በቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንነዊሕ ግዜ ዘሕለፍክዎ ህይወት ሕጕስቲ ኢየ
ብኦቲሊ ሚድለን እተዘንተወ
ኣብ መወዳእታ ናይ መበል 19 ክፍለ-ዘበን: ኣብ ምዕራባዊ ኖርወይ: ኣብ ወደብ ኮፐርቪክ ብጋንጽላ ዝጓዓዛ መራኽብ ተር ኢለን ይዕሸጋ ነበራ። እቲ ግዜ እቲ ኣብ ጐደናታት: ሰባት ዓረብያ ዝደፍእሉ ኣፍራስ ድማ ዓረብያታት ዝስሕብሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። ሰባት ብላምባ ዝሰርሕ ቐነዴል ንመብራህቲ ይጥቀሙ ነበሩ: ጻዕዳ ሕብሪ እተለኽየ ባራካታት ድማ ብዕንጸይትን ጥፋእ ፈሓምን ኢዩ ዝመውቕ ነይሩ። ኣብዚ ቦታ እዚ ሰነ 1898 ተወለድኩ: ካብ ሓሙሽተ ደቂ ድማ ካልኣይቲ ኢየ ነይረ።
ኣቦይ ስራሕ ስለ ዘይነበሮ ብ1905 ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከደ። ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ንዓና ነቶም ቈልዑ ዝኸውን ዘሐጕስ ህያባት ንኣደይ ዝኸውን ከኣ ካብ ሃሪ እተሰርሐ ዓለባታትን ካልእ ነገራትን ዝመልአ ባልጃ ሒዙ መጸ። እተን ካብ ኵሉ ዝበለጻ ጥሪቱ ግን እተን ብቻርለስ ተይዝ ራስል እተጻሕፋ ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስተን ናይ እንግሊዝኛ መጻሕፍቲ ኢየን ነይረን።
ኣቦይ ነቲ ካብዘን መጻሕፍቲ እዚኣተን እተማህሮ ነገራት ንኣዕሩኹን ኣዝማዱን ክነግር ጀመረ። ኣብ ኣኼባታት ቤት ጸሎት ናይቲ ከባቢ: መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ ዝቃጸል ሲኦል ከም ዘየለ ይገልጽ ነበረ። (መክብብ 9:5, 10) ብ1909 ኣቦይ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድሕሪ ምምላሱ ዓመት ጸኒሑ: ሓው ራስል ንኖርወይ በጽሓ: ኣብ በርገን ከምኡውን ኣብዛ ሕጂ ኦስሎ ተባሂላ እትጽዋዕ ክሪስትያንያ ድማ ዝርርብ ሃበ። ኣቦይ ናይ ራስል ዝርርብ ክሰምዕ ናብ በርገን ከይዱ ነበረ።
መብዛሕትኦም ሰባት ናይ ሓሶት ትምህርቲ ምሂርካ ኢሎም ነቦይ ወቐስዎ። በዚ ኣደንገጸኒ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትራክትታት ንጐረባብቲ ኣብ ምዕዳል ድማ እሕግዞ ነበርኩ። ብ1912: ንሓንቲ ጓል ቀሺ ብዛዕባ ሲኦል ሓዊ እትዛረብ ትራክት ዓደልኩዋ። ንዓይን ነቦይ ጸረፈትና። ጓል ቀሺ ከምዚ ዝበለ ጽዩፍ ቃላት ምጥቃማ ኣሰንበደኒ!
ቴዎዶር ሲሞንሰን እተባህለ ክኢላ ተዛራቢ ሓዊስካ: ካልኦት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ—ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጽውዕሉ ዝነበሩ ስም—ናብ ኮፐርቪክ መጺኦም ይበጽሑና ነበሩ። ናብቲ ኣብ ገዛና ኰይኑ ዝህቦ ዝርርባት ክመጹ ሰባት እዕድም ነበርኩ። ዝርርብ ቅድሚ ምሃቡ ዚዘር እትበሃል ናይ ሙዚቃ መሳርሒት ይጻወትን ይዝምርን: ድሕሪ ዝርርቡ ድማ ናይ ደሓን ሕደሩ መዝሙር ይዝምር ነበረ። ንቴዎዶር ከኣ ዓሚቝ ኣኽብሮት ነበርና።
ኣብ ገዛና እትመጽእ ዝነበረት ካልእ ሰብ ድማ ኣና ኣንደርሰን እተባህለት ኮልፖርተር: ወይ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኢያ ነይራ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ንሰባት ብምዕዳል: ዝበዝሕ ግዜ ብብሽግለታ ኣብ ምሉእ ኖርወይ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ትጓዓዝ ነበረት። ቅድሚ ሕጂ ሳልቨሽን ኣርሚ ኣብ ዝበሃል ሃይማኖታዊ ጕጅለ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ስለ ዝነበረት: ንገለ ካብቶም ኣብ ኮፐርቪክ ዝነበሩ ናይ ሳልቨሽን ኣርሚ ሓለፍቲ ትፈልጦም ነበረት። ኣብቲ ኣኼባ ዝገብርሉ ቤት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ከተስምዕ ኣፍቀዱላ: ኣነ ድማ ሰባት መጺኦም ክሰምዕዋ እዕድም ነበርኩ።
ናብ ኮፐርቪክ መጺኡ ዝበጽሓና ዝነበረ ካልእ ሰብ ድማ ካርል ጉንበር ኢዩ ነይሩ። እዚ ትሑትን ህዱእን: ግናኸ መስሓቕ ዝነበረ ሰብኣይ: በብእዋኑ ኣብቲ ኣብ ኦስሎ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተርጓሚ ብምዃን እውን ኣገልጊሉ ኢዩ። ዓመታት ጸኒሑ ኣብኡ ሓቢርና ንዓዪ ነበርና።
ብሃይማኖታዊ ኣረኣእያታት ተጸለኹ
ኣብቲ ግዜ እቲ: መብዛሕትኡ ሰብ ኣብ ኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ጽኑዕ እምነት ነይርዎ ጥራይ ዘይኰነስ: በቲ ከም በዓል ሲኦል ሓውን ስላሴን ዝኣመሰለ እምነታት እውን እተታሕዘ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ሰረተ-እምነታት እዚ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ከም ዝዀነ ምስ ማሃሩ ዳርጋ ንምልዕዓል ምኽንያት ኰይኑ ነበረ። በቲ ጐረባብትና ነቦይ መናፍቕ ኢዩ ብምባል ዘቕርብሉ ዝነበሩ ተሪር ወቐሳታት ተጸለኹ። ሓደ ግዜስ “እትምህሮ ዘሎኻ ነገር ሓቂ ኣይኰነን። መናፍቕነት ኢዩ” ብምባል እውን ከይተረፈ ተዛሪበዮ ነይረ ኢየ!
“ንዒ እሞ ኦቲሊ ጓለይ: መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝብል ርኣዪ” ኢሉ ብምትብባዕ ተዛረበኒ። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከኣ ኣንበበለይ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ኣብኡን ኣብቲ ዝምህሮ ነገራትን ዝነበረኒ እምንቶ ዓበየ። ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ከንብብ ኣተባብዓኒ: በዚ ኸኣ ኣብ ሓጋይ ናይ 1914: መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ማዕዶ እቲ ኸተማ ኣብ ዝነበረ ኵርባ ኮፍ ኢለ አንብብ ነበርኩ።
ኣብ ነሓሰ 1914 ህዝቢ ብዛዕባ ምጅማር ቀዳማይ ውግእ ዓለም ከንብብ ኣብቲ ናይ ከባቢ ጋዜጣ ዝሕተመሉ ህንጻ ተኣኪቡ ነበረ። ኣቦይ ናብቲ ቦታ መጺኡ ነቲ ዝግበር ዝነበረ ነገር ረኣየ። “ተመስገን ኣምላኽ!” ድማ በለ። እቲ ውግእ ምጅማሩ ናይቲ ንሱ ዝሰብከሉ ዝነበረ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ፍጻሜ ምዃኑ ተገንዘበ። (ማቴዎስ 24:7) ብዙሓት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብኡንብኡ ናብ ሰማይ ክንከይድ ኢና ዝብል እምነት ነበሮም። ገሊኦም እዚ ከም ዘይተፈጸመ ምስ ረኣዩ: ተስፋ ቘረጹ።
ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ዝነበረኒ ኣቕዋም
ብ1915 ጓል 17 ዓመት ምስ ኰንኩ: ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ ወዲአ ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ዓለማዊ ስራሕ ጀመርኩ። ድሕርዚ ስርዓታዊት ኰይነ ግምቢ ዘብዐኛ ከንብብ ጀመርኩ። ክሳዕ 1918 ግን ኣብ ኮፐርቪክ ስርዓታዊ ኣኼባታት ኣይተጀመረን ነበረ። ክጅመር ከሎ: ሓሙሽተ ሰባት ጥራይ ኢና ንእከብ ነይርና። ከም ስታዲስ ኢን ዘ ስክሪፕቸርስ ዝኣመሰለ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋት ነንብብ: ነቲ ጽሑፍ ድማ ብሕቶን መልስን ንመያየጠሉ ነበርና። ኣደይ ንተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንኣድ ንኻልኦት ትዛረብ እኳ እንተ ነበረት: ሓንቲ ካባና ምዃን ግን ፈጺማ ኣበየት።
ኣብቲ ዝሰርሓሉ ዝነበርኩ ቤት ጽሕፈት: ካብ 1918 ጀሚረ ምስቲ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ክኸውን ዝሓገዝክዎ ኣንቶን ሳልትነስ ተላለኹ። ኣብዚ ግዜ እዚ ስርዓታዊት ኣስፋሒት ኰንኩ: ብ1921 ድማ ኣብቲ ኣብ በርገን እተገብረ ኣሰምብሊ ተጠመቕኩ።
ግንቦት 1925 ኣብ ኣሬብሮ: ሽወደን: ንዅለን ሃገራት ስካንዲኔቭያ ዝጥርንፍ ኣሰምብሊ ተገብረ። ንጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ሓዊስካ: ልዕሊ 500 ዝዀኑ ሰባት ኣብቲ ኣኼባ ተኻፈሉ። እቶም 30 ኣቢልና እንኸውን ድማ: ኣብታ ንዓና ተባሂላ እተሓዝአት ባጎኒ ተሰቒልና ካብ ኦስሎ ብባቡር ዝመጻእና ኢና ነይርና።
ኣብዚ ኣሰምብሊ እዚ ነቲ ኣብ ኵለን ሃገራት ስካንዲኔቭያን ቦልቲክን ዝካየድ ዕዮ ስብከት ዝኣሊ ናይ ሰሜናዊ ኣውሮጳ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ኣብ ኩፐንሃገን: ደንማርክ: ክኽፈት ምዃኑ ተነግረ። ካብ ስኮትላንድ ዝመጸ ዊልያም ደይ ነቲ ዕዮ ስብከት ክዕዘብ ተመደበ። ብዙሕ ተፈታውነት ብምርካቡ ድማ: ነዊሕ ከይጸንሐ ቢግ ስኮትስማን ዝብል ቅጽል ስም ተዋህቦ። ሓው ደይ ኣብ መጀመርታ ካብ ቋንቋ ሃገራት ስካንዲኔቭያ ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጥ ብምንባሩ: ኣኼባታትን ኣሰምብሊታትን ኣብ ዝግበረሉ ግዜ ኣብ ድሕሪት ኮፍ ኢሉ: ወለዶም ናብቲ ካብ መድረኽ ዝቐርብ ትምህርቲ ከተኵሩ ምእንቲ ክኽእሉ ቈልዑ ይሕሉ ነበረ።
ናይ 1 መጋቢት 1925 ግምቢ ዘብዐኛ ንራእይ ምዕራፍ 12 ዝምልከት ሓሳብ ኣውጺኣ ነበረት: እዛ ምዕራፍ እዚኣ ምስ ምውላድ መንግስቲ ኣምላኽ እትተሓሓዝ ምዃናን እዚ ምውላድ እዚ ኸኣ ብ1914 ኣብ ሰማይ ከም እተፈጸመን ገለጸት። ንምርድኡ ኣጸጋሚ ኰይኑ ስለ ዝረኸብኩዎ ነታ ዓንቀጽ ደጋጊመ ኣንበብኩዋ። ኣብ መወዳእታ ምስ ተረድኣኒ ድማ: ኣዝየ ተሓጐስኩ።
ኣብቲ ብዛዕባ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረና ምርዳእ ምትዕርራያት ምስ ተገብረ: ገሊኦም ተዓንቀፉ ካብ ህዝቢ ኣምላኽ ድማ ወጹ። ከምዚ ዝበለ ምትዕርራይ ምርድኡ ምስ ዝጽግመኒ: ነቲ ቐሪቡ ዘሎ ምኽንያት ንኽርድኦ ኵሉ ግዜ ነቲ ትምህርቲ ደጋጊመ አንብቦ። እቲ ሓድሽ መግለጺ ገና ምርዳእ እንተድኣ ኣብዩኒ: ክሳዕ ዝንጽረለይ እጽበ። ብዙሕ ግዜ ከምዚ ዝበለ ትዕግስቲ ብምርኣየይ ዓስቢ ረኺበ ኢየ።
ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት
ንገለ ዓመታት ተሓዚት መዝገብ: ጸሓፊት: ከምኡውን ኣብ ናይ ኣውራጃ ምምሕዳር ኦዲተር ብምዃን ሰሪሐ ነይረ ኢየ። ብ1928 እቲ ናይ ማሕበር ተሓዝ ሕሳብ ዝነበረ ሰብ ስለ ዝሓመመ ካብ ቤትኤል ክወጽእ ነበሮ። ናይ ከምዚ ዝበለ ስራሕ ተመክሮ ስለ ዝነበረኒ: ነቲ ስራሕ ክዓዮ ተሓተትኩ። ሰነ 1928 ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ጀመርኩ። ሳሕቲ ሓው ደይ ክበጽሓና ኢሉ ይመጽእ እሞ: ነቲ ናይ ሕሳብ መዛግብተይ ድማ ይምርምሮ ነበረ። ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኦስሎ ሓንቲ ጉባኤ ጥራይ ነበረት: ናይ ቤትኤል ስድራቤትና ኸኣ ኣብቲ ዝካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ዕዮ ስብከት መሪሕነት ትወስድ ነበረት።
ገሌና ነቲ ኣብ ቤትኤል ናይ ጽሑፋት መልኣኺ ተዓዛቢ ዝነበረ ሓው ሳክስሃመር: ዘ ጎልደን ኤጅ (ናይ ሕጂ ንቕሑ! ) [እንግሊዝኛ] ኣብ ምዕሻግን ምልኣኽን ንሕግዞ ነበርና። ሓው ሲሞንሰንን ሓው ጉንበርን ካብቶም ዝሕግዙና ዝነበሩ ሰባት ኢዮም። ጽቡቕ ግዜ ኢና ኣሕሊፍና: ክንሰርሕ ከሎና መብዛሕትኡ ግዜ ንዝምር ነበርና።
ብተስፋ ናይታ መንግስቲ ርግጸኛ ምዃን
ብ1935 እቶም “ዓቢ ጭፍራ” ካልኣይ ደረጃ ዝሓዙ ሰማያዊ ክፍሊ ከም ዘይኰኑ ተረዳእና። ኣብ ክንድኡ ግን ንሓደ ካብቲ ዓቢ ጸበባ ድሒኑ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ዘለዎ ጕጅለ ከም ዘመልክቱ ተረዳእና። (ራእይ 7:9-14 NW ) ብመሰረት እዚ ሓድሽ ምርዳእ ድማ: ካብቲ ናይ ዝኽሪ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ዝወስዱ ዝነበሩ ገለ ሰባት ተስፋኦም ምድራዊ ምዃኑ ተገንዚቦም ካብ ምውሳድ ኣቋረጹ።
ንሰማያዊ ተስፋይ ዝምልከት ፈጺሙ ምጥርጣር እኳ እንተ ዘይነበረኒ: መብዛሕትኡ ግዜ ግን ‘ስለምንታይ ኢዩ ኣምላኽ ደልዩኒ፧ ’ ብምባል እሓስብ ነበርኩ። ንኸምዚ ዝበለ ዓቢ መሰል ዘይበቅዕ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። ንእሽቶ: ሓፋር ሰበይቲ ብምንባረይ ንገዛእ ርእሰይ ከም ሓደ ምስ ክርስቶስ ሓቢሩ ኣብ ሰማይ ዝገዝእ ንጉስ ገይረ ክሓስባ ዘይመስል ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ። (2 ጢሞቴዎስ 2:11, 12፣ ራእይ 5:10) ይኹን እምበር: ነቲ “ብዙሓት ስልጡናት” ኣይተጸውዑን: “ኣምላኽ ግና . . . ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር . . . ነቲ ድኻም እዛ ዓለም እዚኣ ሐረየ” ዝብል ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ኣዕሚቘ እሓስበሉ ነበርኩ።—1 ቈረንቶስ 1:26, 27
ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ዝነበረ ንጥፈት
ኖርወይ 9 ሚያዝያ 1940 ብወተሃደራት ጀርመን ተወረት: ነዊሕ ከይጸንሐት ድማ እታ ሃገር ተታሕዘት። ብምኽንያት እቲ ውግእ ድማ ብዙሓት ሰባት ንመልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ምላሽ ሃቡ። ካብ ጥቅምቲ 1940 ክሳዕ ሰነ 1941: ልዕሊ 272,000 መጻሕፍትን ንኣሽቱ መጻሕፍትን ዓደልና። እዚ ድማ እቶም ሽዑ ኣብ ኖርወይ ዝነበሩ ልዕሊ 470 ዝዀኑ መሰኻኽር ኣብ ውሽጢ እተን ትሽዓተ ኣዋርሕ ነፍሲ ወከፎም ብገምጋም ልዕሊ 570 መጻሕፍትን ንኣሽቱ መጻሕፍትን ዓዲሎም ማለት ኢዩ!
ጌስታፖ ንዅሎም ኣቦ መንበር ተዓዘብቲ ጉባኤታት 8 ሓምለ 1941 ረኸብዎም: እቲ ዕዮ ስብከት ደው እንተድኣ ዘይበለ ናብ መዳጐኒ ደምበታት ከም ዝውሰዱ ድማ ነገርዎም። ሓሙሽተ ጀርመናውያን ናይ ፖሊስ ሓለፍቲ ናብ ቤትኤል መጺኦም ንዝበዝሐ ንብረት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ሃገርዎ። ስድራ ቤትኤል ተወሲዶም ተመርመሩ: ዋላ ሓደ ካባና ግን ኣይተኣስረን። ኣብ መወዳእታ: 21 ሓምለ 1941: እቲ ኣብ ጐደና ኢንኮግኒጋተን 28 ቢ ዝነበረ ናይ ማሕበር ህንጻ ተሃገረ: ዕዮ ስብከትና ድማ ተኣገደ። ናብ ኮፐርቪክ ተመሊስኩ እሞ ርእሰይ ዝኣልየሉ ዓለማዊ ስራሕ ከኣ ረኸብኩ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቦይ ፓይነር ኰይኑ ኢዩ ዘገልግል ነይሩ። ሓደ መዓልቲ ወተሃደራት ናዚ መጺኦም ነቲ ናይ ኣቦይ ገዛ ፈተሽዎ። ንመጽሓፍ ቅዱሳቱን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኮንኮርዳስ ሓዊስካ ንዅሉ ጽሑፋቱ ወሰድዎ። ኣብቲ እዋን እቲ ውሑድ ቀረብ መንፈሳዊ መግቢ ኢና እንረክብ ነይርና። ብመንፈስ ሓያላት ኰይንና ምእንቲ ኽንቅጽል: ከም በዓል ጋቨርንመንት (እንግሊዝኛ) ዝኣመሰለ ናይ ቅድም መጻሕፍቲ ደጋጊምና ነጽንዕ ነበርና: ምስባኽ ድማ ኣየቋረጽናን።
እቲ ዘሕዝን ግን: ኣብ ብዙሕ ቦታታት ዝነበሩ ኣሕዋት ተጐጃጂሎም ነበሩ። ገሊኦም ብግልጺ ክንሰብኽን ካብ ቤት ናብ ቤት ክንከይድን ኣሎና በሃልቲ ክዀኑ ከለዉ: እቶም ካልኦት ድማ ንሰባት ብኻልእ መገድታት ብምርካብ ዝያዳ ብምስጢር ክንዓዪ ኣሎና ዝብል ስምዒት ነበሮም። በዚ እተላዕለ ኸኣ ቅድሚ ሕጂ ጽቡቕ ሕብረት ዝነበሮምን ኣዚና ድማ እነፍቅሮምን ዝነበርና ምርኡያት ኣሕዋት ንሓድሕዶም ኣብ ዘይምዝርራብ በጽሑ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ምጕጅጃል: ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ኣብ ህይወተይ ካብ ዘጋጠመኒ ካልእ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንላዕሊ ኣዝዩ ኣጕሃየኒ።
ድሕሪ እቲ ውግእ እንደገና እተራእየ ሓድሽ ንጥፈት
ድሕሪ እቲ ውግእ: ኣብ ሓጋይ ናይ 1945: ሓው ደይ ንኖርወይ በጽሓ እሞ ኣብ ኦስሎ: ሸይን: በርገን ድማ ኣኼባታት ገበረ። ነቶም ኣሕዋት ባእሶም ከደቅሱ ተማሕጽኖም: እቶም ከምኡ ክገብሩ ዝደልዩ ኵሎም ደው ክብሉ ኸኣ ሓተቶም። እቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ብምሉኦም ድማ ደው በሉ! እቲ ዝነበረ ባእሲ ኸኣ: ድሕሪ ምብጻሕ ናይቲ ሽዑ ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ዝነበረ ናታን ኤች. ኖር: ታሕሳስ 1945 ንሓዋሩ ደቀሰ።
ኣብ መንጎኡ ኣብ ዝነበረ ግዜ: 17 ሓምለ 1945: ካብቲ ናይ ጨንፈር ኣገልጋሊ ዝነበረ ሓው ኢኖክ ኦማን: ‘ናብ ቤትኤል መዓስ ክትምለሲ ትኽእሊ፧’ እትብል ቴለግራም መጸትኒ። ገለ ኣሕዋት ነቲ ሽዑ ልዕሊ 70 ዓመት ገይሩ ዝነበረ ኣቦይ ምእንቲ ክኣልዮ ገዛ ክጸንሕ ከም ዘሎኒ ተዛረቡ። ኣቦይ ግን ናብቲ ናይ ቤትኤል ኣገልግሎት ክምለስ ኣተባብዓኒ: ናብ ቤትኤል ድማ ተመለስኩ። ብ1946: ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመጸ: ማርቨን ኤፍ. ኣንደርሰን እተባህለ ሓው ናይ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትና ተዓዛቢ ኰነ: እቲ ዕዮ ስብከት ድማ ከም ብሓድሽ ተማሓደረ።
ኣብቲ ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ነቦይ ክበጽሖ ናብ ኮፐርቪክ እኸይድ ነበርኩ። ክልቲኦም ኣሕዋተይን ክልቲአን ኣሓተይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣይነበሩን: ምስ ኣቦይን ምሳይን ግን ኵሉ ግዜ ጽቡቕ ርክብ ኢዩ ነይርዎም። ሓደ ካብቶም ኣሕዋተይ ሓላፊ ወደብን መራሕ መርከብን ኢዩ ነይሩ: እቲ ሓደ ድማ መምህር ነበረ። ብስጋ ርኽብቲ እኳ እንተ ዘይነበርኩ: ኣቦይ ግን “ካባኻትኩም ኦቲሊ ትህብትም” ይብሎም ነበረ። ሓቁ ድማ ኢዩ ነይሩ! እቲ ዘጥረይዎ ነገራት ምስቲ ኣነ ዘስተማቕሮ ዝነበርኩ መንፈሳዊ ሃብቲ ክዳረግ ዘይከኣል ኢዩ ነይሩ! ኣቦይ ወዲ 78 ዓመት ምስ ኰነ ብ1951 ሞተ። ኣደይ ብ1928 ኢያ ሞይታ።
ኣብቲ ብ1953 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እተገብረ ናይ ህዝቢ የሆዋ ኣህጉራዊ ዓቢ ኣኼባ ምክፋለይ ኣብ ህይወተይ ጕሉሕ ቦታ ዝሕዝ ኢዩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኣብቲ ናይ ዓለም ግራት ዝነበረ ቍጽሪ ኣስፋሕቲ ካብ 500,000 ሓሊፉ ነበረ: ልዕሊ 165,000 ሰባት ድማ ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ ተኻፈሉ! እቲ ናይ 1953 ዓቢ ኣኼባ ቅድሚ ምክያዱ: ኣብ ናይ ብሩክሊን ቤትኤል: ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ምድራዊት ማሕበር የሆዋ: ንሰሙን ዝኸውን ዓይየ ነበርኩ።
ክገብሮ ዝኽእል ምግባር
ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ናይ ምርኣይ ክእለተይ ብምኽንያት ሕማም ዓጽሚ ዓይኒ ሓሚቑ ኢዩ። ብርቱዕ መነጸር ዓይንን መጕልሒ መሳርሕን ተጠቒመ ብፍሩይ ፊደላት እተጻሕፈ ነገር ቁሩብ ከንብብ እኽእል ኢየ። ክርስትያን ኣሓት ድማ ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ ይበጽሓንን የንብባለይን ኢየን: በዚ ኸኣ ኣዝየ ኢየ ዘመስግን።
ዕዮ ስብከተይ እውን ድሩት ኢዩ። ኣብ እዋን ሓጋይ ክርስትያን ኣሓት ሳሕቲ በታ ዓረብያይ ገይረን ናብቲ ገለ ዕዮ ስብከት ክገብረሉ ዝኽእል ቦታታት ይወስዳኒ። ናብቲ ዳርጋ 100 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ተማሃሪት ዝነበርክሉ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዝኣመሰለ: ኣብ ኮፐርቪክ ዝርከብ ኣብያተ ትምህርቲ ስርዓታዊት ኰይነ መጽሔታትን ብሮሹራትን ብጶስጣ እልእኽ ኢየ። ገና ስርዓታዊት ኣስፋሒት ኰይነ ከገልግል ብምኽኣለይ ሕጕስቲ ኢየ።
ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ድማ እቲ ኣብ ቤትኤል ዘሎ መመገቢ ክፍልን ኣደራሽ መንግስትን ኣብቲ ክፍለይ ዝርከበሉ ደርቢ ኢዩ ዘሎ: እዚ ቤትኤል እዚ ካብ 1983 ኣትሒዙ ካብ ኦስሎ ወጻኢ ኣብ ኢትረ ኢነባክ ኢዩ ተሃኒጹ። ስለዚ ብዓረብያ ገይረ ናብ ናይ ንግሆ ኣምልኾ: ናብ መኣዲ: ከምኡውን ናብ ኣኼባታትና ክመጽእ እኽእል ኢየ። ገና ናብ ዓቢ ኣኼባታትን ኣሰምብሊታትን ክኸይድ ስለ ዝኽእል ድማ ሕጕስቲ ኢየ። ንብዙሕ ዓመታት ዝፈልጦም ብጾተይ: ከምኡውን ሓደስቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ብዙሓት ጽቡቓት ደቂ መሰኻኽርን ምርካብ የሐጕሰኒ ኢዩ።
ክሳዕ መወዳእታ እምነት ምዕቃብ
ኣብዚ ኣብ ቤትኤል ብንጡፋት: ሕጕሳት: ከምኡውን መንፈሳውያን ኣሕዋት ክትክበብ በረኸት ኢዩ። ናይ ቤትኤል ኣገልግሎተይ ክጅምር ከሎኹ: ብምሉኡ እቲ ስድራቤት በቶም ሰማያዊ ተስፋ ዘለዎም ሰባት ዝቘመ ኢዩ ነይሩ። (ፊልጲ 3:14) ሎሚ ግን ብጀካይ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ቤትኤል ዘሎ ሰብ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብር ብተስፋ ዝጽበ ኢዩ።
ሓቂ ኢዩ: የሆዋ ኣቐዲሙ ስጕምቲ ክወስድ ተጸቢና ኢና። እንተዀነ ግን: እቲ ዓቢ ጭፍራ ቍጽሩ እናዓበየ ክኸይድ ምርኣየይ የሐጒሰኒ ኢዩ። ኣየ ከመይ ዝበለ ወሰኽ ኰን ኢየ ዝረኣኹ! ኣብቲ ኣገልግሎት ንመጀመርታ ግዜ ክካፈል ከሎኹ: ኣብ ምሉእ ዓለም ዳርጋ 5,000 ኣስፋሕቲ ኢዮም ነይሮም። ኣብዚ እዋን እዚ ግን ልዕሊ 5,400,000 ኢዮም ዘለዉ! ብርግጽ: “እቲ ንእሽቶስ ሽሕ: እቲ ኣዝዩ ውሑድ ከኣ ብርቱዕ ህዝቢ ኪኸውን” ከሎ ብዓይነይ ርእየ ኢየ። (ኢሳይያስ 60:22) ከምቲ ነብዪ ኣንባቆም “ብርግጽ ኪመጽእ ኣይኪድንጕን ድማ እዩ እሞ: እንተ ደንጐየ እኳ ተጸበዮ” ብምባል ዝጸሓፎ: ንየሆዋ ክንጽበዮ ኣሎና።—ኣንባቆም 2:3