ሓድነት ዓለም ብኸመይ ኢዩ ክርከብ፧
እዚ ሎሚ ዘሎ ናይ ዓለም ኣገባብ: ልክዕ ከም ሓደ ተገዳስነት ዘይብሎም ተኻረይቲ ኣዝዮም ዘዕነዉዎ ኣረጊት ህንጻ: ሓደ ነገር ጥራይ ኢዩ ዘድልዮ: እዚ ድማ ኣፍሪስካ ከም ብሓድሽ ምህናጹ። እዚ ኻልእ ዝዓይነቱ ኣሉታዊ ናይ ተስፋ ምቝራጽ ኣረኣእያ ምሓዝ ኣይኰነን። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: እዚ እቲ ሓቅነት ዘለዎ እንኮ ኣረኣእያ ኢዩ። ስለምንታይ፧
መሰረታት ናይዚ ሎሚ ዘሎ ናይ ዓለም ስርዓት ሰንኮፍ ኢዩ። ብምልኡ እቲ ህንጻ ብባልዕ ዝቘንቈነን ዝበዅቦዀን ኢዩ። እቲ ኻብ ኣቻዮ እተሰርሐ ቅርጺ ናይቲ ህንጻ ይምርት ኢዩ ዘሎ። እቲ ደጋፊ መናድቕ ድኹም ኢዩ። እቲ ናሕሲ ንታሕቲ ገጹ ይዘጥጥ ኢዩ ዘሎ። እቲ ሻምብቆ መስመር ማይ የልሕዅ ኢዩ ዘሎ። እቲ ምንጪ ጸዓት ድማ ድኹምን ሓደገኛን ኢዩ። እቶም ተኻረይቲ ብዘይምቍራጽ ዝበኣሱን ነቲ ህንጻ ብምልኡ ድማ ኣዝዩ ብዘዕኑ መገዲ ጕድኣት ዘውርድሉን ኢዮም። ብምልኡ እቲ ንብረትን ከባቢኡን ብባልዕ ሓሰኽሰኽ ዝበለን ንህይወት ድማ ከቢድ ሓደጋ ዘስዕብን ኢዩ።
‘ኣብ ደረት መቓብር ምስዕሳዕ’
ግዊን ዲየር ገሊጽዎ ኸም ዘሎ: ብሰንኪ እቲ ዘየቋርጽ ፖለቲካዊ ግርጭት: ስስዐ: ወራር: ከምኡውን ዓሚቝ ሱር ዝሰደደ ዓሌታውን ቀቢላውን ጽልኢ: “ምሉእ ሰብኣዊ ዓሌት ኣብ ደረት መቓብር ኢዩ ዝስዕስዕ ዘሎ።” ኣብ ምሉእ ዓለም: ኣብ ሸቶኦም ንምብጻሕ ቈሪጾም እተላዕሉ ንኣሽቱ ክፍሊ ሕብረተሰብ—ንመንግስታት ጸቕጢ ዝገብሩ ጕጅለታት: ናይ ሓርነት ተቓለስቲ: ጕጅለ ገበነኛታት: ኣህጉራውያን ፈጠርቲ ራዕዲ: ከምኡውን ካልኦት—ደድሕሪ እቲ ስሱዕ ውጥናቶም ኢዮም ዝስዕቡ ዘለዉ: ኣብ ዓለም ሰላም ንኽህሉ ዝፍጠር ዝዀነ ይኹን ተኽእሎታት ከም ድሌቶም ንምቝጻይ ድማ ክእለት ዘለዎም ኢዮም ዝመስሉ። ልክዕ ከም ህውከተኛታት ተኻረይቲ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሕማቕ ናብራ ከም ዘሕልፍ ክገብርዎ ይኽእሉ ኢዮም።
ይኹን እምበር: ብዙሓት ወሃብቲ ርእይቶ ሓሳብ ሂቦምሉ ከም ዘለዉ: ናይ ዓለም ሓድነት ንኸይርከብ ዕንቅፋት ዝዀኑ: ተቓወምቲ ጕጅለታት ወይ ዝሓንገዱ ውልቀ-ሰባት ጥራይ ኣይኰኑን። ዝዓበየ ዕንቅፋት ሃገራዊ መንግስቲ ባዕሉ ኢዩ። ኤስ. ቢ. ፓይን: ጁንየር: እተባህለ ብዛዕባ ውግእ ዝጽሕፍ ሰብ: ናጻ ሃገራት ኣብ “ኣህጉራዊ ስርዓተ-ኣልቦነት” ከም ዝርከባ ይዛረብ። ንዅነታት ካልኦት ሃገራት ትሑት ወይ ድማ ፈጺመን ግምት ከይሃባ: ነቲ ዝያዳ ንሃገራዊ ረብሓታተን ዝጠቅም ነገር ካብ ምግባር ድሕር ኣይብላን ኢየን። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ኣብ ምሉእ ታሪኽ ‘ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ገዚኡ’ ኢዩ።—መክብብ 8:9
ሓቂ ኢዩ: ገሊአን ሃገራውያን መንግስታት ኣብ ውሽጢ ናይ ግዝኣተን ዶባት: ብመጠኑ ድማ ብኣህጉር ደረጃ: ዘይፍትሓውነትን ጭቈናን ንምጥፋእ ኣብ ዘካየድኦ ቃልሲ ተዓዊተን ኢየን። ካብ ግዜ ናብ ግዜ ድማ ብመጠኑ ኣህጉራዊ ሓድነት መስሪተን ኢየን። ይኹን እምበር: ገለ ካብኣተን ኣንጻር ሓንቲ ወራሪት ሃገር ብምዃን ሓድነት ዝፈጥራ እኳ እንተዀና: ናይ ሓቂ ሕያዎት ብምዃነን ዘይኰነስ ካብ ናይ ገዛእ ርእሰን ጥቕሚ ተላዒለን ስለ ዝዓያ: መብዛሕትኡ ግዜ ምጥርጣር ኣሎ። እቲ ሓቂ እምበኣር: ሰብኣውያን መንግስታት ነቲ ናይ ዓለም ምፍልላይ ዘደቅስ ጠቕላላውን ነባርን ዝዀነ ፍታሕ የብለንን ዝብል ኢዩ። ግዊን ዲየር ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ሓንቲ ፋሉል ዝዀነት ሃገር ንእትፍጽሞ ወራር ንምዕጋት ወይ ብሕጊ ንምቕጻዕ ኵለን ሃገራት ዓለም ብሓደ ክሓብራ ኢየን ዝብል ሓሳብ ብመሰረቱ ክርአ ኸሎ ጽቡቕ ኢዩ: ወራሪት እዚኣ ኢያ ኢላ እትውስን ሃገር ግን መን ኢያ: ነታ ወራሪት ሃገር ደው ንምባል ዝወጽእ ናይ ገንዘብን ህይወትን ዋጋኸ መን ኢያ እትኸፍሎ፧”
ርግጽ ኢዩ: ሓንቲ ሃገር ንኻልእ ሃገር ክትወራ እትኽእል: ዝበዝሑ ካብ ዜጋታት ናይታ ወራሪት ሃገር ነቲ እተኻየደ ወራር እንተድኣ ዘይተቓዊሞምዎ ጥራይ ኢዩ። ንመራሕቶም ቅኑዕ ወይ ጌጋ ብምባል ዝደገፍዎም ዜጋታት ናይ ሓንቲ “ፋሉል ዝዀነት ሃገር” ጥራይ ከም ዘይኰኑ ድማ ታሪኽ ብተደጋጋሚ ይሕብር ኢዩ። ብሓቂ ክርአ ኸሎ ድማ: ዝበዝሑ ተቐማጦ ምድሪ ንመራሕቶም ደጊፎም ኢዮም። መጽሔት ታይም ገሊጽዎ ኸም ዘሎ: ነቲ ካብ ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን መራሕቲ ዝውሕዝ “ሓሶትን ለመጭ ዘረባን ፕሮፖጋንዳን” ተዓሚቶም ስዒቦምዎ ኢዮም።
ሃገራውነት: ንስምዒት ናይቶም ብመጠኑ ምኽንያታውያንን ደንገጽትን ዝነበሩ ሰባት ኣረሳሲኑ: ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ካልእ ሃገር ዝዀኑ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ዘስካሕክሕ ገበናት ከም ዝፍጽሙ ገይርዎም ኢዩ። ንኣብነት: ጀይ. ኤም. ሮበርትስ እተባህለ ጸሓፍ ታሪኽ ንቐዳማይ ውግእ ዓለም ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ዝብል ሓሳብ ይህብ:- “ሓደ ካብቲ ኣብ 1914 ዝነበረ ግርምቢጥ: ካብ ኵሉ ሰልፍታትን እምነታትን ዓሌት ሰብን ዝዀኑ ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት: ብዘገርም መገዲ ፈትዮምን ተሓጒሶምን ናብ ውግእ ዝኣተዉ ይመስል ነበረ።” ሰባትከ ካብ ሽዑ ንነጀው ካብ ኵነታት ተማሂሮምዶ፧ ኣይተማህሩን! ከምቲ ሮድ አሸር እተባህለ ጋዜጠኛ ተጠቒምሉ ዘሎ መጸውዒ: እቲ ኣራዊት ዝዀነ “ዕዉር ሃገራውነት” ናይ ዓለም ሓድነት ንምምጻእ እተረኽበ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ምጕባጥ ቀጺሉ ኢዩ።
ኢድ ዘለዎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት
ናይ ዓለም ሓድነት ንኸይርከብ ዝዓግት ካልእ ዝዓበየ ዕንቅፋት ግን ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኢድ ከም ዘለዎም ይገልጽ ኢዩ። እዚኣቶም ከኣ ሰይጣን ድያብሎስን ኰራዅሩ ኣጋንንትን ተባሂሎም ኢዮም ዝፍለጡ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: “እቲ ብርሃን ወንጌል ናይ ክብሪ ክርስቶስ” ምእንቲ ኸይርድኦም እቲ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ዝዀነ ሰይጣን ‘ንሓሳብ እቶም ዘይኣምኑ የዕዊርዎ’ ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 4:4፣ ራእይ 12:9
ርግጽ ኢዩ: ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ሰይጣን ምዃኑብርህቲ ክትከውን: ውልቀ-ሰባት በቲ ዝወስድዎ ስጕምታት ከም ዘይሕተቱ ዝገብሮም ኣይኰነን። ይኹን እምበር ሰብኣውያን መንግስታት ብሓቂ ሓድነት ዘለዋ ዓለም ፈጺሞም ከምጽእሉ ዘይከኣሉ ምኽንያት ድማ ዝገልጽ ኢዩ። ሰይጣን ድያብሎስ ክሳዕ ዘሎ: ሰብኡትን ኣንስትን ‘ጽልኢ: ባእሲ: ቍጥዓ: ሻራ’ ሓዊስካ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ግብሪ ስጋ” ኢሉ ዝጽውዖ ባህርያት ከም ዝዅስኵሱ ክገብሮም ኢዩ።—ገላትያ 5:19-21
ናይ ዓለም መንግስቲ
እቲ መፍትሒ ድኣ እሞ እንታይ ኢዩ፧ ሸውዓተ ሚእቲ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ዳንተ እተባህለ ውሩይ ኢጣልያዊ ገጣምን ፈላስፋን: ነቲ መልሲ ሓቢሩ ነበረ። ናይ ደቅሰብ ሰላምን ሓድነትን ከተረጋግጽ እትኽእል ሓንቲ ናይ ዓለም መንግስቲ ጥራይ ከም ዝዀነት ተዛሪቡ ኢዩ። ንብዙሓት ሰባት ናይ ዓለም መንግስቲ ክትህሉ ዝብል ተስፋ ናይ ሓቂ እምንቶኻ ዘይተንብረሉ: መዐሸዊ ጥራይ ኢዩ። ኣቐድም ኣቢሉ ተጠቒሱ ዝነበረ ፓይን እተባህለ ደራሲ “ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ታሪኽ መድረኽ ናይ ዓለም መንግስቲ ክትህሉ ፈጺሙ ዘይከኣል ነገር ኢዩ” ብምባል ይድምድም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ዝዀነት ትኹን ዕውትቲ ናይ ዓለም መንግስቲ ፈጺሙ ልዕሊ ዓቕሚ ሰብ ንዝመስል ክልተ ነገራት: ማለት “ሓንቲ ናይ ዓለም መንግስቲ ንውግእ መወዳእታ ክትገብረሉ ምዃና: ንገዛእ ርእሳ ድማ ዓለም- ለኸ ጨቋኒት ከም ዘይትኸውን” ውሕስነት ክትህብ ኣለዋ።
ነዚ ክትገብሮ እትኽእል ሰብኣዊት መንግስቲ ፈጺማ ከም ዘየላ እተረጋገጸ ኢዩ። እታ ኣብ ትሕቲ የሱስ ክርስቶስ ዘላ መንግስቲ ኣምላኽ ግን ነዚ ኽትገብሮ ትኽእል ኢያ: ንውግእ ድማ ከተርሕቖ ኢያ። (መዝሙር 46:9, 10፣ ማቴዎስ 6:10) ብርግጽ: ንዅሎም መለዓዓልቲ ውግእ ከተጥፍኦም ኢያ። ነብዪ ዳንኤል ኣብቲ ኣምላኽ ሰብኣዊ ግዝኣት ኣብ ልዕሊ ምድሪ ደው ክብል መዲብሉ ዘሎ እዋን: ሰብኣዊ ግዝኣት ልክዕ ከምቲ “ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት” ዘይሕወስ ‘ክፈላለ’ ምዃኑ ይገልጽ። (ዳንኤል 2:41-43) እዚ ድማ ፖለቲካዊ ገማዕማዕን ዘይተርፍ ግርጭትን ከስዕብ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ዳንኤል መንግስቲ ኣምላኽ “ንዅለን እዘን [ሃገራውነት ዝስምዐንን ሓድነት ዘይብለንን] መንግስትታት” ወይ ድማ ምምሕዳራት “ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ:” በታ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ትጽቢት እተገብረላ ኣብ ትሕቲ የሱስ ክርስቶስ ዘላ መንግስቱ ድማ ክትክአን ኢዩ።—ዳንኤል 2:44
ምድሪ እቶም ንኻልኦት ሕማቕ ናብራ ከም ዘሕልፉ ዝገብሩ ዓመጽቲ ውልቀ-ሰባት ምንባር ዝቕጽሉላ ቦታ ኽትከውን እንተድኣ ዀይና: ንሰባት ዝኸውን ምቹእ ኵነታት ምፍጣር ከንቱ ኢዩ። ይኹን እምበር: “እኩያት ኪጸንቱ እዮም።” (መዝሙር 37:1, 2, 9, 38፣ ምሳሌ 2:22) ስለዚ: ክርስቶስ ንዅሎም እቶም ደይ መደይ ኢሎም ንመዐቀኒታት ኣምላኽ ዝነጽጉ ወይ ንህውከተኛታት ዓለማውያን መራሕቲ ደገፎም ዝህቡ ሰባት ከጽንቶም ኢዩ። ንዅሎም እቶም ነዛ ፕላኔት እዚኣ ዘበላሽዉ ዘለዉ ሰባት ከጥፍኦም ኢዩ። ኣምላኽ ‘ንመጥፋእቲ ምድሪ ከጥፍእ’ ተመባጺዑ ኢዩ።—ራእይ 11:18
እዚ ዓለምለኻዊ መልክዕ ዘለዎ ጭቈና ኣይክኸውንን ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ነቲ ጽቡቕ ካብ ሕማቕ ክፈሊ ኸሎ ‘ብሓቅን ገርህነትን [“ትሕትናን:” NW ] ጽድቅን’ ኢዩ ስጕምቲ ዝወስድ። (መዝሙር 45:3, 4፣ ማቴዎስ 25:31-33) እዚ ብየሱስ ዝውሰድ ስጕምቲ ኣሉታውን ኣዕናውን ሓይልኻ ድማ ብዘይግቡእ ምጥቃምን ኣይኰነን። እወ! ሓደ ምልኩዕ ታሪኻዊ ህንጻ ብሓደ ገዛውቲ ዓዲጉ ብምትዕርራይ ዝሸይጥ ስሱዕ ሰብ ክፈርስ ከም ዝዀነ ገይርካ ዝውሰድ ኣይኰነን። ዝያዳ እኳ ድኣስ: ባህ ዘብልን ጽሩይን ኣከባቢ ንምህናጽ ኢልካ ምስ ንሓደ ዝመሽመሸ ህንጻ ምፍራስ ኢዩ ዝመሳሰል።
ብዛዕባ እቶም ጠንቂ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋናት እተሳእነ ሓድነት ዝዀኑ ናይ ወጻኢ ሓይልታትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ተቐማጦ ምድሪ ምስ ብጾቶም ዝዀኑ ሰባት ብምብኣስን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሕማቕ ናብራ ከም ዘሕልፍ ብምግባርን: ነቲ ኣዕናዊ መስርሕ ከም ብሓድሽ ክጅምርዎ ንኸስሕትዎም ናብቲ ሓድሽ ኣገባብ ሰሊኾም ክኣትዉ ናጻ ክሕደጉ ድዮም፧ ብርግጽ ኣይክሕደጉን ኢዮም። እዚ ኸምዚ ዝበለ ናይ ምጽራግን ምሕዳስን ዕዮ ናይ መወዳእታን ምሉእ ብምሉእ ዝግበርን ኢዩ። “ጸበባ ኻልኣይ ሳዕ ኣይኪለዐልን እዩ።”—ናሆም 1:9
መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ናይ መወዳእታ ጥፍኣት ሰይጣን ምስ ንጐሓፍ ምንዳድ ኢዩ ዘመሳስሎ። ‘እቲ [ንተቐማጦ ምድሪ] ዘስሓቶም ድያብሎስ ናብቲ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ’ ኢዩ ዝብል። (ራእይ 20:10) ከመይ ዝበለ ሓያል ምሳሌ ኰን ኢዩ! ሕስብ እሞ ኣብሎ: እቲ ጥፍኣት ምስ ሓደ ውሱን ዓቕሚ ዘለዎ ጐሓፍ ዝነደሉ ንእሽቶ ቦታ ዘይኰነስ: ንነፍሲ ወከፍ እከይን እተበከለ ነገርን ከም ዘየሎ ገይሩ ብምህማዅን ብምጽናትን ዘጥፍእ ቀላይ ሓዊ ኢዩ ተመሳሲሉ ዘሎ። ሰብ ይኹን ጋኔን ንኣድማሳዊ ስርዓት ዘስግእ: ነቲ ቕኑዕን ጌጋን ዝውስን ናይ ኣምላኽ መዐቀኒታት ዝጥሕስ: ወይ ንብጾቶም ሰባት ስቓይ ዘስዕብ ነገራት ምግባር ክቕጽል ኣይክፍቀደሉን ኢዩ። ኵሎም ዘረግቲ ሓድነት ክጸንቱ ኢዮም!—መዝሙር 21:9-11፣ ጸፎንያስ 1:18፣ 3:8
ካብ ኵሎም ህዝብታት እተኣከበ ሓድነት ዘለዎ ህዝቢ
ካብዚ ዓቢ ናይ ምጽራይ ዕዮ ደሓንቲ ዝዀኑ ሰባት “ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተአከቡ: . . . ብዙሓት ሰብ [“ዓቢ ጭፍራ:” NW ]” ከቝሙ ኢዮም። (ራእይ 7:9) ሃገራውን ዓሌታውን ፍልልያት ኣይክጐዛዝዮምን ኢዩ። ብሰላም ብሓድነት ምንባር እተማህሩ ክዀኑ ኢዮም። (ኢሳይያስ 2:2-4) ካብዚ ንላዕሊ ኣዝዩ ዘገርም ድማ: ነዞም ዝደሓኑ ሰባት: እቶም በቲ ዘደንቕ ናይ ትንሳኤ ምድላው ኣቢሎም ኣብታ ዝጸረየት ምድሪ እንደገና ብህይወት ዝነብሩ ናይ ቀደም ተቐማጦ እዛ ፕላኔት ክሓብርዎም ኢዮም።—ዮሃንስ 5:28, 29
ኣብ ከምዚኣ ዝበለት ዓለም ክትነብር ምደለኻዶ፧ እቶም ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ብቕዓታት ዘማልኡ ሰባት ጥራይ ኢዮም ኣብኣ ዝነብሩ: እዚ ብቕዓታት እዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። (ዮሃንስ 17:3፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:38-42) ኣብ ሓንቲ ብሓቂ ሓድነት ዘለዋ ዓለም ንዘለኣለም ብምንባር ንህይወት ክትሕጐሰሉ ተስፋ ምእንቲ ኽትገብር: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ብቕዓታት ክምህሩኻ ሕጕሳት ኢዮም።
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ትሕቲ የሱስ ክርስቶስ ዘላ መንግስቲ ሓድነት ዘለዋ ዓለም ብርግጽ ከተምጽእ ኢያ