ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣህጉራዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ክገብሩ ኢዮም
ኣማሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ 1998 ኣህጉራዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ክግበር መዲቡ ኣሎ። እዚ ምልክታ እዚ: ዓመታዊ ኣኼባ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ፐንሲልቫንያ ብቀዳም 5 ጥቅምቲ 1996 ኣብ ጀርሲ ሲቲ ኣሰምብሊ ሆል ክግበር ከሎ ምስ ተነግረ ውዕዉዕ መልሲ ኢዩ ረኺቡ።
ምስቲ ልሙድ ኣውራጃዊ ኣኼባታት: ኣብ መፋርቕ ናይ 1998 ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ብዙሕ ኣህጉራዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ክግበር ኢዩ። እዚ ኣኼባታት እዚ ካብ ብዙሕ ክፍልታት ምድሪ ዝመጹ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ መሰኻኽር ብሓንሳብ ከራኽቦም ትጽቢት ተገይርሉ ኣሎ። ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሃገራት ዝውክሉ ኣብቲ ኣኼባ ምእንቲ ክርከቡ: እተን ልዕሊ 100 ዝዀና ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናብ ሓንቲ ኣህጉራዊ ዓቢ ኣኼባ ዝግበረላ ናይ ሰሜን ኣመሪካ ከተማ ኣጋይሽ ክልእካ ውሱን ቍጽሪ ክወሃበን ኢዩ።
ኵላቶም ናብ ሰሜን ኣመሪካ ክኸዱ ዝደልዩ: ክኸዱ ኢዮም ማለት ከም ዘይኰነ ፍሉጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብዙሓት ኣሽሓት ሰባት ናብቲ ጥቓ ዓዶም ዝግበር ኣህጉራዊ ዓቢ ኣኼባ ምክፋል ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ክልተ ወይ ሰለስተ ሃገራት ኣውሮጳ: ኣብ ካልእ ኸኣ ኣብ ኣፍሪቃ: እስያ: ላቲን ኣመሪካ: ሳውዝ ፓስፊክ: ከምኡውን ኣብ ካሪብያን ኣህጉራዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ክግበር ምድላዋት ይግበር ኣሎ።
ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ: ናይ ማሕበር ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ነተን ኣብቲ ዞብአን ዘለዋ ጉባኤታት ኣበየነይቲ ከተማ ወይ ከተማታት ናይ ዓቢ ኣኼባ ተዓዲመን ከም ዘለዋ ክነግርአን ኢየን። ብዛዕባ ናይቲ ዓቢ ኣኼባ ዕለታትን ኣብኡ ዝካፈሉ ኣጋይሽ ንምምራጽ ዘሎ ምድላዋትን ሓበሬታ ክወሃብ ኢዩ። እቶም ኣብ ምርጫ ናይ ዝካፈሉ ኣጋይሽ ንኽኣትዉ ቅጥዒ ክመልኡ መደብ ዘለዎም: ኣብዚ ፍሉይ ፍጻመ እዚ ንኽካፈሉ ተስፋ ብምግባር ገንዘብ ምውህላል ክጅምሩ ይኽእሉ ኢዮም።
ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኽኽር ኣብዚ ናይ 1998 ኣህጉራዊ ኣኼባታት ተነቢሩሎም ዘሎ ነገር ኣማዕድዮም ክጥምቱ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ኵለን ሃገራት ዝግበር ኣውራጃዊ ኣኼባታት ተመሳሳሊ ፕሮግራም ክህልዎ ኢዩ።