነይሩ። ብመሰኻኽር ዝመልኣ ጃላቡ ኣብ ኵሉ እቲ ዓሳታት ዝግፈፈሉ ዓድታት ናይ ኒው ፋውንድ ላንድ፡ ናብ ኣርክቲክ ዝወስድ ናይ ኖርወይ ገማግም፡ ናብ ደሴታት ሰላማዊ ውቅያኖስን ወደባት ናይ ደቡብ ምብራቕ ኣስያ ይበጽሓ ነበራ።
17. (ሀ) ብ1935 ክንደይ ዝኣኽላ ሃገራት ኢየን በቶም መሰኻኽር ዝተበጽሓ? (ለ) ስለምንታይከ ኢዩ እቲ ዕዮ ሽዑ ክውዳእ ዘይክእል?
17 ዘገርም ኢዩ፡ ብ1935 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 115 ሃገራት ንጡፋት ኮይኖም ይሰብኩ ነበሩ፡ ኣብ ካልኦት 34 ሃገራት ድማ ወይ ብናይ ምስክርነት ወፈራ ወይ ብቡስጣ ብዝተላእከ ጽሑፋት ተበጺሐን ነይረን እየን። ይኹን እምበር እቲ ዕዮ ገና ኣይተወድአን ኢዩ ነይሩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ የሆዋ ነቶም ድሒኖም ኣብታ ሓዳስ ዓለሙ ዝኣትዉ “ዓቢ ጭፍራ” መታን ክእከቡ ዕላምኡ ክርድኡ ኣዒንቶም ከፈተሎም። (ራእይ 7:9, 10, 14) ገና ድማ ብዙሕ ክግበር ዝነበሮ ዕዮ ምስክርነት ነበረ!
18. እቲ ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርትን ናይ ኣገልገልቲ ቤት ትምህርትን ኣብቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ ዕዮ እንታይ ግደ ኢዩ ከበርክት ዝኸኣለ?
18 ዋላኳ ካልኣይ ውግእ ዓለም ንምድሪ ኣጥለቕሊቕዋን ኣብ ዓሰርተታት ሃገራት ድማ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽሑፋት ወይ ዕዮ ተኣጊዱ እንተነበረ፡ እታ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ነቶም ነቲ ዝዓበየ ዕዮ ናይ ዓለምለኻዊ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዝፍጽሙ ሚስዮናውያን ዝኾኑ ንምዕላም ኣፍደጊኣ ከፈተት። ክሳዕ እዚ ዕለት እዚ ተመረቕቲ ጊልዓድ ኣብ ልዕሊ 200 ዝኾና ሃገራት ኣገልጊሎም ኣለዉ። ጽሑፋት ዓዲልካ ናብ ካልእ ምቕጻል ጥራሕ ኣይነበረን ዕዮኦም። ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ፡ ጉባኤታት ይተኽሉ ንሰባት ከኣ ነቲ ቲኦክራቲካዊ ሓላፍነት ክሽከምዎ ይዕልምዎም ነበሩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኸኣ ካብ ናይ ኣገልገልቲ መዐልሚ ቤት ትምህርቲ ዝተመረቑ ሽማግሌታትን ድያቆናትን ኣብ ሽዱሽተ ክፍለ ዓለማት ምስዚ ዕዮዚ ዝተኣሳሰረ ኣድላዪ ነገራት ንምዕማም ሓጊዞም ኢዮም። ቀጻሊ ዕብየት ንኽርከብ ጽኑዕ መሰረት ተነቢሩ ኢዩ።—ምስ 2 ጢሞቴዎስ 2:2፣ ኣነጻጽርዎ።
19. ናይ የሆዋ ኣገልገልቲ ኣብቲ ዝዓበየ ኣድላይነት ዘለዎ ከባቢታት ከይዶም ንምግልጋል ዝቐረበሎም ዕድመ ክሳዕ ክንደይ ኢዮም ዝተቐበልዎ?
19 ካልኦትከ ኣብቲ ዘይተዓየ ዞባታት እናኸዱዶ ክሕግዙ ክኢሎም? ኣብቲ ብ1957 ዝተኻየደ ዓለምለኻዊ ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ብሱላት መሰኻኽር የሆዋ ውልቀ ሰባትን ስድራቤታትን፡ ኣብቲ ዝዓበየ ዕዮ ዘድልየሉ ከባቢታት ብምኻድ ክቕመጡን ኣብኡ ኣገልግሎቶም ክፍጽሙን ተተባቢዖም ኢዮም። እቲ ዕድመ ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ ንሃዋርያ ጳውሎስ ዘቕረበሉ ጻውዒት ኢዩ ነይሩ፡ ንሱ ሓደ ሰብኣይ “ናብ መቄዶንያ ሕለፍ እሞ ርድኣና” ኢሉ ክልምኖ ኸሎ ራእይ ረኣየ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:9, 10) ገሊኣቶም ኣብ 1950ታት ክጓዓዙ ኸለዉ ካልኦት ከኣ ደሓር ተጓዕዙ። መጠን ሽሕ ዝምብዝሖም መሰኻኽር ናብ ኣየርላንድን ናብ ኮሎምብያን ተጓዕዙ፡ ብኣማእት ዝቑጸሩ ኸኣ ናብ ካልእ ብዙሕ ቦታታት ተጓዕዙ። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ኣብቲ ዝዓበየ ዕዮ ዝድለየሉ ከባቢታት ተጓዕዙ።—መዝሙር 110:3
20. (ሀ) እቲ ኣብ ማቴዎስ 24:14 የሱስ ዝተነበዮ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም ካብ 1935 እንታይ ዕዮታት ኢዩ ዝተፈጸመ? (ለ) በዚ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታትከ ከመይ ዝበለ ምቅልጣፍ ናይቲ ዕዮ ኢዩ ዝተራእየ?
20 የሆዋ ንህዝቡ ስለ ዝባረኾም፡ እቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ ዕዮ ብኣዝዩ ሓለፍ ዝበለ ፍጥነት ንቕድሚት ይደፍእ ኣሎ። ካብ 1935 ኣትሒዙ እቲ ቍጽሪ ናይ ኣስፋሕቲ ዳርጋ ሰማንያ ዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ፡ እቲ ናይቶም ፓይነራት ናይ ወሰኽ መጠን ካብቲ ናይቶም ኣስፋሕቲ ናይ ወሰኽ መጠን ብ60 ካብ ሚእቲ ዝዓበየ ኢዩ ነይሩ። ኣብ 1930ታት እቲ ናይ ቤት ናይ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ መደብ ተጀመረ። ካብ 1935 ንነጀው ልዕሊ 15 ቢልዮን ዝኸውን ስዓታት ኣብቲ ዕዮ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ ተወፍዩ ኢዩ። ሕጂ ኣብ 231 ሃገራት ዘየቋርጽ ስብከት ናይቲ ብስራት ይግበር ኣሎ። ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ዘሎ ዞባታት ብስራት ናጻ ኮይኑ ክስበኽ መገዲ ምስከፈተ ኣህጉራዊ ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ብጉሉሕ መገዲ ንምስባኹ ስሉጥ ሓገዝ ኣበርኪቱ ኢዩ። ከምቲ ነዊሕ ዓመታት ይገብር የሆዋ ኣብ ኢሳይያስ 60:22 ዝተመባጽዖ ብርግጽ “ነቲ ዕዮ ኣብቲ ግዜኡ የቀላጥፎ” ኣሎ። ንሕናውን ኣብዚ ዕዮዚ እጃምና ከነበርክት ኣየ ከመይ ዝበለ ዓቢ መሰል ኢዩ ዘሎና!
ብዝከኣል መጠን ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብስራት ሒዝካ ምብጽሑ
21, 22. ነፍሲ ወከፍና ኣብቲ እነገልግለሉ ዘሎና ቦታ፡ ኣፍረይቲ መሰኻኽር ንምዃን እንታይ ክንገብር ምኸኣልና?
21 እቲ ዕዮ ተወዲኡ ኢዩ ዝብል ዘረባስ ካብ ጐይታ ገና ኣይተሰምዐን ዘሎ። ብዙሓት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ጌና ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ይሕዝዎ ኣለዉ። ስለዚ እቲ ሕጂ ዝለዓል ሕቶ ንሕናኸ ነቲ የሆዋ ምእንቲ እዚ ዕዮ’ዚ ክፍጸም ኢሉ ትዕግስቲ ብምርኣይ ፈቒዱዎ ዘሎ ግዜስ ዝከኣለና ዘበለ ብምግባርዶ ብግቡእ ንጥቀመሉ ኣሎና?—2 ጴጥሮስ 3:15
22 ኵሉ ሰብ ኣይኮነን ኣብቲ ሳሕቲ ዝተዓዮ ዞባ ክጐዓዝ ዝኽእል። ይኹን እምበር፡ ነቲ ተኸፊቱልካ ዘሎ ኣጋጣሚታትከ መሊእካዶ ትጥቀመሉ ኣሎኻ? ንመሳርሕትኻ ትምስክረሎምዶ ኣሎኻ? ንመማህራንካን ንደቂ ቤት ትምህርትኻንከ? ምስቲ ኣብ ዞባኻ ዘሎ ናይ ኵነታት ለውጢ ክትስማማዕከ ምትዕርራይዶ ጌርካ? ብምኽንያት ናይ ስራሕ መደባት ምቅይያር፡ ብግዜ መዓልቲ ኣብ ገዝኦም ዝርከቡ ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት እንተደኣ ኾይኖም ምሸት መታን ክትበጽሖምዶ መደብካ ቀይርካ አሎኻ? ገለ ኣባይቲ ንዘይተዓደሙ በጻሕቲ ዕጹዋት ምስ ዝኾኑ ናይ ቴለፎን ምስክርነት ወይ ናይ ደብዳቤ ምስክርነትዶ ትገብር ኣሎኻ? ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩኸ ርክብካ ብምድልዳልዶ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክትጅምረሎም ትዕድሞም ኣሎኻ? መሊእካዶ ኣገልግሎትካ ትፍጽሞ ኣሎኻ?—ምስ ግብሪ ሃዋርያት 20:21፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:5
23. ነቲ ኣብ ኣገልግሎቱ እንዓዮ ዘሎና የሆዋ ዝዕዘቦ ካብ ኮነ ኣባና ክገሃድ ዝግብኦ ጉዳይ እንታይ ኢዩ?
23 ኵላትና ኣብዚ ኣዝዩ ወሳኒ ዝኾነ እዋን ንየሆዋ መሰኻኽሩ ኴንና ብምርካብና ረኺብናዮ ዘሎና ዓቢ መሰል ብሓቂ ነማስወሉ ምዃንና ኣነጺሩ ብዘርኢ ኣገባብ ኣገልግሎና ንፍጽም ይግበረና። የሆዋ ኣብ ልዕሊ እዚ ብልሽው ኣረጊት ኣገባብ ፍርዱ ክፍጽም ከሎ፡ ከምኡውን እቲ ግርማዊ ዝኾነ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ ክርስቶስ ክጅምር ከሎ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንምዃን መሰል እንረክብ ይግበረና!
[እግረ-ጽሑፍ]
a እተን ሃገራት ብመሰረት እቲ ምድሪ ኣብ ፈለማ ናይ 1990ታት ዝተመቓቐለትሉ ኣገባብ እየን ተቖጺረን ዘለዋ።
ድግማ
◻ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ክሳዕ ክንድዚ ኣገዳሲ ዝኰነስ ስለምንታይ ኢዩ?
◻ ክሳዕ 1914 ዘሎ ግዜስ እቲ ብስራት ብኸመይ ዝበለ ዝርጋሔ ተሰብከ?
◻ ካብቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዝቖመትሉ እዋን ኣትሒዙ እቲ ምስክርነት ክሳዕ ክንደይ በርቲዑ ኢዩ ዝተዋህበ?
◻ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ኣገልግሎት እነቕርቦ እጃም ዝያዳ ፍረ ዘለዎ ክኸውን እንታይ ክንገብር ምኸኣልና?
[ኣብ ገጽ 11, 12 ዘሎ ሳጹን]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ
ኣብቲ ኣብ 1993/94 ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተኻየደ ብኣማእት ዝቑጸር ዓበይቲ ኣኼባታት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ ተሓቲማ ከም ዝወጸት ተነግረ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣዝዩ ትምህርታውን ሰፊሕን ታሪኽ መሰኻኽር የሆዋ ዝሓዘት ኢያ። 752 ገጽ ዘለዋ፡ ብምልኩዕ ስእላዊ መግለጺታት ዘጌጸት፡ ካብ 96 ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኣከበ ልዕሊ ሽሕ ዝኸውን ስእልታት ዘለዋ መጽሓፍ ኢያ። ዛጊት ብ25 [ኣብ መወዳእታ ናይ 1993] ቋንቋታት ተተርጒማ ኣላ፡ ጌናውን ኣብ ካልእ ቋንቋታት እናተተርጐመት ኢያ ዘላ።
ነዛ መጽሓፍ እዚኣ እዋናዊት ዝገብራ እንታይ ኢዩ? ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት፡ ኣብ ምሉእ ዓለም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኮይኖም ኣለዉ። ኵላቶም ድማ ብዛዕባ ዛንታ ናይታ ሓቢሮማ ዝለዉ ማሕበር ጽቡቕ ሓበሬታ ዘለዎም ክኾኑ ይግባእ። ብተወሳኺ እቲ ስብከቶምን ኣገባብ ኣምልኾኦምን ኣብ ምልእቲ ዓለም ሃገራውን ዓሌታውን ጉጅለታት ዘሊቑ ብምእታው፡ በቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቍጠባውን ትምህርታውን ጽፍሒ ዘለዉ ንኣሽቱን ዓበይትን ሰባት ተሓቍፉ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ብዙሓት እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎ ዝዕዘቡ ብዛዕባ መሰኻኽር ሕቶታት ኣለዎም፡ እዚ ሕቶታት እዚ ድማ ብዛዕባ እምነቶም ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ መበቆሎምን፡ ታሪኾምን ብዛዕባ ማሕበሮምን ዕላምኦምን ዝምልከት ኢዩ። ካልኦትውን ሽሕኳ ሓደ ሓደ ግዜ ቅንዕና ዘይብሉ እንተኾነ ብዛዕብኦም ጽሒፎም ኢዮም። ይኹን’ምበር ነቲ ዘመናዊ ታሪኽ መሰኻኽር የሆዋ፡ ካብቶም መሰኻኽር ንላዕሊ ክፈልጦ ዝኽእል የለን። እቶም ኣዳለውቲ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ታሪኽ ልክዕ ከምቲ ኾይንዎ ዘሎን ብግሁድ ዝኾነ ኣገባብን ከቕርብዎ ጽዒሮም ኢዮም። ከምዚ ብምግባሮም ድማ ንፍጻሜ ናይቲ ኣብ ማቴዎስ 24:14 ዘሎ ኣገዳሲ ክፍሊ ናይ ምልክት ምህላው ክርስቶስ ክሳዕ እዛ ግዜ እዚኣ ንዝተፈጸመ መዝጊቦሞ ኢዮም። ነዚ ድማ እቶም ኣብቲ ብትንቢት ዝተነግረሉ ዕዮ ብዕምቆት ዝተሳተፉ ብዝሃብዎ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ጥራይ ኢዩ ክፍለጥ ዝተኻእለ።
እታ መጽሓፍ ኣብ ሾብዓተ ቀንዲ ክፍልታት ዝተመቕለት ኢያ፦
ክፍሊ 1፦ እዚ ክፍሊ እዚ ነቲ ታሪኻዊ መሰረት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝድህስስ ኢዩ። ነቲ ካብ 1870 ክሳዕ 1992 ዘሎ ዘመናዊ ታሪኾምውን ሕጽር ዝበለን ሓበሬታዊ መጠቓለልን ዝሕውስ ኢዩ።
ክፍሊ 2፦ ኣብዚ ንመሰኻኽር የሆዋ ካብ ካልኦት ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ዝፈልዮም ናይ እምነት ቀጻሊ ዝኾነ ምዕባሌታት ዝገልጽ ጸብጻብ ኣሎ።
ክፍሊ 3፦ እዚ ክፍሊ ናይታ መጽሓፍ እቲኣ፡ ነቲ እናማዕበለ ዝኸደ መዋቕር ዝምርምር ኢዩ። ብዛዕባ ናይ ጉባኤ ኣኼባታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ብዛዕባ ከመይ ገይሮም ኣደራሻት መንግስትን ዓበይቲ ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሻትን ከም ዝሃንጹን፡ ብዛዕባ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ንምሕታም ዝጥቀሙሉ መሳለጥያታትን ዘዘንቱ ዝማርኽ ሓቅታት ኣለዎ። እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መንግስቲ ኣምላኽ ክእውጁ ኸለዉ ዘርኣይዎ ቅንእን ኣብ ግዜ ሽግር ንሓድሕዶም ክደጋገፉ ከለዉ ዘርእይዎ ፍቕርን ድማ ኣብሪሁ የመሓላልፈልካ።
ክፍሊ 4፦ ኣብዚ ድማ እቲ ኣዋጅ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራትን ርሑቓት ደሴታት ምድርን ከመይ ኢሉ ከም ዝበጽሐ ዘዘንቱ ዝምስጥ ዝርዝር ክትረክብ ኢኻ። ሕስብ እሞ ኣብሎ ብ1914 ኣብ 43 ሃገራት ይስበኽ ነይሩ፡ ብ1992 ግን ኣብ 229 ሃገራት! ናይቶም ኣብዚ ዓለምለኻዊ ምስፍሕፋሕ ናይቲ ብስራት ዝተኻፈሉ ሰባት ተመኵሮታት ብሓቂ ልብኻ ዘምውቕ ኢዩ።
ክፍሊ 5፦ ነዚ ኹሉ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ምእዋጅ ዕዮ ንምፍጻም መጽሓፍ ቅዱስን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትን ብካብ ክልተ ሚእቲ ቋንቋታት ንላዕሊ ንምሕታም ዝሕግዝ ኣህጉራዊ መሳለጥያታት ምምዕባል ኣድለየ። ኣብዚ ኸኣ ብዛዕባ ሓደ መዳይ ናይ ዕዮኦም ክትመሃር ኢኻ።
ክፍሊ 6፦ እቶም መሰኻኽር ገሊኣቶም ብምኽንያት ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ገሊኦም ብሰሪ ኣሕዋት ሓሶት ዝበዝሕ ከኣ ብምኽንያት ግሁድ መሰጐግቲ ሽግራት ኣጋጢምዎም ኢዩ። እዚ ክኸውን ከም ዘለዎ ቃል ኣምላኽ ኣጠንቂቑ ኢዩ። (ሉቃስ 17:1፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:12፣ 1 ጴጥሮስ 4:12፣ 2 ጴጥሮስ 2:1, 2) እዚ ክፍሊ ናይዛ መጽሓፍ እዚኣ ነቲ ዝተፈጸመ ነገራትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከኣ ዕዉታት ኮይኖም ክወጹ እምነቶም ከመይ ገይሩ ከም ዝሓገዞምን ኣነጺሩ ኢዩ ዘዘንትዎ።
ክፍሊ 7፦ ኣብ መደምደምታ፡ እታ መጽሓፍ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እታ ክፍሊ ናታ ኮይኖም ዝመላለሱላ ዘለዉ ማሕበር፡ ብሓቂ ብኣምላኽ ትምራሕ ከም ዘላ ኣጽኒዖም ንኽኣምኑ ዝሕግዞም ምኽንያታት እንታይ ከም ዝኾነ ትገልጽ ኢያ። ከምኡውን ብውልቀሰብ ይኹን ብማሕበር ደረጃ ስለምንታይ ነቒሖም ክመላለሱ ከም ዝግብኦም ትዘራረበሉ ኢያ።
ኣብ ርእሲ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተባህለ፡ እዛ ብዝማርኽ ኣገባብ ዝተዳለወት መጽሓፍ እዚኣ ናይተን ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዋ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀንዲ ኣብያተ ጽሕፈትን ናይ ጨንፈር መሳለጥያታትን ብሕብራዊ ስእሊ ዝገልጽ 50 ዝገጹ ኣዝዩ ውቁብን ሓበሬታ ዝመልኦን ክፍሊ ዘጠቓለለት ኢያ።
ገለ ካብቶም ዘንበብዋ ብዛዕብኣ ዝሃብዎ ሓሳባት
እቶም ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ዛጊት ኣንቢቦማ ዘለዉ ብዛዕባኣ እንታይ ሓሳብ ኣለዎም? ገለ ሒደት ቀጺሉ እንሆ፦
ነዛ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘርእስታ መሳጢትን ህያውን ታሪኽ ዝሓዘት መጽሓፍ ኣንቢበ ወዲአያ። ሓንቲ ብተኣማንነትን ብትሕትናን ንሓቂ ዝተወፈየት ማሕበር ጥራይ ኢያ ብጋህድን ብትብዓትን ብሕልናን ክትጽሕፋ እትኽእል።”
“ብቕንዕናን ብጋህድን ብምዝራባ፡ ንመጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ኢያ ትመስል።”
“ኣየ ከመይ ዝመሰለት መሳጢት ዝኾነት ሓዳስ መጽሓፍ ኰን ኢያ! . . . ብውሕልነት ዝተዳለወት ታሪኻዊት መጽሓፍ ኢያ።”
ሓደ ሰብኣይ ዳርጋ ፍርቂ ናይታ መጽሓፍ ምስ ኣንበበ፡ “ብውሽጠይ ዓሚቍ ኣኽብሮት ተሰሚዑኒ፡ ደንጺዩኒ፡ ዳርጋ ክነብዕ ኸኣ ኢለ . . . ኣብዚ ኵሉ ዝሃለፈ ዓመታተይ ከምዛ መጽሓፍ እዚኣ ገይሩ ንስምዒተይ ዘለዓዓለ መጽሓፍ ኣየንበብኩን።”
“እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንእምነት ናይቶም መንእሰያትን ንእምነት ናይቶም ሎሚ ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ዝመጹ ዘለዉ ሓደስትን ከተደልድሎ ምዃና በብዝሓሰብኩሉ መጠን ልበይ ብሓጐስ ፍንጭሕ ኢዩ ዝብል።”
“ንሓቂ ኵሉ ሳዕ ምስ ኣድነቕኩ ኢየ ነይረ፡ ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ምስ ኣንበብኩ ግን ኣዒንተይ ከፊቱለይ፡ ከምኡውን ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረኒ ምርዳእ ብዝበለጸ፡ ንሓቅን ምስኣ ዝተኣሳሰረ ነገራትን ሓላፊኡ መንፈስ የሆዋ ምዃኑ ንኽግንዘብ ሓጊዙኒ።”
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]
እቶም መሰኻኽር ብቑጽሪ ውሑዳት ኣብ ዝነበርሉ እዋንውን ብዙሓት ሰባት እቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ይበጽሖም ነበረ