ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/9 ገጽ 25-28
  • ልበይ ብምስጋና ይጅርብብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ልበይ ብምስጋና ይጅርብብ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ሰናይ ኣብነታት አማስወሉ ኢየ
  • ኣብ ሓቂ ዝነበረኒ ኣቕዋም
  • በቲ እተዋህበኒ ኣገልግሎት አመስግን ኢየ
  • እምንቲ ብጸይቲ ምርካብ
  • ነቲ ሓቢርና ዘሕለፍናዮ ናብራ አመስግን
  • ንሰብዓ ዓመት፡ ዘፈር ክዳን ኣይሁዳዊ ሓዝኩ ለናርድ ስሚዝ ዘዘንተዎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ዝገበርክዎ ቕኑዕ ምርጫ ኣብ ምሉእ ህይወተይ በረኸት ኣምጸኣለይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ትምህርቲ ኣየቋረጽኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ኣብ መበል 80 ዓመት ዕድመ እተገብረ ናይ ቦታ ለውጢ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/9 ገጽ 25-28

ልበይ ብምስጋና ይጅርብብ

ብጆን ዊን እተዘንተወ

ናብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምኻድ ክንደይ ግዜ ኰን ኢየ ዘይኣበኹ! ተቐሪጸ ወይ ከኣ ርእሰይ ሓሚመ እናበልኩ ከምኡውን ካልእ ዝዀነ ይኹን ካብ ምእካብ ከብኵረኒ ዝኽእል ነገራት ብምፍጣር አመኻኒ ነበርኩ። ኣደይ ጽንዕቲ ስለ ዝነበረት ግን ነዚ ምኽንያታት እዚ ኣይትቕበሎን ኢያ ነይራ: በዚ ድማ ምስ ሓንቲ ዓባይ መሓዝኣ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ክትመያየጥ ከላ እናሰማዕኩ መገዲ ሰለስተ ኪሎ ሜተር ዝኣክል ምስኣ ናብቲ ኣደራሽ መንግስቲ እኸይድ ነበርኩ።

እዚ ኸኣ ነዚ ዝስዕብ ጠቓሚ ትምህርቲ ምሂሩኒ ኢዩ:- ወለዲ ኣብ ኣዒንቲ ኣምላኽ ቅኑዕ ንዝዀነ ነገራት ብፍቕራዊ መገዲ ጽኑዓት ካብ ምዃን ፈጺሞም ክቝጠቡ የብሎምን። (ምሳሌ 29:15, 17) ነቲ ‘ኣኼባና ከይንሓድግ’ እተዋህበና ትእዛዝ ፈጺሞም ክርስዕዎ የብሎምን። (እብራውያን 10:⁠25) ኣብ ህይወተይ ንድሕሪት ተመሊሰ ክጥምት ከሎኹ: ኣደይ ንዓይ ዝሓይሽ ንኽገብር ስለ ዝሓገዘትኒ ብዙሕ ኢየ ዘመስግን!

ነቲ ሰናይ ኣብነታት አማስወሉ ኢየ

ኣቦይ ዘይኣማኒ እኳ እንተነበረ: ኣደይ ኣባል ናይቶም ሽዑ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሎም ዝፍለጡ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ኰነት እምነታ የኽብረላ ኢዩ ነይሩ። ብ1913 ነቲ ብቻርለስ ቲ. ራስል: ቀዳማይ ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ: እተዋህበ “ክንዮ እቲ መቓብር” ዝብል ዝርርብ ክትሰምዕ ከደት። ይኹን እምበር: ደንጕያ ስለ ዝበጽሐት ኵሉ እቲ ኰፍ መበሊ ተታሒዙ ነበረ። በዚ ድማ ምስቶም ካልኦት ደንጕዮም ዝመጹ: ኣብ ከባቢ እቲ መድረኽ ጥቓ ፓስተር ራስል ተጸጊዓ ኰፍ ክትብል ተነግራ። እቲ ዝርርብ ኣዝዩ መሰጣ። ንጽባሒቱ ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ጋዜጣ ተሓትመ: ሓደ ቅዳሕ ረኺባ ድማ ብተደጋጋሚ ተንብቦ ነበረት።

ድሕሪ እቲ ኣኼባ ኣደይ ኣብ ንእሽቶ ወረቐት ስማ ጽሒፋ ሃበት: ብኡንብኡ ድማ ምስ ሓንቲ ተማሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ኣራኸብዋ። ድሕሪኡ ቑሩብ ጸኒሓ: ኣብቲ እንነብረሉ ከተማ ግላስተር: ዓዲ እንግሊዝ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትራክት ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸደት ክትዕድል ጀመረት። ኣነን እተን ክልተ ኣሓተይን ንኣሽቱ ካብ ዝነበርናሉ ግዜ ኣትሒዝና: ምስ ኣደይ ኣብቲ ናይ ስብከት ዕዮ ንካፈል ነበርና።

ሃሪ ፍራንሰስ እተባህለ ቅንኢ ዝነበሮ ተማሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ግላስተር ምስ መጸ: ኣደይ ምዉቕ ኣቀባብላ ገበረትሉ። ብኡንብኡ ድማ ብሕታዊ ተገዳስነት ክገብረለይ ጀመረ: እቲ ዝገበረለይ ምትብባዕ ድማ ዳሕራይ ፓይነር: ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዝጽውዕሉ ስም: ኰይነ ንኸገልግል ዝሓገዘ ዓቢ ረቛሒ ኢዩ ነይሩ። ናይ ሓው ፍራንሰስ ኣብነት: ዓበይቲ ኵሉ ግዜ ንንኣሽቱ ከተባብዕሉ ዝኽእሉ መገድታት ክደልዩ ኣለዎም: ዝብል ኣገዳሲ ትምህርቲ ምሂሩኒ ኢዩ።

ኣደይ ተማሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኰነት: ካልኦት ኣብ ግላስተር ዝቕመጡ ሰባት እውን ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኰኑ። ይኹን እምበር: ኣብታ ጉባኤ ዝነበሩ ገሊኦም ሽማግለታት ንገዛእ ርእሶም ልዕል ከብሉ ጀመሩ: ኣባላት ናይቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ክፍሊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ ጉባኤ ዝዀኑ ድማ ንውልቀ-ሰባት ክስዕቡ ጀመሩ። ኣብ ሓደ ኣኼባ ገለ ሰባት ነደይ ኣብ ምርጫ ናይ ገለ ሽማግለታት ኢዳ ኣልዒላ ንኽትድግፍ ብድሕሪኣ እናተዅተዅ ይህውኽዋ ነበሩ። ኣደይ ግን ግቡእ ኣብነት ከም ዘይኰኑ ስለ ዝፈለጠት: ፈሪሃ ክትመርጽ ፍቓደኛ ኣይኰነትን። ኣብቲ እዋን እቲ: ማለት ኣብ መወዳእታ ናይ 1920ታት ብዙሓት ዓለዉ: ኣብ መገዲ ሓቂ ምምልላስ ድማ ኣቋረጹ። (2 ጴጥሮስ 2:⁠2) ገና ግን: ኣደይ ነታ ማሕበር ብተኣማንነት ካብ ምድጋፍ ዝሕጥ ኣይበለትን: በዚ ድማ ንዓይ ሰናይ ኣብነት ሰርዓትለይ።

ኣብ ሓቂ ዝነበረኒ ኣቕዋም

ኣብ መወዳእታ: ሰነ 1939 ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰንኩ: ኣብ ርባ ሰቨርን ተጠመቕኩ። ኣብቲ ዓመት እቲ ኣብ ናይ ድምጺ መሳርሒ ክዓዪ ተመደብኩ። ኣብቲ እዋን እቲ ሓደ ዓቢ ናይ ድምጺ መሳርሒ ኢና እንጥቀም ነይረና: ብእኡ ገይርና ድማ ኣብቲ ህዝቢ ዘለዎ ቦታታት ነቲ “ሃይማኖት መፈንጠራን መታለልን ኢዩ” ዝብል መልእኽቲ ነመሓላልፍ ነበርና። ኣብቲ ግዜ እቲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ግብዝናን ናይ ሓሶት ትምህርትታታን ኣብ ምቅላዕ ኢዩ ኣቓልቦ ዝግበር ነይሩ።

ሓደ መዓልቲ ብሓደ ሸነኽ “ሃይማኖት መፈንጠራን መታለልን ኢዩ” ዝብል በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ “ንኣምላኽን ንክርስቶስ እቲ ንጉስን ኣገልግሉ” ዝብል ጽሑፍ ተሰኪምና ዑደት ክንገብር ከሎና ቅድሚት ተሰሪዐ ነበርኩ። ኣብ የማነ ጸጋሙ ህዝባዊ ዝርርብ ዘፋልጥ ፖስተር እተጠቅዖ ንእሽቶ ፈረስ ምሳና ይጓዓዝ ነበረ። ኣየ እዝስ ኣብታ ሃይማኖታዊት ከተማ ግላስተር ከመይ ዝበለ ትርኢት ኰን ኢዩ ነይሩ!

ኣብ ቤት ናይ ገንዘብ ጸገም እኳ እንተ ነበረና: ኣደይ ፓይነር ክኸውን ኣተባብዓትኒ። በዚ ኸኣ: ኣብ መስከረም 1939 ካልኣይ ውግእ ዓለም ክጅምር ከሎ: ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይ ፓይነር መደበይ ማለት ኣብ ዋሪክሻየር እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ለሚንተን በጻሕኩ። እታ ከተማ እቲኣ ብዙሓት ካብ ቅሽነቶም ጥሮታ ዝወጹ ኣቕሽሽቲ ዝቕመጡላ ከተማ ኢያ።

ኣብቲ ናይ ቤተ⁠-​ቤት ኣገልግሎትና: እቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፕረዚደንት ዝነበረ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ዝሃቦ ዝርርብ ዝሓዘት ፍዅስ ዝበለት ፎኖግራፍ ንጥቀም ነበርና። በቲ ሓደ ሸነኽ ግን: እታ (ንብዙሓት ሰማዕቲ ክንጥቀመላ እንኽእል) ዓባይ ፎኖግራፍ ኣዝያ ከባድ ስለ ዝነበረት ኣብ ናይ ቈልዓ ዓረብያ ጽዒንና ንወስዳ ነበርና። ሓድሓደ ግዜ ኣቕሽሽቲ በቲ ንሓሶት ሃይማኖት ዘቃልዕ መልእኽቲ ይሓርቁ ስለ ዝነበሩ ካብቲ መካበብያኦም ክንርሕቕ የገድዱና ነበሩ። ግናኸ ተስፋ ኣይቈረጽናን። የሆዋ ንዕዮና ባሪኽዎ: ሕጂ ድማ ኣብ ለሚንተን ልዕሊ ሚእቲ መሰኻኽር ዘለዉዋ ጉባኤ ክትርከብ ክኢላ ኢያ።

ብ1941: ካልኣይ ውግዕ ዓለም ተባሪዑሉ ኣብ ዝነበረ እዋን: ናብ ዌልዝ ገዓዝኩ: ኣብተን ኣብኡ ዝርከባ ከተማታት ሃቨርፈርድዌስት: ካርማርዘን: ከምኡውን ረክሳም ከኣ ፓይነር ኰይነ አገልግል ነበርኩ። ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ስለ ዝዀንኩ ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናጻ ወጺአ ኢየ ነይረ: ሰባት ግን ነቲ ናይ ገለልትነት ኣቕዋምና ኣይርድእዎን ነበሩ። በዚ ድማ ንዓይን ንመገላግልተይን ከም ሰለይቲ ወይ ከኣ ሓሙሻይ መስርዐኛታት ገይሮም ይሓስቡና ነበሩ። ሓደ ምሸት ፖሊስ ነታ ተንቀሳቓሲት ገዛና ከበብዋ። እቲ ድሮ ካብቲ ፈሓም ናይ ምጽራግ ስርሑ ተመሊሱ ዝነበረ መገላግልተይ: መን ምዃኑ ኽርኢ ማዕጾ ከፊቱ ተቐልቀለ። ገጹ በቲ ናይ ፈሓም ቦዀኽታ ተሸፊኑ ስለ ዝነበረ: እቶም ፖሊስ ናይ ኮማንዶ መጥቃዕቲ ንኽፍጽም እተዳለወ መሰሎም። ብዛዕባ እቲ ኵነታት እቲ ድማ መግለጺ ክንህብ ኣድለየና!

ኣብቲ ናይ ኣገልግሎት ዕዮታትና ኣዚና ተባሪኽና ኢና። ሓደ መዓልቲ ኣብ ካርማርዘን ከሎና ካብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ለንደን ዝመጸ (ሕጂ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ዘሎ) ጆን ባር: ዘተባብዕ ምብጻሕ ገበረልና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ካርማርዘን ክልተ ኣስፋሕቲ ጥራይ ኢዮም ነይሮም፣ ሕጂ ግን ካብ ሚእቲ ንላዕሊ ዝዀኑ ኣለዉ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣብ ረክሳም ሰለስተ ጉባኤታት ኢየን ዘለዋ: ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ኣብ ሃቨርፈርድዌስት ንሓደ ጽቡቕ ዝዀነ ኣደራሽ መንግስቲ ናይ ምውፋይ መሰል ረኺበ ኢየ።​—1 ቈረንቶስ 3:6

በቲ እተዋህበኒ ኣገልግሎት አመስግን ኢየ

ኣብ ስዋንዚ ደቡብ ዌልዝ ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ: እቲ መገላግልተይ ዳን ረንደል: ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ናጻ ኣይነበረን። ኣንጻር እቶም ኣብ ካልእ ሃገራት ዘለዉ ክርስትያናት ብጾቱ ክዋጋእ ኢሉ ክኸይድ ሕልንኡ ክገብረሉ ከም ዘይክእል እኳ እንተ ገለጸሎም: ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጐነ። (ኢሳይያስ 2:⁠2⁠-​4፣ ዮሃንስ 13:⁠34, 35) ንዕኡ ምእንቲ ከተባብዖ ነቶም ጐረባብቲ ድማ ምስክርነት ምእንቲ ከብጽሓሎም: ነታ ዓባይ ፎኖግራፍ ኣብ ጥቓ እቲ ቤት ማእሰርቲ ገይረ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ከስምዕ ጀመርኩ።

ይኹን እምበር: ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ኣንስቲ እዚ ባህ ስለ ዘየበለን: ንወተሃደራት ገንዘብ ከፊለን ንዓይን ነቲ መካይድተይን ምእንቲ ከቐጥቅጣና: ቈብዕ እናአዞራ ገንዘብ ኣከባ። ካብቲ ቦታ ተላዒልና ብእተኻእለና መጠን እናጐየና: ኣነ ድማ ነታ ዓባይ ፎኖግራፍ እተሰከመት ዓረብያ እናደፋእኩ: ናብቲ ኣደራሽ መንግስቲ ክንዕቈብ ከድና። ኣብኡ ምስ በጻሕና ግን ተዓጽዩ ነበረ! ካብ ከቢድ ምቕጥቃጥ ክንድሕን ዝኸኣልና ሽዑ ንሽዑ ፖሊስ መጺኦም ነቲ ናዕቢ ጠጠው ስለ ዘበልዎ ጥራይ ኢዩ።

እቲ ኵነታት ኣጸቢቑ ተፈልጠ። ድሕሪኡ ገለ ግዜያት ጸኒሑ ኣብ ጥቓ ስዋንዚ ኣብ ዝርከብ ገጠር ከገልግል ከሎኹ ሓደ ሰብኣይ ደገፉ እናገለጸ “ክርስትና ማለት እቲ ንስኻትኩም እትጣበቕሉ ኢዩ: ከምቲ ኣብ ስዋንዚ ነቲ ዝኣምነሉ ብትብዓት ዝኣወጀ: ንኽዕቈብ ኢሉ ድማ ክሃድም እተገደደ መንእሰይ ማለት ኢዩ” በለ። እቲ መንእሰይ እቲ ኣነ ምዃነይ ምስ ፈለጠ ኣዝዩ ደንጸዎ!

ኣብተን ናይ ውግእ ዓመታት እቲኣተን ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ቀሊል ኣይነበረን። ብዙሕ ዓለማዊ ንብረት እኳ እንተ ዘይነበረና በቲ ዝነበረና ነማሱን ንሕጐስን ነበርና። ስርዓታዊ ዝዀነ መንፈሳዊ መግቢ ኵሉ ግዜ ንቕበል ነበርና: ክንሓምም ከሎና እንተ ዘይኰይኑ ኸኣ ኣኼባታት ኣብኲርና ኣይንፈልጥን። ሓንቲ ኣረጊት ብሽግለታ ዓደግኩ እሞ ፎኖግራፍን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትን ዝስከም ዓበይቲ ዘናቢል ነቐምጠላ ነበርና። ሓድሓደ ግዜ በታ ብሽግለታ ኣብ መዓልቲ 80 ኪሎ ሜተር ዝኣክል እጓዓዝ ነበርኩ! ንሸውዓተ ዓመታት ዝኣክል ፓይነር ኰይነ ኣገልገልኩ: ነዘን መዓልትታት እዚኣተን ኣጸቢቐ ኢየ ዝዝክረን።

ብ1946 ካልኣይ ውግእ ዓለም ምስ ተወድአ: ኣብ ቤትኤል: ማለት እቲ ኣብ ሃሃገሮም ዝርከብ ቀንዲ መሳለጥያታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝጽውዓሉ ቦታ: ከገልግል ተዓደምኩ። ሽዑ ቤትኤልና ኣብ 34 ክረቨን ተራስ: ካብቲ ለንደን ተበርናክል ዝበሃል ህንጻ ቀጺሉ ዘሎ ገዛ ኢዩ ዝርከብ ነይሩ። ምስቶም ኣብኡ ዝነበሩ ከም እኒ ኣላስ ሃርት ዝኣመሰላ: ኣቦኣ ታም ሃርት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ናይ መጀመርታ ምስክር ተባሂሉ ዝእመነሉ: ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ምሕዝነት ምግባር የሐጕሰኒ ነበረ።

እምንቲ ብጸይቲ ምርካብ

ብ1956: ንኤቲ: ሽዑ ነታ ኣብ ለንደን እትቕመጥ ዝነበረት ሓብታ ክትበጽሕ ኢላ ካብ ኔዘርላንድስ ምስ መጸት እተፋለጥኩዋ ፓይነር: ክምርዖ ካብ ቤት ኤል ወጻእኩ። እቲ ውግእ ኣብ ምውዳእ ገጹ ምስ ከደ: ኤቲ ቲልበርግ: ደቡብ ኔዘርላንድስ ኣብ ዝርከብ ናይ ንግዲ ኮለጅ ጽሕፈት መኪናን ሓጺር ኣገባብ ኣጸሓሕፋን ትምህር ነበረት። ሓደ መዓልቲ ካልእ መምህር ብሰላም ምእንቲ ክትኣቱ ኢሉ ብብሽግለታ ናብ ገዝኣ ኣብጽሓ። ኣብ ቤት ምስ በጽሑ ምስቶም ፕሮተስታንት ዝዀኑ ወለዲ ኤቲ ምይይጥ ጀመሩ። እናተቐራረቡ ስለ ዝኸዱ ድማ እቲ መምህር ኵሉ ሳዕ ናብ ቤቶም ይመጽእ ነበረ።

እቲ ውግእ ምስ ተወድአ ብኡንብኡ: እዚ መምህር እዚ ናብ ቤት ኤቲ መጺኡ “ንሓቂ ረኺበያ!” ብምባል ጨደረ።

ኣቦ ኤቲ “ናይ ሮማ ካቶሊክ ኣማኒ ኣብ ዝነበርካሉ ግዜ ሓቂ ሒዘ ኣሎኹ ትብል ነይርካ ይመስለኒ!” ኢሉ መለሰ።

ብስምዒት ተለዓዒሉ “ኣይፋለይን! ሓቂ ሒዞም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም!” በለ።

እታ ምሸት እቲኣን ብድሕሪኡ ድማ ብዙሕ ሳዕን ዓሚቝ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ተገብረ። ኤቲ ድሕርዚ ቀልጢፋ ፓይነር ኰነት። ኣብ ኣገልግሎታ ብርቱዕ ምጽራር የጋጥማ ነበረ: እዚ ምጽራር እዚ ኣብ ኔዘርላንድስ ካብቶም ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ⁠-​ክርስትያን ኢዩ ዝመጻ ነይሩ። ካብ ቤት ናብ ቤት ክትከይድ ከላ በቶም ኣቕሽሽቲ እተለዓዓሉ ቈልዑ ንዝርርባ የቋርጽዎ ነበሩ: ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኸኣ ንብሽግለታኣ ሰበሩላ። ንብሽግለታኣ ናብ ሓደ ቅድሚኡ ንእሽቶ መጽሓፍ ሂባቶ ዝነበረት ዓራይ ብሽግለታ ወሰደታ። እናበኸየት ድማ “እቶም ቈልዑ እንታይ ከም ዝገበሩ እሞ ርአ!” በለቶ።

እቲ ሰብኣይ ብሕያውነት “ኣጆኺ: ኣይትተሓለሊ: ሰናይ ዕዮ ኢኺ እትዓዪ ዘሎኺ: ንብሽግለታኺ ድማ ብጥርሑ ከዐርየልኪ ኢየ” ኢሉ መለሰላ። ከምቲ ዝበሎ ድማ የዐርዩላ ኢዩ።

ኤቲ: እቶም ኣቕሽሽቲ ምስ ሓደ ካብ መጓሰኦም መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ክሳዕ እትጅምር ብዛዕባ መጓሰኦም ከም ዘይግደሱ ተዓዘበት። ድሕርዚ ግን እቶም ኣቕሽሽትን እተን ደናግልን ነቲ ህዝቢ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ የሆዋን ዝነበሮ እምነት ንምድኻም ኣብቲ ከባቢ ይመጹ ነበሩ። ይኹን ድኣ እምበር: ብዙሕ ፍረ ዘለዎ ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ረኺባ ኢያ።

ነቲ ሓቢርና ዘሕለፍናዮ ናብራ አመስግን

ደድሕሪ መርዓና: ኤቲን ኣነን ኣብቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘሎ ናይ መገሻ ዕዮ ተመደብና: ዳርጋ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝኣክል ከኣ ብመንፈስ ምእንቲ ከነሐይለን ጉባኤታት ንበጽሕ ነበርና። ድሕርዚ ኣብቲ ኣብ ብሩክሊን ኒውዮርክ ዝርከብ ናይ ዓለም ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተኻየደ መበል 36 ክፍሊ ጊልዓድ ክካፈል ዕድመ ቀረበለይ። እቲ ብ1961 እተወድአ: ናይ ዓሰርተ ወርሒ ትምህርቲ: ሰብኡት ብፍላይ ኣብቲ ጨነፍር ኣብያተ ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ገይሮም ከም ዝዓዩ ንምልምማድ እተዳለወ ኢዩ ነይሩ። ኣነ ምስ ከድኩ: ኤቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ቤትኤል ለንደን ተረፈት። ምስ ተመረቕኩ ድማ ክልቴና ኣብኡ ተመደብና።

ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ 16 ዓመታት: ንናይ ጉባኤ ንጥፈታት ዝምልከት ጕዳያት ብምሓዝ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ሰራሕኩ። ድሕርዚ: ብ1978 እቲ ናይ ቤትኤል ተዓዛቢ ፕራስ ህዩዝ ምስ ሞተ: ኣብ ክንድኡ ተተካእኩ። ኣብ ኵሉ እቲ ዝሓለፈ ዓመታት ንኣባላት ናይታ እናዓበየት እትኸይድ ዘላ: ሕጂ ልዕሊ 260 በጺሕና ዘሎና ናይ ቤትኤል ስድራቤትና ድሕንነት ንምክትታል ሓላፍነት ምሓዝ ዓስቢ ዘለዎ መዝነት ኢዩ።

ብ1971 ክብርቲ ኣደይ ኣብ መበል 85 ዕድሚኣ ሞተት። ኣነን ኤቲን ንኽንቀብር ናብ ግላስተር ከድና: ኣብኡ ድማ ሓደ ሓው ነቲ ኣደይ ዝነበራ ሰማያዊ ተስፋ ዝገልጽ ጽቡቕ ዝርርብ ኣቕረበ። (ፊልጲ 3:​14) ዶረስን ግረይስን ኣሓተይ ንኣደይ ኣብ ግዜ እርግናኣ ፍቕራዊ ሓልዮት ስለ ዝገበራላ አመስግነን ኢየ: ከመይሲ ሳላ እቲ ዝገብርኦ ሓልዮት ኣነን ኤቲን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክንቅጽል ክኢልና ኢና።

ኣነን ኤቲን ብዛዕባ ወለድናን ከመይ ገይሮም ድማ ብፍቕራውን ጽኑዕን መገዲ ከም ዘዕበዩና ኵሉ ግዜ ነስተንትን ኢና። ከመይ ዝበለ ክንድዚ ክበሃል ዘይከኣል ዕዳ ኰን ኢዮም ዝእውዱና! ብፍላይ ኣደይ ንዓይን ንኣሓተይን ሰናይ ኣብነት ብምዃን ኣብ የሆዋን ኣብ ማሕበሩን ሞሳ ናይ ምርኣይ መንፈስ ሃኒጻትልና ኢያ።

እወ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዳስ መዓልቲ ንሰማያዊ ኣቦና የሆዋ እንገብሮ ኣገልግሎት ከነስተንትን ከሎና ልብና ብምስጋና ይጅርብብ። ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ ፈቃር ኣምላኽ ኰን ኢዩ! እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፍ መዝሙር “ዎ ኣምላኸይ: ንጉሰይ: ልዕል ከብለካ: ስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ክባርኽ እየ። ኵሉ መዓልቲ ኽባርኸካ: ስምካውን ንዘለኣለመ ኣለም ክውድስ እየ” ኢሉ ብምጽሓፍ ንስምዒትና ገሊጽዎ ኣሎ።​—⁠መዝሙር 145:​1, 2

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]

ምስ በዓልቲ ቤተይ: ኤቲ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ