ከም ኤልያስ እሙን ክትከውን ዲኻ፧
“እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] የሆዋ ዝመረጽኩ ኣብ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ንመዓልቲ የሆዋ ሓንሳእ ሓንሳእ መዓልቲ እግዚኣብሄር: ሓንሳእ ከኣ መዓልቲ ጐይታ: ሓንሳእ መዓልቲ ኣምላኽ ኢሉ ስለ ዝጽውዓ ኢየ ከይመጸት: ነብዪ ኤልያስ ክልእከልኩም እየ። ” —ሚልክያስ 4:5
1. እስራኤላውያን ኣብ ምድሪ ተስፋ ንገለ 500 ዓመታት ድሕሪ ምጽንሖም እንታይ ቅልውላው ኢዩ ዘጋጠመ፧
“ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ።” (ዘጸኣት 3:7, 8) እዚ: የሆዋ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ኣብ መበል 16 ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ካብ ባርነት ግብጺ ሓራ ምስ ኣውጽኦም ዝሃቦም ኢዩ። ግናኸ ኣስተብህል! ሓሙሽተ ክፍለ ዘበናት ሓሊፉ: ሕጂ ድማ እቶም ዓሰርተ ነገድ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ከቢድ ጥሜት ይርከቡ ኣለዉ። ልሙዕ ሳዕሪ ዝበሃል ክትረክብ ኣጸጋሚ ኢዩ። እንስሳታት ይሞቱ ኣለዉ: ንሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ከኣ ዝነም ኣይዘነመን። (1 ነገስት 18:5፣ ሉቃስ 4:25) እዚ መዓት እዚ ክወርድ ዝገበረ እንታይ ኢዩ፧
2. ነቲ ኣብ እስራኤል ዘጋጠመ ሃገራዊ ቅልውላው ጠንቁ እንታይ ኢዩ፧
2 ነዚ ቅልውላው እዚ ጠንቂ ዝዀነ: ዕልወት ኢዩ። ንጉስ ኣከኣብ ሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓስ: ነታ ከንኣናዊት ንግስቲ ኢዛቤል ተመርዓዋ: ናይ በዓል ኣምልኾ ናብ እስራኤል ከተተኣታቱ ኸኣ ኣፍቀደላ። ካብዚ ዝኸፍአ ግን: ኣብታ ርእሲ ኸተማ ዝዀነት ሰማርያ ነዚ ናይ ሓሶት ኣምላኽ ዝኸውን ቤት መቕደስ ሰርሐ። ብሰንኩ ድማ: እስራኤውያን ናይ በዓል ኣምልኾ ብዝሒ እኽሊ ከምጽኣልና ኢዩ ኢሎም ንኽኣምኑ ሰዲዖም ኢዮም! ይኹን እምበር: ከምቲ የሆዋ ኣቐዲሙ ዘጠንቀቖ: ሕጂ ካብታ ‘ጽብቕቲ ምድሮም ንኽጠፍኡ’ ሓደጋ ኣጋጢምዎም ኣሎ።—ዘዳግም 7:3, 4፣ 11:16, 17፣ 1 ነገስት 16:30-33
ወሳኒ ናይ ኣምላኽነት ፈተና
3. ነብዪ ኤልያስ ኣብቲ ናይ እስራኤል ናይ ሓቂ ግድል ዘተኰረ ብኸመይ ኢዩ፧
3 እቲ ጥሜት ክጅምር ከሎ: እቲ እሙን ነብዪ ኣምላኽ ዝነበረ ኤልያስ ንንጉስ ኣከኣብ ከምዚ ብምባል ይነግሮ:- “በዘን ዓመታት እዚኣተን: ኣነ ኸይተዛረብኩ: ኣውሊ ዀነ ወይ ዝናም ከይኸውን: እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢለ ዘሎኹ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል እዩ።” (1 ነገስት 17:1) እቲ ንጉስ: ነዚ ዘሰንብድ ፍጻመ ናይዚ ኣዋጅ እዚ ምስ ተመከሮ ንኤልያስ ኣብ እስራኤል ዕግርግር ከም ዘምጽአ ገይሩ ወቐሶ። ኤልያስ ግን እዚ ዕግርግር እዚ ክመጽእ ዝኸኣለ ብምኽንያት እቲ ኣከኣብን ቤቱን ንበዓል ብምምላኾም ዘርኣይዎ ዕልወት ከም ዝዀነ መለሰሉ።ብርህቲ ክትከውን ነዚ ኣከራኻሪ ጕዳይ እዚ ንምድቃስ: ናይ የሆዋ ነብዪ: ንንጉስ ኣከኣብ ንዅሎም እስራኤል ምስቶም 450 ነብያት በዓልን 400 ነብያት ኣስታርተን ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ክእክቦም ተማሕጸኖ። ምናልባት: እቲ ኣጋጣሚ እቲ ንድርቂ መወዳእታ ይገብረሉ ይኸውን ብዝብል ተስፋ ክኸውን ይኽእል: ኣከኣብን ሰዓብቱን ኣብኡ እተኣከቡ። ኤልያስ ግን ናብቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣከራኻሪ ጕዳይ ኢዩ ኣተኲሩ። “ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ፧” ኢሉ ሓተተ እሞ “እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ: ደድሕሪኡ ስዐቡ: በዓል እንተ ደኣ ዀይኑ ኸኣ ንእኡ ስዐቡ” በለ። እስራኤላውያን እንታይ ክብሉ ከም ዘለዎም ኣይፈለጡን።—1 ነገስት 18:18-21
4. ኤልያስ ነቲ ናይ ኣምላኽነት ኣከራኻሪ ጕዳይ ንምድቃስ እንታይ እማመ ኢዩ ዘቕረበ፧
4 እስራኤላውያን ንዓመታት ዝኣክል ንኣምልኾ የሆዋ ምስቲ ናይ በዓል ኣምልኾ ከተሓናፍጽዎ ፈቲኖም ኢዮም። ኤልያስ: ነዚ ናይ ኣምላኽነት ኣከራኻሪ ጕዳይ ንኸደቅስ: ሕጂ ውድድር ክግበር እማመ የቕርብ። ንሱ ንመስዋእቲ ዝኸውን ሓደ ዝራብዕ ከዳሉ ኢዩ: ካልእ ዝራብዕ ከኣ በቶም ነብያት በዓል ክዳሎ ኢዩ። ቀጺሉ ኤልያስ “ንስኻትኩም ብስም ኣምላኽኩም ተማህለሉ: ኣነ ኸኣ ብስም እግዚኣብሄር ክምህለል እየ። እቲ ብሓዊ ምላሽ ዚህብ ኣምላኽ ከኣ: ንሱ ኣምላኽ ይኹን” በሎም። (1 ነገስት 18:23, 24) ንጸሎት ምላሽ ንምሃብ ሓዊ ካብ ሰማይ ክወርድሲ ሕስብ እሞ ኣብሎ!
5. ናይ በዓል ኣምልኾ ዘይረብሕ ምዃኑ ብኸመይ ኢዩ እተቓልዐ፧
5 ኤልያስ ንነብያት በዓል ክጅምሩ ይሓቶም። ንመስዋእቲ ዝኸውን ዝራብዕ ኣዳልዮም ከኣ ኣብ ልዕሊ መሰውኢ የንበርዎ። ድሕርዚ ኸኣ “ዎ በዓል: ምላሽ ሀበና” ኢሎም ብምጽላይ ኣብ ዙርያ እቲ መሰውኢ እናሰረሩ ይዞሩ። እዚ “ኻብ ብጊሓት . . . ክሳዕ ፍርቂ መዓልቲ” ይቕጽል። ኤልያስ “ዓው ኢልኩም ደኣ ጨድሩ” ብምባል የላግጽ። በዓል ህጹጽ ጕዳይ ሒዙ ክኸውን ኣለዎ: ወይ ከኣ ‘ምናልባሽ ደቂሱ ይህሉ:’ ስለዚ ‘ኺበራበር’ የድልዮ። ነብያት በዓል ብኡንብኡ ዕብድብድ ኣተዎም። ርአ እሞ! ንኣካላቶም ብኣስያፍ ይጠብሕዎ ኣለዉ: ካብቲ ኣቝስልቶም ድማ ደም ይፈስስ ኣሎ። ኵሎም እቶም 450 ዓው ኢሎም ክጭድሩ ከለዉስ ከመይ ዝበለ ድምጺ ኰን ኢዩ ዝስማዕ! መልሲ ግን የልቦን።—1 ነገስት 18:26-29
6. ኤልያስ ነቲ ናይ ኣምላኽነት ፈተና እንታይ ምድላው ኢዩ ዝገበረ፧
6 ሕጂ ግደ ኤልያስ ኢዩ። ኤልያስ: ነቲ መሰውኢ የሆዋ እንደገና ይሃንጾ: ኣብ ዙርያኡ ጕድጓድ የዳሉ: ነቲ መስዋእቲ ኸኣ ብስርዓት የቕርቦ። ድሕርዚ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕንጨይትን እቲ መስዋእትን ማይ ኣፍሰሰ። እቲ ጕድጓድ ክሳዕ ዝመልእ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ መሰውኢ 12 ዕትሮ ማይ ፈሰሰ። ኤልያስ “ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብርሃምን ይስሃቅን እስራኤልን: ንስኻ ኣብ እስራኤል ኣምላኽ ከም ዝዀንካ: ኣነውን ኣገልጋሊኻ ምዃነይ: ነዚ ዅሉ ድማ ብትእዛዝካ ኸም ዝገበርክዎ: ሎሚ ኣፍልጥ። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ከኣ ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከም ዝዀንካ: ንልቦም ድማ ንስኻ ኸም ዝመለስካዮ ኺፈልጡስ: ምላሽ ሀበኒ: ዎ እግዚኣብሄር: ምላሽ ሀበኒ” ኢሉ ክጽሊ ከሎ ዝነበሮ ጭንቀት እሞ ገምቶ።—1 ነገስት 18:30-37
7, 8. (ሀ) የሆዋ ንጸሎት ኤልያስ ብኸመይ ኢዩ ዝመለሰሉ፧ (ለ) በቲ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ዝነበረ ኵነታት እንታይ ኢዩ እተፈጸመ፧
7 ንጸሎት ኤልያስ ንምምላስ ድማ ‘ሓዊ እግዚኣብሄር ይወርድ: ንመስዋእቱን ነቲ ዕንጨይትን ነቲ ኣእማንን ነቲ ሓመድን ድማ ይበልዖ: ነቲ ኣብ ጕድጓድ ዝነበረ ማይውን ይልሕሶ።’ እቶም ህዝቢ ብገጾም ተደፊኦም “እግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽ: እግዚኣብሄር ንሱ እዩ ኣምላኽ” ይብሉ። (1 ነገስት 18:38, 39) ሕጂ ኤልያስ ወሳኒ ስጕምቲ ይወስድ። “ንነብያት በዓል ሐዝዎም: ካባታቶም ሓደ እኳ ኣይምለቝ” ብምባል ይእዝዝ። ኣብ ርባ ቂሶን ምስ ተሓርዱ ሰማይ ብዘጸልምት ደበና ይሽፈን። ኣብ መጨረሽታ ብርቱዕ ዝናም ይወርድ እሞ ነቲ ድርቂ መወዳእታ ይገብረሉ!—1 ነገስት 18:40-45፣ ምስ ዘዳግም 13:1-5 ኣረኣእዮ።
8 ከመይ ዝበለት ዓባይ መዓልቲ ኰን ኢያ! ኣብዚ ዘይርሳዕ ናይ ኣምላኽነት ፈተና እዚ የሆዋ ተዓወተ። ኣብ ርእሲ እዚውን: እዚ ፍጻመታት እዚ ልቢ ናይ ብዙሓት እስራኤላውያን ናብ ኣምላኽ ከም ዝምለስ ይገብር። በዝን ብኻልእ መገድታትን: ኤልያስ ከም ነብዪ መጠን እሙን ምዃኑ የረጋግጽ: ብውልቀ-ሰብ ደረጃ ድማ ትንቢታዊ ግደ ይህልዎ።
“ነብዪ ኤልያስ” ገና ክመጽእ ድዩ፧
9. ኣብ ሚልክያስ 4:5, 6 እንታይ ትንቢት ኢዩ እተዋህበ፧
9 ጸኒሑ: ኣምላኽ ብሚልክያስ ገይሩ ከምዚ ብምባል ኣቐዲሙ ተዛረበ:- “እንሆ: እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” NW ] ከይመጸት: ነብዪ ኤልያስ ክልእከልኩም እየ። ኣነ መጺኤ ንምድሪ ብዜጽንት መርገም ከይወቕዓስ: ንሱ ልቢ ኣቦታት ናብ ደቂ: ልቢ ደቂ ድማ ናብ ኣቦታቶም ኪመልስ እዩ።” (ሚልክያስ 4:5, 6) ኤልያስ ካብቲ እዘን ቃላት እዚኣተን እተዘርባሉ ግዜ ገለ 500 ዓመታት ኣቐዲሙ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። እዚ ትንቢት ስለ ዝነበረ ድማ: ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ ዝነበሩ ኣይሁድ: ኤልያስ ነዚ ትንቢት እዚ ንምፍጻም ክመጽእ ይጽበዩ ነበሩ።—ማቴዎስ 17:10
10. እቲ ኣቐዲሙ እተነግረሉ ኤልያስ መን ነበረ: ብኸመይከ ንፈልጥ፧
10 እዚ ክመጽእ ምዃኑ እተነግረሉ ኤልያስ እምበኣር መን ኢዩ ነይሩ፧ መንነቱ እተፈልጠ: የሱስ ክርስቶስ “ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥምቕ ክሳዕ ሎሚ መንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ አላ: ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ አለዉ። ኵሎም ነብያትን ኦሪትን ክሳዕ ዮሃንስ ተነበዩ። ክትአምኑ እንተ ደሌኹምሲ: እቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ እዩ” ድሕሪ ምባሉ ኢዩ። እወ: ዮሃንስ መጥምቕ እቲ ኣቐዲሙ እተነግረሉ ተምሳል ኤልያስ ኢዩ። (ማቴዎስ 11:12-14፣ ማርቆስ 9:11-13) ሓደ መልኣኽ: ዮሃንስ ‘መንፈስ ኤልያስን ሓይሉን’ ክሓድሮ ምዃኑ: ከምኡውን “ብቑዕ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኬዳሉ” ምዃኑ ንዘካርያስ ኣቦ ዮሃንስ ነጊርዎ ነበረ። (ሉቃስ 1:17) እቲ ዮሃንስ ዘካይዶ ዝነበረ ጥምቀት: ሓደ ውልቀ-ሰብ ኣንጻር እቲ ንኣይሁድ ናብ ክርስቶስ ክመርሖም ዝነበሮ ሕጊ ምስ ዝሓጥእ ንዘርእዮ ነስሓ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝገልጸሉ ምልክት ኢዩ ነይሩ። (ሉቃስ 3:3-6፣ ገላትያ 3:24) በዚ ኸምዚ ኸኣ ዕዮ ዮሃንስ ‘ብቑዕ ህዝቢ ንእግዚኣብሄር ኣዳለወ።’
11. ኣብ መዓልቲ ጴንጠቆስጠ: ጴጥሮስ ብዛዕባ “መዓልቲ የሆዋ” እንታይ ኢዩ ዝበለ: መዓስከ ኢያ ዝመጸት፧
11 እቲ ዮሃንስ መጥምቕ ከም “ኤልያስ” ኰይኑ ዝፈጸሞ ዕዮ “መዓልቲ የሆዋ” ከም ዝቐረበት ዝሕብር ኢዩ ነይሩ። ምቕራብ ናይታ ኣምላኽ ኣንጻር ጸላእቱ ስጕምቲ ዝወስደላ ንህዝቡ ድማ ዘዕቍበላ መዓልቲ ብሃዋርያ ጴጥሮስ እውን ተሓቢሩ ኣሎ። እቲ ኣብ ጴንጠቈስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ዝዀነ ተኣምራታዊ ፍጻመታት: ናይቲ ብዛዕባ ምፍሳስ መንፈስ ኣምላኽ ዝዛረብ ትንቢት ዮኤል ፍጻሜ ምዃኑ ኣመልከተ። ጴጥሮስ: እዚ ቅድሚ እታ “ዓባይን ግህድትን መዓልቲ ጐይታ [“የሆዋ:” NW ]” ክፍጸም ከም ዝዀነ ገለጸ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:16-21፣ ዮኤል 2:28-32) የሆዋ ንሰራዊት ሮሜ ኣብ ልዕሊ እቶም ንወዱ ዝነጸግዎ ህዝቢ መለኮታዊ ፍርዲ ንኸውርዱ ብምልዕዓል ቃሉ ዝፈጸመሉ ግዜ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ነይሩ።—ዳንኤል 9:24-27፣ ዮሃንስ 19:15
12. (ሀ) ጳውሎስን ጴጥሮስን ብዛዕባ ምምጻእ “መዓልቲ የሆዋ” እንታይ ኢዮም ዝበሉ፧ (ለ) ብዕዮ ኤልያስ እተመሰለ ሓደ ርግጽ ዝዀነ ነገር ክፍጸም ዝነበሮ ስለምንታይ ኢዩ፧
12 ይኹን እምበር: ድሕሪ 70 ከ.ኣ.ዘ. ካልእ ክፍጸም ዝነበሮ ነገር ነይሩ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሓንቲ እትመጽእ “መዓልቲ የሆዋ” ምስ ህላወ የሱስ ክርስቶስ ኣተሓሒዝዋ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚውን ሃዋርያ ጴጥሮስ ነታ መዓልቲ እቲኣ ምስቲ ገና ኣብ መጻኢ ዝፍጸም “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” ኣተሓሒዙ ተዛሪቡላ ኣሎ። (2 ተሰሎንቄ 2:1, 2፣ 2 ጴጥሮስ 3:10-13) “መዓልቲ የሆዋ” ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ቅድሚ ምምጽኣ ዮሃንስ መጥምቕ ከምቲ ናይ ኤልያስ ዝመስል ዕዮ ከም ዝዓየየ ዘክር ኢኻ። ኵሉ እዚ ብሓፈሻ ክውሰድ ከሎ: ብዕዮ ኤልያስ እተመሰለ ካልእ ተወሳኺ ነገር ክፍጸም ምዃኑ ብንጹር ዘመልክት ኢዩ። ንሱኸ እንታይ ኢዩ፧
መንፈስ ኤልያስ ኣለዎም
13, 14. (ሀ) ኣብ መንጎ ዕዮ ኤልያስን ዕዮ ናይዞም ሕጂ ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናትን እንታይ ምምስሳል ኢዩ ዘሎ፧ (ለ) ናይ ህዝበ-ክርስትያን ከሓድቲ እንታይ ኢዮም ገይሮም፧
13 ዕዮ ኤልያስ ምስቲ ዮሃንስ መጥምቕ ዝገበሮ ዕዮ ጥራይ ዘይኰነስ: ምስ ዕዮ ናይቶም ኣብዚ ናብ ምምጻእ “መዓልቲ የሆዋ” ዝመርሕ ጽንኩር እዋን ዝነብሩ ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናት እውን ይመሳሳል ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ብመንፈስ ኤልያስን ሓይሉን: ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ እሙናት ተጣበቕቲ ኢዮም። እዝስ ኣየ ክንደይ ኣድላዪ ኰን ኢዩ! ልክዕ ከምቲ ኣብ ግዜ ኤልያስ ኣብ እስራኤል ናይ በዓል ኣምልኾ ዝዓንበበ: ድሕሪ ሞት ሃዋርያት ክርስቶስ እውን ካብ ሓቀኛ ክርስትና ምዕላው ነይሩ ኢዩ። (2 ጴጥሮስ 2:1) ክርስትያን ኢና ዝብሉ ሰባት: ንክርስትና ምስቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ሰረተ-እምነታትን ተግባራትን ክሓናፍጽዎ ጀመሩ። ንኣብነት: ነቲ ሰብ ዘይትመውት ነፍሲ ኣላቶ ዝብል ኣረሜናውን ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነን ትምህርቲ ተቐበልዎ። (መክብብ 9:5, 10፣ ህዝቅኤል 18:4) ናይ ህዝበ-ክርስትያን ከሓድቲ ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ካብ ምዝውታር ኣቋረጹ። ከምኡውን ነቲ ምስ ኣምልኾ በዓል ዝመሳሰል ተግባር ማለት ንምስሊ የሱስን ኣዲኡ ማርያምን ናይ ምስጋድ ልምዲ ተቐበልዎ። (ሮሜ 1:23፣ 1 ዮሃንስ 5:21) እዚ ጥራይ ግን ኣይኰነን።
14 ካብ መበል 19 ከፍለ-ዘበን ንነጀው ናይ ህዝበ-ክርስትያን መራሕቲ ኣብያተ-ክርስትያን ንብዙሕ ክፍልታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምልከት ምጥርጣር ክገልጹ ጀመሩ። ንኣብነት: ነቲ ብዛዕባ ፍጥረት ዝገልጽ ናይ ኦሪት ዘፍጥረት ጸብጻብ ነጺጎም: “ስነ-ፍልጠታዊ” ዝብል ስም ብምሃብ ነቲ ናይ ፍልቀት ክልሰ-ሓሳብ ኣሜን ኢሎም ተቐበልዎ። እዚ ምስቲ ናይ የሱስ ክርስቶስን ናይ ሃዋርያቱን ትምህርትታት ብቐጥታ ዝጋጮ ኢዩ። (ማቴዎስ 19:4, 5፣ 1 ቈረንቶስ 15:47) እዞም ሎሚ ዘለዉ ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት ግን ልክዕ ከም የሱስን ከምቶም ቀዳሞት ሰዓብቱን: ነቲ ብዛዕባ ፍጥረት ዝዛረብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ይድግፍዎ ኢዮም።—ዘፍጥረት 1:27
15, 16. ምስ ህዝበ-ክርስትያን ብምንጽጻር: መን ኢዮም ዘየቋርጽ መንፈሳዊ መግቢ ዘስተማቕሩ፧ ብኸመይከ፧
15 ዓለም ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ምስ ኣተወት: ንህዝበ-ክርስትያን መንፈሳዊ ጥሜት ወረዳ። (ዳንኤል 12:4፣ ኣሞጽ 8:11, 12) እዞም ናይ ቅቡኣት ክርስትያናት ንእሽቶ ጕጅለ ግን ስርዓታዊ ምድላዋት ናይቲ “በብጊዜኡ” ብኣምላኽ ዝዋሃብ መንፈሳዊ መግቢ የስተማቕሩ ኣለዉ: እዚ ድማ ልክዕ ከምቲ የሆዋ ንኤልያስ ኣብቲ ግዜኡ ተላዒሉ ኣብ ዝነበረ ጥሜት ከም ዝምገብ ዝገበሮ ማለት ኢዩ። (ማቴዎስ 24:45፣ 1 ነገስት 17:6, 13-16) እዞም ሓደ እዋን ኣህጉራውያን ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ዝነበሩ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ጸኒሖም እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ስም ተቐበሉ።—ኢሳይያስ 43:10
16 ኤልያስ ምስቲ “ኣምላኸይ የሆዋ ኢዩ” ዝብል ትርጕም ስሙ ተሰማሚዑ ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ግምቢ ዘብዐኛ ከም ወግዓዊ መጽሔት ናይ ምድራውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ብምዃን ብቐጻሊ ስም ኣምላኽ ክጥቀም ጸኒሑ ኢዩ። አረ ኣብቲ ካልኣይ ሕታሙስ (ነሓሰ 1879) እቲ መጽሔት ናይ የሆዋ ደገፍ ከም ዘለዎ እምንቶኡ ገሊጹ ኢዩ። እዚ መጽሔት እዝን ካልእ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ጽሑፋትን: ነቲ ናይ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅነት ኣብ ርእሲ ምድጋፉ: ነቲ ህዝበ-ክርስትያንን ካልኦት ክፍሊ ናይታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዝዀነት ዓባይ ባቢሎንን ዝምህራኦ ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ትምህርትታት የቃልዖ ኢዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17፣ ራእይ 18:1-5
ኣብ ትሕቲ ፈተና እሙናት ዝዀኑ
17, 18. ኢዛቤል ነቲ ምሕራድ ናይ ነብያት በዓል ብኸመይ መለሰትሉ: ኤልያስ ግን ብኸመይ ተሓገዘ፧
17 እቲ ካህናት ምስ ተቓልዑ ዝሃብዎ ምላሽ ምስቲ ኤልያስ ንነብያት በዓል ከም ዝቐተሎም ምስ ፈለጠት ኢዛቤል ዘርኣየቶ ዝመሳሰል ኢዩ። ነቲ እሙን ነብዪ የሆዋ ከተቕትሎ ከም ዝመሓለት ዝገልጽ መልእኽቲ ሰደደትሉ። እዚ ናይ ኣፍ ምጕብዕባዕ ጥራይ ኣይነበረን: ከመይሲ ኢዛቤል ድሮ ንብዙሓት ነብያት ኣምላኽ ቀቲላ ኢያ። ኤልያስ ብፍርሂ ዝኣክል ናብ ደቡባዊ ምዕራብ ብዔር ሸባዕ ሃደመ። ነቲ ጊልያኡ ኣብኡ ገዲፉ ድማ ርሒቑ ናብ በረኻ ብምኻድ: ክመውት ጸለየ። የሆዋ ግን ንነብዪኡ ኣይጠንጠኖን። ናብ ከረን ሆሬብ ንዝገብሮ ነዊሕ ጕዕዞ ምእንቲ ከዳልዎ ሓደ መልኣኽ ተራእዮ። በዚ ድማ ነቲ ልዕሊ 300 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ናይ 40 መዓልቲ መገሻ ዝዀኖ መግቢ ተቐበለ። ኣብ ሆሬብ: ብመልክዕ ብርቱዕ ንፋስን ምንቅጥቃጥ ምድርን ሓውን ዝቐረበ ዘፍርሕ ትርኢት ሓይሊ ድሕሪ ምፍጻሙ ኣምላኽ ተዛረቦ። የሆዋ ኣብዚ ትርኢታት እዚ ኣይነበረን። እዚ ባህርያዊ ሓይልታት እዚ ናይ መንፈስ ቅዱሱ ወይ መስለጢ ሓይሉ መግለጺ ኢዩ ነይሩ። ሽዑ የሆዋ ንነብዪኡ ተዛረቦ። እዚ ተመክሮ እዚ ንኤልያስ ክሳዕ ክንደይ ከም ዘበርትዖ እሞ ገምቶ። (1 ነገስት 19:1-12) ንሕናውን ከም ኤልያስ እቶም ጸላእቲ ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ብዝገብርዎ ምጕብዕባዕ ብገለ መገዲ እንተ ንፈርሕከ፧ እቲ ናቱ ተመክሮ የሆዋ ንህዝቡ ከም ዘይጥንጥኖም ክንግንዘብ ክሕግዘና ይግባእ።—1 ሳሙኤል 12:22
18 ኤልያስ ከም ነብዪ መጠን ዝዓዮ ዕዮ ገና ከም ዝነበሮ ኣምላኽ ኣነጺሩሉ ኢዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ኣብ እስራኤል ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዘምልኽ ንሱ ጥራይ ከም ዝዀነ እኳ ይሓስብ እንተ ነበረ: የሆዋ ንበዓል ዘይሰገዱ 7,000 ሰባት ከም ዝነበሩ ገለጸሉ። ኣምላኽ ሽዑ ንኤልያስ ናብቲ እተመደበሉ ዕዮ መለሶ። (1 ነገስት 19:13-18) ከም ኤልያስ ንሕናውን ብጸላእቲ ናይ ሓቀኛ ኣምልኾ ንህደን ንኸውን። ከምቲ የሱስ ኣቐዲሙ እተዛረቦ ድማ ኣደዳ ብርቱዕ መስጐጕቲ ክንከውን ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 15:17-20) ሓድሓደ ግዜ: ብፍርሂ ንወሓጥ ንኸውን። ይኹን እምበር: ከምቲ መለኮታዊ መረጋገጺ ረኺቡ ብተኣማንነት ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ጸኒዑ ዝቐጸለ ኤልያስ ክንከውን ንኽእል ኢና።
19. ኣብ እዋን ቀዳማይ ውግእ ዓለም እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት እንታይ ተመክሮ ኢዮም ዘሕለፉ፧
19 ብምኽንያት እቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ዝነበረ ብርቱዕ መስጐጕቲ: ገሊኣቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ንፍርሒ ተምበርከኹ: ስብከት ድማ ኣቋረጹ። እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ዕዮኦም ከም እተወድአ ገይሮም ብምሕሳቦም ተጋገዩ። ኣምላኽ ግን ኣይጠንጠኖምን። ኣብ ክንድኡ ግን ከምቲ ንኤልያስ መግቢ ዘዳለወሉ ብምሕረት ኣናበሮም። እሙናት ዝዀኑ ቅቡኣት ክርስትያናት ልክዕ ከም ኤልያስ መለኮታዊ መኣረምታ ተቐቢሎም ኢዮም: ካብቲ ዛሕቲሎምሉ ዝነበሩ ኵነታት ድማ ተመልሱ። ኣዒንቶም ነቲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ናይ ምስባኽ ዓቢ መሰል ንምርኣይ ተኸፍታ።
20. ሎሚ: ነቶም ከም ኤልያስ እሙናት ዝዀኑ ሰባት እንታይ መሰል ኢዩ ተዋሂብዎም ዘሎ፧
20 የሱስ ኣብቲ ብዛዕባ ህላወኡ እተነበዮ ትንቢት: መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ቅድሚ ምምጽኡ ክፍጸም ዘለዎ ዓለምለኻዊ ዕዮ ሰሪዑ ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14) ሎሚ እዚ ዕዮ እዚ ብቕቡኣት ክርስትያናትን በቶም ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ክነብሩ ብተስፋ ዝጽበዩ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ብጾቶምን ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ። ነቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ክሳዕ ዝውዳእ ምፍጻሙ ነቶም ከም ኤልያስ እሙናት ዝዀኑ ጥራይ እተዋህበ መሰል ኢዩ።
ከም ኤልያስ እሙን ኩን
21, 22. (ሀ) ቅቡኣት ክርስትያናት ነየናይ ዕዮ ኢዮም ሎሚ ግምባር ቀደም ኰይኖም ዝዓይዎ ዘለዉ፧ (ለ) እቲ ዕዮ ስብከት በየናይ ሓገዝ ኢዩ ዝፍጸም ዘሎ: ስለምንታይከ ኢዩ ዘድሊ፧
21 እቶም ሒደት ተረፍ ሓቀኛታት ክርስትያናት ከም ኤልያስ ቀናኣት ብምዃን ንምድራዊ ረብሓታት ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ንጉስ የሱስ ክርስቶስ ናይ ምሕላይ ሓላፍነቶም ይፍጽሙ ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:47) ንልዕሊ 60 ዓመታት ዝኸውን ድማ: ኣምላኽ ነዞም ቅቡኣት እዚኣቶም: ነቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ዘደንቕ ተስፋ ሂብዎም ዘሎ ኣህዛብ: ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ናይ ምግባር ዕዮ ግንባር ቀደም ኰይኖም ክዓዩ ክጥቀመሎም ጸኒሑ ኢዩ: ገናውን ይጥቀመሎም ኣሎ። (ማቴዎስ 28:19, 20) እዞም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት: እቶም ብተዛማዲ ሒደት ዝዀኑ ቅቡኣት ተረፍ ብቕንእን ብተኣማንነትን ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ክርእይዎም ከለዉሲ ክሳዕ ክንደይ መመስገንቲ ኰን ኢዮም!
22 እዚ ናይ መንግስቲ ዕዮ ስብከት እዚ በቶም ዘይፍጹማት ሰባት ከምኡውን በቲ የሆዋ ነቶም ብጸሎት ኣብኡ ዝውከሉ ሰባት ዝህቦም ሓይሊ ጥራይ ኢዩ ዝፍጸም። ወደ መዝሙር ያእቆብ: ጸሎት ጻድቕ ዘለዎ ሓይሊ ንኽገልጽ ናይ ነብዪ ኤልያስ ጸሎት ከም ኣብነት ክጠቅስ ከሎ “ኤልያስ ከማና ዝድኻሙ ሰብ እዩ” በለ። (ያእቆብ 5:16-18) ኤልያስ ዝንበ ወይ ተኣምራት ዝፍጽም ዝነበረ ኵሉ ግዜ ኣይኰነን። ልክዕ ከማና ሰብኣዊ ስምዒታትን ድኻማትን እኳ እንተ ነበሮ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ኣገልጊልዎ ኢዩ። ንሕናውን ሓገዝ ኣምላኽ ስለ ዘሎናን ስለ ዘበራትዓናን ከም ኤልያስ እሙናት ክንከውን ንኽእል ኢና።
23. እሙናትን ሰብ ተስፋን ንኽንከውን ብቑዕ ምኽንያት ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
23 እሙናትን ሰብ ተስፋን ንኽንከውን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና። ዮሃንስ መጥምቕ “መዓልቲ የሆዋ” ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ቅድሚ ምምጽኣ: ምስ ናይ ነብዪ ኤልያስ ዝመሳሰል ዕዮ ከም ዝዓየየ ኣይትረስዕ። ቅቡኣት ክርስትያናት ድማ ብመንፈስ ኤልያስን ሓይሉን ተመሳሳሊ ዝዀነ ብኣምላኽ እተዋህበ ዕዮ ኣብ ብዘላ ምድሪ ይዓዩ ኣለዉ። እዚ ብንጹር እታ ዓባይ “መዓልቲ የሆዋ” ከም ዝቐረበት ኢዩ ዘርኢ።
እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧
◻ ናይ የሆዋ ኣምላኽነት ኣብ ከረን ቀርሜሎስ እተረጋገጸ ብኸመይ ኢዩ፧
◻ እቲ ‘ዝመጽእ ኤልያስ’ መን ኢዩ ነይሩ: እንታይከ ገበረ፧
◻ ሎሚ ዘለዉ ቅቡኣት ክርስትያናት መንፈስ ኤልያስ ከም ዘለዎም ብኸመይ ኢዮም ዘርኣዩ፧
◻ ከም ኤልያስ እሙናት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧
[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ሳጹን]
ኤልያስ ናብ ኣየናይ ሰማይ ኢዩ ዓሪጉ፧
“ኰነ ኸኣ: [ኤልያስን ኤልሳእን] እናተዛራረቡ ኪኸዱ ኸለዉ: እንሆ: ሰረገላ ሓውን ኣፍራስ ሓውን: ኣብ መንጎኦም መጺኡ ንኽልቲኦም ፈላለዮም። ኤልያስ ድማ ብህቦብላ ንፋስ ናብ ሰማይ ዐረገ።”—2 ነገስት 2:11
ኣብዚ ኵነታት እዚ “ሰማይ” ክብል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ እዚ ስያመ እዚ ሓድሓደ ግዜ ነቲ ኣምላኽን እቶም መላእኽቲ ደቁን ዝነብርሉ መንፈሳዊ ቦታ የመልክት ኢዩ። (ማቴዎስ 6:9፣ 18:10) “ሰማይ” ነቲ ዝርአ ኣድማስ እውን ከመልክት ይኽእል ኢዩ። (ዘዳግም 4:19) መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ነዚ ስያመ እዚ ነቲ ኣዕዋፍ ዝነፍራሉ: ንፋስ ዝነፍሰሉ ኣብ ከባቢ ምድሪ ዘሎ ሃዋሁ ንምምልካት ይጥቀመሉ ኢዩ።—መዝሙር 78:26፣ ማቴዎስ 6:26
ነብዪ ኤልያስ ካብዚ ሰማያት እዚ ናብ ኣየናይ ሰማይ ኢዩ ዓሪጉ፧ በቲ ናይ ምድሪ ሃዋሁ ኣቢሉ ኣብ ካልእ ክፍሊ ምድሪ ከም ዝኸደ ፍሉጥ ኢዩ። እወ: ኤልያስ ነቲ ናይ ይሁዳ ንጉስ ዮራም ደብዳበ ስለ ዝጸሓፈሉ: ዓመታት ጸኒሑ ገና ኣብ ምድሪ ነይሩ ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 21:1, 12-15) ኤልያስ ናብቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝነብረሉ መንፈሳዊ ስፍራ ከም ዘይዓረገ ጸኒሑ የሱስ ክርስቶስ “ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ . . . ወዲ ሰብ: [ማለት የሱስ ባዕሉ] ናብ ሰማይ ዝደየበ ሓደ እኳ የልቦን” ብምባሉ ተረጋጊጹ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:13) ዘይፍጹማት ሰባት ናብ ሰማያዊ ህይወት ዝመርሕ መገዲ መጀመርታ እተኸፍተሎም ድሕሪ ሞትን ትንሳኤን ዕርገትን የሱስ ክርስቶስ ኢዩ።—ዮሃንስ 14:2, 3፣ እብራውያን 9:24፣ 10:19, 20