ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 15/6 ገጽ 32
  • “ባሮት ጐይታና ክርስቶስ ኩኑ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ባሮት ጐይታና ክርስቶስ ኩኑ”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 15/6 ገጽ 32

“ባሮት ጐይታና ክርስቶስ ኩኑ”

ኣብ ምሉእ ታሪኽ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ናይ ባርነት ጾር ክስከሙ ጸኒሖም ኢዮም። ንኣብነት: እስራኤላውያን: ኣሽሓት ዓመታት ይገብር ኣብ ኢድ ግብጻውያን ጐይተት ብዙሕ ስቓይ ኣሕሊፎም ኢዮም። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጾ: ብፍላይ ኣብ ምስራሕ ሕጡብ ‘ብብርቱዕ ዕዮ ምእንቲ ኼጽብቡሎም ኣዘዝቲ ሸሙሎም።’​—⁠ዘጸኣት 1:​11

ኣብዘን ሎሚ ዘለዋ ብዙሓት ሃገራት: ሰባት ልክዕ ብኸምዚ ዓይነት መገዲ ባሮት ኣይኰኑን ይዀኑ: ብዙሓት ግን ኣብ ትሕቲ ­ኣድካሚ: ሓድሓደ ግዜ ድማ ዘይምቹእ: ኵነታት ንነዊሕ ሰዓታት ክሰርሑ ኣለዎም። ኣብ ትሕቲ ቁጠባዊ ባርነት ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝኽእል ከቢድ ዓይነት ጾር ኢዮም ዘለዉ።

ይኹን እምበር: ጾር ዘይኰነ ሓደ ዓይነት ባርነት ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣመንቲ ብጾት ከምዚ ብምባል ተማሕጸኖም:⁠- “ባሮት ጐይታና ክርስቶስ ኩኑ።” (ቈሎሴ 3:​24 NW ) እቶም ባሮት ክርስቶስ ክዀኑ ዝመርጹ ሰባት ካብቲ ዘለዎም ከቢድ ጽዕነት ዕረፍቲ ይረኽቡ ኢዮም። የሱስ ባዕሉ ከምዚ በለ:⁠- “ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን: ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ: ልበይ ትሑት: ኣርዑተይ ፈኵሽ: ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ: ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ: ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።”​—⁠ማቴዎስ 11:28-​30

ኣርዑት ክርስቶስ ምቕባል ንሓደ ሰብ ካብቲ ንስድራቤቱ ብስጋ ዘድሊ ንኽቕርብ ዘለዎ ግዴታ ናጻ ኣይገብሮን ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ይኹን እምበር: ካብቲ ደድሕሪ ስጋዊ ነገራት ብምስዓብ ዝመጽእ ብዙሕ ሕልኽላኻት ናጻ ይገብር ኢዩ። ክርስትያናት ስጋዊ ምቾት ምርካብ ኣብ ህይወቶም እቲ ቐንዲ ነገር ኣብ ክንዲ ዝገብርዎ: በቲ መሰረታዊ ዝዀነ ነገራት ዕግበት ይረኽቡ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:​6-​10፣ ምስ 1 ቈረንቶስ 7:​31 ኣረኣእዮ።

ክርስትያናት ነቲ “ብስራት” መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ዘለዎም ሓላፍነት ክፍጽሙ ከለዉ እውን ዕረፍቲ ይስምዖም ኢዩ። (ማቴዎስ 24:14) እዚ ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ኢዩ ዘምጽእ!

“ባሮት ጐይታና ክርስቶስ” ክንከውን ብምኽኣልና መመስገንቲ ክንከውን ኣሎና!

[ኣብ ገጽ 32 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]

Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ