ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/10 ገጽ 5-7
  • ናይ ሓቂ ሓጐስ እቲ መፍትሕ እንታይ ኢዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ሓቂ ሓጐስ እቲ መፍትሕ እንታይ ኢዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንፈሳውነት ናብ ሓጐስ ይመርሕ
  • ናይ ምምራጽ ክእለትና
  • እቲ መፍትሕ ኣምላኻዊ ጥበብን ተኣዛዝነትን ኢዩ
  • ሓጐስ ብኸመይ ከም ዚርከብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዜገልግሉ ሕጉሳት እዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣበይ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ናይ ሓቂ ሓጐስ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/10 ገጽ 5-7

ናይ ሓቂ ሓጐስ እቲ መፍትሕ እንታይ ኢዩ፧

ሰባት ክሕጐሱ ኢዮም ተፈጢሮም። ብዛዕባ እዚ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧ ሰብ መጀመርታ ክፍጠር ከሎ ዝነበረ ኵነታት እስከ ንርአ።

የሆዋ ኣምላኽ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰብኣውያን ጽምዲ ክፈጥር ከሎ ንሓጐስ ናይ ምስትምቓር ክእለት ዘለዎም ገይሩ ኢዩ ፈጢርዎም። ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት: ኤድን ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ናይ ሓጐስ ስፍራ ኣታኽልቲ ኢዮም ዝነብሩ ነይሮም። ፈጣሪ ንህይወት ዘድሊ ዘበለ ኵሉ ስጋዊ ነገራት ኣዳለወሎም። እታ ቦታ ኣታኽልቲ “ምርኣዩ ዜብህግ: ምብላዑ ዝጥዑም ኵሉ ኦም” ነበራ። (ዘፍጥረት 2:9) ኣዳምን ሄዋንን ጥዑያት: ሓያላት: ምልኩዓት: እወ ፍጹማት ናይ ሓቂ ድማ ሕጉሳት ኢዮም ነይሮም።

እቲ ናይ ሓጐሶም መፍትሕ ግን እንታይ ነበረ፧ እታ ገነታዊት ቤቶምዶ ወይስ ምናልባት ኣካላዊ ፍጽምናኦም፧ እዚ ካብ ኣምላኽ ዝመጸ ውህበታት ነቲ ኣብ ህይወት ዝርከብ ሓጐስ ኣበርክቶ ነይርዎ ኢዩ። ሓጐሶም ግን ኣብ ከምዚ ዝበለ ብዓይኒ ዝርአ ነገራት እተመርኰሰ ኣይነበረን። ገነት ኤድን ካብ ሓደ ውቁብ ስፍራ ኣታኽልቲ ንላዕሊ ኢያ ነይራ። ቅድስቲ: ንኣምላኽ ኣምልኾ ዝቐርበላ ቦታ ኢያ ነይራ። እቲ መፍትሕ ዘለኣለማዊ ሓጐሶም ምስ ፈጣሪ ፍቕራዊ ዝምድና ኣብ ምምስራትን ምዕቃቡን ዘለዎም ክእለት ኢዩ ነይሩ። ሕጕሳት ንኽዀኑ: መጀመርታ መንፈሳውያን ሰባት ክዀኑ ነበሮም።​—⁠ምስ ማቴዎስ 5:3 ኣረኣእዮ።

መንፈሳውነት ናብ ሓጐስ ይመርሕ

ኣዳም ኣብ ፈለማ ምስ ኣምላኽ መንፈሳዊ ዝምድና ነይርዎ ኢዩ። እዚ ድማ: ልክዕ ከምቲ ሓደ ውሉድ ምስ ኣቦኡ ዘለዎ ርክብ: ፍቕራውን ለዋህን ዝምድና ኢዩ ነይሩ። (ሉቃስ 3:​38) ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ኤድን ነቲ ናይ ምምላኽ ባህጎም ከዕግቡ ዘኽእሎም ምቹእ ኵነታት ነበሮም። በቲ ንየሆዋ ዘርእይዎ ብፍታው ዝግበርን ፍቕራውን ተኣዛዝነት ኣቢሎም: ካብቲ ፍጥረት ናይ እንስሳ ክገብሮ ዝኽእል ንላዕሊ ንኣምላኽ ክብርን ውዳሰን ከምጽእሉ ነበሮም። ናይ ምስትውዓል ክእለቶም ብምጥቃም ንኣምላኽ ስለቲ ዘደንቕ ባህርያቱ ክውድስዎ ንሉዓላውነቱ ድማ ክድግፉ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ፍቕርን ለውሃትን ዘለዎ ሓልዮት የሆዋ እውን ብቐጻሊ ክረኽቡ ይኽእሉ ነበሩ።

እዚ ምስ ፈጣሪ ዝነበሮም ርክብን ንሕግታቱ ምእዛዝን ነቶም ናይ መጀመርታ ወለድና ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣምጺእሎም ኢዩ። (ሉቃስ 11:28) ኣዳምን ሄዋንን ናይ ሓጐስ መፍትሕ ቅድሚ ምርካቦም ንብዙሕ ዓመታት ብሃሰሰ ለባም ክነብሩ ኣየድለዮምን። ካብታ እተፈጥሩላ ግዜ ኣትሒዞም ሕጉሳት ኢዮም ነይሮም። ምስ ኣምላኽ ሰላም ምግባር ንስልጣኑ ድማ ተገዛእቲ ምዃን ሕጕሳት ገይርዎም ኢዩ።

ይኹን እምበር: እቲ ሓጐስ እቲ ኣብታ ንኣምላኽ ምእዛዝ ዝኣበዩላ ህሞት ኣቋረጸ። ኣዳምን ሄዋንን ካብ ኣምላኽ ብምዕላው: ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮም መንፈሳዊ ዝምድና ኣበላሸውዎ። ደጊም ኣዕሩኽ ኣምላኽ ካብ ምዃን ኣቋረጹ። (ዘፍጥረት 3:​17-​19) የሆዋ ካብታ ካብ ገነት እተሰጐጉላ መዓልቲ ጀሚሩ: ምስኣቶም ዝነበሮ ኵሉ ርክባት ዝበተኸ ኢዩ ዝመስል። ፍጽምናኦም: ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋኦም: ከምኡውን ገነታዊት ቤቶም ኣጥፍኡ። (ዘፍጥረት 3:​23) ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ግን: ነቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ዝምድና ስለ ዘጥፍእዎ: ነቲ ናይ ሓጐስ መፍትሕ ኣጥፍእዎ።

ናይ ምምራጽ ክእለትና

ኣዳምን ሄዋንን: ቅድሚ ሙማቶም እቲ ሰብኣዊ ባህርያቶም: መፋጥርቶም ዝዀነ ሕልናኦም: ከምኡውን መንፈሳዊ ሰብ ናይ ምዃን ክእለት ንዘርኦም ኣውሪሶምዎም ኢዮም። ሰብኣዊ ፍጡር ናብ ናይ እንስሳታት ደረጃ ኣይወረደን። ምስ ፈጣሪ ክንተዓረቕ ንኽእል ኢና። (2 ቈረንቶስ 5:​18) ሰባት ከም መስተውዓልቲ ፍጡራት መጠን: ንኣምላኽ ንኽእዘዙ ወይ ንኸይእዘዙ ናይ ምምራጽ ክእለት ዘለዎም ኰይኖም ቀጸሉ። እዚ ድማ ብዙሕ ዘበናት ጸኒሑ: የሆዋ ነቶም ሓዳስ ሃገር ዘቘሙ እስራኤላውያን ህይወት ወይ ሞት ክሓርዩ ምርጫ ከቕርበሎም ከሎ ተራእዩ ኢዩ። ኣምላኽ በቲ ኣፈኝኡ ዝነበረ ሙሴ ኣቢሉ “ህይወትን ጽቡቕን: ሞትን ክፉእን ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ አሎኹ” በለ።​—⁠ዘዳግም 30:15-​18

ሕጂ እውን እንተዀነ: እታ ናይ መጀመርታ ገነት ምስ ጠፍአት ኣሽሓት ዓመታት ጸኒሑ: ንሕና ሰባት ገና ቅኑዕ ምርጫ ናይ ምግባር ክእለት ኣሎና። ሕግታት ኣምላኽ ንምእዛዝ ዘኽእል ዝሰርሕ ሕልናን መሰረታዊ ዓቕምን ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ‘ውሽጣዊ ሰብነትና’ ከምኡውን ‘ናይ ውሽጢ’ ሰብ ይዛረብ ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 4:​16፣ ሮሜ 7:​22) እዚ መግለጺታት እዚ ምስቲ መፋጥርትና ዝዀነ ኣብ ኵልና ዝርከብ እሞ ባህሪ ኣምላኽ ንኸነንጸባርቕ: ከምቲ ናቱ ኣተሓሳስባ ንኽንሓስብ: መንፈሳውያን ንኽንከውን ዘኽእለና ዕቑር ዓቕሚ ዝተሓሓዝ ኢዩ።

ሃዋርያ ጳወሎስ ንስነ⁠-ምግባራዊ ባህሪናን ሕልናናን ኣመልኪቱ ከምዚ ብምባል ጸሓፈ:⁠- “እቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብ: ሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ: እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ አለዉ እሞ: ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ: ንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ: ንርእሶም ሕጊ እዮም።”​—⁠ሮሜ 2:​14, 15

እቲ መፍትሕ ኣምላኻዊ ጥበብን ተኣዛዝነትን ኢዩ

ሓደ ሰብ ግን ‘ኵልና ንኣምላኽ ናይ ምምላኽ ባህርያዊ ዝንባለ ዘሎና: ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ናይ ሓቂ ሓጐስ ነስተማቕር እንተድኣ ዄንና: ስለምንታይ ድኣ ኢዩ ሓጐስ ምስኣን ዝያዳ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ፧’ ብምባል ይሓትት ይኸውን። ምኽንያቱ ሕጕሳት ምእንቲ ኽንከውን ነፍሲ ወከፍና መንፈሳውነት ከነማዕብል ኣሎና። ሰብ ኣብ መጀመርታ ብመልክዕ ኣምላኽ ተፈጢሩ እኳ እንተ ነበረ: ካብ ፈጣሪኡ ርሒቑ ኢዩ። (ኤፌሶን 4:​17, 18) ስለዚ: ነፍሲ ወከፍና ምስ ኣምላኽ መንፈሳዊ ርክብ ንምምስራትን ንምዕቃቡን ንጹር ዝዀነ ስጕምቲ ክንወስድ ኣሎና። ከምዚ ዝበለ ርክብ ብሓደ ለይቲ ዝምዕብል ነገር ኣይኰነን።

የሱስ መንፈሳውነት ንምምዕባል ዝሕግዝ ክልተ ኣገደስቲ መሰረታዊ ስርዓታት ገሊጹ ኣሎ። ሓደ ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ምርካብ ክኸውን ከሎ: እቲ ኻልእ ድማ ንፍቓዱ ብተኣዛዝነት ምግዛእ ኢዩ። (ዮሃንስ 17:3) የሱስ ንቓል ኣምላኽ ብምጥቃስ ከምዚ በለ:⁠- “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን።” (ማቴዎስ 4:4) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ: የሱስ “ብልዔይሲ ፍቓድ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ዕዮኡውን ክፍጽም እዩ” ብምባል ገለጸ። (ዮሃንስ 4:​34) ሓጐስ ንምርካብ ንብዙሕ ዓሰርተታት ዓመታት ብሃሰሰ ለባም እናደለና ክንነብር ኣየድልየናን ኢዩ። ተመክሮ ናይ ሓጐስ መፍትሕ ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡ: ኣምላኻዊ ጥበብን ንፈጣሪና ምእዛዝን ጥራይ ኢዩ ናብቲ ኣብ ህይወት ዝርከብ ናይ ሓቂ ሓጐስ ክመርሓና ዝኽእል።​—⁠መዝሙር 19:​7, 8፣ መክብብ 12:13

ብንጹር እምበኣር: ነቲ ኣምላኻዊ ጥበብ ብምዝውታርን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽቡቕ ኣቃውማ ብምህላውን ዝመጽእ ሓጐስ ክንረኽቦ ዘይንኽእል ነገር ኣይኰነን። (ግብሪ ሃዋርያት 17:26, 27) ፍልጠት የሆዋን ዕላማታቱን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክረኽቦ ዝኽእል ነገር ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብብዙሕ ቋንቋታት እተዳለወ ቢልዮናት ቅዳሓት ስለ ዘለዎ: ኣብ ዓለም እቲ ብሰፊሑ እተዘርግሐ መጽሓፍ ምዃን ቀጺሉ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውንን ናይ ሓቂ ሓጐስ ድማ ከተስተማቕርን ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ: ከመይሲ ቅዱሳት ጽሑፋት “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ [“ሕጕስ:” NW ]” ምዃኑ ኢዩ ዝነግረና።​—⁠መዝሙር 144:15

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን]

ናብ ሓጐስ ዝመርሕ ስጕምትታት

1. መንፈሳውነት እንታይ ማለት ምዃኑ ተረዳኣዮን ኰስኵሶን። የሱስ ከምዚ በለ:⁠- “ብጹኣንሲ [“ሕጕሳትሲ:” Nw ] እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን . . . እዮም። ”​—⁠ሉቃስ 11:28

2. ስምረት ኣምላኽ ምርካብ ካብ ሃብትን ምቾትን ንላዕሊ ዘገድስ ምዃኑ ኣፍልጦ ሃብ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ማለት፤ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከአለናን እዩ። ”​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:​6-8

3. ብመጽሓፍ ቅዱስ እተለማመደ ሕልና ንምዅስኳስን ክነግረካ ኸሎ ድማ ምላሽ ንኽትህቦን ጽዓር።​—⁠ሮሜ 2:​14, 15

4. ንየሆዋ ኣምላኽ ክትእዘዞ ቁረጽ: ነዚ ድማ ሓደ ካብ ህዝቡ ንምዃን ብቕዓት ብምርኣይ ኢኻ እትገብሮ። እቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ዳዊት ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “እቲ እግዚኣብሄር ዝኣምላኹ ህዝቢ ብጹእ [“ሕጕስ: ” Nw ] እዩ። ”​—⁠መዝሙር 144:15

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

“እቶም መንፈሳዊ ድሌቶም ንምምላእ ዝነቕሑ ሕጕሳት ኢዮም። ”​—⁠ማቴዎስ 5:3 NW

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ