ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/6 ገጽ 19-23
  • የሆዋ ተግባራቱ ብተኣማንነት ይፍጽም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ተግባራቱ ብተኣማንነት ይፍጽም
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዕላማ ዘይነበሮ ንእስነት
  • ሓድሽ ተኣማንነት ምዝውታር
  • ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ
  • ዝዓበየ ኣገልግሎት ኣብ ኣፍሪቃ
  • ናብ ኣፍሪቃ ተመለስና
  • ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘጋጠመና ሓድሽ ኵነታት
  • እታ ሚስዮናውያን ኴንና እተመደብናላ ሃገር ዓድና ዀነት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • በቲ ዓለምለኻዊ ሕውነትና ተበራታዕኩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • የሆዋ ኻብቲ እተጸበኽዎ ንላዕሊ ባሪኹኒ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ዝገበርክዎ ቕኑዕ ምርጫ ኣብ ምሉእ ህይወተይ በረኸት ኣምጸኣለይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/6 ገጽ 19-23

የሆዋ ተግባራቱ ብተኣማንነት ይፍጽም

ብፒተር ፓሊሰር እተዘንተወ

ታሕሳስ 1985 ኢዩ ነይሩ። እታ ነፋሪት ኣብቲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ናይሮቢ: ኬንያ: ክትዓልብ ክትጅምር ከላ ስምዒትና መመሊሱ ተለዓዓለ። ናብታ ከተማ ብመኪና ክንኣቱ ከለና ኸኣ እንፈልጦ ነገራት ብምርኣይናን ብምስማዕናን ተዘክሮታት ከም ውሕጅ ክመጽእ ጀመረ።

ናብ ኬንያ ዝመጻእና: “ሓለውቲ ንጽህና” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽንካፈል ኢዩ ነይሩ። ቅድሚ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ናይ ስብከት ዕዮና ስለ እተኣገደ: በዓልቲ ቤተይን ኣነን ካብ ኬንያ ክንወጽእ ተገደድና። ኣብኡ ኣብቲ ቤትኤል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ጨንፈር መሳለጥያታት: ንነብር ነበርና። ክንበጽሕ ተመሊስና ምስ መጻእናስ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘገርም ነገር ኰን ኢዩ ዝጸንሓና!

ኣብ ቤትኤል ናይ ምሳሕ መግቢ ንምቕራብ እትሕግዝ ዝነበረት ሓንቲ ጓል ክልተ ዓመት ከላ እንፈልጣ መንእሰይ ምስክር ኢያ። ብውሑዱ ሽዱሽተ ካብቶም ስድራ ቤትኤል ቈልዑ ከለዉ እንፈልጦም ሰባት ኢዮም ነይሮም። ሕጂ በጽሕታት ኰይኖም ምስ ስድራቤቶም ገና ኣብ ኣገልግሎት ንጡፋት ኰይኖም ክትርእዮምሲ ኣየ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን ኢዩ! “ምስቲ ሕያዋይ ሕያዋይ [“እሙን እሙን:” NW ] ትኸውን” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብጽዓ ብምስምማዕ የሆዋ ኣምላኽና ሓልዩሎም ኢዩ። (2 ሳሙኤል 22:⁠26) ኣብ መንጎ እቲ ኣነ ዘሕለፍክዎ ንእስነትን እቲ እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ዘሕልፍዎ ዘለዉ ዓስቢ ዘለዎ ህይወትን ኰን ኣየ ከመይ ዝበለ ፍልልይ ኢየ ዝረኸብኩሉ!

ዕላማ ዘይነበሮ ንእስነት

ብ14 ነሓሰ 1918 ኣብ ስካርበሮ ዓዲ እንግሊዝ ተወለድኩ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣደይን በደ ሓፍተይን ንካናዳ ከዳ: ስለዚ ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ሰለስተ ዓመታት ምስ ኣቦይን ኣዲኡን ሓፍቱን እነብር ነበርኩ። ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ምስ ኮንኩ ኣደይ ካብ ኣቦይ ጨውያ ናብ ሞንትረያል: ካናዳ: ወሰደትኒ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ከኣ ምስ ኣቦይ ክነብርን ክማሃርን ናብ ዓዲ እንግሊዝ መለሰትኒ።

ኣደይን በደ ሓፍተይን ዳርጋ ኣብ ሸሹድሽተ ወርሒ ይጽሕፋለይ ነበራ። ኣብ መወዳእታ ናይ ደብዳበአን ከኣ ንፉዕ ዜጋ: ንንጉስን ንሃገርን እሙን ክኸውን ዝነበረን ባህጊ ይገልጻለይ ነበራ። ሃገራውነትን ውግእን ጌጋ ኢዩ ኢለ ከም ዝኣምን ይጽሕፈለን ስለ ዝነበርኩ እቲ መልስታተይ ምናልባት የጕህየን ነይሩ ይኸውን ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብቲ ናይ ኰተቴ ዕድመይ ብሩህ ዝዀነ መምርሒ ስለ ዘይነበረኒ: ትርጕም ዘይብሉ ህይወት አሕልፍ ነበርኩ።

ድሕርዚ ብሓምለ 1939: ሽዱሽተ ሰሙን ካልኣይ ውግእ ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ: ኣብ ሰራዊት ብሪጣንያ ብሓይሊ ተኸተብኩ። ወዲ 20 ዓመት ጥራይ ኢየ ነይረ። እቲ ኣነ ዝነበርክዎ ግብሪ ሓይሊ ብኡንብኡ ናብ ሰሜን ፈረንሳ ተሰደ። ናይ ጀርመን ነፈርቲ ከጥቅዓና ከለዋ: ንሕና ኸኣ ጠበናጁና ተኺልና ናብአን ንትኵስ ነበርና። ዘፍርሕ ናብራ ኢዩ ነይሩ። ካብ ቅድሚ እቶም ዝደፍኡ ዝነበሩ ናይ ጀርመን ሰራዊት ነንሳሕብ ነበርና: ኣነ ኸኣ ካብቶም ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ሰነ 1940 ናብ ዳንካርክ ዝገዓዙ ኢየ ነይረ። ክሳዕ ሕጂ ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ፋሕ ኢሉ ዝነበረ ክንዲ ናይ ምሉእ በጦሎኒ ዝኸውን ሬሳ ክዝክሮ ከለኹ እስንብድ ኢየ። ካብቲ ዘባህርር ኵነታት እቲ ወጻእኩ ብሓንቲ ናይ ጽዕነት መጓዓዝያ ኸኣ ኣብ ሃርዊች: ምብራቓዊ ዓዲ እንግሊዝ: በጻሕኩ።

ኣብቲ ቀጺሉ ዝነበረ ዓመት: ኣብ መጋቢት 1941 ህንዲ ተመደብኩ። ኣብኡ ኸኣ ናይ ነፋሪት መሳርሒ መካኒክ ክኸውን ልምምድ ተዋህበኒ። ብምኽንያት ሕማም ንገለ ግዜ ሆስፒታል ኣትየ ድሕሪ ምጽንሐይ: ኣብ ሓደ ኣብ ደልሂ: ናይ ህንዲ ዋና ኸተማ: ዝርከብ ወተሃደራዊ ኣሃዱ ተቐየርኩ። ካብ ዓደይ ርሒቐ ብምንባረይ: ጥዕናይ ከኣ ጽቡቕ ብዘይምንባሩ: ብዛዕባ መጻኢ ክሓስብ ጀመርኩ። ብፍላይ ምስ ሞትና እንታይ ከም ዘጋጥመና እሓስብ ነበርኩ።

ሓድሽ ተኣማንነት ምዝውታር

ኣብ ደልሂ ሓደ በርት ገይል እተባህለ እንግሊዛዊ ብጻየይ ምሳይ ኣብ ሓደ ክፍሊ ይድቅስ ነበረ። ሓደ መዓልቲ “ሃይማኖት ናይ ሰይጣን ኢዩ ነይሩ” በለ: እዛ ዘረባ እዚኣ ኸኣ ተገዳስነተይ ኣለዓዓለት። ሰበይቱ ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይና ነበረት: በብግዜኡ ኸኣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ትሰደሉ ነበረት። ሓንቲ ካብዚ ጽሑፋት እዚ እታ ሆፕ እትብሃል ንእሽቶ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ተገዳስነተይ ማረኸት። እቲ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝሃበቶ ሓሳባት ናይ ህድኣት መንፈስ ሃበኒ።

ኣብ መጀመርታ ናይ 1943 በርት ምስ ሓደ ኣብቲ ወተሃደራዊ መዓስከር ምሳና ዝሰርሕ ዝነበረ ቴዲ ግሩበርት እተባህለ ናይ እንግሊዝን ህንድን ሓንፈጽ ዝዀነ ሲቭል ተዘራረበ። ቴዲ ምስክር ምዃኑ ምስ ፈለጥና ተገረምና። ብ1941 ንጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እገዳ ተገይርሉ እኳ እንተነበረ: ናብቲ መሰኻኽር ኣብ ደልሂ ዝገብርዎ ዝነበሩ ኣኼባታት ወሰደና። ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ህይወተይ ኣብታ ንእሽቶ ጉባኤ እቲኣ ናይ ሓቅን ምዉቕን ብጻይነት ረኸብኩ። ባዚል ሳቶስ እተባህለ ካብ ግሪኽ ዝመጸ ዓቢ ሓው ተገደሰለይ: ነቲ ዝነበረኒ ሕቶታት ከኣ መለሰለይ። ነቲ ስለምንታይ ከም እንኣርግን ከም እንመውትን: ትንሳኤ: ከምኡውን ብዛዕባ እታ ኣምላኽ እተመባጽዓ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ዝነበረኒ ሕቶታት ንጹር ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልስታት ሃበኒ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15፣ ሮሜ 5:⁠12፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠13፣ ራእይ 21:⁠3, 4

ብፍላይ እታ ፒስ ​—⁠ካን ኢት ላስት፧ እተባህለት ብ1942 እተሓትመት ንእሽቶ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ተገዳስነተይ ማረኸት። እቲ “ቀይሕ ኣራዊት” እተኣሳሰራ መንግስታት ምዃኑ ኣፍለጠት። (ራእይ 17:⁠3) ምዕራፍ 17 ቍጽሪ 11 ናይ ራእይ ብምጥቃስ እታ ንእሽቶ መጽሓፍ ከምዚ በለት:⁠- “ሕጂ እተኣሳሰራ መንግስታት ‘ዝነበረን ዘየሎን’ ክብሃል ይኽእል ኢዩ።” ቀጺላ ኸኣ ከምዚ ትብል:⁠- “እቲ ማሕበር ሃገራት ዓለም እንደገና ክትንስእ ኢዩ።” ሰለስተ ዓመት ጸኒሑ ብ1945 ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክቐውም ከሎ ልክዕ ከምኡ ኮነ!

ኣብቲ ናይ መሰኻኽር ጽሑፋት ተኣጊዱሉ ዝነበረ ግዜ: ነዞም ሓደስቲ ኣዕሩኽተይ ሓገዝኩዎም። ሓደ ካርቶን ናይታ ፒስ ​—⁠ካን ኢት ላስት፧ እትብሃል ንእሽቶ መጽሓፍ ክመጽእ ከሎ: ኣብ ስቱር ቦታ ምእንቲ ክቕመጥ እታ ጉባኤ ንዓይ ትህበኒ ነበረት። እተኣገደ ጽሑፍ ኣብ ናይ ሰራዊት መዓስከር ምድላይ መን ክሓስቦ ይኽእል፧ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ዝኸደሉ ግዜ: ነቶም ኣሕዋት ምእንቲ ክህቦም ሒደት ንኣሽቱ ጽሑፋት ሒዘ እኸይድ ነበርኩ። ገዝኦም ከይፍተሽ ክፈርሑ ከለዉ: ናይ ብሕቶም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት እውን ከይተረፈ እሓብኣሎም ነበርኩ። ኣብ መወዳእትኡ 11 ታሕሳስ 1944 እቲ እገዳ ተላዕለ።

እቲ ንክርስትያናዊ ትምህርቲ ዘሎኒ ተኣማንነት: ብ1943 በቲ ንኽፍሊ ሰራዊትና ተመዲቡ ዝነበረ ናይ ልደት በዓል ተፈተነ። የሱስ ኣብቲ ናይ ታሕሳስ ዛሕሊ ከም ዘይተወልደ: እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ከኣ ልደት ከም ዘየብዓሉ ስለ እተማሃርኩ ምክፋል ኣበኹ።​—⁠ምስ ሉቃስ 2:⁠8⁠-​12 ኣረኣእዮ።

እቲ “ሕቡራት ኣወጅቲ” ዝብል ኣሰምብሊ ካብ 27⁠-​31 ታሕሳስ 1944 ኣብ ጅብልፖር (ጃባልፑር) ክካየድ ከሎ: ኣብ መንጎ እቶም ኣብኡ ዝነበሩ 150 ተኣከብቲ ነበርኩ። ብዙሓት ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ተኻፈልቲ ካብ ደልሂ ብባቡር ምድሪ ልዕሊ 600 ኪሎ ሜተር ዝኸውን ርሕቀት ተጓዒዞም መጹ። እቲ ኣብ ክፉት ቦታ ተዳልዩ ዝነበረ እሞ ማሕበር የሆዋ ብኸመይ ከም እትዓዪ ብዕሊ ዝረኣኹሉ ዘገርም ሃዋሁ ፈጺመ ኣይርስዖን ኢየ።

እቶም ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ተኻፈልቲ ናብ ናይ ቤት ትምህርቲ መደቀሲ ኣተዉ፣ ኣብኡ ኸኣ ናይ መንግስቲ መዝሙራት ዘመርና: ዘሐጕስ ክርስትያናዊ ብጻይነት ከኣ ኣሕለፍና። ኣብቲ ዓቢ ኣኼባ: ኣብቲ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ንዓይ ኣዝዩ ክቡር ዝዀነ ናይ ህዝባዊ ምስክርነት ዕዮ: ክካፈል ጀመርኩ።

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ

ብ1946 ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተመለስኩ ብኡንብኡ ኸኣ ምስ ውልቨርተን ጉባኤ ክሓብር ጀመርኩ። ዓሰርተ ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ጥራይ እኳ እንተነበሩ: ፍዅስ ከም ዝብለኒ ገበሩ: ልክዕ ከምቲ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ህንዲ ዝነበሩ ኣሕዋተይ ዝነበረኒ ዕግበት እውን ረኸብኩ። ቪር ክሊፍተን ከም ቅንዕትን ምዉቕ ልቢ ዘለዋን ሰብ መጠን ኣብታ ጉባኤ ሓለፍ ዝበለት ኢያ ነይራ። ንሳውን ከማይ ፓይነር: ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዝወሃብ መጸውዒ: ናይ ምዃን ባህጊ ከም ዘለዋ ምስ ፈለጥኩ ብ24 ግንቦት 1947 ተመርዓና። ሓንቲ መንበሪ እትኸውን መኪና: ወይ ተንቀሳቓሲ ገዛ: ኣዳለኹ: ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ዓመት ከኣ ናይ መጀመርታ ናይ ፓይነር መደብና ሃንቲዶን ዝብሃል ዓዲ ተዋህበና።

ኣብቲ ግዜ እቲ ኣንጊህና ብብሽክለታና ናብቲ ናይ ገጠር ዞባታት ንነቅል ነበርና። እቲ ናይ ምሉእ መዓልቲ ስብከትና ንሓጺር ግዜ ፋዱስ ክንምሳሕ ከለና ጥራይ ኢዩ ዝቋረጽ ነይሩ። ብብሽክለታ ናብ ገዛ ክንምለስ ከለና ብርቱዕ ንፋስ ይሃሉ ወይ ብርቱዕ ማይ ብዘየገድስ: ኣብ ዕዮ ጐይታ ሕጕሳትን ዕጉባትን ኢና ነይርና።

ድሕሪ ገለ ግዜ ኣገልግሎትና ከነዕብን እቲ “ወንጌል” ኣብ ካልእ ዓዲ ንዘለዉ ካልኦት ሰባት ከነካፍሎምን በሃግና። (ማቴዎስ 24:⁠14) ስለዚ ኣብ ደቡብ ላንሲንግ: ኒው ዮርክ: ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ናይ ሚስዮናውያን ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ክንካፈል ሓተትና። ኣብ መወዳእትኡ: ኣብቲ ብለካቲት 1956 እተመረቐ ናይ መበል 26 ክፍሊ ጊልዓድ ክንኣቱ ተቐባልነት ረኸብና።

ዝዓበየ ኣገልግሎት ኣብ ኣፍሪቃ

ሚስዮናዊ መደብና ኣብ ኣፍሪቃ: ሰሜናዊ ሮደዥያ (ሕጂ ዛምቢያ) ኢዩ ነይሩ። ኣብኡ ድሕሪ ምብጻሕና ብኡንብኡ: ኣብ ቤትኤል ናይታ ዓዲ ከነገልግል ተሓተትና። ከም ክፍሊ ናይ ቤትኤል ዕዮይ ምስተን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝነበራ ጉባኤታት እጽሕሓፍ ነበርኩ። ሓንቲ ካብዘን ናይ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሃገራት ዝዀነት ኬንያ: ብ1956 ኣርባዕተ መሰኻኽር ጥራይ ኢዮም ነይሮማ: ኣብ ሰሜናዊ ሮደዥያ ግን ልዕሊ 24,000 ነበሩ። ቪርን ኣነን ኣብቲ ዝያዳ ዝድለየሉ ምግልጋል ክሳዕ ክንደይ ጽቡቕ ምዀነ ነይሩ ኢልና ክንሓስብ ጀመርና።

ካብኡ ዘይተሓስበ: ካልእ ናይ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዕድመ ተቐበልኩ: እዚ ነቶም ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዝዓዩ ተዓዘብቲ ዝዋሃብ ናይ ዓሰርተ ወርሒ ትምህርቲ ንምውሳድ ኢዩ ነይሩ። ንቪር ኣብ ሰሜናዊ ሮደዥያ ገዲፈ ናብ ኒው ዮርክ ሲቲ: ኣብቲ ግዜ እቲ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝነበረሉ ቦታ: ተጓዓዝኩ። ብሕዳር 1962 ትምህርቲ ድሕሪ ምውድአይ: ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ንምቛም ኬንያ ተመደብኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኬንያ ልዕሊ ሚእቲ መሰኻኽር ነበርዋ።

ናብ ቪር ንሰሜናዊ ሮደዥያ ክምለስ ከለኹ ንሓጺር ግዜ ናብ ናይሮቢ: ኬንያ ከላግስ ነበረኒ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ግን ቢል ኒዝበት ናይ ጊልዓድ ናይ መበል 25 ክፍሊ ምሩቕ: ኣብ ኬንያ ንምእታው ሽዑ ንሽዑ ሕጋዊ ፍቓድ ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ከም ዘሎ ዝገልጽ ብስራት ነገረኒ። ናብ ናይ ኤሚግረሽን ሰበ⁠-​ስልጣን ቀረብና: ኣብ ውሽጢ ሒደት ደቓይቕ ከኣ ንሓሙሽተ ዓመት ኣብ ኬንያ ከጽንሓኒ ዝኽእል ናይ ስራሕ ፍቓድ ረኸብኩ። ስለዚ ናብ ሰሜናዊ ሮደዥያ ፈጺመ ኣይተመለስኩን: ኣብ ክንድኡ ቪር ናባይ ናብ ናይሮቢ መጸት።

እተዳለወልና ናይ ቋንቋ ስዋሂሊ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳድና: ነታ ኣብ ናይሮቢ ዝነበረት ንእሽቶ ጉባኤ ኣብቲ ኣገልግሎት ሓበርናያ። ሓድሓደ ግዜ እቲ እንነግሮ ብስራት ብስዋሂሊ ድሕሪ ምንባብና: እቲ በዓል ቤት “እንግሊዝኛ ኣይርድኣንን ኢዩ!” ይብለና ነበረ። ከምዚ እኳ እንተነበረ: ብጻዕሪ ቀስ እናበልና ነቲ ናይ ቋንቋ ሓጹር ሓለፍናዮ።

እቲ ዞባና ከም የሩሳሌም: ያሪኮ ዝኣመሰለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስም ዘለዎ ገዛውቲ ዘጠቓልል ሰፊሕ ኢዩ ነይሩ። ብቕልጡፍ ተገዳስነት ማዕበለ: ካብዚ ከባቢታት እዚ ኸኣ ብዙሓት ሓደስቲ ኣስፋሕቲ ናይታ መንግስቲ ኮኑ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣብዞም ሰባት እዚኣቶም ኣየ ከመይ ዝበለ ውጽኢት ኰን ኢዩ ነይርዎ! ነታ መንግስቲ እሙን ምዃን ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ሕብረት ከምጽእ ከሎ: ስምዒት ናይ ቀቢላዊ ልዕልነት ጠፍአ። ኣብቶም መሰኻኽር ዘይኰኑ ዘይልሙድ ዝዀነ ነገር: ካብ እተፈላለየ ቀቢላ ምምርዓው እውን ኣብ መንጎ እቶም መሰኻኽር ተጀመረ።

ሓደስቲ ኣወጅቲ ናይታ መንግስቲ ንሓቂ ብቕንኢ ተቐበልዋ። ንኣብነት: ሳምሶን ኣብቲ ንሱ ዝነብረሉ ከባቢ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ክኣቱ ኣዝዩ ይህንጠ ብምንባሩ: ኣብኡ ፓይነራት ክለኣኹ ኵሉ ግዜ ይሓትት ነበረ። ንዕኦም ዝኸውን መንበሪ ንምድላው ኣብ ዞባ ኡካምባኒ ኣብ ገዝኡ ተወሳኺ ክፍሊ ሰርሐ። ኣብኡ ኸኣ ብቑልጡፍ ሓዳስ ጉባኤ ናይ ኣወጅቲ መንግስቲ ቈመት።

ኣብታ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እትርከብ ኢትዮጵያ ንዝነብሩ ኣሕዋትና ብዙሕ ግዜ እበጽሖም ነበርኩ። ማእሰርቲ: ምቕጥቃጥ: ከምኡውን ብቐጻሊ ጽኑዕ ምክትታል ይግበሮም እኳ እንተነበረ ብገምጋም 20 ሰዓታት ኣብ ወርሒ ኣብ ኣገልግሎት የሕልፉ ነበሩ። ሓደ ግዜ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣውራጃዊ ኣኼባ ንምክፋል ብኽልተ ኣውቶቡስ ንሓደ ሰሙን ሓደገኛ ዝዀነ ጎቦ ዝመልኦ መገድታት ብምሕላፍ ናብ ኬንያ መጹ። ኣብ ሃገሮም ናይታ መንግስቲ ጽሑፋት ንኽኣቱ ዝገበርዎ ምብልሓት ዝንኣድ ኢዩ ነይሩ። እቶም ኣብ ኬንያ ዝነበርና ኣሕዋት ከኣ ዘድልዮም ንኽወስዱ ክንሕግዞም ሕጕሳት ነበርና።

ዕዮና ብ1973 ኣብ ኬንያ ብሕጊ ተኣገደ: እቶም ሚስዮናውያን ከኣ ክወጹ ተገደዱ። ሽዑ ኣብ ኬንያ ልዕሊ 1,200 መሰኻኽር ነበሩ: ብዙሓት ካብዚኣቶም ከኣ ዘይርሳዕ ምፍናው ክገብሩልና ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ መጺኦም ነበሩ። እቲ ምምጽኦም ንሓደ ምሳና ዝጓዓዝ ዝነበረ ሰብ: ገለ ዓይነት ዝና ዘሎና እንተዄንና ከም ዝሓተና ገበሮ። ቪርን ኣነን ናብ ዓዲ እንግሊዝ ተመለስና: ኣብኡ ኸኣ ዕዮ ተዋህበና: እንተዀነ ግን ናብ ኣፍሪቃ ክንምለስ ሃረር ንብል ነበርና።

ናብ ኣፍሪቃ ተመለስና

ስለዚ ድማ ድሕሪ ሒደት ወርሓት ኣብቲ ኣብ ኣክራ: ርእሰ⁠-​ኸተማ ናይታ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ጋና: ዘሎ ቤትኤል ሓድሽ መዝነት ተቐበልና። ሓደ ካብቲ እተመደብኩሉ ዕዮታት ከኣ ምስቲ ኣብኡ ንዘለዉ ኣሕዋትና ዘጓንፎም ሽግራት ገጽ ንገጽ ከም ዝጋጠም ገበረኒ። ንስድራ ቤትኤል መግብን ዘድሊ ነገራትን ክዕድግ ከለኹ: በቲ ክቡር ዋጋ ናይ መግቢ ተገሪመ ኢየ። መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ሰብ እቲ ዘድሊ ነገራት ክዕድግ ኣይክእልን ኢዩ። ሕጽረት ነዳድን ዋሕዲ መቀያየሪ ኣቑሑትን ተወሳኺ ሽግራት ኣምጽአ።

ኣድላይነት ናይቲ ኣሕዋትና ደቂ ጋና ዘማዕበልዎ ትዕግስቲ ተማሃርኩ። እቲ ኣብ ህይወት ዘድሊ ነገራት ብጉቦ ንኽረኽብዎ ዝመጾም ዝነበረ ፈተና እናነጸጉ: ሕጕሳት ኰይኖም ክትርኢ ኣዝዩ ዘተባብዕ ኢዩ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: ኣብ ጋና ዘለዉ ህዝቢ የሆዋ በቲ ዝነበሮም ሓቀኝነት ኣዝዮም ፍሉጣት ኰኑ: ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰበ⁠-​ስልጣን ከኣ ጽቡቕ ስም ኣጥረዩ።

ንዋታዊ ሕጽረት እኳ እንተነበረ: መንፈሳዊ ብልጽግና ግን ይዓቢ ነበረ። ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትና ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ይርከብ ነበረ። ብ1973 ጋና ክንኣቱ ከለና 17,156 ዝነበረ ቍጽሪ ናይታ መንግስቲ ኣወጅቲ ብ1981 ናብ 23,000 ክበጽሕ ከሎ ረኣና። ኣብታ ዓመት እቲኣ ብምኽንያት እቲ ንዓመታት ዝኣክል ኣብ ህንድን ኣፍሪቃን እተወቓዕክዎ ጸሓይ ናይ ቈርበት መንሽሮ ሓመምኩ እሞ ንጋና ሓዲግና ስርዓታዊ ሕክምና ንምክትታል ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክንከይድ ተገደድና።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዘጋጠመና ሓድሽ ኵነታት

ምምላስና ኣብ ኣገልግሎተይ ብዙሕ ምትዕርራይ ምግባር ማለት ኢዩ ነይሩ። ንኣምላኽን መጽሓፍ ቅዱስን ምስ ዘኽብሩ ሰባት ናጻ ዄንካ ምዝራብ ኢየ ለሚደ ነይረ። ኣብ ለንደን ግን: ከምዚ ዝበለ ኣመለኻኽታ ሳሕቲ ኢየ ዝረክብ። ብጽንዓት ናይቶም ኣብ ብሪጣንያ ዘለዉ ኣሕዋትና እግረም ኢየ። እዚ ኣብቶም “ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ሰባት ዝያዳ ድንጋጽ ከማዕብል ኣድላዪ ምዃኑ ከም ዝርዳእ ገበረኒ።​—⁠ማቴዎስ 9:⁠36

ካብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምምላስና: ቪርን ኣነን ኣብ መበል 73 ዓመታ ብመስከረም 1991 ክሳዕ እትመውት: ኣብ ናይ ለንደን ቤትኤል ብሓንሳብ ኣገልጊልና ኢና። ኣብ ጎድነይ ኰይና ንብዙሕ ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ምሳይ ዝጸዓረት እምንቲ ብጸይቲ ምስኣን ቀሊል ኣይነበረን። ኣጸቢቐ ኢየ ዝናፍቓ። እንተዀነ ግን በቲ ካብታ 250 ኣባላት ዘለዉዋ ስድራ ቤትኤልና ዝረኽቦ ደገፍ ሕጕስ ኢየ።

ብሓቂ እቲ ንቕድሚት ዝኸይድ ዘሎ ናይ ማሕበር የሆዋ ምንቅስቓስ ክምከሮ: ከምኡውን ብዙሓት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ናብራ ህይወቶም ክገብርዎ ክርኢ ከም ፍሉይ መሰል ኢየ ዝቘጽሮ። ካብዚ ዝበልጽ ህይወት ከም ዘየለ ከረጋግጸልኩም እኽእል ኢየ: ከመይሲ “እግዚኣብሄር . . . ንቕዱሳኑ [“ንእሙናቱ:” NW ]  . . . ኣይሐድጎምን” ኢዩ።​—⁠መዝሙር 37:⁠28

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ካብ 1947 ክሳዕ 1955 ፓይነራት ኴንና ኣገልገልና

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ህንዲ ኣብ እተገብረ ዓቢ ኣኼባ ናይ መጀመርታ ግዜ ኣገልግሎት

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ሰሜናዊ ሮደዥያ ሚስዮናውያን ከለና

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእሊ]

ብ1985 ምስቶም ን12 ዓመት ዘይረኣኽዎም ኣዕሩኽ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ