ምስ ግዜ ዓጺድ እተተሓሓዘ በዓላት ንኣምላኽ የሐጕሶዶ ኢዩ፧
እተዀመረ ምቁር ፍረታትን ጥዑም ኣሕምልትን ናይ ጽቡቕ እኽሊ ዕትርትን ማራኺ ትርኢት ኢዩ ዘለዎ። ኣብ ግዜ ዓጺድ ሰደቓ ቍርባንን መድረኽ ቅዳሴን ናይቲ ኣብ ምሉእ ዓዲ እንግሊዝ ዘሎ ኣብያተ-ክርስትያናት ብኸምዚ ዝበለ ትርኢታት ኢዩ ዝስለም። ከም ኣብ ካልእ ቦታታት: ኣብ ኣውሮጳ እውን ምስ ምጅማርን ምዝዛምን ግዜ ዓጺድ እተተሓሓዘ ብዙሕ በዓላት ይግበር ኢዩ።
እቶም ናብርኦም ኣብ ማሕረስ እተመስረተ ሰባት: ብፍላይ ካብቲ መሬት ብዝርከብ እቶት መመስገንቲ ኢዮም። አረ ኣምላኽሲ: ንጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል ምስ ግዜ ዓጺድ ኣጸቢቑ እተተሓሓዘ ሰለስተ ዓመታዊ በዓላት ከብዕሉ ነጊርዎም ነይሩ ኢዩ። ቀውዒ ክጅምር ከሎ: ኣብ እዋን በዓል ቅጫ እስራኤላውያን ካብቲ በዅሪ ዓጺድ ስገም ሓደ ዕትርቲ ናብ ኣምላኽ የምጽኡ ነበሩ። ቀውዒ ክውድእ ከሎ: ኣብ በዓል ሰሙናት (ወይ ጴንጠቆስጠ) ካብቲ በዅሪ ዓጺድ ስርናይ እተሰንከተ ሕብስቲ የቕርቡ። ኣብ መወዳእታ ድማ በዓል ምእካብ ይመጽእ: እዚ ናይ እስራኤል ናይ ሕርሻ ዓመት ምውድኡ ዝሕብር ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 23:14-17) እዚ በዓላት እዚ ‘ቅዱስ ኣኼባታት’ ከምኡውን ናይ ሓጐስ ግዜያት ነበረ።—ዘሌዋውያን 23:2፣ ዘዳግም 16:16
እዚ ሎሚ ዝግበር ምስ ግዜ ዓጺድ እተተሓሓዘ በዓላትከ፧ ንኣምላኽ የሐጕሶዶ ኢዩ፧
ምስ ኣረምነት ዘለዎ ምትሕሓዝ
ኣብ ኮርንዎል: ዓዲ እንግሊዝ ዝነበረ ሓደ ናይ ኣንግሊካን ቀሺ: ዓለማዊ ባህርይ ናይቲ ኣብ ግዜ ዓጺድ ዝግበር ባህላዊ ድግስን ምስኡ እተተሓሓዘ ስኽራንን ስለ ዝረበሾ: ብ1843 ነቲ ኣብ ማእከላይ መዋእል ምስ ግዜ ዓጺድ ተተሓሒዙ ዝግበር ዝነበረ ልምዲ ከም ብሓድሽ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ወሰነ። ካብቲ መጀመርታ እተዓጽደ እኽሊ ብምውሳድ ነቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያኑ ዝግበር ናይ ቁርባን ጽምብል ዝኸውን ሕብስቲ ሰንከተ። ከምዚ ገይሩ ድማ: ነቲ ገሊኣቶም ካብ ጥንታዊ ኣምልኾ ናይቲ ሉሽ ዝበሃል ኣምላኽ ሰልቲክ ዝመጸ ኢዩ ዝብልዎ ናይ ላማስ በዓል—“ክርስትያናዊ” በዓል—መስረተ።a ስለዚ: እቲ ምስ ዓጺድ እተተሓሓዘ ዘመናዊ ናይ ኣንግሊካን በዓል ኣረማዊ ምንጪ ኢዩ ዘለዎ።
እቲ ኣብ ምዝዛም ግዜ ዓጺድ ዝግበር ካልእ በዓላትከ፧ ብመሰረት ኢንሳይክሎፐድያ ብሪታኒካ (እንግሊዝኛ) ዝበዝሕ ካብቲ ምስዚ በዓላት እዚ ተተሓሒዙ ዘሎ ልምድታት: ካብቲ “እኽሊ መንፈስ ኣለዎ ወይ ድማ ኣምላኽ እኽሊ ኣሎ ዝብል: ኣትክልትን እንስሳታትን ነፍሲ ከም ዘለዎም ዝዛረብ እምነት” ዝመጸ ኢዩ። ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ዘለዉ ሓረስቶት ኣብታ መወዳእታ እትዕጸድ ዕታር እኽሊ መንፈስ ኣሎ ኢሎም ይኣምኑ። ነቲ መንፈስ ምእንቲ ክሰጕዎ ድማ: እቲ እኽሊ ክሳዕ ዝረግፍ ነታ ዕታር በትሪ ገይሮም ይዘብጥዋ። “ጽቡቕ ፋል” ክኸውን ኢሎም ድማ ንቘጽሊ ናይቲ እኽሊ ሓሓሊፎም ብምቝናን ንዓመታ ዘርኢ ዝዝርኣሉ ግዜ ክሳዕ ዝበጽሕ “ጌጽ” ክኸውን ይሰቕልዎ። ድሕርዚ ነቲ ሓድሽ እኽሊ በረኸት ክዀኖ ተስፋ ብምግባር: ነቲ ጉምቦ ኣብቲ ምድሪ ደርብዮም ምስቲ መሬት ገይሮም ይሓርስዎ።
ገለ ያታታት ንግዜ ዓጺድ ምስ ኣምልኾ ናይቲ ታሙዝ ዝበሃል ኣምላኽ ባቢሎናውያን: በዓል ቤት ናይታ ኣንስተይቲ ኣምላኽ ምፍራይ ዝዀነት ኢሽታር የተሓሕዞ። ነቲ ዝበሰለ ጉምቦ ናይቲ እኽሊ ምቝራጽ ምስቲ ናይ ታሙዝ ቅድሚ ግዜኡ ሙማት ኢዩ ዝመሳሰል። ካልእ ያታታት ድማ ንግዜ ዓጺድ ምስ ናይ ሰብ መስዋእቲ ምቕራብ እውን ከይተረፈ ኢዩ ዘተሓሕዞ: እዚ ድማ የሆዋ ኣምላኽ ዝፍንፍኖ ተግባር ኢዩ።—ዘሌዋውያን 20:2፣ ኤርምያስ 7:30, 31
ናይ ኣምላኽ ኣረኣእያ እንታይ ኢዩ፧
እቲ ኣምላኽ ምስ ጥንታውያን እስራኤል ዝነበሮ ርክብ: እቲ ፈጣርን ምንጭን ናይ ህይወት ዝዀነ የሆዋ ካብ ኣምለኽቱ ምሉእ ተወፋይነት ከም ዝደሊ ብንጹር ኢዩ ዝገልጽ። (መዝሙር 36:9፣ ናሆም 1:2) ኣብ ግዜ ነብዪ ህዝቅኤል: ነቲ ታሙዝ ዝበሃል ኣምላኽ ምብካይ ኣብ ኣዒንቲ የሆዋ ‘ዝገደደ ጽያፍ’ ኢዩ ነይሩ። እዝን ካልእ ናይ ሓሶት ሃይማኖታዊ ጽምብላትን ተሓዊሱ: ኣምላኽ ንጸሎት ናይቶም ኣምለኽቲ ሓሶት ኣእዛኑ ከም ዝዓጹ ገይርዎ ኢዩ።—ህዝቅኤል 8:6, 13, 14, 18
ነዚ ምስቲ የሆዋ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ምስ ዓጺድ ብምትሕሓዝ ከብዕልዎ ኣዚዝዎም ዝነበረ በዓላት ኣነጻጽሮ። እስራኤላውያን ኣብ ግዜ በዓል ምእካብ: ንእሽቶን ዓብን: ሃብታምን ድኻን ሓቢሮም ብልሙዕ ኣቝጽልቲ ኣብ ዘጌጸ ግዝያዊ መንበሪ ዳሳት ብምዃን ዘሐጕስ ምትእኽኻብ ይገብሩ ነበሩ። እዚ ድማ እዋን ዓቢ ሓጐስ ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንኣቦታቶም ካብ ግብጺ ከውጽኦም ከሎ ዝገበረሎም ምድሓን ዝዝክርሉ ግዜ እውን ኢዩ ነይሩ።—ዘሌዋውያን 23:40-43
ኣብቲ ናይ እስራኤላውያን ግዜ በዓላት: ናብቲ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ መስዋእትታት ይቐርብ ነበረ። (ዘዳግም 8:10-20) ነቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ እንስሳታት ይኹን ኣትክልቲ ነፍሲ ኣለዎም ዝብል እምነት ዝምልከት ግን: ከም ዕትርቲ ስርናይ ዝኣመሰለ ነገራት ነፍሲ ከም ዘለዎ ዝዛረብ ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን ኢዩ።b ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ ጣኦታት ህይወት ከም ዘይብሎም: ክዛረቡ: ክርእዩ: ክሰምዑ: ክድህስሱ: ከምኡውን ንኣምለኽቶም ዝዀነ ይኹን ሓገዝ ክህቡ ከም ዘይክእሉ ኣነጺሩ ኢዩ ዝገልጽ።—መዝሙር 115:5-8፣ ሮሜ 1:23-25
ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ እቲ ኣምላኽ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝደምደሞ ሕጊ ኪዳን ኣይኰኑን። አረ ኣምላኽሲ: ‘ኣብ መስቀል [የሱስ] ሸንኪሩ ካብ ማእከልና ኣርሒቕዎ’ ኢዩ። (ቈሎሴ 2:13, 14) ዘመናውያን ኣገልገልቲ የሆዋ ‘ብሕጊ ክርስቶስ’ ኢዮም ዝነብሩ: ንዅሉ እቲ ኣምላኽ ዝሃቦም ነገራት ድማ መማሰውቲ ኢዮም።—ገላትያ 6:2
ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ናይ ኣይሁድ በዓላት “ነቲ ዚመጽእ ጽላሎቱ” ምንባሩ ኣነጺሩ ገሊጽዎ ኢዩ: ወሲኹ ድማ “እቲ ስጋ [“እቲ ናይ ሓቂ:” NW ] ግና ክርስቶስ” ኢዩ ይብል። (ቈሎሴ 2:16, 17) ከምዚ ስለ ዝዀነ ድማ: ሓቀኛታት ክርስትያናት ነቲ “ኣህዛብ ዚስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበር: ንኣምላኽ ኣይኰነን። . . . ጽዋእ ጐይታን ጽዋእ ኣጋንንትን ክትሰትዩ ኣይከአለኩምን [ኢዩ]” ዝብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓሳባት ኢዮም ዝቕበሉ። (1 ቈረንቶስ 10:20, 21) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ክርስትያናት ነቲ ‘ርኹስ ኣይትተንክዩ’ ዝብል መመርሒ ይስዕብዎ ኢዮም። ኣብ ከባቢኻ ዝግበር ምስ ግዜ ዓጺድ እተተሓሓዘ በዓላት ኣረማዊ ወይ ሓሶት ዝዀነ ሃይማኖታዊ ትርጕም ዘለዎ ድዩ፧ ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ርኹስ ኢዩ: ሓቀኛታት ክርስትያናት ድማ ኣብ ከምዚ ዝበለ ብልሹው ኣምልኾ ዘእትዎም ዝዀነ ይኹን ከይገብሩ ብምእባይ ንየሆዋ ዘጕሂ ነገር ካብ ምፍጻም ክርሕቁ ይኽእሉ ኢዮም።—2 ቈረንቶስ 6:17
ሓደ መማሰዊ ውላድ ካብ ኣቦኡ ህያብ ምስ ዝቕበል ንመን ኢዩ ዘመስግን፧ ንሓደ ዘይፈልጦ ጋሻዶ ወይስ ንወላዲኡ፧ ኣምለኽቲ ኣምላኽ በቲ ምሉእ ዘይጕዱል ልግሱ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኦም ዝዀነ የሆዋ ልባዊ ጸሎት ገይሮም መዓልቲ-መዓልቲ የመስግንዎ ኢዮም።—2 ቈረንቶስ 6:18፣ 1, ተሰሎንቄ 5:17, 18
[እግረ-ጽሑፋት]
a እታ “ላማስ” እትብል ቃል ካብታ “ሎፍ-ማስ” ዝትርጕማ ናይ ቀደም እንግሊዝኛ ቃል ዝመጸት ኢያ።
b ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ብምባል ይገልጽ:- “ነ ʹፈሽ (ነፍሲ) ምስቲ ኣብ ሳልሰይቲ ናይ ‘ፍጥረት’ መዓልቲ ዝመጸ ኣትክልቲ (ዘፍ 1:11-13) ወይ ምስቲ ብድሕሪኡ እተፈጥረ ነገራት ብምትሕሓዝ ኣይትውዕልን ኢያ: ከመይሲ ኣትክልቲ ደም የብሉን።”—ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ።