ሓድነት ዓለም ብሓቂ ይርከብ ደዀን ይኸውን፧
“ኣብዚ ዝስዕብ ሒደት ወለዶታት ነዛ ናጻ ሃገራት ዝርከብኣ ዓለምና ናብ ሓደ ናይ ሓቂ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ምልዋጣ ክንዕወት እንተድኣ ዄንና: . . . ነቲ ጥንታዊ ዝዀነ ናይ ውግእ ባህሊ እውን ውጽኢታዊ ብዝዀነ መገዲ ከነርሕቖ ኢና። . . . እንተድኣ ዘይተዓዊትና ግን: ምናልባት . . . ስልጣነ ዝበሃል ነገር ኣይክህሉን ኢዩ።” እዚ ቓላት እዚ: ናይ ወተሃደራዊ ታሪኽ ጸሓፊ ዝዀነ ግዊን ዲየር ኣብታ ውግእ ዘርእስታ ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፉ እተዛረቦ ኢዩ።
ዲየር: ታሪኽ ብጸብጻብ ናይቶም ፍልልያቶም ንምድቃስ ንውግእ ከም ኣማራጺ መገዲ እተጠቕምሉ ሃገራትን ካልኦት ሓያላት ጕጅለታትን ዝመልአ ምዃኑ ኢዩ ዝዛረብ። ሓድነት ዘይብሎም ምዃኖም ብሚልዮናት ዝቝጸር ህይወት ቀዚፉ ኢዩ። ንጉስ ሰሎሞን ኣብቲ ግዜኡ ውግእ ንሰባት ክሳዕ ክንደይ ከም ዝተንከፎም ንምሕባር ዝሃቦ መግለጺ ገና ምስዚ ሎሚ ዘሎ ኵነታት ዝሰማማዕ ኢዩ። ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:- “ኣነ ኸኣ ተመሊሰ ነቲ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዚግበር ዘበለ ግፍዒ ተመልከትኩ: እንሆ ኸኣ: ንብዓት እቶም ግፉዓት ርኤኹ: ኣጆኹም: ዚብሎምውን ኣይነበሮምን: ካብ ኢድ እቶም ገፋዕቶም ዓመጻ ወጸ: ኣጆኹም: ዚብሎም ከኣ ኣይነበሮምን።”—መክብብ 4:1
እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ጸሓፍ ታሪኽ ገሊጽዎ ኸም ዘሎ: ሎሚ ነዛ ናጻ ሃገራት ዝርከብኣ ዓለም ናብ ሓደ ናይ ሓቂ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንምልዋጣ ገለ መገዲ ንምርካብ ኣብ ርእሲ እቲ “ንብዓት እቶም ግፉዓት” ርኢኻ ምድንጋጽ ተወሳኺ ምኽንያት ዝህብ ነገር ኣሎ:- ህላወ ስልጣነ ኣብ ናይ ጥፍኣት ሓደጋ ኢዩ ዘሎ! ዘመናዊ ውግእ ከም ኣማራጺ ንእትጥቀመሉ ነፍሲ ወከፍ ሃገር ጥፍኣት ኢዩ ዝመባጽዓላ: ሰዓርቲ ተባሂሎም ዝድሕኑ ሰባት ድማ የለዉን።
ናይ ዓለም ሓድነት ይርአዶ ኣሎ፧
ሓድነት ዓለም ንኽርከብ እንታይ ተስፋታት ኣሎ፧ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ነቶም ንህላወ ምድሪ ኣብ ስግኣት ዘውድቕዎ ፈላለይቲ ሓይልታት ከሰንፎም ይኽእል ድዩ፧ ገሊኦም ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ኢዩ ዘለዎም። ደይሊ ቴለግራፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ዝበሃል ናይ ብሪጣንያ ጋዜጣ: ንወተሃደራዊ ምክልኻል ዝምልከት ጽሑፋት ዘሰናድእ ጆን ኪገን ከምዚ ብምባል ይጽሕፍ:- “ሕንፍሽፍሽን ዘይርጉጽ ኵነታትን እኳ እንተሎ: ውግእ ዘይብላ ዓለም ቀስ ኢላ ከም እትመጽእ ምግንዛብ ዝከኣል ይመስል።”
ከምዚ ዝበለ ትስፉው ኣረኣእያ ንኽህልዎ ዝገበረ እንታይ ኢዩ፧ ወድሰብ ነዊሕ ናይ ውግእ ታሪኽ ዘለዎ: ዕዉት ብዝዀነ መገዲ ድማ ገዛእ ርእሱ ከማሓድር ዘይክእል ክነሱ: ብዙሓት ሰባት ተስፋ ዘለዎም ይመስሉ: ስለምንታይ፧ (ኤርምያስ 10:23) ሓደ እዋን ገለ ሰባት ‘ወድሰብ ንቕድሚት ኢዩ ዝስጕም ዘሎ። ታሪኽ ድማ ዕቤት ቀጻሊ ምዃኑ ኢዩ ዘርኢ’ ብምባል ተኸራኺሮም ኢዮም። ሎሚ እውን እንተዀነ: ብዙሓት ሰባት እቲ ንሰብ መፋጥርቱ ዝዀነ ሰናይ ብገለ መገዲ ኣብ ልዕሊ እከይ ከም ዝዕወት ኢዮም ዝኣምኑ። እዚ ግን ሓቅነት ዘለዎ ተስፋ ድዩ፧ ወይስ ናብ ዝገደደ ተስፋ ምቝራጽ ዝመርሕ መዐሸዊ ጥራይ ኢዩ፧ ጀይ. ኤም. ሮበርትስ እተባህለ ጸሓፍ ታሪኽ ኣብታ ሾርተር ሂስትሪ ኦቭ ዘ ዎርልድ እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፉ: ሓቅነት ብዘለዎ መገዲ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ናይ ዓለም መጻኢ ርግጽ ኢዩ ክትብሎ ዘይከኣል ኢዩ። ናይ ሰብኣዊ ስቓይ መወዳእታ ፈጺሙ ኣይርኣየካን ኢዩ: ወይውን ክመጽእ ኢዩ ኢልካ ንኽትኣምን ዝገብር ዝዀነ ይኹን መሰረት የልቦን።”
ሰባትን ሃገራትን ነቲ ኣብ ንሓድሕዶም ዘሎ ዘይምትእምማንን ፈላላዪ ነገራትን ብሓቂ ከሰንፍዎ ኢዮም ኢልካ ከም እትኣምን ዝገብር ናይ ሓቂ ምኽንያታት ኣሎዶ፧ ወይስ ካብ ሰብኣዊ ጻዕርታት ንላዕሊ ዘድሊ ገለ ነገር ኣሎ፧ ቀጺላ ዘላ ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ክትምልስ ኢያ።
[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Background globe on the cover: Mountain High Maps® Copyright © 1995 Digital Wisdom, Inc.