ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/4 ገጽ 27-29
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትዝክሮዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ናይ ቄሳር ንቄሳር ምሃብ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ካብ ኵሉ ንላዕሊ ፍትሒ እተረግጸሉ ቤት ፍርዲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንእስራኤላውያን እተዋህቦም ሕጊ ኣምላኽ፡ ፍትሓውን ቅኑዕን ድዩ ነይሩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/4 ገጽ 27-29

ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ

ሓደ ክርስትያን ኣብ መንጎ እቶም ንኽዳንዩ ካብ ህዝቢ እተ​ዋጽኡ ሰባት ንኽህሉ ምስ ዝጽዋዕ እንታይ ክገብር ይግባእ፧

ኣብ ገሊአን ሃገራት: እቲ ፍርዳዊ ኣገባብ ካብቶም ዜጋታት እተዋጽኡ ሰባት ንዳንነት ይምዝዝ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገባብ ኣብ ዘለዎ ቦታታት: ሓደ ክርስትያን ኣብዚ ዕዮ ዳንነት እዚ ክኣቱ ምስ ዝጽዋዕ እንታይ ክምልስ ከም ዘለዎ ክውስን ይግባእ። ብዙሓት ክርስትያናት ካብ ንጹህ ሕልና ተላዒሎም ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ምክፋል: ከምቲ ሲድራቅ: ሚሳቅ: ዓብድ⁠-ኔጎ ኣብ ጐልጐል ዱራ ክመጹ ምስ ተነግሮም ነቲ ናይ ባቢሎን ምምሕዳር ዘውጽኦ መምርሒ እተኣዘዙ ከምኡውን ዮሴፍን ማርያምን ነቲ ናይ ሮሜ ሰበ⁠-ስልጣናት ናብ ቤት⁠-ልሄም ከይዶም ክምዝገቡ ዜውጽእዎ መመርሒ ዝሰዓቡ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣይክልክሎን ኢዩ ኢሎም ደምዲሞም ኢዮም። (ዳንኤል 3:⁠1⁠-12፣ ሉቃስ 2:⁠1⁠-4) ይኹን እምበር: ቅኑዓት ክርስትያናት ክሓስብሎም ዝኽእሉ ረቛሒታት ኣለዉ።

ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ህዝቢ ብእተዋጽኡ ሰባት ዝግበር ናይ ዳንነት ዕዮ ዓለምለኻዊ ኣይኰነን። ኣብ ገሊአን ሃገራት: ሲቪላውን ገበናውን ጕዳያት ብክኢላ ዳኛ ወይ ድማ ብጕጅለ ደያኑ ኢዩ ዝግበር። ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ ልምዳዊ ሕጊ ኢዩ ዝዓዪ: ካብ ህዝቢ እተዋጽኡ ደያኑ ምምዛዝ ድማ ክፍሊ ናይቲ ፍርዳዊ መስርሕ ኢዩ። ገና ግን ብዙሓት ሰባት እዞም ነዚ ዕዮ እዚ ዝጽውዑ ሰባት ብኸመይ ከም ዝምረጹን እንታይ ከም ዝገብሩን ንጹር ዘይኰነ ምርዳእ ኢዩ ዘለዎም። ስለዚ እምበኣር ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዳንነት ተጸዋዕ ኣይትጸዋዕ ብዘየገድስ: ብዛዕብኡ ሓፈሻዊ ፍልጠት ክህልወካ ጠቓሚ ኢዩ።

ህዝቢ ኣምላኽ ንየሆዋ ከም ዝለዓለ ፈራዲ ገይሮም ኣፍልጦ ይህብሉ ኢዮም። (ኢሳይያስ 33:22) ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: ቅኑዓትን ኣድልዎ ዘይገብሩን ተመክሮ ዘለዎም ሰብኡት ዘይምርድዳእ ከደቅሱ ከምኡውን ንሕጊ ዝምልከት ሕቶታት ክውስኑ ከም ፈራዶ ኰይኖም የገልግሉ ነይሮም ኢዮም። (ዘጸኣት 18:13⁠-22፣ ዘሌዋውያን 19:15፣ ዘዳግም 21:18⁠-21) ኣብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ እዋን እቲ ፍርዳዊ ዕዮ በቲ ናይ ኣይሁድ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝነበረ ሳንሄድሪን ኢዩ ዝግበር ነይሩ። (ማርቆስ 15:1፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:27⁠-34) እቲ ተራ ኣይሁዳዊ ኣብቲ ሲቪላዊ ዳንነት ናይ ምእታው ኣጋጣሚ ኣይነበሮን።

ካልኦት ሃገራት ካብቶም ዜጋታት ብእተዋጽኡ ሰባት ዝቘመ ጕጅለ ደያኑ ይጥቀማ። ሶቅራጥስ ካብ ህዝቢ ብእተዋጽኡ 501 ደያኑ ኢዩ ተፈሪዱ። ዋላ እኳ እቶም ሃጽያት ምስ መጹ እንተ ኣልገሰ: እዚ ካብ ህዝቢ ብእተዋጽኡ ሰባት ዝግበር ዳንነት ኣብ ናይ ሮሜ ረፑብሊክ እውን ነይሩ ኢዩ። ጸኒሑ: ናይ ዓዲ እንግሊዝ ንጉስ: ሄንሪ ራብዓይ: ሓደ ተኸሳሲ ብጐረባብቱ ክፍረደሉ ዝኽእል ኣገባብ ጀመረ። ነቲ ተኸሳሲ እቶም ጐረባብቱ ስለ ዝፈልጥዎ: እቲ ናቶም ዳንነት ካብቲ እቲ ተኸሳሲ ብምክታዕ ወይ ማህረምቲ ብምጽማም ንጹህ ምዃኑ ዘረጋግጸሉ መገዲ ይሓይሽ ኢዩ ዝብል ስምዒት ነበረ። ግዜ እናሓለፈ ምስ ከደ: እዚ ከምዚ ዝበለ ዳንነት ተቐየረ: ጕጅለ ዜጋታት ነቲ ጕዳይ ሰሚዖም ብመሰረት መርትዖታት ኣብ ውሳነ ከም ዝበጽሑ ተገብረ። ኣብቲ ናይ መርትዖ ነጥብታት ምእካብ ሓደ ክኢላ ዳኛ ይሕግዞም።

ኣብ ዓይነት ናይቶም ካብ ህዝቢ እተዋጽኡ ጕጅለ ደያኑ: ኣብ ብዝሖም: ኣብ ውሳነ ንምብጻሕ ዝጥቀምሉ ኣገባብ ይፈላለ ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ካብ 12 ክሳዕ 23 ብዝዀኑ ኣባላት ዝቘመ ግራንድ ጁሪ (ብዝሕ ዝበሉ ኣባላት ዘለውዎ ካብ ህዝቢ እተዋጽአ ጕጅለ ደያኑ): ሓደ ሰብ ከም ገበነኛ ኰይኑ ክኽሰስ እኹል መርትዖ ኣለዎ ድዩ የብሉን ይውስኑ ኢዮም፣ ገበነኛ ወይ ንጹህ ኢሎም ግን ኣይብይኑን ኢዮም። ብተመሳሳሊ: ኣብ ናይ ኮርነርስ ጁሪ (ንኽሓቱ ካብ ዜጋታት እተመዘዙ ሰባት) እቶም ኣባላት: ገበን ምፍጻሙን ዘይምፍጻሙን ንምውሳን መርትዖታት ይርእዩ።

መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ እዚ ካብ ህዝቢ ብእተዋጽኡ ሰባት ዝግበር ዳንነት ክሓስቡ ከለዉ: ካብ ህዝቢ ብእተዋጽኡ 12 ዜጋታት ዝቘመ መጋባእያ ዘለዎ ጕጅለ: ብዛዕባ ሲቪላዊ ባእሲ ወይ ናይ ገበን ጕዳይ መርትዖታት ብምስማዕ ገበነኛ ወይ ንጹህ ኢሎም ንምውሳን ዝእከቡ ገይሮም ኢዮም ዝሓስብዎ። እዚ ምስቲ ግራንድ ጁሪ ኣወዳዲርካ ፐቲት ጁሪ (ውሕድ ዝበሉ ኣባላት ዘለውዎ ካብ ህዝቢ እተዋጽአ ጕጅለ ደያኑ) ኢዩ ዝበሃል። ብሓፈሻ እቲ ቤት ፍርዲ ካብቲ ናይ መረጽቲ: መራሕቲ ዓበይቲ ማካይን ወይ ካልእ ንዕኡ ዝመስል ዕዮታት ዘለዎም ውልቀ⁠-ሰባት ኣስማት ዝሓዘ ዝርዝር ብምምራጽ ንኽመጹ እቲ ቤት ፍርዲ ምልክታ ይነግር። ገበነኛታት ምዃኖም እተረጋገጸን ኣእምሮኣዊ ብቕዓት ዘይብሎምን ሰባት ብኡንብኡ ካብቲ ዝርዝር ይሕከኹ ይዀኑ። ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ሕጊ ተመርኲሶም ከም ሓካይም: ኣቕሽሽቲ: ጠበቓታት: ወይ ወነንቲ ንኣሽቱ ንግዲ ዝኣመሰሉ ሰባት ካብቲ ጕዳይ ናጻ ክወጹ ይሓቱ ይዀኑ። (ገሊኣቶም ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ ናይ ዳንነት ኣገልግሎት ጽኑዕ ዝዀነ ብሕታዊ ናይ ሕልና ተቓውሞ ስለ ዘለዎም ሓራ ክወጹ ይኽእሉ ይዀኑ።) ይኹን እምበር: ሰበ⁠-ስልጣናት ኵሎም ኣብዚ ዕዮ እዚ እተጸውዑ ሰባት: ምናልባት ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ እተጸውዑ እውን ይኹኑ: ኣገልግሎት ምእንቲ ክህቡ ኢሎም: ናጻ ንምዃን ዝቐረበ ሕቶ ክነጽግዎ ጸኒሖም ኢዮም።

ናብዚ ኣገልግሎት እዚ ምስ ተጸውዑ ዘመልክቱ ኵላቶም: ከም ደያኑ ኰይኖም ኣብቲ መጋባእያ ኮፍ ይብሉ ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ካብቶም ነዚ ኣገልግሎት እዚ እተጸውዑ ጕጅለ ሰባት: ንሓደ ፍሉይ ናይ ፍርዲ ጕዳይ ክርእዩ ብሃውሪ ይምረጹ። ድሕርዚ እቲ ዳኛ ነቲ ኸሳስን ተኸሳስን ጠበቓታቶምን የፋልጦም: ናይቲ ጕዳይ ኵነታት ድማ ይገልጸሎም። እቲ ዳኛን እቶም ጠበቓታትን ካብቶም ነዚ ዳንነት እዚ እተጸውዑ ሰባት ከገልግሉ ዝኽእሉ ይመምዩ። ሓደ ሰብ ብምኽንያት ኵነታት ናይቲ ጕዳይ ብሕልንኡ ዝቃወመሉ ነገር እንተድኣ ኣልይዎ ኰይኑ: ክካፈል ከም ዘይክእል ክዛረብ ዘለዎ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ኢዩ።

እቲ ጕጅለ ክሳዕ ኣብቲ ቍጽሪ ናይቶም ብሓቂ ነቲ ጕዳይ ክርእዩ ኣብቲ መጋባእያ ኮፍ ክብሉ ዘለዎም ሰባት ዝበጽሕ ይጐድል ኢዩ። ብምኽንያት ካብቲ ጕዳይ ዝረኽቦ ጥቕሚ ገለ ናይ ኣድልዎ ዓይነት ከርኢ ዝጥርጥር ሰብ እንተድኣ ኣሎ ኰይኑ እቲ ዳኛ ካብቲ ጕዳይ የውጽኦ ኢዩ። እቶም ብኽልቲኡ ወገን ዘለዉ ጠበቓታት እውን ገለ ካብቶም ንዳንነት እተጸውዑ ሰባት ካብቲ ጕዳይ ከም ዝወጹ ክገብሩ ፍሉይ ስልጣን ኣለዎም። ዝዀነ ይኹን ካብዚ ዝወጸ ሰብ ኣብ ካልእ ጕዳይ ንኽምረጽ ዕድል ንኽረክብ ኣብቲ ዝርዝር ናይቶም ኣባላት እተጸውዑ ሰባት ይጸንሕ። ገለ ክርስትያናት ነዚ እዋን እዚ ናይ እግረ⁠-መገዲ ምስክርነት ክገብሩ ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ድሕሪ ገለ መዓልትታት: ብሓቂ ከም ሓደ ካብቶም ደያኑ ብምዃን ኣብቲ ብይን ኮፍ ይበል ኣይበል ብዘየገድስ ናይቲ ሰብ ኣገልግሎት ይውዳእ ኢዩ።

ክርስትያናት ‘ዕዮ ርእሶም ክገብሩ’ ድኣምበር “ኣብ ነገር ካልኦት” ከይጽንበሩ ኢዮም ዝጽዕሩ። (1 ተሰሎንቄ 4:11፣ 1 ጴጥሮስ 4:⁠15) ሓደ ኣይሁዳዊ ንየሱስ ብዛዕባ ንውርሻ ዝምልከት ጕዳይ ክፈርድ ምስ ሓተቶ የሱስ “ኣታ ሰብኣይ: ኣባኻትኩምከ ዳኛን መማቐልን ገይሩ መን ሸይሙኒ፧” ኢሉ መለሰሉ። (ሉቃስ 12:13, 14) የሱስ ብስራት መንግስቲ ክሰብኽ እምበር ሕጋዊ ነገራት ክዳኒ ኣይኰነን ዝመጸ። (ሉቃስ 4:18, 43) እቲ የሱስ ዝሃቦ መልሲ ነቲ ሰብኣይ ንነገር ብኸመይ ከም እተደቅስ ኣብ ሕጊ ኣምላኽ ሰፊሩ ዘሎ ኣገባብ ንኽጥቀም ኣለዓዒልዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (ዘዳግም 1:16, 17) ከምዚ ዝኣመሰለ ነጥብታት ተቐባልነት ዘለዎ እኳ እንተዀነ: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ካብ ህዝቢ ብእተዋጽኡ ሰባት ዝግበር ዳንነት ተጸዊዕካ ነቲ መምርሒ እትህቦ መልሲ ግን ካብቲ ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ናይ ካልኦት ነገር ምእታው እተፈልየ ኢዩ። እቲ ኵነታት ምስቲ ነቶም ሰለስተ ኣዕሩኽ ዳንኤል ዘጋጠሞም ነገር ኣጸቢቑ ዝመሳሰል ኢዩ። እቲ ባቢሎናዊ ምምሕዳር ኣብ ጐልጐል ዱራ ክመጹ ነገሮም: ኣብኡ ምኻዶም ድማ ሕጊ ኣምላኽ ከም ዝጥሕሱ ኣየገበሮምን። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝገልጾ ቀጺሎም ዝገበርዎ ነገር ግን እተፈልየ ኢዩ ነይሩ።​—ዳንኤል 3:16⁠-18

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ምዃን ምስ ኣቋረጹ: ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ኣብ ዝርከብ ዓለማዊ ኣብያተ ፍርዲ ክቃለሱ ነበሮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ “ቅዱሳን” ነቲ ዘለዎም ፍልልያት ኣብታ ጉባኤ ኰይኖም ክፈትሕዎ ተማሕጸኖም። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ዓለማዊ ኣብያተ ፍርዲ ዘለዉ ደያኑ ‘ዓመጽቲ’ እኳ እንተ በሎም: ዓለማዊ ጕዳያት ኣብ ምፍታሕ ግቡእ ቦታ ከም ዘለዎም ግን ኣይከሓደን። (1 ቈረንቶስ 6:1) ንጕዳዩ ናብ ቄሳር ይግባይ ክሳዕ ምባል እውን ከይተረፈ ንገዛእ ርእሱ ኣብቲ ናይ ሮሜ ናይ ፍርዲ መጋባእያ ተኸላኺሉ ኢዩ። ዓለማዊ ኣብያተ ፍርዲ ብመሰረቱ ጌጋ ኢዩ ማለት ኣይኰነን።​—ግብሪ ሃዋርያት 24:10፣ 25:10, 11

ዓለማዊ ኣብያተ ፍርዲ ናይቶም “ዝለዓሉ ሰበ⁠-ስልጣናት” (NW ) መሳርሒታት ኢዩ። እዚኣቶም “ብኣምላኽ እተሰርዑ:” ከምኡውን ሕግታት የውጽኡን የተግብሩን ኢዮም። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ . . . እኩይ እንተ ገበርካ ግና: ኣገልጋሊ ኣምላኽ: ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ: ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ: ፍራህ።” ሰበ⁠-ስልጣናት ከምዚ ዝበለ ሕጋዊ ነገራት ክፍጽሙ ከለዉ ክርስትያናት ‘ኣይቃወሙን’ ኢዮም: ከመይሲ ‘ነቲ በዓል ስልጣን ብምቕዋም ፍርዲ ክቕበሉ’ ኣይደልዩን ኢዮም።​—ሮሜ 13:1⁠-​4፣ ቲቶስ 3:1

ነዚ ነገራት እዚ ሚዛናዊ ገይርካ ንምሓዝ ክርስትያናት ንገለ ካብቲ ቄሳር ዝሓቶ ነገራት ክእዘዝዎ ድዮም ወይስ ኣይእዘዝዎን ክሓስበሉ ኣለዎም። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ መዓደ:⁠- “ግብሪ ንዝግብኦ ግብሪ: ተጎ ንዚግብኦ ተጎ: ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት: . . . ንዅሉ [ዝለዓሉ ሰበ⁠-ስልጣናት] እቲ ዘዚግብኦ ሀብዎ።” (ሮሜ 13:7) እዚ ብዛዕባ ናይ ገንዘብ ግብሪ ምኽፋል ዝመጸ ግልጺ ዝዀነ ነገር ኢዩ። (ማቴዎስ 22:17⁠-21) ቄሳር ዜጋታት ንመገድታት ከጽርዩ ወይ ካልእ ካብቲ ናይ ቄሳር ዕዮታታት ክገብሩ ግዜኦምን ጕልበቶምን ክውፍዩ ምስ ዝሓትት: ክእዘዝ ድዩ ኣይእዘዝን ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ክውስን ኣለዎ።​—ማቴዎስ 5:41

ገለ ክርስትያናት ኣብቲ ካብ ህዝቢ ብእተዋጽኡ ሰባት ዝግበር ዳንነት ምእታው ናይ ቄሳር ንቄሳር ምሃብ ገይሮም ርእዮምዎ ኢዮም። (ሉቃስ 20:25) ካብ ህዝቢ ብእተዋጽኡ ሰባት ዝግበር ዳንነት መርትዖታት ክትሰምዕን ብዛዕባ ጭብጥታት ወይ ድማ ሕጊ ዝምልከት ቅንዕና ዘለዎ ሓሳባት ክትህብን ኢዩ። ንኣብነት: ኣብ ግራንድ ጁሪ እቶም ኣባላት እቲ መርትዖታት ነቲ ሰብ ናብ ፍርዲ ክቐርብ ዝገብር እንተዀይኑን እንተዘይኰይኑን ኢዮም ዝውስኑ፣ ገበነኛ ኢዩ ኢሎም ኣይውስኑን ኢዮም። ተራ መጋባእያ ምስ ዝኸውንከ፧ ኣብ ሲቪላዊ ጕዳይ እቶም ካብ ህዝቢ እተዋጽኡ ደያኑ ነቲ ዝወረደ ክሳራ ከም ዝዕረ ወይ ካሕሳ ከም ዝኽፈል ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም። ኣብ ገበናዊ ጕዳይ ምስ ዝኸውን ግን እቲ መርትዖ ነቲ ናይ ገበን ብይን ይድግፎ ድዩ ኣይድግፎን ኢዮም ዝውስኑ። ሓድሓደ ግዜ ኣየናይ ኣብቲ ሕጊ ተጠቒሱ ዘሎ መቕጻዕቲ ክትግበር ከም ዘለዎ እውን ሓሳባት ይህቡ ኢዮም። ድሕርዚ እቲ መንግስቲ ስልጣኑ ተጠቒሙ ነቲ ‘ገባር እከይ ይቐጽዖ።’​—1 ጴጥሮስ 2:14

ሓደ ክርስትያን ኣብ ሓደ እተፈልየ ናይ ዳንነት ኣገልግሎት ኣትዩ ክዓዪ ሕልንኡ እንተ ዘየፍቀደሉኸ እንታይ ይኹን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ካብ ህዝቢ ብእተዋጽኡ ሰባት ዝግበር ዳንነት ኣይጠቅስን ኢዩ: ስለዚ ‘ኣብ ዝዀነ ይኹን ከምዚ ዝበለ ዳንነት ኣትየ ከገልግል ምስ ሃይማኖታይ ዝጻረር ኢዩ’ ክብል ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ጕዳይ እንታይ ምዃኑ ብምርኣይ: አብኡ ኣትዩ ከገልግል ብፍሉይ ምኽንያታት ኣንጻር ብሕታዊ ሕልንኡ ምዃኑ ክገልጽ ይኽእል ኢዩ። እዚ ምናልባት እቲ ጕዳይ ናይ ጾታዊ ርክብ ዘይስነ⁠-​ምግባራውነት: ምንጻል ጥንሲ: ማሕረዲ: ወይ ካልእ ኣተሓሳስብኡ ብናይ ዓለም ሕጊ ዘይኰነስ ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት እተለማመደሉ ጕዳይ ምስ ዝኸውን ከምኡ ክገብር ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር: ብሓቂ ክርአ ከሎ እቲ ክኣትዎ ተጸዊዕሉ ዘሎ ጕዳይ ካብዚ ነገራት እዚ እተፈልየ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ሓደ ብሱል ክርስትያን ብሰንኪ እቶም ደያኑ ዘሕልፍዎ ፍርዲ ሓላፍነት ይስከም ድዩ ኣይስከምን እውን ክሓስበሉ ኣለዎ። (ምስ ዘፍጥረት 39:17⁠-20፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:22) እቲ እተዋህበ ናይ ገበን ፍርዲ ጌጋ ምስ ዝኸውን እሞ ናይ ሞት ፍርዲ እውን ምስ ዝፍጸም: ሓደ ኣብዚ ኣባል ዝነበረ ክርስትያን ናይ ደም ገበን ይስከም ድዩ፧ (ዘጸኣት 22:2፣ ዘዳግም 21:8፣ 22:8፣ ኤርምያስ 2:34፣ ማቴዎስ 23:35፣ ግብሪ ሃዋርያት 18:6) ኣብቲ ናይ የሱስ ፍርዲ ጲላጦስ “ኻብ ደም እዚ ጻድቕ እዚ ንጹህ” ክኸውን ደልዩ ኢዩ። እቶም ኣይሁድ ግን “ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን” በሉ።​—ማቴዎስ 27:24, 25

ሓደ ክርስትያን በቲ መንግስቲ ዝበሎ መሰረት ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣገልግሎት ምስ ዝጽዋዕ: እንተዀነ ግን: እቲ ዳኛ ዝገብሮ ምግዳድ ብዘየገድስ ብምኽንያት ብሕታዊ ሕልንኡ ኣብ ሓደ እተፈልየ ጕዳይ ምክፋል ምስ ዝኣቢ ነቲ ዝወርዶ ሳዕቤን​—ናይ ገንዘብ መቕጻዕቲ ይኹን ማእሰርቲ​—ክዋጽኣሉ ክቕረብ ኣለዎ።​—1 ጴጥሮስ 2:19

ብሓፈሽኡ: ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብ መንጎ እቶም ንኽዳንዩ ካብ ህዝቢ እተዋጽኡ ሰባት ንኽህሉ ምስ ዝጽዋዕ ኣብቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ምርዳእን ናይ ገዛእ ርእሱ ሕልናን ተመርኲሱ እንታይ ስጕምቲ ክወስድ ከም ዘለዎ ክውስን ኣለዎ። ገለ ክርስትያናት ኣብ ከምዚ ዝበለ ዕዮ ምስ ተጸውዑ ኣመልኪቶም፣ ኣብ ገለ ከምዚ ዝበለ ዳንነት ድማ ኣገልጊሎም ኢዮም። ካልኦት ድማ መቕጻዕቲ እናሃለወ እውን ከይተረፈ ኣብዮም ኢዮም። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ንገዛእ ርእሱ ክውስን አለዎ: ካልኦት ድማ ነቲ ዝገበሮ ውሳነ ክወቕሱ የብሎምን።​—⁠ገላትያ 6:5

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ