ካልኦት ሕማቕ ድራኸ ከም ዘለዎም ገይርካ ካብ ምሕሳብ ተሓሎ
ሓደ ፍሉጥ ናይ ተለቪዥን ወንጌላዊ: ንሓደ ብጻዩ ሰባኺ ዝሙት ከም ዝፈጸመ ገይሩ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣምሪሩ ኣዋረዶ። ይኹን እምበር: ድሕሪ ሓደ ዓመት እቲ ዝኸሰሰ ሰባኺ ንባዕሉ ምስ ሓንቲ ኣመንዝራ ተረኽበ።
ኣብ ካልእ ጕዳይ ድማ ሓንቲ ካብተን ናይ ዓለም መራሕቲ ሃገራት: ንተዋጋእቲ ወገናት ናይ ሰላም ዘተ ክገብሩ ንምጽዋዕ ልኡኻት ሰደደት። እዛ ሃገር እዚኣ: ከምዚ እናገበረት ክነሳ: በቲ ኻልእ ሸነኽ ቢልዮናት ዶላር ዘውጽእ ኣጽዋር ንወጻኢ ሃገራት ንምሻጥ ነቶም ናይ ኣጽዋር ነጋዶኣ ብሕቡእ ኣዋፈረቶም።
ከምዚ ዝበለ ቅሉዕ ግብዝና ኣዝዩ ልሙድ ስለ ዝዀነ: ምትእምማን ብጥርጠራ ምትክኡስ ዘገርምዶ ኢዩ፧ ብዛዕባ ናይ ካልኦት ድራኸ ምጥርጣር ንብዙሓት ልምዲ ኰይንዎም ኢዩ።
ከም ክርስትያናት መጠን ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያታት ነቲ ምስ እሙናት ኣመንቲ ብጾትና ዘለና ርክብ ክትንክፎ ከይነፍቅደሉ ክንጥንቀቕ ኣለና። የሱስ ኣብ መንጎ ጸላእትና “ጠቢባን ከም ተመን” ክንከውን እኳ እንተ ኣጠንቀቐና: ኣብቶም ሓቀኛታት ሰዓብቱ ጥርጠራ ከነሕድር ከም ዘሎና ግን ኣይተዛረበን። (ማቴዎስ 10:16) ስለዚ እምበኣር: ካልኦት ሕማቕ ድራኸ ከም ዘለዎም ገይረካ ምሕሳብ ዘምጽኦ ሓደጋ እንታይ ኢዩ፧ ብፍላይ ኣብ ከመይ ዝበለ መዳያት ኢና ከምዚ ዝበለ ዝንባለ ከነርሕቕ ዘሎና፧ ነቲ ምስ ክርስትያናት ብጾትና ዘለና ክቡር ርክብ ክንሕልዎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ካብቲ ዝሓለፈ ምምሃር
ርግጽ ዝዀነ ምኽንያት ከይሓዝካ ንኻልኦት ሕማቕ ድራኸ ከም ዘለዎም ገይረካ ምሕሳብ ምስ ምፍራዶም ማዕረ ኢዩ። እቲ ዝብልዎ ቃላት ወይ ዝገበርዎ ተግባራት ናይ ተንኮል ወይ ድማ ነቲ ዝገበርዎ ሕማቕ ነገር መሸፈኒ ኢዩ ኢልና ናብ ጌጋ መደምደምታ ከም ምብጻሕ ኢዩ ዝቝጸር። ካብቲ ኣብ እያሱ ምዕራፍ 22 ዘሎ ጸብጻብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክንርእዮ ከም እንኽእል: ዝበዝሕ ግዜ ከምዚ ዝበለ ነገር ዝመጽእ ብዛዕባ እቲ ኵነታት ጌጋ ኣረኣእያ ብምሓዝ ኢዩ።
እስራኤላውያን ንምድሪ ተስፋ ንምሓዝ ዝገብርዎ ዝነበሩ ውግእ ብዓወት ወዲኦም: ነናይ ነገዶም ዶብ እተቐበልሉ እዋን ኢዩ ነይሩ። ነገድ ሮቤልን ጋድን ፈረቓ ነገድ ምናሴን ኣብ ጥቓ ሩባ ዮርዳኖስ “ዓብዪ ርኡይ” መሰውኢ ሃነጹ። እቶም ካልኦት ነገዳት ድማ: እዚ ናይ ክሕደት ተግባር ኢዩ ኢሎም ግጉይ ኣተሓሳስባ ኣሕደሩ። እዞም ሰለስተ ነገዳት እዚኣቶም ኣብ ክንዲ ናብቲ ናይ ኣምልኾ ቦታ ክኸውን እተመደበ: ኣብ ሽሎ ዝርከብ ድንኳን ምርኻብ ዝኸዱ ነዚ ዓቢ መሰውኢ ከም ዝጥቀሙ ተገይሩ ተወሲዱ ነበረ። እቶም ዝኸሰሱ ነገዳት ድማ ብኡንብኡ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ምድላዋት ገበሩ።—እያሱ 22:10-12
ብፊንሃስ ዝምራሕ ወግዓዊ ጕጅለ ልኡኻት ብምስዳድ ምስቶም እስራኤላውያን ኣሕዋቶም ምርኻቦም ግን ዝነኣድ ኢዩ ነይሩ። እቶም ከም በደለኛታት ተቘጺሮም: ኣንጻር የሆዋ እምነት ብምጥፋእ: ብምዕላው: ከምኡውን ብምኽሓድ ተኸሲሶም ዝነበሩ ነቲ ጕዳይ ምስ ሰምዕዎ: ስለምንታይ ነቲ ዓቢ መሰውኢ እቲ ከም ዝሰርሑ ገለጹ። እቲ እተሰርሐ መሰውኢ: መስዋእቲ ንምቕራብ ዘይኰነስ: ነቶም ናይ እስራኤል ነገዳት ንየሆዋ ኣብ ምምላኽ ሕብረት ከም ዘለዎም “ምስክር” ክኸውን ኢዩ ተሃኒጹ። (እያሱ 22:26, 27) እቶም ልኡኻት: ኣሕዋቶም ዝገበርዎ ጌጋ ከም ዘየለ ብምርግጋጽ ዓጊቦም ንዓዶም ተመልሱ። ስለዚ ድማ ውግእ ሓድሕድን ብዙሕ ምፍሳስ ደምን ክተርፍ ከኣለ።
ካልኦት ሕማቕ ድራኸ ከም ዘለዎም ገይርና ንምውሳድ ከይንቕልጥፍ ኣየ ከመይ ዝበለ ትምህርቲ ኰን ኢዩ! መብዛሕትኡ ግዜ: እቲ ብማዕዶ ኽትርእዮ ከሎኻ ሓቂ ዝመስል ነገር: ቀሪብካ ኽትምርምሮ ከሎኻ ኣዝዩ እተፈልየ ኰይኑ ኢዩ ዝጸንሕ። እዚ ኣብ ብዙሕ መዳያት ናብራ ናይ ሓደ ክርስትያን ዝረአ ኢዩ።
ንሽማግለታት ዘሎና ኣራኣእያ
ሽማግለታት ነቲ ‘ንጉባኤ ኣምላኽ ክጓስዩ’ ዘለዎም ሓላፍነት ክፍጽሙ ከለዉ: ሓድሓደ ግዜ ንእተፈላለዩ ውልቀ-ሰባት ምኽሪ ክህቡ ኣድላዩ ኰይኑ ይረኽብዎ ኢዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28 NW ) ንኣብነት: ሓደ ሽማግለ ብዛዕባ ናይ ደቅና ሕማቕ ዕርክነት ወይ ምስ ኣንጻር ጾታ ዝገብርዎ ዘይግቡእ ጠባይ ምስ ዝዛረበና ከመይ ይስምዓና፧ ከምዚ ምባሉ ብተንኰል ተላዒሉ ከም ዝዀነ ብምሕሳብ: ንገዛእ ርእስና ‘ንብስድራቤትና እኮ ኣይፈትወናን ኢዩ’ ንብልዶ ኢና፧ ከምዚ ዝበለ ስምዒታት ክጸልወና እንተድኣ ኣፍቂድናሉ: ዳሕራይ ከጣዕሰና ኢዩ። ናይ ደቅና መንፈሳዊ ድሕንነት ኣብ ሓደጋ ይህሉ ይኸውን: ስለዚ ድማ ንዝዋሃበና ሓጋዚ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ከነማስወሉ ኣሎና።—ምሳሌ 12:15
ሓደ ናይ ጉባኤ ሽማግለ ምኽሪ ክህበና ከሎ: ገለ ሕቡእ ድራኸ ከይህልዎ ኢልና ክንፈልጥ ሓርኰትኰት ኣይንበል። ኣብ ክንድኡስ: ካብቲ ዝህበና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ምኽሪ ክንጥቀመሉ እንኽእል ገለ መገዲ ኣሎዶ ኢልና ንገዛእ ርእስና ንሕተታ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ቅጽዓት ዘበለስ ንጊዜኡ ንጓሂ እምበር: ንሓጐስ ከም ዚኸውን ኣይመስልን እዩ: ንዳሕራዩ ግና ነቶም ዝለመድዎ ናይ ሰላም ፍረ ጽድቂ እዩ ዚፈሪ” ብምባል ጽሒፉ ኣሎ። (እብራውያን 12:11) ስለዚ እምበኣር መመስገንቲ ንኹን: ነቲ ኵነታት ድማ ኣርዚንና ንሕሰበሉ። ልክዕ ከምቲ ንዓና ምኽሪ ክንቅበል ዝኸብደና: ነቶም ሽማግለታት እውን ምኽሪ ክህቡና ክንድኡ ከም ዝኸብዶም ኣይትረስዕ።
ብዛዕባ ወለዲ ዘሎ ስምዒት
ገለ መንእሰያት ብወለዶም ሓድሓደ ቀይድታት ክግበረሎም ከሎ: ብዛዕባ እቲ ናይ ወለዶም ድራኸታት ክጠራጠሩ ይጅምሩ። ገለ መእንሰያት ‘ወለደይ ብዙሕ ሕግታት ዘውጽኡ ስለምንታይ ኢዮም፧ ንህይወት ከስተማቕራ ኣይደልዩንን ክዀኑ ኣለዎም፧’ ኢሎም ይሓቱ ይዀኑ። ይኹን እምበር: መንእሰያት ኣብ ክንዲ ከምዚ ዝበለ መደምደምታ ዝገብሩ: ነቲ ኵነታት ኣርዚኖም ክምርምርዎ ኣለዎም።
ወለዲ ንደቆም ክሓልዩ ብዙሕ ዓመታት ኣሕሊፎም ኢዮም። ብስጋውን ብኻልእ ነገራትን ክሓልዩሎም ብዙሕ መስዋእቲ ኢዮም ገይሮም። እሞ: ሕጂ ነቲ ናይ ኰተቴ ደቆም ህይወት ባህ ዘየብል ክገብርዎ ኢዮም ወሲኖም ኢልካ ምድምዳምሲ ምኽንያታዊ ድዩ፧ ንደቆም ክከላኸሉሎምን ክሓልዩሎምን ፍቕሪ ከም ዝድርኾም ገይረካ ክትሓስብ ዝያዳ ምኽንያታዊዶ ከይኰነ፧ ነቶም ሕጂ ኣብ ህይወቶም ሓድሽ ብድሆ ዘጋጥሞም ደቆም ቀይድታት ክገብሩሎም እተለዓዕሎም ከምዚኣ ዝበለት ፍቕሪዶ ከይኰነት፧ ነዞም ፈቃራት ወለዲ ሕማቕ ድራኸ ከም ዘለዎም ገይርካ ምሕሳብሲ ክሳዕ ክንደይ ዘይሰናይን ዘይምምስጋንን ኰን ኢዩ!—ኤፌሶን 6:1-3
ብዛዕባ ክርስትያናት ብጾትና ዘሎና ኣረኣእያ
ብዙሓት ናብ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምፍራድን ምዅናንን ዝዘበሉ ኢዮም። ንሕና ባዕልና ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ሒዝና እሞ ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ድማ ገለ ጥርጣረ ምስ ዝህልወና ድኣ እንታይ ይብሃል፧ በዚ መዳይ እዚ ዝመጸ: በቲ ናይ ዓለም ኣረኣእያ ንጽሎዶ፧
ንኣብነት: ሓደ ካብቶም መንፈሳውያን ኣሕዋትና ጽቡቕ ገዛን ክብርቲ ማኪናን ኣለዎ ንበል። እዚ ሰብ እዚ ንጥቕምታት መንግስቲ ኣምላኽ ዘየቐድም: ኣፍቃሪ ንዋይ ኢዩ ኢልና ብኡንብኡ ክንድምድምዶ ኣሎና ኢዩ፧ ገለ ክርስትያናት ምናልባት ጽቡቕ ነገራት ክህልዎም ይኽእል ይኸውን: እንተዀነ ግን እዚ ሕማቕ ድራኸ ኣለዎም ወይ ድማ ‘መንግስቱ ኣየቐድሙን’ ኢዮም ዘለዉ ማለት ኣይኰነን። ምናልባት ብዘይርአ መገዲ ነቲ ስጋዊ ጥሪቶም ንጥቕምታት ናይታ መንግስቲ እናዕበዩ: ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ኣዝዮም ትሑዛት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።—ማቴዎስ 6:1-4, 33
እታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ: ኵሎም ዓይነት ሰባት—ሃብታማትን ድኻታትን—ዝሓዘት ኢያ ነይራ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:34፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4፣ 6:17፣ ያእቆብ 2:5) ኣምላኽ ንሰባት በቲ ዘለዎም ስጋዊ ንብረት ኣይመዝኖምን ኢዩ: ንሕናውን ብእኡ ገይርና ክንመዝኖም የብልናን። ‘ሓንቲ እኳ በድልዎ ከይገበርና’ ነቶም እተፈተኑን እሙናትን ኣመንቲ ብጾትና: ከነፍቅሮም ኣለና።—1 ጢሞቴዎስ 5:21
ኣብዛ ኣብ ኢድ ሰይጣን ዘላ ዓለም: ምዅናንን ጥርጠራን እተፈላለየ መልክዕ ኢዩ ዘለዎ። ንኣብነት: ሓደ ሰብ ብምኽንያት መበቈሉ ጥራይ ከም ግፍዐኛ ወይ ኣፍቃሪ ንዋይ ከም ዝዀነ ገይርካ ይርአ ይኸውን። ይኹን እምበር: ከም ክርስትያናት መጠን ናይ ከምዚ ዝበሉ ኣረኣእያታት ግዳያት ክንከውን ኣይግብኣናን ኢዩ። ማሕበር የሆዋ ንኸምዚ ዝበለ ኣቐዲምካ ብሕማቕ ምፍራድን ጥርጠራን ዝኸውን ቦታ የብላን። ኵሎም ሓቀኛታት ክርስትያናት ነቲ “ዓመጻን ኣድልዎ ገጽን” ዘይብሉ የሆዋ ኣምላኽ ክመስልዎ የድልዮም።—2 ዜና መዋእል 19:7፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35
ብፍቕሪ ተደረኹ
መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” ይብል። (ሮሜ 3:23) ስለዚ ንብጾትና ኣምለኽቲ: ንየሆዋ ቅቡል ኣገልግሎት ንምቕራብ ክንጽዕር ከሎና ምሳና ዝሓብሩ ገይርና ክንርእዮም ኣለና። ጥርጣረ ወይ ድማ ካልእ ኣሉታዊ ስምዒታት ነቲ ምስ መንፈሳዊ ሓው ወይ ሓብቲ ዘሎና ርክብ ክትንክፎ ኣፍቂድናሉ እንተድኣ ኴንና: ግዳይ ሰይጣን ምእንቲ ኸይንኸውን ነዚ ከምዚ ዝበለ ኣረኣእያ ንኽንዋግኦ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ንለምን። (ማቴዎስ 6:13) ሰይጣን ንሄዋን የሆዋ ሕማቕ ድራኸ ከም ዘለዎ: ብዛዕባ ድሕንነታ ከም ዘይሓሊ: ከምኡውን ብሓቂ ሕጕስቲ ክገብራ ዝኽእል ናጽነት ከም ዝነፈጋ ገይሩ ኣእመና። (ዘፍጥረት 3:1-5) ኣሕዋትና ሕማቕ ድራኸ ከም ዘለዎም ገይርና ምሕሳብ ንናይ ሰይጣን ዕላማ ዝጠቅም ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 2:11፣ 1 ጴጥሮስ 5:8
ካልኦት ሕማቕ ድራኸ ከም ዘለዎም ገይርና ናይ ምሕሳብ ዝንባለ ከም ዘሎና እንተድኣ ተረዲእና: ነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣብነት ንርአ። ዋላ እኳ ፍጹም ወዲ ኣምላኽ እንተነበረ: ኣብቶም ደቀ መዛሙርቱ ሕማቕ ድራኸ ከይህሉ ንምፍላጥ ሃሰስ ኣይበለን። ኣብ ክንድኡስ ነቲ ዝነበሮም ጽቡቕ ነገር ኢዩ ዝርኢ ነይሩ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ምርኡይ ቦታ ንምሓዝ ክወዳደሩ ኸለዉ: ብልሽው ድራኸ ኣለዎም ብምባል ካልኦት 12 ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ክመርጽ ኣይሓሰበን። (ማርቆስ 9:34, 35) ዘይፍጹማት ስለ ዝነበሩ: በቶም ንዅርዓትን ናይ ደረጃ ፍልልይን ዝያዳ ኣቓልቦ ዝገብርሉ ዝነበሩ ከሓድቲ: ናይ ሰዓብቲ ኣይሁድነት ባህሊ ብገለ መገዲ ተጸልዮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። የሱስ እቲ መሰረታዊ ድራኸ ናይ ሰዓብቱ ፍቕሪ ንየሆዋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ነዚ ኸምዚ ዝበለ ፍቕሪ ብምንጽብራቖምን ምስ የሱስ ብምልጋቦምን ብዙሕ ዓስቢ ረኺቦም ኢዮም።—ሉቃስ 22:28-30
ንእሙናት ኣመንቲ ብጾትና ብጥርጠራ ንርእዮም እንተድኣ ዄንና: ንነገራት ብእተበላሸወ መስትያት ገይርካ ምርኣይ ማለት ኢዩ። እተበላሸወ መስትያት ንዝዀነ ይኹን ነገር ከምቲ ዘለዎ ገይሩ ኣየርእየካን ኢዩ። ስለዚ እምብኣር ብናይ ፍቕሪ መስትያት ገይርና ንርአ። እሙናት ክርስትያናት ብጾትና ከም ዘፍቅሩና: ሕያውነት ዘለዎ ሓልዮትና ድማ ከም ዝግብኦም ዘርኢ ብዙሕ መርትዖታት ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 13:4-8) ስለዚ እምብኣር: ፍቕሪ እነርእዮም: ከምኡውን ሕማቕ ድራኸ ከም ዘለዎም ገይርካ ካብ ምሕሳብ ንተሓሎ።
[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእሊ]
ነቶም ንኣምላኽ ብተኣማንነት ዘምልኹ ኻልኦት ብኸመይ ኢኻ እትርእዮም፧
[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእሊ]
ምትእምማንን ኣኽብሮትን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓንቲ ሕጕስቲ ስድራቤት ይገብሮም