ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ
ናብታ ቲኦክራሲያዊት ማሕበር የሆዋ ምህዳም
ነዊሕ ዓመታት ይገብር ነብዪ ኢሳይያስ ‘ንእግዚኣብሄር ኣብ ደሴታት ባሕሪ ኣኽብርዎ’ ኢሉ ንኽእውጅ ተደረኸ። (ኢሳይያስ 24:15) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንደሴታት ባሕሪ ከም ክፍሊ ናይቲ የሱስ “ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ” ዝበሎ “ሰብ ዝነብረሉ ምድሪ” ገይሮም ኢዩ ዝርእይዎ።—ማቴዎስ 24:14 NW ፣ ማርቆስ 13:10
ደሴታት ማርካዝስ ካብ ሰሜናዊ ምብራቕ ታሂቲ 1,400 ኪሎ ሜተር ርሒቐን ይርከባ። ክፍሊ ናይተን ፍረንች ፓልኒዣ ተባሂለን ዝጽዋዓ ኣብ ደቡባዊ ፓስፊክ ኣብ ርሑቕ ቦታ ዝርከባ እኩባት ደሴታት ከኣ ኢየን። ኣብዘን ፍርያም ዝዀነ ብእሳተ-ጎመራ ዝወጸ መሬት ዘለወን: ኵነታት ኣየረን ከኣ ሃሩር ዝዀነ ደሴታት ኣታኽልቲ ጽቡቕ ኢዩ ዝበቍል። ይኹን እምበር: ኣብ ማርካዝስ ካልእ ዓይነት ፍረታት እውን ይፈሪ ኣሎ። ኣብ ደሴት ሂቫ ኦዋ እትርከብ ሓንቲ ስድራቤት ብኸመይ ነቲ ናይ መንግስቲ መልእኽቲ ምላሽ ከም ዝሃብትሉ እሞ ተመልከት።
ዣንን ሰበይቱ ናዲንን በቲ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ናይ ምዕራባዊ ኣውሮጳ ስልጡን ዝበሃል ሕብረተ-ሰብ ሕጕሳት ኣይነበሩን። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብስራሕ ትሑዝ ዝዀነ ኣነባብርኦም ገዲፎም ምስ ወዶም ናብ ደሴታት ማርካዝስ ክኸዱ ወሰኑ። እቲ ብኣርቃይ እተሰርሐ ሓድሽ ገዝኦም ኣብ ምሕድግ ዝበለ ቑሸት ኢዩ ዝርከብ። ናብቶም ዝቐረቡ ጐረባብቶም ንምብጻሕ በቲ ዘይምቹእ መገዲ ናይቲ ጎቦ ንኽልተ ሰዓት ዝኣክል ክጓዓዙ ነበሮም። ናብቲ ዶክተር: ቤት ትምህርቲ: ከምኡውን ነጐሴ ዘለዎ ዝቐረበ ቁሸት ንምብጻሕ ድማ ብጂፕ ዝዓይነታ መኪና ሰለሰተ ሰዓት ይወስደሎም።
ዣንን ናዲንን ብሃይማኖት ኣይግደሱን ኢዮም ነይሮም። ይኹን እምበር: ብዛዕባ መበቆል ህይወት ኣብ ዝግበር ምይይጥ ይሳተፉ ነበሩ። መብዛሕትኡ ግዜ እተሓላለኸ ናይ ፍልቀት ክልሰ-ሓሳባት የማዕብሉ ነበሩ። ኵሉ እዚ ክልሰ-ሓሳባት እዚ ግን ዕግበት ኣየምጽኣሎምን።
ንሽዱሽተ ዓመታት ዝኣክል ተገሊሎም ድሕሪ ምንባሮም: ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ በጽሕዎም ደንጽይዎም ኢዩ። እቶም መሰኻኽር: ዣንን ናዲንን ዘለውዎ ቦታ ክፈልጡ ዝኸኣሉ ካብቶም ኣብ ጥቓኦም ዝርከቡ ደቂ ዓዲ ኢዮም። ከም እትጽበዮ: እቲ ዝርርብ ኣብ ናይ ፍልቀት ክልሰ-ሓሳብ ናብ እተመስረተ ምይይጥ ኣምርሐ። እቶም መሰኻኽር ቅዳሕ ናይታ ህይወት—ብኸመይ ኢያ መጺኣ፧ ብፍልቀትዶ ወይስ ብፍጥረት፧ እትበሃል ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ሒዞም ስለ ዝነበሩ እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ባህ በሎም። ዣንን ናዲንን ህይወት ከመይ ኢላ ኣብ ምድሪ ከም ዝጀመረት ዓሚቝ ምርመራ እትገብር መጽሓፍ ብምርካቦም ተሓጒሶም ኢዮም።
ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኸኣ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ። ዣንን ናዲንን ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ዝኸውን ቀጻሊ ምዕባለ ገበሩ። ድሕሪ ቀረባ ግዜ ምልእቲ ምድሪ ገነት ክትከውን ምዃና ኣመኑ። ውሉዳቶም ሰለስተ ምስ ኰኑ ግን: ኣርባዕተ ሰዓታት ተጓዒዞም ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ክካፈሉ ኣጸጋሚ ኰኖም። ይኹን እምበር: እዚ ካብ ምክፋል ኣይዓገቶምን። ኣብ መወዳእታ ድማ ዣንን ናዲንን ነቲ ናብ የሆዋ ዝገበርዎ ወፈያ ብማይ ጥምቀት ገለጽዎ። እዚ ኣብቲ ቀንዲ ቁሸት ኣብ እተገብረ 38 ዝለዓለ ቍጽሪ ተኣከብቲ ዝነበሮ ዓቢ ኣኼባ ኢዩ ተፈጺሙ!
እቶም ስድራቤት ነታ ንእሽቶ ጕጅለ ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ምእንቲ ክሕግዝዋ ነቲ ምሕድግ ኢሉ ዝርከብ ገዝኦም ክገድፉ ወሰኑ። ናብ ሓንቲ ሓደ ሽሕ ተቐማጦ ዘለዉዋ ቁሸት ከኣ ገዓዙ: ሕጂ ዣን ኣብቲ ከባቢ ኣብ እትርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ከም ኣገልጋሊ ጉባኤ ኰይኑ የገልግል ኣሎ። እዛ ቅድም ካብ ስልጣነ ከተምልጥ ኢላ ናብ ደሴታት ዝሃደመት ስድራቤት ነታ እንኮ ናይ ሓቂ ቅድስቲ ቦታ ማለት ናይ የሆዋ ቲኦክራሲያዊት ማሕበር ብምርካባ ከም መሰል ኢያ እትቘጽሮ።