ሓካይም: ደያኑ: ከምኡውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር
ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጋቢት 1995 ኣብ ብራዚል ክልተ ሰሚናራት ኣካይዶም ነበሩ። ዕላምኡኸ እንታይ ነበረ፧ ኣብ ሆስፒታል ዝኣተወ ተሓካሚ ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ዝኸውን እሞ ደም ምውሳድ ድማ ምስ ዝኣቢ ምትሕብባር ሰብ ሞያ ሕክምናን ሕግን ንምድላይ ነበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:29
እቲ ዘሕዝን ግን: ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ሓካይም ንድሌት ናይቶም መሰኻኽር ዝዀኑ ሕሙማት ዕሽሽ ብምባል: ምትሕልላፍ ደም ንኽግበር ዝግድድ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳነ ክረኽቡ ምጽዓሮም ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት እቶም መሰኻኽር ገዛእ ርእሶም ንምክልኻል ክርከብ እተኻእለ ዝዀነ ይኹን ሕጋዊ መገድታት ተጠቒሞም ኢዮም። እንተዀነ ግን: ካብ ምግርጫው ምርድዳእ መረጹ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ እቲ ሰሚናራት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ዝቕበልዎ ነቲ ምስ ደም ናይቲ ሰብ ዝሰማማዕ ዓይነት ደም ብምትሕልላፍ ዝግበር ሕክምና መተካእታ ዝኸውን ብዙሕ ኣማራጺታት ከም ዘሎ ዘጕልሐ።a
እቲ ናይ ሳኦ ፓውሎ ረጅናል ካውንስል ኦቭ ሜዲስን ዝገበሮ ኣኼባ ድሮ ንመትከል ናይቶም መሰኻኽር ደጊፍዎ ነበረ። ጥሪ 1995 ድማ እቲ ሕሙም ሓደ ሓኪም ንዝኣዘዞ ዓይነት ሕክምና ተቓውሞ እንተድኣ ኣልይዎ: ነቲ ሕክምና ክኣብን ካልእ ሓኪም ክመርጽን መሰል ከም ዘለዎ ወሰነ።
ሎሚ ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ብራዚል ማሕበረሰብ ሕክምና ነቶም ደም ዘይብሉ ሕክምና ክዋሃቦም ዝሓቱ ሕሙማቶም ከምኡ ንኽገብሩሎም ፍቓደኛታት ዝዀኑ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰብ ሞያ ሕክምና ምህላዎም ዝነኣድ ኢዩ። ካብቲ ኣብ መጋቢት 1995 እተኻየደ ሰሚናራት ንነጀው: ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ብራዚል ዝርከቡ ሓካይም: ደያኑ: ከምኡውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘሎ ምርድዳእ ዓቢ ምምሕያሽ እናኣርኣየ ይመጽእ ኣሎ። ብ1997 እታ አምቢቱ ኦስፔታላር እትበሃል ናይ ብራዚል መጽሔት ሕክምና: ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ጕዳይ ደም ዘለዎም መሰል ክኽበረሎም ኣትሪሩ ዝዛረብ ሓደ ዓንቀጽ ኣውጺኣ ነበረት። ከምቲ ናይ ግዝኣት ሪዮ ደ ጃኔሮ ከምኡውን ናይ ግዝኣት ሳኦ ፓውሎ ረጅናል ካውንሰል ኦቭ ሜዲስን “ሓኪም ንሕሙም ሕክምና ኽገብረሉ ዘለዎ ግዴታ ክንዮ እቲ ሓደ ሕሙም ንኽመርጽ ዘለዎ መሰል ክሓልፍ ኣይግብኦን ኢዩ” ብምባል ገሊጽዎ ዘሎ: ሎሚ እዚ ብሰፊሑ እተፈልጠ ነገር ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ: ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ደም ንህይወትካ ከድሕና ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ ብሮሹር ርአ።