ቃል ኣምላኽ ንዘለኣለም ይነብር
“ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር።”—ኢሳይያስ 40:8
1. (ሀ) “ቃል ኣምላኽና” ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ሰባት ዝህብዎ መብጽዓታት ምስ ቃል ኣምላኽ ክወዳደር ከሎ ከመይ ኢዩ፧
ሰባት ኣብቲ ፍሉጣት ሰብኡትን ኣንስትን ዝህብዎ መብጽዓታት ትውክልቲ ናብ ምግባር ይዘዝዉ ኢዮም። ይኹን እምበር እዚ መብጽዓታት እዚ ነቶም ናብርኦም ክመሓየሽ ሃረር ዝብሉ ሰባት ክሳዕ ክንደይ ተበሃጊ መሲሉ ይረኣዮም ብዘየገድስ: ምስ ቃል ኣምላኽ ክወዳደር ከሎ ልክዕ ከም ዝቕምስል ዕምባባ ኢዩ። (መዝሙር 146:3, 4) የሆዋ ኣምላኽ ልዕሊ 2,700 ዓመታት ይገብር: ነብዪ ኢሳይያስ “ስጋ ዘበለ ዅሉ ሳዕሪ እዩ: ኵሉ ኽብሩ ኸኣ ከም ዕምባባ መሮር እዩ። ሳዕሪ ይነቅጽ: ዕምባባ ይቕምስል: ቃል ኣምላኽና ግና ንዘለኣለም ይነብር” ኢሉ ንኽጽሕፍ መንፈስ ደሪኽዎ ኢዩ። (ኢሳይያስ 40:6, 8) እቲ ንዘለኣለም ዝነብር “ቃል” እንታይ ኢዩ፧ ንዕላምኡ ዝምልከት ቃል ኣምላኽ ኢዩ። ሎሚ እቲ “ቃል” እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉልና ኣሎ።—1 ጴጥሮስ 1:24, 25
2. እንታይ ዓይነት ዝንባለታትን ተግባራትን እናሃለወ ክነሱ ኢዩ የሆዋ ነቲ ብዛዕባ ጥንታዊት እስራኤልን ይሁዳን እተዛረቦ ቃሉ ዝፈጸሞ፧
2 ኣብ ግዜ ጥንታዊት እስራኤል ዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት ንሓቅነት ናይቲ ኢሳይያስ መዝጊብዎ ዘሎ ቃላት ተመኪሮምዎ ኢዮም። የሆዋ ንዕኡ እሙናት ኰይኖም ብዘይምርካቦም መጀመርታ እቲ ዓሰርተ ነገድ ዝሓዘ መንግስቲ እስራኤል ድሕሪኡ ድማ እቲ ክልተ ነገድ ዝሓዘ መንግስቲ ይሁዳ ክማረኹ ምዃኖም ብነብያቱ ገይሩ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ነበረ። (ኤርምያስ 20:4፣ ኣሞጽ 5:2, 27) ሽሕ’ኳ ንነብያት ኣምላኽ እንተ ሰጐጕዎም: እንተ ቐተልዎም: ነቲ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኣምላኽ ዝሓዘ ብራና እንተ ኣንደድዎ: ትንቢት ከይፍጸም ንምክልኻል ወተሃደራዊ ሓገዝ ምእንቲ ክረኽቡ ንግብጺ እኳ እንተ ለመኑ: ቃል የሆዋ ግን ኣይፈሸለን። (ኤርምያስ 36:1, 2, 21-24፣ 37:5-10፣ ሉቃስ 13:34) ብተወሳኺ ድማ: እተናስሑ ተረፍ ኣይሁድ ናብ ዓዶም ንኽምለሱ ኣምላኽ ዝሃቦ መብጽዓ ጕሉሕ ፍጻሜ ረኺቡ ኢዩ።—ኢሳይያስ ምዕራፍ 35
3. (ሀ) ኣየናይ ኢሳይያስ መዝጊብዎ ዘሎ መብጽዓታት ኢዩ ብፍላይ ዘገድሰና፧ (ለ) እዚ ነገራት እዚ ብሓቂ ከም ዝፍጸም እትኣምን ስለምንታይ ኢኻ፧
3 የሆዋ ብኢሳይያስ ገይሩ ብዛዕባ እቲ ብመሲሕ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ ዝህሉ ጽድቃዊ ግዝኣት: ካብ ሓጢኣትን ሞትን ምንጋፍ: ከምኡውን ብዛዕባ ናይ ምድሪ ናብ ገነት ምልዋጥ ኣቐዲሙ ተዛሪቡ ኢዩ። (ኢሳይያስ 9:6, 7፣ 11:1-9፣ 25:6-8፣ 35:5-7፣ 65:17-25) እዚ ነገራት እዚኸ ክፍጸም ድዩ፧ ብዘይጥርጥር! ‘ኣምላኽ ኣይሕሱን’ ኢዩ። ንጥቕምና ክኸውን ኢሉ ዝመዝገቦ ትንቢታዊ ቃሉ ኣሎ: ክሳዕ ሎሚ ከም ዝዕቀብ ድማ ገይርዎ ኣሎ።—ቲቶስ 1:2፣ ሮሜ 15:4
4. እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ በዅሪ ኢደ-ጽሑፋት እኳ እንተ ዘይተዓቀበ: ቃል ኣምላኽ “ህያው” ምዃኑ ሓቂ ዝኸውን ግን ብኸመይ ኢዩ፧
4 የሆዋ ነቲ ጥንታውያን ጸሓፍቱ ትንቢታት ዝመዝገብሉ በዅሪ ኢደ-ጽሑፋት ኣይዓቀቦን። “ቃሉ:” እቲ እተዛረቦ ዕላምኡ ግን ህያው ቃል ምዃኑ ተረጋጊጹ ኢዩ። እዚ ዕላማ እዚ ዓጋቲ ዘይብሉ ብምዃን ንቕድሚት ቀጺሉ ኢዩ: ከምቲ ወትሩ ዝገብሮ ድማ ውሽጣዊ ኣተሓሳስባን ድራኸታትን ናይቶም ህይወቶም ብእኡ እተተንከፈ ሰባት ተጋሂዱ ኢዩ። (እብራውያን 4:12) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ምዕቃብን ምትርጓምን ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቅዱሳት ጽሑፋት መለኮታዊ መሪሕነት ከም ዝነበሮ ታሪኻዊ መዛግብቲ የርኢ ኢዩ።
ምስቲ ንምጥፍኡ እተገብረ ፈተነታት ክጋጠም ከሎ
5. (ሀ) ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ንምጥፋእ ብንጉስ ሶርያ እንታይ ጻዕሪ ኢዩ እተገብረ፧ (ለ) ስለምንታይከ ኢዩ ዘይተዓወተ፧
5 ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት: ገዛእቲ ነቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጽሑፋት ንምጥፋእ ጽዒሮም ኢዮም። ብ168 ቅ.ኣ.ዘ ኣንቲከስ ኢፒፋነስ ንጉስ ሶርያ ኣብቲ ንየሆዋ እተወፈየ ቤት መቕደስ ንዚዩስ ዝኸውን ሓደ መሰውኢ ሃነጸ። (ኣብ ገጽ 10 ተሳኢሉ ኣሎ) ‘ነቲ መጽሓፍ ሕጊ’ ደልዩ ብምርካብ እውን ብሓዊ ኣቃጸሎ: ከምዚ ዝበለ ቅዱሳት ጽሑፋት ሒዙ እተረኽበ ዝዀነ ይኹን ሰብ ድማ ክመውት ኣዘዘ። ኣብ የሩሳሌምን ይሁዳን ክንደይ ዝኣክል ቅዳሓት ብሓዊ ከም ዘቃጸለ ብዘየገድስ: ነቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምሉኡ ከጥፍኦ ኣይከኣለን። ኣብቲ እዋን እቲ ኣይሁዳውያን ሰፈርቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ፋሕ ኢሎም ነበሩ: ነፍሲ ወከፍ ቤት ጸሎት ድማ ናይ ገዛእ ርእሳ እኩብ ጥቕላላት ነበራ።—ምስ ግብሪ ሃዋርያት 13:14, 15 ኣረኣእዮ።
6. (ሀ) ነቲ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ቅዱሳት ጽሑፋት ንምጥፋእ ከመይ ዝበለ ጽዑቕ ጻዕሪ ኢዩ እተገብረ፧ (ለ) ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧
6 ብ303 ከ.ኣ.ዘ. ናይ ሮሜ ሃጸይ ዲዮክለሽያን ድማ ብተመሳሳሊ ናይ ክርስትያናት መአከቢ ቦታታት ክዓኑን ‘ቅዱስ ጽሑፋቶም ብሓዊ ክቃጸልን’ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። ከምዚ ዝበለ ዕንወት ንዓሰርተ ዓመት ቀጸለ። እቲ መስጐጕቲ ሕሱም እኳ እንተ ነበረ: ዲዮክለሽያን ክርስትና ንምጥፋእ ኣብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን: ኣምላኽ ድማ ወኪላት ናይቲ ሃጸይ ንዅሉ ቅዳሓት ይኹን ንሓንቲ ክፋል ናይቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ ከጥፍእዎ ኣየፍቀደሎምን። እቶም ተጻረርቲ በቲ ንዝርጋሐን ስብከትን ቃል ኣምላኽ ዘርኣይዎ መልሰ-ግብሪ: ኣብ ውሽጢ ኣልባቦም ዝነበረ ነገር ከም ዝገሃድ ገበሩ። ብሰይጣን ዝዓወሩን ፍቓዱ ዝፍጽሙን ሰባት ምዃኖም ተፈልጡ።—ዮሃንስ 8:44፣ 1 ዮሃንስ 3:10-12
7. (ሀ) ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምዕራብ ኣውሮጳ ንኸይዝርጋሕ ዓምጺጽካ ንምሓዙ እንታይ ጻዕርታት ኢዩ እተገብረ፧ (ለ) ኣብ ምትርጓምን ምሕታምን መጽሓፍ ቅዱስ እተዓመ ነገር እንታይ ኢዩ፧
7 ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ከይዝርጋሕ ዓምጺጽካ ንምሓዙ እተገብረ ጻዕርታት ካልእ መልክዓት እውን ነይርዎ ኢዩ። ላቲን መዓልታዊ መዛረቢ ቋንቋ ካብ ምዃን ምስ ኣቋረጸ: ኣረማውያን መራሕቲ ዘይኰኑስ እቶም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ—ጳጳስ ግሪጎሪ ሻውዓይ (1073-85) ከምኡውን ጳጳስ ኢኖሰንት ሳልሳይ (1198-1216)—ኢዮም መጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ተራ ህዝቢ ዝጥቀመሉ ቋንቋ ከይትርጐም ኣበርቲዖም እተጻረሩ። ኣንጻር ስልጣን ቤተ-ክርስትያን ንዝርአ ምጽራር ንምጭፍላቕ ኣብ እተገብረ ጻዕሪ: ብ1229 እቲ ኣብ ፈረንሳ ዝርከብ ናይ ቶሎሰ ሮማዊ ካቶሊካዊ ቤት ምኽሪ: ሓደ ተራ ሰብ በቲ ልሙድ ቋንቋ እተጻሕፈ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጻሕፍቲ ክሕዝ ኣይክእልን ኢዩ ዝብል ኣዋጅ ኣውጽአ። ነቲ ኣዋጅ እቲ ብሓይሊ ንምትግባር ፍርዲ መናፍቓን ንሕስያ ብዘይብሉ ኣገባብ ተዘውተረ። እንተዀነ ግን: ድሕሪ 400 ዓመታት ናይ ፍርዲ መናፍቓን: ኣፍቀርቲ ቃል ኣምላኽ ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ተርጐምዎ: ብገለ 20 ኣቢሉ ዝኸውን ቋንቋታትን ተወሳኺ ድያለክትታትን እተዳለወ ሕታማት: ከምኡውን ብኻልእ 16 ቋንቋታት እተተርጐመ ዝበዝሕ ክፋላት ይዝርጋሕ ነበረ።
8. ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን: ኣብ ሩስያ ንምትርጓምን ምዝርጋሕን መጽሓፍ ቅዱስ ዝምልከት እንታይ ኢዩ እተፈጸመ፧
8 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድ ተራ ህዝቢ ከይበጽሕ ዝጸዓረት ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ጥራይ ኣይነበረትን። ኣብ መጀመርታ ናይ መበል 19 ክፍለ-ዘበን: ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ ናይ ትምህርቲ ሃይማኖት ኣካዳሚ ፕሮፌሰር ዝዀነ ፓቪስኪ: ንወንጌል ማቴዎስ ካብ ግሪኽ ናብ ቋንቋ ሩስያ ተርጐማ። ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዝርከብ ካልእ መጻሕፍቲ እውን ናብ ቋንቋ ሩስያ ተተርጒሙ ኢዩ: ፓቪስኪ ድማ ኣሰናዳኢ ብምዃን ዓየየ። ናይ ሩስያ ዛር ብሰንኪ ውዲት ቤተ-ክህነት እቲ ናይ ሩስያ ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ብ1826 ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ናይቲ ደሓር ንምንቅስቓስ እቲ ማሕበር ኣብ ምዕምጻጽ እተዓወተ ናይ ሩስያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን “ቅዱስ ሲኖዶስ” ንኽኣቱ ድፍኢት ቀረበሉ: ክሳዕ ሽዑ ግን እዚ መጻሕፍቲ እዚ ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ነበረ። ጸኒሑ: ፓቪስኪ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናብ ቋንቋ ሩስያ ተርጐሞ። ዳርጋ ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ ይኸውን ድማ: ማቃርዮስ እተባህለ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ሚስዮናዊ ንቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናብ ቋንቋ ሩስያ ተርጐሞ። ክልቲኦም ዓስቢ ጻዕርታቶም መቕጻዕቲ ኢዮም ተቐቢሎም: እቲ ዘዳለውዎ ትርጕማት ድማ ኣብቲ ናይ ቤተ-ክርስትያን መዛግብቲ ተቐመጠ። እታ ቤተ-ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ በቲ ሽዑ እቲ ተራ ህዝቢ ከንብቦ ይኹን ክርድኦ ዘይክእል ዝነበረ ጥንታዊ ቋንቋ ስላቮኒክ ንምዕቃቡ ቈሪጻ ነበረት። እቲ ህዝቢ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕርታት ደጊም ክጽቀጥ ዘይከኣል ምስ ኰነ ጥራይ ኢዩ: እቲ “ቅዱስ ሲኖድ” ብ1856 ናይ ገዛእ ርእሱ ትርጕም ከዳሉ ዝጀመረ: ከምዚ ክገብር ከሎ ድማ እቲ ዝዝውተር መግለጺታት ምስ ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣረኣእያታት ዝሰማማዕ ምዃኑ ንምርግጋጽ ብጥንቃቐ እተማህዘ መምርሒታት ነበሮ። በዚ ኸኣ: ምስ ዝርጋሐ ቃል ኣምላኽ እተተሓሓዘ: ኣብ መንጎ ደጋዊ ትርኢት ሃይማኖታውያን መራሕትን ኣብቲ ብቓላቶምን ተግባራቶምን ዝግለጽ ውሽጣዊ መንፈሶምን ዘሎ ፍልልይ ተጋህደ።—2 ተሰሎንቄ 2:3, 4
እቲ ቓል ከይበላሾ ምሕላዉ
9. ገሊኦም ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንቓል ኣምላኽ ዝነበሮም ፍቕሪ ዘርኣዩ ብኸመይ ኢዮም፧
9 ካብቶም ንቕዱሳት ጽሑፋት ዝተርጐሙን ዝቐድሑን ሰባት ንቓል ኣምላኽ ብሓቂ ዘፍቀሩን ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክበጽሕ ድማ ልባዊ ጻዕሪ ዝገበሩን ነይሮም ኢዮም። ዊልያም ቲንድል ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ እንግሊዝ ክርከብ ከም ዝከኣል ስለ ዝገበረ (ብ1536) ብሰማእትነት ሓለፈ። ፍራንዚስኮ ደ ኢንዚናስ ነቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ናብ ቋንቋ ስጳኛ ስለ ዝተርጐመን ዝሓተመን በቲ ናይ ካቶሊክ ፍርዲ መናፍቓን (ድሕሪ 1544) ተኣስረ። (ካብ 1807 ክሳዕ 1818) ዝነብር ዝነበረ ሮበርት ሞሪሰን ንህይወቱ ኣብ ሓደጋ ብምእታው ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ቻይና ተርጐሞ።
10. በቲ ንቓል ኣምላኽ ዘለዎም ፍቕሪ ዘይኰነስ ብኻልእ ጽልዋታት እተደረኹ ተርጐምቲ ከም ዝነበሩ ዘርኢ እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧
10 ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ እቲ ናይ ቀዳሕትን ተርጐምትን ዕዮ ንቓል ኣምላኽ ዝለዓለ ግምት ኣብ ክንዲ ዝህብ ንዅነታት ኣብ ግምት ምእታው ብዝብል ኣተሓሳስባ ተጸልዩ ኢዩ። ኣርባዕተ ኣብነታት ርአ:- (1) ሳምራውያን ምስቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ቤት መቕደስ ንምውድዳር ኢሎም ኣብ ከረን ገሪዚም ቤት መቕደስ ሃነጹ። ነዚ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ንምድጋፍ ተባሂሉ ኣብቲ ናይ ሳምራውያን ፔንታቲዩክ ንዘጸኣት 20:17 ሓደ ሓሳባት ብምእታው ለውጢ ተገብረላ። ያኢ ክፍሊ ናይቲ ዓሰርተ ትእዛዛት ከም ዝዀነ: ኣብ ከረን ገሪዚም ናይ እምኒ መሰውኢ ምህናጽ ኣብኡ ድማ መስዋእትታት ምቕራብ ዝብል ካልእ ትእዛዝ ተወሰኸ። (2) እቲ ንመጽሓፍ ዳንኤል መጀመርታ ናብቲ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጄንት ዝተርጐመ ሰብ: ኣብቲ ዘዳለዎ ትርጕም ብኢደ ወነኑ ለውጢ ገበረሉ። ነቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ ከም ዝገልጾ ወይ ከም ዘሀብትሞ ኰይኑ እተሰምዖ ሓሳባት ኣእተወ። ኣንበብቲ ኣይቅበልዎን ኢዮም ኢሉ ንዝሓሰቦ ዝርዝራት ከኣ ሓኸኾ። ነቲ ኣብ ዳንኤል 9:24-27 ዝርከብ: ንምምጻእ መሲሕ ዝምልከት ትንቢት ክትርጕም ከሎ: ነቲ ኣብኡ ተገሊጹ ዘሎ ግዜ ኣዋቒዕዎ: ወሲኽሉ: ቀይርዎ: ንቦታ ናይቲ ቃላት ድማ ለዋዊጥዎ ኢዩ። እዚ ኸኣ እቲ ትንቢት ንውግእ መቃባውያን ከም ዝድግፎ ኣምሲሉ ንምቕራብ ከም ዝዀነ ግሁድ ኢዩ። (3) ኣብ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ኣብ ሓደ ናይ ላቲን ጽሑፍ: ሕሉፍ ቅንኢ ዝነበሮ ሓደ ናይ ስላሴ ተጣባቒ: ያኢ ካብ 1 ዮሃንስ 5:7 እተወስደ ጥቕሲ ከም ዝዀነስ ነቲ “ኣብ ሰማይ ኣቦ: ቃል: መንፈስ ቅዱስ ኣለዉ፣ ሰለስቲኦም ድማ ሓደ ኢዮም” ዝብል ቃላት ኣእተወሉ። ጸኒሓ: እታ ጥቕሲ እቲኣ ብቐጥታ ኣብቲ ናይ ላቲን መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ-ጽሑፍ ተወሰኸት። (4) ኣብ ፈረንሳ ዝነበረ ሎይስ መበል 13 (1610-43): ንጻዕርታት ኣመንቲ ፕሮተስታንት ንምድጋፍ ንዣክ ኮርባ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ቋንቋ ፈረንሳ ክትርጕም ሓላፍነት ሃቦ። ኮርባ ነዚ ዕላማ እዚ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ: ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 13:2 ነቲ “ቅዱስ መስዋእቲ ናይ ቅዳሴ” ዝሕብር ሓዊስካ: ኣብቲ ጥቕሲ ዘየሎ ቃላት ኣእተወሉ።
11. (ሀ) ቃል ኣምላኽ ናይ ገለ ተርጐምቲ ሸፈጥ ገጢምዎ ክነሱ ምንባር ዝቐጸለ ብኸመይ ኢዩ፧ (ለ) ነቲ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ክጸሓፍ ከሎ እተዛረቦ ነገራት ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ክንደይ ዝኣክል ናይ ጥንታዊ ኢደ-ጽሑፍ መርትዖ ኣሎ፧ (ሳጹን ርአ።)
11 የሆዋ ንኸምዚ ዝበለ ኣብ ቃሉ እተገብረ ቀንጠብጠብ ኣይከልከሎን: እዚ ድማ ንዕላምኡ ኣይቀየሮን። እንታይ ሳዕቤንከ ነበሮ፧ ንከረን ገሪዚም ዝምልከት ጥቕስታት ምውሳኽ: ናይ ሳምራውያን ሃይማኖት ኣብ ልዕሊ ደቅሰብ በረኸት ንምምጻእ ናይ ኣምላኽ ወኪል ከም ዝኸውን ኣይገበሮን። ኣብ ክንድኡ ግን: ናይ ሳምራውያን ሃይማኖት ኣብ ፔንታቲዩክ ከም ዝኣምን እኳ እንተ ተዛረበ: ሓቂ ንኽትምህረሉ ኢልካ ክትውከሎ ዘይከኣል ምዃኑ ኢዩ መረጋገጺ ዝህብ። (ዮሃንስ 4:20-24) ኣብቲ ናይ ሰፕቱጄንት ትርጕም እተገብረ ናይ ቃላት ምዝባዕ: መሲሕ ኣብቲ ነብዪ ዳንኤል ኣቐዲሙ እተዛረቦ ግዜ ንኸይመጽእ ኣይከልከሎን። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ብመርትዖ ከም እተረኽበ ናይ ሰፕቱጄንት ትርጕም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ይዝውተር እኳ እንተ ነበረ: ኣይሁድ ግን ቅዱሳት ጽሑፋት ኣብ ኣብያተ-ጸሎቶም ብእብራይስጢ ክንበብ ከሎ ይሰምዕዎ ነበሩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: “እቶም ህዝቢ” ፍጻሜ ናይቲ ትንቢት ክቐርብ ከሎ ‘ይጽበዩ’ ነበሩ። (ሉቃስ 3:15) ስላሴ ንምድጋፍ ኣብ 1 ዮሃንስ 5:7 ከምኡውን ቅዳሴ ንምድጋፍ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 13:2 ኣብቲ ጥቕሲ ዘየለ ቃላት ምእታዉ: ነቲ ሓቂ ዝዀነ ነገር ኣይለወጦን። ድሕሪ ገለ ግዜ ድማ እቲ ምትላል ምሉእ ብምሉእ ተቓሊዑ ኢዩ። በቲ በዅሪ ቋንቋ እተዳለወ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኢደ-ጽሑፋት ክርከብ ምኽኣሉ ንልክዕነት ናይ ዝዀነ ይኹን ትርጕም ንምርግጋጽ ዝሕግዝ መገዲ ይህብ ኢዩ።
12. (ሀ) ብገሊኦም ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ዝበለ ከቢድ ለውጥታት ኢዩ እተገብረ፧ (ለ) ከመይ ዝበለ ሳዕቤንከ ኢዩ ዝነበሮ፧
12 ቅዱሳት ጽሑፋት ንምልዋጥ እተገብረ ካልእ ጻዕርታት ንሒደት ጥቕስታት ናይ ቃላት ለውጢ ካብ ምግባር ንላዕሊ ዘጠቓለለ ኢዩ። እዚ ጻዕርታት እዚ ኣብ ልዕሊ መንነት ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ እተኸፍተ መጥቃዕቲ ኢዩ ነይሩ። እቲ ባህርይን ስፍሓትን ናይቲ እተገብረ ለውጥታት: ምንጪ ጽልዋኡ ካብ ዝዀነ ይኹን ውልቃዊ ሰብ ወይ ሰብኣዊ ማሕበር ኣዝዩ ዝበርትዐ—እወ: ካብቲ ቀንዲ ጸላኢ የሆዋ ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ዝነቐለ—ምዃኑ ንጹር መርትዖ ኢዩ ዝህብ። ተርጐምትን ቀዳሕትን—ገሊኣቶም ደይ መደይ ኢሎም: ካልኦት ድማ እናተወላወሉ—ነቲ ጽልዋ እቲ ብምንብርካኽ: ነቲ የሆዋ ዝብል ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቃሉ ካብ ዝርከበሉ ኣሽሓት ቦታታት ክሓክዎ ጀመሩ። ነዊሕ ግዜ ይገብር: ካብ እብራይስጢ ናብ ቋንቋ ግሪኽ: ላቲን: ጀርመን: እንግሊዝ: ጣልያንን ዳችን ከምኡውን ናብ ካልእ ቋንቋታት እተተርጐመ ገለ መጽሓፍ ቅዱሳት እቲ መለኮታዊ ስም ፈጺሙ ዘይኣተዎ ወይ ኣብ ሒደት ቦታታት ጥራይ ዝርከቦ ኢዩ ነይሩ። ካብቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ቅዳሓት እውን ወጺኡ ነበረ።
13. ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትሕዝቶ ንምቕያር እተገብረ ሰፊሕ ጻዕርታት ንስም ኣምላኽ ካብ ዝኽሪ ሰብ ከም ዝሕከኽ ዘይገበሮ ስለምንታይ ኢዩ፧
13 እንተዀነ ግን: እዚ ግርማዊ ስም እዚ ካብ ዝኽሪ ሰብ ኣይተሓከን። ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ተወሲዱ ብቛንቋ ስጳኛ: ፖርቱጋል: ጀርመን: እንግሊዝ: ፈረንሳ: ከምኡውን ብኻልእ ብዙሕ ቋንቋታት እተዳለወ ትርጕማት ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ብቕንዕና ኣእትይዎ ይርከብ። ኣብ መበል 16 ክፍለ-ዘበን: ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብቲ ካብ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ተወሲዱ ብእብራይስጢ እተዳለወ እተፈላለየ ትርጕማት እውን እንደገና ክርከብ ጀመረ፣ ኣብ መበል 18 ክፍለ-ዘበን ብቛንቋ ጀርመን፣ ኣብ መበል 19 ክፍለ-ዘበን ብቛንቋ ክሮአሽያን እንግሊዝን። ሰባት ንስም ኣምላኽ ክሓብእዎ እኳ እንተ ፈተኑ: “መዓልቲ የሆዋ” ምስ መጸት: ከምቲ ኣምላኽ ዝበሎ ሽዑ ‘ህዝብታት እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ምዃኑ ክፈልጡ ኢዮም።’ እቲ እተነግረሉ ዕላማ ኣምላኽ ኣይክፈሽልን ኢዩ።—2 ጴጥሮስ 3:10 NW፣ ህዝቅኤል 38:23፣ ኢሳይያስ 11:9፣ 55:11
ኣብ ምልእቲ ምድሪ ዝበጽሕ መልእኽቲ
14. (ሀ) ኣብ መበል 20 ክፍለ-ዘበን: መጽሓፍ ቅዱስ ብኽንደይ ናይ ኣውሮጳ ቋንቋታት ተሓቲሙ ነበረ: ምስ ከመይ ዝበለ ሳዕቤንከ፧ (ለ) ኣብ መወዳእታ 1914: መጽሓፍ ቅዱስ ብኽንደይ ዝኣክል ቋንቋታት ኣፍሪቃ ክርከብ ይከኣል ነበረ፧
14 ኣብ ምጅማር መበል 20 ክፍለ-ዘበን: መጽሓፍ ቅዱስ ድሮ ብ94 ናይ ኣውሮጳ ቋንቋታት ይሕተም ነበረ። ኣብቲ ክፍለ-ዓለም እቲ ዝነበሩ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምስቲ ኣብ 1914 ዝፍጸም ምስ ምውዳእ ዘበናት ኣህዛብ እተተሓሓዘ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ፍጻመታት ክመጽእ ምዃኑ ኣቐዲሞም ንኽፈልጡ ኣንቂሕዎም ኢዩ: ብርግጽ ድማ: ነቒሖም ኢዮም! (ሉቃስ 21:24) እታ ፈላሚት ሓድሽ መዋእል ዝዀነት ዓመት 1914 ቅድሚ ምውድኣ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ርእሲ እቲ ብሰፊሑ ዝዝውተር ዝነበረ ቋንቋ እንግሊዝ: ፈረንሳ: ከምኡውን ፖርቱጋል: እንተ ብምሉኡ ወይ ገለ ካብቲ መጻሕፍቱ ብ157 ናይ ኣፍሪቃ ቋንቋታት ተሓቲሙ ነበረ። በዚ ኸምዚ ድማ: እቲ ብመንፈሳዊ መገዲ ሓራ ዘውጽእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ካብ ብዙሓት ቀቢላታትን ዓሌታዊ ጕጅለታትን ዝመጹ ትሑታት ሰባት ንምምሃር መሰረት ተነብረ።
15. ዳሕሮት መዓልትታት ክጅምር ከሎ: መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋታት ናይቶም ኣብ ኣመሪካ ዝነበሩ ኣህዛብ ክሳዕ ክንደይ ዝኣክል ኢዩ ክርከብ ዝከኣል ዝነበረ፧
15 ዓለም ናብቲ ኣቐዲሙ እተነግረሉ ዳሕሮት መዓልትታት ክትኣቱ ከላ: መጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋታት ኣመሪካ ብሰፊሑ ክርከብ ይከኣል ነበረ። ካብ ኣውሮጳ ዝኸዱ ስደተኛታት በቲ እተፈላለየ ቋንቋታቶም ምስኦም ተማልእዎ። ብመልክዕ ህዝባዊ ዝርርብ ከምኡውን እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ኣህጉራውያን ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝፍልጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓተምዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ብምዝርጋሕ: ሰፊሕ ፕሮግራም ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይካየድ ነበረ። ብተወሳኺ: ንድሌት ናይቶም ኣብ ምዕራባዊ ክፍሊ ዓለም ዝቕመጡ ብዙሕ ዝዓሌቶም ደቀባት ንምምላእ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ማሕበራት ድሮ ብኻልእ 57 ቋንቋታት መጽሓፍ ቅዱስ ይሓትማ ነበራ።
16, 17. (ሀ) እቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ዝካየደሉ ግዜ ምስ ኣኸለ: መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ዝኣክል ክርከብ ይከኣል ነበረ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ነባርን ሓያል ጽልዋ ዝገብርን መጽሓፍ ምዃኑ ብሓቂ ዘረጋገጸ ብኸመይ ኢዩ፧
16 ‘መወዳእታ [ቅድሚ] ምምጽኡ’ እቲ ዓለምለኻዊ ስብከት ናይቲ ብስራት ዝግበረሉ ግዜ ምስ ኣኸለ: መጽሓፍ ቅዱስ ንእስያን ደሴታት ፓስፊክን ጋሻ ኣይነበረን። (ማቴዎስ 24:14) ኣብቲ ክፍለ-ዓለም እቲ ብዝዝረብ 232 ቋንቋታት ድሮ ይሕተም ነበረ። ገሊኡ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ዝበዝሕ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ትርጕማት፣ እቲ ኻልእ ድማ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተወስደ ንጽል መጻሕፍቲ ኢዩ ነይሩ።
17 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቤተ-መዘክር ከም ዘሎ ጥንታዊ መጽሓፍ ጥራይ ብምዃን ክሳዕ ሕጂ ከም ዘይጸንሐ እተረጋገጸ ኢዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ዘሎ ኵሉ መጻሕፍቲ ንላዕሊ ብብዝሒ እተተርጐመን ብሰፊሑ እተዘርግሐን መጽሓፍ ኢዩ። ምስዚ መለኮታዊ ደገፍ ከም ዘለዎ ዝሕብር መርትዖ ብምስምማዕ: እቲ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተመዝጊቡ ዘሎ ዘበለ ክፍጸም ጸኒሑ ኢዩ። ትምህርትታቱን እቲ ዝነፈሶ መንፈስን ንህይወት ናይ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዝነበሩ ሰባት እውን ንሓዋሩ ጸልይዎ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 1:24, 25) ካብዚ ንላዕሊ ካልእ ተወሳኺ ነገር ግን ክመጽእ ነበሮ።
ትዝክሮዶ፧
◻ እቲ ንዘለኣለም ዝነብር “ቃል ኣምላኽና” እንታይ ኢዩ፧
◻ ንመጽሓፍ ቅዱስ ንምጥፋእ እንታይ ፈተነታት ኢዩ እተገብረ: ምስ ከመይ ዝበለ ውጽኢትከ፧
◻ ንጽህና መጽሓፍ ቅዱስ እተሓለወ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ እቲ ንዕላማኡ ዝምልከት ናይ ኣምላኽ መግለጺ ህያው ቃል ምዃኑ እተረጋገጸ ብኸመይ ኢዩ፧
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ሳጹን]
ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መጀመርታ ዝበሎ ነገር ብሓቂ ንፈልጦ ዲና፧
ዳርጋ 6,000 ዝኸውን ብኢድ እተጻሕፈ ናይ እብራይስጢ ኢደ-ጽሑፋት ንትሕዝቶ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ የረገግጾ ኢዩ። ካብዚ ኢደ-ጽሑፋት እዚ ሒደት ዕለቱ ናብቲ ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ግዜ ዝቀራረብ ኢዩ። ብውሕዱ 19 ኣቢሉ ዝኸውን: ኣብዚ ግዜ እዚ ዝርከብ ምሉእ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝሓዘ ኢደ-ጽሑፋት ድማ: ተንቀሳቓሲት ዓይነት ሓታሚት ገይርካ ምሕታም ቅድሚ ምጅማሩ ዝነበረ ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ: ልክዕ ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበረ: ብኻልእ 28 ቋንቋታት እተዳለወ ትርጕማት ከኣ ኣሎ።
ነቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዝምልከት ድማ: 5,000 ኣቢሉ ዝኸውን ብግሪኽ ተጻሒፉ ብስሩዕ እተመዝገበ ኢደ-ጽሑፋት ኣሎ። ሓደ ካብዚ ኢደ-ጽሑፋት እዚ ዕለቱ ቅድሚ 125 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ: እዚ ድማ ካብቲ በዅሪ ጽሑፍ እተዳለወሉ ግዜ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ጥራይ ምዃኑ ኢዩ። ገለ ቍርጽራጻት ድማ ኣጸቢቑ ቅድሚኡ ከም ዝነበረ ኢዩ ዝሕሰብ። ካብቲ መንፈስ ዝነፈሶ 27 መጻሕፍቲ እቲ 22 ካብ 10 ክሳዕ 19 ዝኸውን ኣንሻል ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ኣጸሓሕፋ ፊደላት ምሉእ ኢደ-ጽሑፋት ክርከቦ ይከኣል ኢዩ። ኣብዚ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ካብ ዝርከብ ዝዀነ ይኹን መጻሕፍቲ: ዝወሓደ ቝጽሪ ናይቲ ኣንሻል ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ፊደላት እተዳለወ ምሉእ ኢደ-ጽሑፋት ናይ ራእይ ዮሃንስ ኢዩ: እዚ ድማ ሰለስተ ጥራይ ኢዩ። ሓደ ካብቲ ምሉእ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ዝሓዘ ኢደ-ጽሑፍ ናይ ራብዓይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ።
ክንድዚ ዝምብዝሑ ጥንታዊ ናይ ሰነድ መርትዖ ገይርካ እተረጋገጸ ካልእ ጥንታዊ ጽሑፍ የለን።