‘ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ስምዒታት ዝነበሮም’ ሰባት
ንጉስን ነብዪን ኢዩ ነይሩ: ግናኸ ፈቃር ኣቦ እውን ኢዩ። ሓደ ካብቶም ደቁ ምስ ዓበየ ብላሽን ትዕቢተኛን ኰነ። እዚ ውላድ እዚ ነታ ዝፋን ንምምንዛዕ ቈሪጹ ተላዕለ: ኣቡኡ ንምቕታል ኢሉ ድማ ውግእ ሓድሕድ ከፈተ። ኣብቲ ውግእ ግን እቲ ወዲ ተቐትለ። እቲ ኣቦ ሞት ወዱ ምስ ሰምዐ: ንበይኑ ኣብ ልዕሊ ደገ ናብ ዘሎ ደርቢ ደይቡ “ወደይ ኣቤሴሎም: ወደይ: ወደይ ኣቤሴሎም: ኣብ ክንዳኻ ሞይተ እንተ ዝኸውን መን ምሀበኒ: ወደይ ኣቤሴሎም: ወደይ” ኢሉ በኸየ። (2 ሳሙኤል 18:33) እቲ ኣቦ ንጉስ ዳዊት ኢዩ ነይሩ። ልክዕ ከም ካልኦት ነብያት የሆዋ: “ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ስምዒታት ዝነበሮ ሰብ” ኢዩ ነይሩ።—ያእቆብ 5:17 NW
ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ንየሆዋ ብምውካል እተዛረቡ ሰብኡትን ኣንስትን ካብ ኵሉ ደረጃታት መነባብሮ ዝመጹን ተራ ሰባትን ኢዮም ነይሮም። ልክዕ ከማና: ግድላት ዝነበሮምን ብሰንኪ ዘይፍጽምና ዝሳቐዩን ኢዮም ነይሮም። ገለ ካብዞም ነብያት እዚኣቶም በዓል መን ነበሩ: ስምዒቶም ከምቲ ናትና ዝዀነኸ ብኸመይ ኢዩ፧
ሙሴ ካብ ሕሉፍ ርእሰ-ተኣማንነት ዓቕሊ ናብ ምርኣይ በጽሐ
ካብቶም ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ ፍሉጣት ነብያት ሓደ ሙሴ ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣብ 40 ዓመቱ እውን ከይተረፈ ናይ የሆዋ ኣፈኛ ብምዃን ንኸገልግል ኣይተዳለወን ነበረ። ስለምንታይ፧ ኣሕዋቱ ኣብ ትሕቲ ጭቈና ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ኸለዉ: ሙሴ ኣብ ቤት ፈርኦን ዓበየ: “ብቓሉን ብግብሩን ከኣ በርትዔ።” እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብለና:- “እቶም ኣሕዋቱ . . . ኣምላኽ ብኢዱ ገይሩ ምድሓን ከም ዚህቦም: ዜስተውዕሉ ይመስሎ ነበረ።” ሕሉፍ ርእሰ-ተኣማንነት ስለ ዝነበሮ: ንሓደ እብራዊ ባርያ ዘርዩ: ንሓደ ግብጻዊ ብምቕታል ናይ ጐነጽ ስጕምቲ ወሰደ።—ግብሪ ሃዋርያት 7:22-25፣ ዘጸኣት 2:11-14
ድሕርዚ ሙሴ ክሃድም ተገደደ: እተን ቀጺለን ዝነበራ ኣርብዓ ዓመታት ድማ ጓሳ ብምዃን ሚድያን ኣብ እተባህለ ርሑቕ ቦታ ኣሕለፈን። (ዘጸኣት 2:15) እተን ኣርብዓ ዓመታት ምስ ተወድኣ: እቲ ሽዑ ወዲ 80 ዓመት ኰይኑ ዝነበረ ሙሴ ነብዪ ክኸውን ብየሆዋ ተመዘዘ። ሕጂ ግን ሙሴ ሕሉፍ ርእሰ-ተኣማንነት ዝበሃል ነገር ኣየርኣየን። ፈጺሙ ዘይብቑዕ ምዃኑ ስለ እተሰምዖ: ‘ናብ ፈርኦን ዝኸይድ: ኣነ መን ኢየ፧ እንታይከ ክብል ኢየ፧’ ዝብል መግለጺ ብምጥቃም: በቲ የሆዋ ነብዪ ክኸውን ኢሉ ዝመዘዞ ተወላወለ። (ዘጸኣት 3:11, 13) ሙሴ በቲ ፍቕራዊ መረጋገጽን ደገፍን የሆዋ ተሓጊዙ ንመዝነቱ ብዓቢ ዓወት ፈጸሞ።
ሕሉፍ ርእሰ-ተኣማንነት: ልክዕ ከም ሙሴ መወዳእትኡ ዘይጥበባዊ ኰይኑ እተረኽበ ነገራት ከም እትገብር ወይ ከም እትብል ንኽገብረካ ኣፍቂድካሉዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ: ብትሕትና ተወሳኺ ልምምድ ተቐበል። ወይ ድማ ንገለ ገለ ክርስትያናዊ ሓላፍነታት ክትፍጽም ዘይብቑዕ ከም ዝዀንካ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ኣብ ክንዲ እትዝሕጥ: ነቲ ካብ የሆዋን ማሕበሩን ዝርከብ ሓገዝ ተቐበል። እቲ ንሙሴ ዝሓገዘ ንዓኻ እውን ክሕግዘካ ኢዩ።
ኤልያስ ተግሳጽ ኣብ ምሃብ ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ስምዒታት ነበሮ
“ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ [“ከም ናትና ስምዒት ዝነበሮ:” NW ] ሰብ እዩ ዝነበረ: ዝናም ከይዘንም ከኣ ጸሎት ጸለየ እሞ: ሰለስተ ዓመትን ሹድሽተ ወርሕን ኣብ ምድሪ ኣይዘነመን።” (ያእቆብ 5:17) ጸሎት ኤልያስ ምስቲ ነታ ካብ የሆዋ ዝዓለወት ሃገር ንምቕጻዕ ዝነበረ ፍቓዱ ዝሰማማዕ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: ኤልያስ እቲ ክመጽእ ዝጸለየሉ ደርቂ ንሰብ ከም ዘሳቒ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። እስራኤል ብሓፈሻ ናይ ሕርሻ ሃገር ኢያ ነይራ፣ ኣውልን ዝናምን ድማ መነባብሮ ናይቲ ህዝቢ ነበረ። ቀጻሊ ደርቂ ከቢድ ሽግር ኣስዓበ። ኣትክልቲ ነቐጸ፣ ኣእካል ድማ ሓረረ። እቶም ንስራሕን ንመግብን ዝጠቕሙ እንስሳ ዘቤት ሞቱ: ገለ ስድራታት ከኣ ብጥሜት ተሳቐያ። ኣውራ ዝሳቐ መን ኢዩ ነይሩ፧ እቲ ተራ ህዝቢ። ድሕሪ ገለ እዋን ሓንቲ መበለት ዕማኾ ሓርጭን ሒደት ዘይትን ጥራይ ከም ዝተረፋ ንኤልያስ ነገረቶ። ነዊሕ ከይጸንሑ ንሳን ወዳን ብጥሜት ከም ዝሞቱ ርግጸኛ ነበረት። (1 ነገስት 17:12) ኤልያስ ከምኡ ኢሉ ክጽሊ ኸሎ: የሆዋ ነቶም ሓቀኛ ኣምልኾ ዘይሓደጉ ኣገልገልቱ—ሃብታማት ይኹኑ ድኻታት—ከም ዝሓልየሎም ጽኑዕ እምነት ነይርዎ ክኸውን ኣለዎ። እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ድማ: ኤልያስ ተስፋ ኣይቈረጸን።—1 ነገስት 17:13-16፣ 18:3-5
ሰለስተ ዓመታት ጸኒሑ: የሆዋ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ዝናም ከዝንም ምዃኑ ምስ ሓበረ: ኤልያስ ደርቂ ተወዲኡ ክርኢ ዝነበሮ ልባዊ ባህጊ: ኣብቲ ‘ናብ ምድሪ ብምስጋድ ገጹ ኣብ መንጎ ኣብራኹ ገይሩ’ ብተደጋጋሚ ዘቕረቦ ዓሚቝ ጸሎት ተራእዩ ኢዩ። (1 ነገስት 18:42) የሆዋ ጸሎቱ ከም ዝሰምዖ ገለ ሓበሬታ ንምርካብ: “ደዪብካ ናብ ባሕሪ ኣቢልካ ኣማዕዱ” ብምባል ነቲ ኣገልጋሊኡ ብተደጋጋሚ ተላበዎ። (1 ነገስት 18:43) ኣብ መወዳእታ: ጸሎቱ መልሲ ረኺቡ ‘ሰማይ ዝናም ምስ ሃበ: ምድሪውን ፍሪኣ ምስ ኣብቈለት’ ኣየ ኸመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ እተሰምዖ!—ያእቆብ 5:18
ወላዲ ወይ ድማ ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሽማግለ እንተድኣ ዄንካ: መኣረምታ ክትህብ ከሎኻ ምስ ዓሚቝ ስምዒታት ምቅላስ ዝሓተካ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ከምዚ ዝበለ ሰብኣዊ ስምዒታት ምስቲ ሓድሓደ ግዜ ተግሳጽ ምሃብ ኣድላዪ ምዃኑ: ብፍቕሪ ምስ ዝቐርብ ድማ ‘ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ ከም ዝፈሪ’ ዘሎ ምርዳእ ክሰማማዕ ይግባእ። (እብራውያን 12:11) ንሕግታት የሆዋ ብምእዛዝ ዝርከብ ፍረ ኵሉ ግዜ ተበሃጊ ኢዩ። ልክዕ ከም ኤልያስ: እቲ ሕግታት ኣብ ግብሪ ምእንቲ ክውዕል ካብ ልቢ ኢና እንጽሊ።
ኤርምያስ ተስፋ ዘቝርጽ ኵነታት እናሃለወ ትብዓት ኣርኣየ
ካብ ኵላቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍቲ: ኤርምያስ ምናልባት ብዛዕባ ብሕታዊ ስምዒታቱ ብዙሕ ዝጸሓፈ ሰብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። መንእሰይ ከሎ: ነቲ እተዋህቦ መዝነት ንምቕባል ዝሕጥ ኢሉ ኢዩ። (ኤርምያስ 1:6) እንተዀነ ግን ዝያዳ ትብዓት ብምርኣይ ቃል ኣምላኽ ምእዋጅ ቀጺሉ ኢዩ: እዚ ድማ ካብቶም ደቂ ዓዱ ዝነበሩ እስራኤላውያን—ካብ ንጉስ ኣትሒዝካ ክሳዕ ተራ ሰብ—ሕሱም ምጽራር ኣምጽኣሉ። እቲ ምጽራር እቲ ሓድሓደ ግዜ ከም ዝሓርቕን ከም ዝነብዕን ገይርዎ ኢዩ። (ኤርምያስ 9:3፣ 18:20-23፣ 20:7-18) ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ናዕቢ ተላዒልዎ: ተጸፊዑ: ክሳዱን እግሩን ኣብ ናይ ዕንጨይቲ መስገደል ተጠሚሩ: ተኣሲሩ: ናይ ሞት ምፍርራህ ቀሪብሉ: ክመውት ተባሂሉ ድማ ጭቃ ኣብ ዘለዎ ጕድጓድ ከም ዝጥሕል ተገብረ። ሓድሓደ ግዜ ናይ የሆዋ መልእኽቲ እውን ከይተረፈ የጨንቖ ከም ዝነበረ: በቲ “ኣምዑተይ: ኣምዑተይ ተበጠሰ: ኣየ ኣፍ ልበይ” ዝብል ቃላቱ ተገሊጹ ኣሎ።—ኤርምያስ 4:19
እንተዀነ ግን: ንቓል የሆዋ የፍቅር ነይሩ ኢዩ: ከምዚ ድማ ይብል:- “ቃላትካ ሓጐሰይን ፍስሃ ልበይን ኰነኒ።” (ኤርምያስ 15:16) ምስናይዚ ግን: ጭንቀት ‘ከም ጠባሪ ዓይኒ ማይ: ከምቲ ነጻፊ ማይ ኰንካኒ:’ ማለት ከምቲ ብቐሊሉ ዝደርቕ ዛራ: እናበለ ናብ የሆዋ ከም ዘእዊ ገይሩዎ ኢዩ። (ኤርምያስ 15:18) እንተዀነ ግን: የሆዋ ነቲ ተጋራጫዊ ዝዀነ ስምዒታቱ ይርድኣሉ: መዝነቱ ምእንቲ ክፍጽም ድማ ቀጻሊ ይድግፎ ነበረ።—ኤርምያስ 15:20፣ ከምኡውን 20:7-9 ርአ።
ልክዕ ከም ኤርምያስ: ኣገልግሎትካ ኣብ ምፍጻም ጭንቀት ወይ ድማ ምጽራር የጋጥመካ ድዩ፧ ናብ የሆዋ ቍሊሕ በል። መምርሒኡ ምስዓብ ቀጽል: የሆዋ ድማ ጻማ ጻዕርኻ ክህበካ ኢዩ።
የሱስ ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ስምዒታት ነበሮ
ካብ ኵሎም ኣብ ታሪኽ ዝነበሩ ነብያት እቲ ዝዓበየ የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ኢዩ። ፍጹም ሰብ እኳ እንተ ነበረ: ስምዒታቱ ኣይሓብአን። ብዛዕባ ውሽጣዊ ስምዒታቱ ኵሉ ግዜ ኢና እነንብብ: እዚ ድማ ኣብ ገጹን ኣብቲ ምስ ካልኦት ሰባት ዝነበሮ ምምልላስን ይርአ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። የሱስ ኵሉ ግዜ ‘ደንጋጺ’ ኢዩ ነይሩ: ነዛ መግለጺት እዚኣ ድማ ነቶም ኣብቲ ምሳሌታቱ ዝነበሩ ገጸ-ባህርያት ንምግላጽ ተጠቒሙላ ኢዩ።—ማርቆስ 1:41፣ 6:34፣ ሉቃስ 10:33
ነቶም ሸየጥቲ ከምኡውን እንስሳታት ካብቲ ቤት መቕደስ ከውጽኦም ከሎ: “እዚ ኻብዚ ኣልዕልዎ” ዝበለ: ድምጹ ዓው ኣቢሉ ክኸውን ኣለዎ። (ዮሃንስ 2:14-16) ጴጥሮስ “ይባልህካ እባ ደኣ: ጐይታይ” ምስ በለ: “ካባይ ርሐቕ: ሰይጣን” ዝብል ተሪር ምላሽ ከም ዝህብ ገይሩዎ ኢዩ።—ማቴዎስ 16:22, 23
የሱስ ንገለ ካብቶም ብፍላይ ዝቐርብዎ ዝነበሩ ሰባት ፍሉይ ምፍታው ነበሮ። ሃዋርያ ዮሃንስ “እቲ የሱስ ዜፍ ቅሮ ወደ መዝሙር” ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። (ዮሃንስ 21:7, 20) ከምዚ ድማ ነንብብ:- “የሱስ ንማርታን ንሓብታን ንኣልኣዛርን የፍቅሮም ነበረ።”—ዮሃንስ 11:5
የሱስ ስቓይ ክስምዖ ዝኽእል ሰብ እውን ኢዩ ነይሩ። ብሰንኪ ሞት ኣልኣዛር ሓዘን ምስ ተሰምዖ “የሱስ ነብዔ።” (ዮሃንስ 11:32-36) ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ስለ ዝኸሓዶ እተሰምዖ ጓሂ ክገልጽ ከሎ ድማ: የሱስ ካብቲ ኣብ መዝሙራት ዘሎ መሪር ናይ ሓዘን መግለጺ ብምጥቃስ “እቲ እንጌራይ ዚበልዕ: ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዐለ” በለ።—ዮሃንስ 13:18፣ መዝሙር 41:9
ኣብታ እተሰቕለላ ዕንጨይቲ ብርቱዕ ስቓይ እናሕለፈ ከሎ እውን ከይተረፈ: የሱስ ዝነበሮ ዓሚቝ ስምዒታት ኣርእዩ ኢዩ። ለውሃት ብዘለዎ መገዲ ‘ነቲ ዘፍ ቅሮ ወደ መዝሙር’ ኣዲኡ ክናብየሉ ሕድሪ ሃቦ። (ዮሃንስ 19:26, 27) ኣብ ሓደ ካብቶም ኣብ ጐድኑ ተሰቒሎም ዝነበሩ ገበርቲ ኽፉእ ናይ ንስሓ ምልክት ምስ ረኣየ: የሱስ ብድንጋጽ ‘ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ’ በሎ። (ሉቃስ 23:43) “ኣምላኸይ: ኣምላኸይ: ንምንታይ ሐደግካኒ፧” ኢሉ ክጭርሕ ከሎ ዝነበሮ ሓያል ስምዒት ክንርድኦ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 27:46) እተን “ኣቦይ: ንነፍሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ አሎኹ” ብምባል ብድኹም ድምጺ እተዛረበን ቃላት ድማ ዝነበሮ ልባዊ ፍቕርን ትውክልትን ዝገልጻ ኢየን።—ሉቃስ 23:46
ኵሉ እዝስ ከመይ ዝበለ መረጋገጺ ኰን ኢዩ ዝህበና! “ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ: [የሱስ] ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር: ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን።”—እብራውያን 4:15
የሆዋ ኣብ ሰባት ዘለዎ እምንቶ
የሆዋ በቲ ናይ ኣፈኛታት ኣመራርጽኡ ፈጺሙ ኣይተጣዕሰን። ነቲ ኣብኡ ዝነበሮም ተኣማንነት ይፈልጦ ነይሩ ኢዩ: ንድኻም ናይቶም ዘይፍጹማት ድማ ካብ ድንጋጽ ተላዒሉ ሸለል ኢልዎ ኢዩ። እንተዀነ ግን መዝነቶም ክፍጽሙ ተጸብዩዎም ኢዩ። በቲ ዝሃቦም ሓገዝ ከኣ ከምኡ ኽገብሩ ክኢሎም ኢዮም።
ኣብቶም እሙናት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብትዕግስቲ እምንቶና ነርኢ። ከምቲ ንሕና ዘይፍጹማት ዝዀንና: ኣብዚ ኣገባብ እዚ ክሳዕ ዘለዉ ኵሉ ግዜ ዘይፍጹማት ኢዮም። እንተዀነ ግን: ንኣሕዋትና ፍቕርናን ቈላሕታናን ዘይግብኦም ከም ዝዀኑ ገይርና ፈጺምና ኣይንፍረዶም። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እምበኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና: ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር: ንርእስናውን ባህ ከይነብል: ይግብኣና እዩ።”—ሮሜ 15:1፣ ቈሎሴ 3:13, 14
ነብያት የሆዋ ኵሉ እቲ ዘሎና ስምዒታት ነይርዎም ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብ የሆዋ ኢዮም ተወኪሎም: የሆዋ ድማ ኣናቢርዎም ኢዩ። ካብኡ ንላዕሊ ድማ: የሆዋ ንሓጐስ ምኽንያት ዝኸውን ነገራት—ጽጹይ ሕልና: መግለጽ ስምረቱ: ዝናብይዎም እሙናት ብጾት: ከምኡውን ናይ ሕጕስ መጻኢ ውሕስነት—ሂብዎም ኢዩ። (እብራውያን 12:1-3) ንእምነት ናይቶም ጥንታውያን ነብያት: ‘ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ስምዒታት ዝነበሮም’ ሰባት: ብምቕዳሕ ድማ ብምሉእ እምንቶ ናብ የሆዋ ንልገብ።