ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/6 ገጽ 30-31
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽን ቄሳርን
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ናይ ቄሳር ንቄሳር ምሃብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • “ናብ ቄሳር ይግባኝ: ኢለ አሎኹ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/6 ገጽ 30-31

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ዝውሰድ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧

ነፍሲ ወከፍና ብምኽንያት እቲ ኣብ ህይወትና ዘሕለፍናዮ ተመክሮ ወይ ኵነታት: ብሕታዊ ስምዒታት ክህልወና ከም ዝኽእል ርዱእ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን: ካብቲ ብዙሓት ሰባት ኣብ ኣወሳስዳ ናይዚ ጕዳይ እዚ ዘለዎም ፖለቲካዊ መትከል ገለልተኛታት ንኸውን እኳ እንተዀንና: ብዛዕባ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ምስቲ ኣምላኽ ዘለዎ ሓሳባት ክንሰማማዕ ኢልና ክንፍትን ኢዩ ዘሎና።

ብሕጽር ዝበለ መገዲ ንምግላጽ: ኣምላኽ ኣብቲ እተጻሕፈ ቃሉ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ጌጋ ከም ዝዀነ ኣይሕብርን ኢዩ።

ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 9 እነንብቦ: ኣብ ምጅ​­ማር ሰብኣዊ ታሪኽ: የሆዋ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ዘለዎ ሓሳብ ገሊጹ ኢዩ። እዚ ነቶም ኣባሓጎታት ምሉእ ሰብኣዊ ዓሌት ዝዀኑ ኖህን ስድራቤቱን ዝምልከት ኢዩ። ካብታ መርከብ ምስ ወጹ: ኣምላኽ: እንስሳታት ክበልዑ ከም ዝኽእሉ: ማለት ቀቲሎም ደሞም ኣፍሲሶም ክበልዕዎም ነጊርዎም ኢዩ። ድሕርዚ ኣምላኽ: ኣብ ዘፍጥረት 9:​5, 6 ከምዚ በለ:⁠- “እቲ ነፍስኹም ዘለዎ ደምኩምሲ ኣነ ኽደልዮ እየ። ካብ ኢድ ኵሉ ኣራዊት ክደልዮ እየ። ነፍሲ ሰብ ድማ ካብ ኢድ ሰብ: ካብ ኢድ ሓዉ: ክደልያ እየ። ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ: እቲ ደም ሰብ ዜፍስስ: ደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ።” ስለዚ የሆዋ ኣብ ልዕሊ ቀተልቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ክወርድ ፈቒዱ ኢዩ።

ኣብቲ ኣምላኽ ከም ህዝቡ መጠን ምስ እስራኤላውያን ዝመላለሰሉ ዝነበረ እዋን: ኣንጻር እቲ መለኮታዊ ሕጊ እተገብረ ካልእ እተፈላለየ ከቢድ በደላት ብሞት የቕጽዕ ነይሩ ኢዩ። ኣብ ዘሁልቍ 15:30 እዚ ዝስዕብ ሰፊሕ ኣወዓዕላ ዝነበሮ ሓሳብ ነንብብ:⁠- “ወዲ ዓዲ ዀነ ወይ ጓና: እቲ ብልዕልቲ ኢድ [“ኰነ ኢሉ:” NW ] ሓጢኣት ዝገብር ሰብ ግና: ንሱ ንእግዚኣብሄር ኣዋሪዱ እዩ እሞ: እቲ ሰብ እቲ ኻብ ማእከል ህዝቡ ይመንቈስ።”

እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ምስ ተመስረተትከ፧ የሆዋ ሰብኣውያን መንግስታት ክቕጽሉ ፈቒዱ ኢዩ: ዝለዓሉ ስልጣናት ኢሉ ድማ ጸዊዕዎም ኢዩ። አረ: መጽሓፍ ቅዱስሲ ክርስትያናት ንመንግስታውያን ስልጣናት እዙዛት ክዀኑ ድሕሪ ምትብብዑ: “ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ: ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና: ኣገልጋሊ ኣምላኽ: ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ: ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ: ፍራህ” ብምባል እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ስልጣናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብምዃን ከም ዝዓዩ ኢዩ ዝዛረበሎም።​—⁠ሮሜ 13:​1⁠-4

እዝስ መንግስታት ነቶም ከቢድ ገበን ዝፈጸሙ ገበነኛታት እውን ከይተረፈ ክቐትሉ ስልጣን ተዋሂብዎም ኢዩ ማለት ድዩ፧ ካብቲ ኣብ 1 ጴጥሮስ 4:​15 ዝርከብ ቃላት: እወ: ኢልና ኢና እንድምድም። እቲ ሃዋርያ ኣብታ ጥቕሲ እቲኣ ንኣሕዋቱ ከምዚ ኢሉ ኣተባብዖም:⁠- “ሓደ ኻባኻትኩም ከም ቀታሊ: ወይስ ከም ሰራቒ: ወይስ ከም ገባር እከይ: ወይስ ኣብ ነገር ካልኦት ከም ዚጽምበር ኰይኑ መከራ ኣይጽገብ።” ነቲ ‘ሓደ ኻባኻትኩም ከም ቀታሊ ኰይኑ መከራ ኣይጽገብ’ ዝብል ሓሳብ ኣስተብሂልካሉዶ፧ ጴጥሮስ ሓደ ቀታሊ በቲ ዝፈጸሞ ገበን መንግስታት መከራ ከጽግብዎ መሰል ከም ዘይብሎም ኣይሓበረን። ብኣንጻሩ: ቀታሊ እቲ ዝግብኦ መቕጻዕቲ ብልክዕ ክቕበል ከም ዘለዎ ኢዩ ዝሓበረ። እዚ ብሞት ምቕጻዕ የጠቓልል ድዩ፧

ከጠቓልል ይኽእል ኢዩ። እዚ ካብቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 25 ዝርከብ ቃላት ጳውሎስ ክርአ ከም ዝከኣል ንጹር ኢዩ። ኣይሁድ ሕጎም ከም ዝጠሓሰ ገይሮም ንጳውሎስ ከሰስዎ። እቲ ኣዛዝ ሰራዊት ነቲ ናቱ እሱር ዝነበረ ጳውሎስ ናብቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ክልእኮ ከሎ: ከምቲ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 23:​29 ተገሊጹ ዘሎ ጸብጻብ ሃበ:⁠- “ስለ ኽርክር ሕጎም ከም ዝኸሰስዎ ረኸብኩ እምበር: ናብ ሞት ወይስ ናብ ማእሰርቲ ዜብጽሕ ክሲ ከቶ ኣይረኸብኩሉን።” ድሕሪ ክልተ ዓመታት ጳውሎስ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣማሓዳሪ ዝነበረ ፌስጦስ ቀረበ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 25:8 ከምዚ ነንብብ:⁠- “ጳውሎስ ድማ፤ ኣነ ንሕጊ ኣይሁድ ኰነ ንቤተ መቕደስ ወይስ ንቄሳር ኰነ ኣይበደልኩን: ኢሉ ተመጻረየ።” ሕጂ ግን ነቲ ናይ ሞት መቕጻዕቲ እውን ከይተረፈ ኣመልኪቱ: ብዛዕባ መቕጻዕቲ ዝሃቦ ሓሳባት ኣስተብህለሉ። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 25:10, 11 ከምዚ ነንብብ:⁠-

“ጳውሎስ ግና፤ ኣነ ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ እቐውም አሎኹ: ኣብኡ ኽፍረድ እየ ዚግብኣኒ: ንስኻ ኣጸቢቕካ ኸም እትፈልጥ ከኣ: ንኣይሁድ ኣይበደልክዎምን: ዐሚጸ ናብ ሞት ዜብጽሕ ገይረ እንተ ዀይነ ግና: ከይመውት እኳ ኣይልምንን እየ። እዚ ዚኸሱኒ ብኸምኡ እንተ ዀይኑኸ: ንኣታቶም ኣሕሊፉ ኺህበኒ ዚኽእል ከቶ የልቦን። ኣነ፤ ናብ ቄሳር ይግባኝ: ኢለ አሎኹ: በለ።”

ጳውሎስ: ኣብ ቅድሚ ብሕጊ ዝቘመ በዓል ስልጣን ደው ኢሉ: ቄሳር ንገበርቲ እከይ ክቐጽዕ: አረ ክቐትሎም እውን ከይተረፈ መሰል ከም ዘለዎ ተኣሚኑ ኢዩ። እቲ ሃዋርያ ገበነኛ እንተ ዝነብር እውን ነቲ ዝወርዶ መቕጻዕቲ ኣይምተቓወሞን። ብተወሳኺ ድማ: ቄሳር ንቐተልቲ ጥራይ ኢዩ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ከውርድ ግቡእ ዝዀነ ኣይበለን።

እቲ ናይ ሮማውያን ፍርዳዊ ኣገባብ ፍጹም ኣይነበረን፣ ሎሚ ዘሎ ሰብኣዊ ናይ ፍርዲ ኣገባብ እውን ከምኡ ምዃኑ ዘይከሓድ ኢዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ይኹን ኣብዚ ግዜ እዚ ገሊኦም ንጹሃት ሰባት ከም ገበነኛታት ተቘጺሮምን ተቐጺዖምን ኢዮም። ጲላጦስ እውን ከይተረፈ ብዛዕባ የሱስ ከምዚ በለ:⁠- “ንሞት ዚኸውን ምኽንያት ኣይረኸብኩሉን። ቀጺዔ ግዳ ኽፈትሖ: በሎም።” እወ: እቲ መንግስታዊ በዓል ስልጣን የሱስ ንጹህ ምንባሩ እኳ እንተ ኣመነ: እዚ ንጹህ ሰብኣይ እዚ ተቐቲሉ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 23:22⁠-​25

ከምዚ ዝበለ ዘይፍትሓውነት ንጳውሎስ ወይ ንጴጥሮስ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ብመሰረቱ ዘይስነ⁠-ምግባራዊ ኢዩ ዝብል ሓሳባት ከም ዝህቡ ኣይገበሮምን። ኣብ ክንድኡ: ኣምላኽ ኣብቲ ነገር ዘለዎ ሓሳባት: ናይ ቄሳር ዝለዓሉ ሰበ⁠-​ስልጣን ክሳዕ ዘለዉ ‘ንገባር እከይ ንምቕጻዕ: ሰይፊ ይዕጠቑ’ ኢዮም ዝብል ኢዩ። እዚ ድማ ንሰይፊ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ንምውራድ ምጥቃም ዘጠቓልል ኢዩ። ዝዀነ ይኹን ናይዛ ዓለም እዚኣ መንግስቲ ገበነኛታት ንምቕታል ዘለዎ መሰል ክጥቀመሉ ኣለዎ ድዩ የብሉን ንዝብል ኣካታዒ ሕቶ ዝምልከት ግን: ሓቀኛታት ክርስትያናት ጥንቁቕ ብዝዀነ መገዲ ገለልተኛታት ኢዮም ዝዀኑ። ከምቶም ናይ ህዝበ⁠-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ዘይኰነስ: ካብ ዝዀነ ይኹን ነዚ ኣርእስቲ እዚ ዝምልከት ክትዕ ይርሕቁ ኢዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ