ናኽማንዴዝ—ክርስትና ጌጋ ከም ዝዀነ ኣረጋጊጹ ድዩ፧
ማእከላይ መዋእል። ብዛዕባ እዚ ክትሓስብ ከሎኻ ኣብ እእምሮኻ ዝሰኣል እንታይ ኢዩ፧ ውግእ መስቀላውያን፧ ፍርዲ መናፍቓን፧ ስቓይ፧ እቲ ግዜ እቲ ቅሉዕ ሃይማኖታዊ ምይይጥ ዝግበረሉ ዝነበረ ተባሂሉ ዝፍለጥ እኳ እንተዘይኰነ: ኣብቲ እዋን እቲ: ብ1263 ግን ሓደ ካብቶም ኣብ ታሪኽ ኣውሮጳ ካብ እተገብሩ ኣዝዮም ፍሉያት ዝዀኑ ናይ ኣይሁድነት-ክርስትያን ክትዓት ተኻየደ። ኣብቲ ክትዕ በዓል መን ኢዮም ተኻፊሎም፧ እንታይ ጕዳያት ኢዮም ተላዒሎም ዝነበሩ፧ ሎሚ ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ንኸነለሊ እቲ ኽትዕ ብኸመይ ክሕግዘና ይኽእል፧
ነቲ ኽትዕ ብሃንደበት ዘለዓዓሎ እንታይ ኢዩ፧
ኣብ ብምልኡ ማእከላይ መዋእል: ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንገዛእ ርእሳ ከም ሓቀኛ ሃይማኖት ገይራ ኣቕረበታ። ይኹን እምበር: ኣይሁድውን ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽ ኢና ምባሎም ኣየቋረጹን ነበሩ። ንኣይሁድ እምነቶም ከተለውጦም ብዘይ ምኽኣላ: ነታ ቤተ-ክርስትያን ናብ ተስፋ ምቝራጽ ከምኡውን ብተደጋጋሚ ናብ ዓመጽን ስደት ምውራድን መርሓ። ኣብ እዋን ውግእ መስቀላውያን: ካብ ጥምቀት ወይ ሞት ሓዲኡ ክመርጹ ምርጫ ምስ ቀረበሎም ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣይሁድ ብጃምላ ተቐቲሎም ወይ ኣብ ዓንዲ ተሰቒሎም ብሓዊ ነዲዶም ኢዮም። እቲ እታ ቤተ-ክርስትያን ዘተባብዓቶ ጸረ-ኣይሁድ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣስፋሕፊሑ ነበረ።
ይኹን እምበር: ኣብ መበል 12 ከምኡውን 13 ክፍለ-ዘበናት ኣብ ካቶሊካዊት ስጳኛ ሓደ ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ ሰፊኑ ነበረ። ኣይሁድ—ንእምነት ክርስትና ዝጐድእ ነገር ክሳዕ ዘይገበሩ—ሃይማኖታዊ ሓርነት ተዋሂብዎም ነበረ: ከምኡውን ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ንጉስ ቤተ-መንግስቲ ኣገዳሲ ሓላፍነታት ተዋሂብዎም ነበረ። ከምዚ ዝበለ መሰል ካብ ዝዋሃቦም ሓደ ክፍለ-ዘበን ምስ ሓለፈ ግን: ናይ ዶሚኒከን ካህናት ነቲ ኣይሁድነት ኣብ ሕብረተሰብ ዝነበሮ ጽልዋ ንምድኻምን ንኣይሁድ ናብ ካቶሊክ ንምቕያርን ስጕምትታት ወሰዱ። ንናይ ኣራጎን ንጉስ ጄምስ ቀዳማይ ድማ ወግዓዊ ክትዕ ኽካየድ መደባት ክሰርዕ እቶም ዶሚኒከናውያን ጸቕጢ ገበርሉ: ዕላማ ናይቲ ክትዕ ኸኣ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖት ረብሓ ከም ዘይብሉን ኵሎም ኣይሁድ ሃይማኖቶም ክልውጡ ከም ዘለዎምን ንምርግጋጽ ኢዩ ነይሩ።
እዚ ኣብ መንጎ ኣይሁድን ክርስትያንን እተገብረ ክትዕ ናይ መጀመርታ ኣይነበረን። ብ1240 ኣብ ፓሪስ: ፈረንሳ: ሓደ ወግዓዊ ክትዕ ተኻይዱ ነበረ። ዕላምኡ ኸኣ ነቲ ናይ ኣይሁድ ቅዱስ መጽሓፍ ታልሙድ ሓቂ ምዃኑን ዘይምዃኑን ንምምርማር ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: እቶም ተሳተፍቲ ናይቲ ክትዕ ዝነበሩ ኣይሁድ ናይ ምዝራብ ናጽነት ዳርጋ ኣይነበሮምን። እታ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብቲ ክትዕ ዝረኸበቶ ዓወት ድሕሪ ምቅላሓ: ቅዳሓት ናይ ታልሙድ ኣብ ኣደባባያት ብጃምላ ነደደ።
እቲ ኣዝዩ ዕጉስ ዝነበረ ናይ ኣራጎን ንጉስ ጄምስ ቀዳማይ ግን ንኸምዚ ዝበለ ንስሙ ጥራይ እተገብረ ክትዕ ኣይፈቐደን። ነዚ ብምግንዛብ ከኣ እቶም ዶሚንከናውያን ፍሉይ ኣቀራርባ መሃዙ። ከምቲ ኺያም ማኮቢ ኣብታ ጁዳይዝም ኦን ትራያል እትበሃል መጽሓፉ ዝበሎ ንኣይሁድ “ከምቲ ናይ ፓሪስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንምዅናን ዘይኰነስ ሓለይትን ንምእማንን ብዝብል ሽፋን” ኢዮም ናብቲ ክትዕ ዝዓደምዎም። እቶም ዶሚንከናውያን ንፓብሎ ክርስቲያኒ ከም ቀንዲ ወኪሎም ገይሮም መዘዝዎ: ንሱ ካብ ኣይሁድ ናብ ካቶሊክ ዝቐየረን ናይ ዶሚንከን ካህንን ኢዩ ነይሩ። ፓብሎ ክርስቲያኒ ጽሑፋት ናይ ታልሙድን ራቢን ይፈልጥ ብምንባሩ: እቶም ዶሚንከናውያን ኣብቲ ኽትዕ ከም ዝረትዑ ርግጽ ኰይኑ ተሰመዖም።
ናኽማንዴዝ ስለምንታይ ተመሪጹ፧
ንኣይሁድነት ንምውካል ሓደ ሞሰስ ቤን ናኽማን ወይ ናኽማንዴዝ ዝበሃል ኣብ ስጳኛ ፍሉጥ ዝዀነ ሰብ ኣብቲ ክትዕ ነቲ ናይ ኣይሁድ ወገን ንምውካል ነቲ መንፈሳዊ ቦታ ሓዘ።a ናኽማንዴዝ ብ1194 ኣቢሉ ኣብ ከተማ ጄሮና ተወልደ: ኣብ ናይ ኰተቴ ዕድሚኡ ከሎ ኸኣ ድሮ ከም ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ታልሙድን ምሁር መጠን ናእዳ ኣትሪፉ ነበረ። ወዲ 30 ዓመት ክኸውን ከሎ: ብዛዕባ መብዛሕትኡ ክፍልታት ናይ ታልሙድ ርእይቶታት ጽሒፉ ነበረ: ልዕሊ 30 ዓመት ምስ ኰነ ኸኣ ነቲ ንናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ከይበታትን ኣስጊኡ ዝነበረ ጽሑፋት ናይ ማይማንዴዝ ዝምልከት ተላዒሉ ዝነበረ ክርክር ኣብ ምትዕራቕ ዝለዓለ ተሰማዕነት ነበሮ።b ናኽማንዴዝ ናይቲ እዋን እቲ ዝዓበየ ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ታልሙድን ምሁር ከም ዝዀነ ኢዩ ዝቝጸር ነይሩ: ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ኣይሁድነት ጽልዋ ካብ ዝገበሩ ካብ ማይማንዴዝ ቀጺሉ መበል ካልኣይ ኢዩ ነይሩ።
ናኽማንዴዝ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ካታሎንያ ዝነበሩ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ዓቢ ጽልዋ ገይሩ ኢዩ: ንጉስ ጄምስ ቀዳማይ ከይተረፈ እውን ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት መንግስቲ ከማኽሮ ይሓቶ ነይሩ ኢዩ። እቲ በሊሕ ናይ ኣተሓሳስባ ክእለታቱ ብኣይሁዳውያን ይኹን ብኣህዛብ ክብሪ ዝዋሃቦ ኢዩ ነይሩ። እቶም ዶሚንከናውያን ንኣይሁድ ብዘየዳግም መገዲ ከሕፍርዎም ምእንቲ: እቲ ውሩይ ራቢኦም ክካታዕ ከም ዘለዎ ተገንዚቦም ነበሩ።
ናኽማንዴዝ ግና ዶሚንከናውያን ፍትሓዊ ዝዀነ ምይይጥ ንኽገብሩ ድሌት ከም ዘይብሎም ብምግንዛብ: ንምክታዕ ኣዕጠጠየ። ሕቶታት ጥራይ ክምልስ እምበር ዝዀነ ይኹን ሕቶ ክሓትት ኣይክእልን ነበረ። ይኹን እምበር: መልሲ ክህብ ከሎ ናጻ ዀይኑ ምዝራብ ክፍቀደሉ ብምሕታት ነቲ ናይ ንጉስ ሓሳብ ተሰማማዓሉ። ንጉስ ጄምስ ቀዳማይ ከኣ ነዚ ተሰማማዓሉ። ከምዚ ዝበለ ናጻ ናይ ምዝራብ ፍቓድ ኣብ ማእከላይ መዋእል ተዋሂቡ ኣይፈልጥን: እዚ ኸኣ እቲ ንጉስ ኣብ ልዕሊ ናኽማንዴዝ ዝነበሮ ልዑል ግምት ህያው መርትዖ ኢዩ። ገና ግን ናኽማንዴዝ ፍርሂ ነበሮ። ኣብቲ ኽትዕ ከም ሓያል ተጻራሪ እንተድኣ ተቘጺሩ: ንዕኡ ይኹን ንናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብ ዝኸፍአ ሳዕቤን ኢዩ ዝኸውን። ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ዓመጽ ክለዓል ይኽእል ነበረ።
ኣብ መንጎ ናኽማንዴዝን ፓብሎ
ክርስትያኒን እተገብረ ክትዕ
እቲ ክትዕ እተገብረሉ ቦታ: ኣብቲ ኣብ ባርሴሎና ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ናይቲ ንጉስ ነበረ። ብ20, 23, 26 ከምኡውን ብ27 ሓምለ 1263 ኣርባዕተ ኣኼባታት ከኣ ተገብረ። እቲ ንጉስ ንነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ባዕሉ መርሖ: እተፈላለዩ ሓለፍቲ ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን እውን ተኣኪቦም ነበሩ: ካብቶም ናይቲ ከባቢ ኣይሁድ እውን ተረኺቦም ነበሩ።
እታ ቤተ-ክርስትያን በቲ ውጽኢት ናይቲ ክትዕ ፈጺማ ኣይተጠራጠረትን። እቶም ዶሚንከናውያን ዕላማ ናይቲ ኽትዕ ‘ሓቂ ኣየናይ ምዃኑ ብምጥርጣር ነቲ እምነት ኣብ ክርክር ንምእታው ዘይኰነስ: ነቲ ናይ ኣይሁድ ጌጋ ንምእላይን ነቲ ጽኑዕ እምነት ናይ ኣይሁድ ንምጥፋእን’ ከም ዝዀነ ኣብቲ ወግዓዊ መግለጺኦም ኣፍለጡ።
ናኽማንዴዝ ወዲ 70 ዓመት እኳ እንተ ነበረ: ነቲ ክትዕ ኣብ መሰረታዊ ጕዳያት ጥራይ ከም ዘተኵር ንምግባር ብምጽዓር ነቲ ምስትውዓል ዘለዎ ናይ ምሕሳብ ክእለቱ ኣርኣየ። ከምዚ ብምባል ከኣ ምዝራብ ጀመረ:- “ኣብ መንጎ ኣህዛብን ኣይሁድን [ቅድሚ ሕጂ] እተኻየዱ ክትዓት ነቲ መሰረታዊ ስርዓት ናይ እምነት ዘይትንክፍ ንብዙሕ መዳያት ናይ ሃይማኖታዊ ምኽባር በዓላት ዝምልከት ኢዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: ኣብዚ ቤተ-መንግስቲ እዚ እቲ ክትዕ ኣብቲ ነቲ ምሉእ ክርክር ዝምልከት ጕዳያት ጥራይ ክኸውን ኢየ ዝምነ።” ሽዑ እቲ ክትዕ መሲሕ ድሮ መጺኡ ድዩ ወይስ ኣይመጸን: ኣምላኽ ድዩ ነይሩ ወይስ ሰብ: ከምኡውን እቲ ሓቀኛ ሕጊ ምስ ኣይሁድ ድዩ ዘሎ ወይስ ምስ ክርስትያናት ኣብ ዝብሉ ኣርእስትታት ክሕጸር ስምምዕ ተገብረ።
ፓብሎ ክርስቲያኒ ኣብቲ ናይ መጀመርታ መጐተኡ መሲሕ ድሮ ከም ዝመጸ ካብ ታልሙድ ብምጥቃስ ከእምን ከም ዝኽእል ገለጸ። ናኽማንዴዝ ድማ ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ እቶም ንታልሙድ እተቐበሉ ራቢታት ስለምንታይ ደኣ ንየሱስ ዘይተቐበልዎ፧ ብምባል ተዳረጎ። ክርስቲያኒ ንመጐተታቱ ኣብቲ ብሩህ ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ከም ዘተኵር ኣብ ክንዲ ዝገብር: ነቲ ሓሳባቱ ንምርጓድ ኢሉ ካብቲ ናይ ራቢ ጽሑፋት ብተደጋጋሚ ጠቐሰ። ናኽማንዴዝ ካብቲ ናይ መዘራረቢ ኣርእስቲ ወጻኢ ይጥቀስ ምህላዉ ብምግላጽ እዚ ጌጋ ከም ዝነበረ ሓደ ብሓደ ገለጸ። ናኽማንዴዝ በቲ ዕድሚኡ ምሉእ ዘጽንዖ ጽሑፋት ገይሩ ብምምጓት ናእዳ ከትርፍ ይኽእል ከም ዝነበረ ትጽቢት ምግባር ምኽንያታዊ ኢዩ ነይሩ። ክርስቲያኒ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክጠቅስ ከሎ እውን ከይተረፈ: እቲ ዘምጽኦ መርትዖታት ነቶም ብቐሊሉ ጌጋ ከም ዝዀኑ ክረጋገጹ ዝኽእሉ ነጥብታት ዘጕልሕ ነበረ።
ናኽማንዴዝ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ተቐይዱ እኳ እንተ ነበረ: ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ብኣይሁድን ካልኦት ምኽንያታውያን ሰባትን ተቐባልነት ዘይረኸበትሉ ምኽንያት ዘርኣየ ሓያል መርትዖ ከቕርብ ክኢሉ ነበረ። ንናይ ስላሴ ሰረተ-እምነት ዝምልከት ድማ “እቲ ናይ ሰማይን ምድርን ፈጣሪ . . . ድሕርዚ ኸኣ ኣብ ኢድ እቶም . . . ዝቐተልዎ ጸላእቱ ንኽወድቕ ናብ ማሕጸን ናይ ሓንቲ ኣይሁዳዊት ሰበይቲ ሓሊፉ . . . ኢሉ ንኽኣምን ኣእምሮ ናይ ዝዀነ ይኹን ኣይሁዳዊ ወይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣይፈቅድን ኢዩ” ብምባል ብግልጺ ተዛረበ። ናኽማንዴዝ ንጹርን ሓጺርን ብዝዀነ መገዲ ገይሩ “እቲ እትኣምንዎ—ናይ እምነትኩም መሰረት ከኣ ኢዩ—ዘስተውዕል ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ዘይቅበሎ ኢዩ” ብምባል ገለጸ።
ናኽማንዴዝ ነቲ ገና ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ንብዙሓት ኣይሁድ የሱስ እቲ መሲሕ ምዃኑ ንምቕባሉውን ከይተረፈ ከም ዘይዋሓጠሎም ዝገብሮም ዘይምቅዳው ብምጕላሕ: ነቲ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሐ ናይ ደም ገበን ኣጋነነ። ከምዚ ድማ በለ:- “እቲ ነብዪ ኣብ ግዜ እቲ መሲሕ . . . ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ ኢዮም፣ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይከልዕልን ኢዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይክማሃሩን ኢዮም ኢሉ ይገልጽ። ካብ መዓልትታት ናይቲ ናዝራዊ ክሳዕ ሕጂ: ምልእቲ ዓለም ብዓመጽን ዘመተን መሊኣ ኣላ። [አረ]: ክርስትያናት ካብ ካልኦት ህዝብታት ዝያዳ ደም ይኽዕዉ: ዘይስነ-ምግባራዊ ናብራ እውን ይነብሩ ኢዮም። ጐይታይ ንጉስ ድሕሪ ደጊም ውግእ ዘይማሃሩ ነይሮም እንተ ዝዀኑ ንስኻን ፈረሰኛታትካን ክሳዕ ክንደይ ኰን ምተሸገርኩም ነይርኩም!”—ኢሳይያስ 2:4
ድሕሪ እቲ ራብዓይ ኣኼባ እቲ ንጉስ ነቲ ክትዕ ደው ኣበሎ። ንናኽማንዴዝ ከኣ “ግጉይ ክነሱ ከምዚ ናትካ ገይሩ ዝማጐት ሰብ ፈጺመ ኣይረኣኹን” በሎ። ናይ ኣርጎን ንጉስ ጄምስ ቀዳማይ ነቲ ንናኽማንዴዝ ድላዩ ንኽዛረብን ዕቝባ ንኽረክብን ዝኣተዎ ቃል ብምሕላው 300 ዲናር ህያብ ብምሃብ ንቤቱ ሰደዶ። እቲ ናይ ጀሮና ኣቡን ብዝሓተቶ መሰረት ከኣ: ናኽማንዴዝ ብዛዕባ እቲ ክትዕ ናይ ጽሑፍ መዝገብ ኣዳለወ።
እቲ ዛዛሚ ዓወት ክቃላሕ ከሎ: እቶም ዶሚኒከናውያን ብግልጺ ጕህዮም ኢዮም። ድሕርዚ: ነቲ ብዛዕባ እቲ ክትዕ ዝገልጽ ጽሑፋቱ ከም መርትዖ ብምጥቃም ንቤተ-ክርስትያን ጸሪፉ ኢሎም ኣንጻር ናኽማንዴዝ ክሲ መስረቱ። በቲ እቲ ንጉስ ንናኽማንዴዝ ዝነበሮ ጽቡቕ ኣተሓሕዛ ስለ ዝጓሃዩ ኸኣ ናብ ጳጳስ ቅሌምንጦስ ራብዓይ ይግባይ በሉ። ናኽማንዴዝ ልዕሊ 70 ዓመት ገይሩ እኳ እንተ ነበረ: ካብ ስጳኛ ተሰጐ።c
ሓቂ ኣበይ ኢያ ክትርከብ እትከኣል፧
እቲ ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ወገናት እተኻየደ ክትዕ ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ንምልላይ ሓጊዙዶ፧ ነፍሲ ወከፎም ንጕድለት ናይቲ ኣንጻሮም እኳ እንተ ኣጕልሑ: ብዛዕባ ሓቂ ግን ብሩህ ሓሳባት ኣየቕረቡን። እቲ ናኽማንዴዝ ውሕሉል ብዝዀነ መገዲ ጌጋ ከም ዝነበረ ዘረጋገጾ ናይ ሓቂ ክርስትና ዘይኰነስ: ነቲ ብህዝበ-ክርስትያን ድሕሪ የሱስ ዘበናት ጸኒሑ እተማህዘ ከም ስላሴ ዝኣመሰለ ሰብ ዝኣለሞ ሰረተ-እምነት ኢዩ ዝነበረ። እቲ ናኽማንዴዝ ብድፍረት ዘጋለጾ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ዘይስነ-ምግባራዊ ኵነታትን ብዘይ ንሕስያ ዘፍሰሰቶ ደምን እውን እንተዀነ ኣብ መዝገብ ታሪኽ ሰፊሩ ዘሎ ኣሉ ዘይበሃሎ ጕዳያት ኢዩ።
ምስ ከምዚ ዝበለ ኵነታት እምበኣር: ናኽማንዴዝ ይኹን ካልኦት ኣይሁድ ነቲ ብወገን ክርስትና ዝቐረበ መርትዖታት ዘይተቐበልሉ ምኽንያት ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኰነን። ብተወሳኺ ድማ: ናይ ፓብሎ ክርስቲያኒ መርትዖታት ኣብቲ ብሩህ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይኰነስ: ኣብቲ ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ናይ ራቢ ጽሑፋት እተመስረተ ኢዩ ነይሩ።
ከም ሓቂ ግን: ናኽማንዴዝ ነቲ ሓቀኛ ክርስትና ጌጋ ከም ዝዀነ ኣየረጋገጸን። ኣብ ግዚኡ እቲ ናይ ሓቂ ብርሃን ናይ የሱስ ትምህርትን ናይ መሲሕነቱ መረጋገጽን ብሓሶት ተሸፊኑ ነበረ። ምምጻእ ናይ ከምዚ ዝበለ ናይ ክሕደት ትምህርቲ የሱስን ሃዋርያትን ተነብዮምሉ ነይሮም ኢዮም።—ማቴዎስ 7:21-23፣ 13:24-30, 37-43፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:1-3፣ 2 ጴጥሮስ 2:1, 2
ይኹን እምበር: ሎሚ እታ ሓቀኛ ሃይማኖት ብግልጺ ክትልለ ትኽእል ኢያ። የሱስ ብዛዕባ ናይ ሓቂ ሰዓብቱ ከምዚ በለ:- “ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። . . . ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ: እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ።” (ማቴዎስ 7:16, 17) እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምልላይ ተግባር ክትገብር ንዕድመካ ኣሎና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅዱስ ጽሑፋዊ መርትዖታት ንኽትረክብ ዕላማ ዘለዎ ምርምር ንኽትገብር ክሕግዙኻ ኣፍቅደሎም። ከምኡ እንተ ገይርካ ናይ ኵሉ እቲ ምስቲ መሲሕን ግዝኣቱን እተተሓሓዘ መብጽዓታት ኣምላኽ ክትማሃር ኢኻ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a መብዛሕትኦም ኣይሁድ ንናኽማንዴዝ “ራምባን” ኢሎም ኢዮም ዝጽውዕዎ: እዛ ስም እዚኣ ካብተን “ራ ቢ ሞ ዘዝ ቤ ን ና ኽማን” ዝብላ ናይ እብራይስጢ ቃላት እተን ናይ መጀመርታ ፊደላት ብምውሳድ ዝቘመት ኢያ።
b “ማይማንዴዝ—እቲ ኣይሁድነት እንታይ ከም ዝመስል እንደጋና ዘነጸረ ሰብኣይ” ዝብል ዓንቀጽ ኣብ ናይ 1 መጋቢት 1995 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 20-3 ርአ።
c ብ1267 ናኽማንዴዝ ናብዛ ሕጂ እስራኤል እትበሃል ዘላ ሃገር በጽሐ። እተን ናይ መወዳእታ ዓመታት ዕድሚኡ ኣሳልጦ ዝነበረን ነበራ። ኣብ የሩሳሌም ንህላወ ኣይሁድነት እንደገና ኣረጋገጸ: ማእከል ናይ መጽናዕቲ ኸኣ ኣቘመ። ብዛዕባ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መጀመርታ መጻሕፍቲ ዝሓዘ ቶራሕ እውን ርእይቶ ኣዳለወ: ከምኡውን ናይታ ኣብ ሰሜናዊ ገማግም እትርከብ ከተማ ኣከር ዝርከብ ዝነበረ ማሕበረሰብ መንፈሳዊ መራሒ ኰነ: ኣብኡ ድማ ብ1270 ሞተ።
[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]
ናኽማናዴዝ ንጕዳዩ ኣብ ባርሴሎና ኢዩ ተማጒትሉ
[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ኣብ ገጽ 19-20 ዘሎ ስእላዊ መግለጺታት:- Reproduced From Illustrirte Pracht - Bibel/Heilige, Schrift des Alten und Neuen Testaments, nach der, deutschenUebersetzung D. Martin Luther’s