ናይ 403 ዓመት ዝምድና ኣብ ሓደጋ ኢዩ ዘሎ
ኣብ ሽወደን: ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ንልዕሊ 400 ዓመታት ዝኸውን ዝጠበቐ ዝምድና ኣስተማቒሮም ኢዮም። ሕጂ ግን እቲ ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ዝነበረ ናይ ሓዳር ማእሰር እናላሕለሐ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ሉተራውነት ከም ሃገራዊ ሃይማኖት ኰይኑ ብ1593 ቈመ: ኵሎም ሽወደናውያን ከኣ ኣባላቱ ብምዃን ክጥመቑ ነበሮም። ዓመታት ጸኒሑ ግን: ኣብ 1850ታት: ምትዕርራይ ተገብረ። ድሕሪ ደጊም ሽወደናውያን ክጥመቑ ኣድላይነት ኣይነበሮን፣ ይኹን እምበር: ገና ከም ኣባላት ናይ ሉተራዊት ቤተ-ክርስትያን ይቝጸሩ ነበሩ። ብመሰረት እዚ ኸኣ: ነታ ቤተ-ክርስትያን ንምሕጋዝ 1 ሚእታዊት ካብቲ ግብሪ እተኸፍሎ ኣታዊኦም ክኸፍሉ: ከምኡውን ነቲ በታ ቤተ-ክርስትያን ንዝወሃብ ገለ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ክኸፍሉ ይሕተቱ ነበሩ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ድማ ካልእ ለውጢ ተገብረ። ካብ 1952 ጀሚሩ: ሽወደናውያን ብሕጋዊ መገዲ ካብታ ቤተ-ክርስትያን ክወጹ: በዚ ኸኣ ነቲ ዝዓበየ ክፋል ግብሪ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ካብ ምኽፋል ናጻ ክዀኑ ይኽእሉ ነበሩ።
ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ሉተራዊት ቤተ-ክርስትያን ነቲ ኣብ ሽወደን ዘለዋ ናይ ምቍጽጻር ዓቕሚ እናሰኣነት ትኸይድ ኣላ። እዚ ዘይተርፍ ኢዩ: ምኽንያቱ ኣይሁድ: ካቶሊክ: ከምኡውን ኣመንቲ ምስልምና ሓዊስካ ካብቶም ናይ ሽወደን ተቐመጥቲ 10 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ ኣመንቲ ሉተር ዘይኰኑ ስደተኛታት ኢዮም። በዚ ኸኣ ኢዩ: ኣብ ምጅማር ናይ 1996 ኣባላት ሉተራዊት ቤተ-ክርስትያን 86 ካብ ሚእቲ ሽወደናውያን ጥራይ ዝነበሩ: እቲ ቝጽሪ ድማ እናኣንቈልቈለ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ።
እቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ቤተ-ክርስትያንን መንግስትን ከም ዝነጻጸል ይገብር ኣሎ። ድሮ እኳ: እቲ ንጉስ ግድን ኣማኒ ሉተር ክኸውን ከም ዘየድልዮ: ካብ ኣመንቲ ሉተር ዝዀኑ ወለዲ እተወልዱ ቈልዑ እውን ብቐጥታ ኣባላት ናይታ መንግስታዊት ናይ ሉተር ቤተ-ክርስትያን ኰይኖም ከም ዘይቍጸሩ ተኣዊጁ ኣሎ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ: ዘ ዳላስ ሞርኒን ኒውስ ኢልዎ ከም ዘሎ ኣብ 2000 “ናይቲ ከባቢ ኣቕሽሽትን እቲ መንግስትን ክጻበጸቡን ነቲ ሕጂ ቤተ-ክርስትያን እትውንኖ ዘላ ብብዙሕ ዝትመን ንብረት ክማቐልዎን ኣለዎም። እታ ቤተ-ክርስትያን ነቲ መብዛሕትኡ መንግስቲ ካብ ግብሪ ዝእክቦ 1.68 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝኸውን ዓመታዊ ባጀታ ከተጕድሎ ኣለዋ።” ድሕሪ 2000 ኣብ ክንዲ መንግስቲ እታ ቤተ-ክርስትያን ባዕላ ኣቡናታ ክትሸይም ኢያ።
ንህዝበ-ክርስትያን ናይ ዘይምግዳስ ስምዒትን ምንቍልቋል ቍጽሪ ኣባላትን እናኣጋጠማ ከሎ: ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን እናሰሰኑ ይኸዱ ኣለዉ። ናይ 1997 ዓመት መጽሓፍ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብታ ሃገር እቲኣ 24,487 ኣስፋሕቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘለዉ ይሕብር: ናብ 10 ካብ ሚእቲ ዝጸጋግዑ ድማ ናይ ምሉእ ግዜ ፓይነራት ብምዃን ይሰብኩ ኣለዉ። ብዙሓት ካብዚኣቶም ንዝለዓለ መሰል ናይ ኣገልግሎት ይመጣጠሩ ኣለዉ። ንኣብነት: ኣብቲ ብ1995 እተኻየደ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: 20 ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ናብቲ ኣብ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዝወሃብ ሚስዮናዊ ትምህርቲ ክኣትዉ ሓተቱ። ኣብቲ ግዜ እቲ: ናይተን ዝሓለፋ ክፍልታት ምሩቓት ዝዀኑ ኣብ እተፈላለየ ኵርንዓት ዓለም ሚስዮናውያን ኰይኖም ዘገልገሉ 75 ሽወደናውያን ኣብኡ ነበሩ። ብዘይ ጥርጥር እምበኣር: እቲ ጽቡቕ ኣብነቶምን ዘተባብዕ ደብዳበታቶምን ከምኡውን እቲ ናብ ሽወደን ዝገበርዎ ምብጻሓት ነቶም ነዚ ዓቢ መሰል እዚ ዝሓስቡ ዘለዉ ኣሕዋት ዘለዓዕሎም ኢዩ።
በዚ ኸኣ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ኣባላት ህዝበ-ክርስትያን ናይ ፍናን ውድቀት ከጋጥሞም ከሎ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ‘ብሓጐስ ልቢ እልል ይብሉ’ ኣለዉ።—ኢሳይያስ 65:13, 14
[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ካርታ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ሽወደን