ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/4 ገጽ 19
  • እቲ “ናይ ትኽየር ቅዱስ ባርኖስ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ “ናይ ትኽየር ቅዱስ ባርኖስ”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ ባርኖስ ክርእይዎ ዝኸዱ ስለምንታይ ኢዮም፧
  • “ንሓደ ኣይሁዳዊ ወለል ዚብል ክዳኑ . . . ኣጽኒዖም ሒዞም”
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ስድራቤት የሆዋ ክቡር ሓድነት ተስተማቕር
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ነቲ ዘሎ ሓድነት ዓቅብዎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ክርስትያናዊ ሓድነት ንኣምላኽ የኽብር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/4 ገጽ 19

እቲ “ናይ ትኽየር ቅዱስ ባርኖስ”

ትኽየር ናይ 2,000 ዓመታት ታሪኽ ዘለዋ ኣብ ጀርመን እትርከብ ጥንታዊት ከተማ ኢያ።a ከተማ ትኽየር ምስ ካቶሊካዊት ቤተ-⁠ክርስትያን ንዘመናት ዝኣክል ጽኑዕ ምትእስሳር ነይርዋ ኢዩ። ብ1996 እቲ ኣብ ትኽየር ዝርከብ ካቴድራል: ዳርጋ ክንዲ ናይታ ኸተማ ዕድመ ኣለዎ ተባሂሉ ዝሕሰብ ሓደ ቅርሲ ንምርኢት ኣቕረበ። እዚ ኸኣ ናይ ትኽየር ቅዱስ ባርኖስ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

እቲ ባርኖስ ንቝመት 1.57 ሜትሮ: ንጐድኒ 1.09 ሜትሮ: ፍርቂ ቍመት ናይቲ ባርኖስ ዝኸውን እጅገ ድማ ኣለዎ። ካብ ጡጥ እተሰርሐ ኢዩ: ሃንስ-ዮኣኪም ካን ኣብታ ቫልፋርትስፉረር ትኽየር ኡንት ኡምጋቡንግ እትበሃል ናይ ጀርመንኛ መጽሓፉ ከም ዝበሎ ኸኣ ምናልባት ብላዕሊ ዝድረብ ክዳን ኢዩ ነይሩ ዝኸውን። ገለ ሰባት እቲ ናይ መጀመርታ ባርኖስ​—⁠ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት ብዙሕ ምትዕርራይ እተገብረሉን ንኽድልድል ድማ ብኻልእ ኣጭርቕቲ እተለገበን⁠—​እተሰርሓሉ ብኻልኣይ ወይ ቀዳማይ ክፍለ-⁠ዘበን ከ.ኣ.ዘ. እውን ከይተረፈ ክኸውን ይኽእል ኢሎም ይግምቱ። እዚ ሓቂ እንተድኣ ዀይኑ: ኣዝዩ ጥንታዊ ክዳንን ዘገርም ናይ ቤተ-⁠መዘክር ንብረትን ዝገብሮ ኢዩ።

ይኹን እምበር: ገለ ሰባት እቲ ባርኖስ ጥንታዊ ጥራይ ዘይኰነስ ቅዱስ እውን ኢዩ ብምባል ርግጸኛታት ኰይኖም ይዛረቡ​—⁠ስለዚ ኸኣ ኢዩ ቅዱስ ባርኖስ ዝብል ስም እተዋህቦ። እዚ ክብሉ ዝኸኣሉ ልክዕ ከምቲ ናይ የሱስ ቀምሽ ስፋይ ስለ ዘይነበሮ ኢዮም። (ዮሃንስ 19:​23, 24) ገለ ሰባት ድማ እቲ “ቅዱስ ባርኖስ” ብርግጽ ናይቲ መሲሕ ክዳን ኢዩ ነይሩ ብምባል ይዛረቡ።

እቲ ባርኖስ ከመይ ኢሉ ናብ ትኽየር ከም ዝመጸ እተረጋገጸ ነገር የለን። ሓደ መወከሲ ጽሑፍ እቲ ባርኖስ “ብሃጸይ ሄሌና: ኣዲኡ ንቆስጣንጢኖስ ዓቢ: ኢዩ ናብታ ከተማ መጺኡ” ብምባል ይገልጽ። ካን: እቲ ባርኖስ ኣብ ትኽየር ዝነበረሉ ግዜ ዝሕብር ክእመን ዝኽእል ናይ መጀመርታ ጸብጻብ: ካብ 1196 ንነጀው ዘሎ ከም ዝዀነ ይገልጽ።

እቲ ኣብቲ ካቴድራል ተዓቂቡ ዘሎ ባርኖስ: ካብ መበል 16 ክፍለ-⁠ዘበን ኣትሒዙ ኣብ እተፈላለየ ግዜያት በብእዋኑ ንምርኢት ክቐርብ ጸኒሑ ኢዩ። ንኣብነት: ድሕሪ እቲ ንትኽየር ኣዕንዩ ዝነበረ ናይ ሰላሳ ዓመታት ውግእ ቁሩብ ጸኒሑ ብ1655 ንምርኢት ቀሪቡ ነበረ። መሸጣ ናይ ንግደት መዘከርታታት በብግዚኡ ብዙሕ ኣታዊ ይርከበሉ ነበረ።

ኣብዚ ክፍለ-⁠ዘበን እዚ ድማ ሰለስተ​—⁠ብ1933፣ ብ1959፣ ከምኡውን ብ1996⁠—​ናይ “ቅዱስ ባርኖስ” ንግደታት ተገይሩ ኢዩ። ብ1933 ልክዕ ኣብታ ሂትለር ናይ ግዝኣት ጀርመን ቻንስለር ኰይኑ እተሸመላ መዓልቲ: እቲ ንግደት ክግበር ተኣወጀ። ካን እዚ ክልተ ፍጻመታት ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ምግጣሙ: ምስቲ ንግደት ተተሓሒዙ ንዝነበረ ኵነታት ከም ዘጕልሕ ይዛረብ። ዩኒፎርም እተኸድኑ ናይ ናዚ ሰራዊት ነቶም ኣብ ወጻኢ እቲ ካቴድራል ዝነበሩ ንንግደት ዝመጹ ሰባት ናይ ክብሪ ዘብዐኛታት ኰይኖም ነበሩ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ ክልተ ሚልዮንን ፈረቓን ህዝቢ ነቲ ባርኖስ ረኣዮ።

ኣብ ከተማ ትኽየር ንብዙሕ ዓመታት እተቐመጠ ሄርበርት: ነቲ ናይ 1959 ንግደት ምስቲ ናይ 1996 ንግደት ኣወዳደሮ። “ብ1959 እቲ ጐደናታት ብህዝቢ ዕልቕልቕ ኢሉ ነበረ: ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኵርናዕ ናይቲ ጐደና ድማ መዘከርታታት ዝሽየጠለን ናእሽቱ ድኳናት ነበራ። ኣብዚ ዓመት እዚ ግን እቲ ጽምብል ኣዝዩ ጸጥ ዝበለ ኢዩ ነይሩ።” ሓቂ ኢዩ: ብ1996 ነቲ ባርኖስ 700,000 ህዝቢ ጥራይ ኢዮም ርእዮም: እዚ ኸኣ ካብቲ ብ1959 ዝነበረ ቍጽሪ ብሓደ ሚልዮን ጐዲሉ ማለት ኢዩ።

ነቲ ባርኖስ ክርእይዎ ዝኸዱ ስለምንታይ ኢዮም፧

እታ ቤተ-⁠ክርስትያን: እቲ ባርኖስ ናይ ኣምልኾ ክብሪ ዝዋሃቦ ኣቕሓ ከም ዝዀነ ገይርካ ክርአ ከም ዘይግባእ ትጸቕጠሉ ኢያ። እዚ ስፋይ ዘይብሉ ባርኖስ ከም ምልክት ሓድነት ናይ ቤተ-⁠ክርስትያን ኢዩ ዝውሰድ። እቲ ፍራንክፈርተር ኣልናሚን ዘይቱንግ እተባህለ ጋዜጣ (ጀርመንኛ): ኣቡን ሽፒታል ነቲ ንግደት ክእውጅ ከሎ “እቲ ኣብ ዓለምና ዘሎ ዘይልሙድ ኵነታት: ንክርስትያናት በቲ ዘይልሙድ መገዲ ከም እንገጥሞ ይገብረና። ነዚ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ጽልእን ጭከናን ዓመጽን ፍጻመታት ክንቃወሞ ኣሎና” ከም ዝበለ ይገልጽ። እቲ ኣቡን: ሓደ ሰብ ነቲ ባርኖስ ምስ ዝርኢ ብዛዕባ ሓድነት ከም ዝዘኻኸር ገለጸ።

ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዛዕባ ሓድነት ቤተ-⁠ክርስትያን ንኽዘኻኸር ነቲ “ቅዱስ ባርኖስ” ምርኣይ ዘድልዮ ግን ስለምንታይ ኢዩ፧ እቲ ባርኖስ እንተ በለየ ወይ እንተ ተቐደ ወይ ድማ ናይ ሓሶት ከም ዝዀነ እንተ ተቓልዐኸ እንታይ ይኹን፧ ሓድነት ቤተ-⁠ክርስትያን ኣብ ሓደጋዶ ምወደቐ፧ ብዛዕባ እቶም ንንግደት ናብ ትኽየር ክኸዱ ዘይከኣሉ ሰባትከ እንታይ ኢዩ ዝበሃሎ፧ ነቲ ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ-⁠ክርስትያን ዘሎ ዝዀነ ይኹን ሓድነት ዘየድህብሉ ድዮም፧

ቅዱሳት ጽሑፋት ቀዳሞት ክርስትያናት ንኣድላይነት ክርስትያናዊ ሓድነት ዘዘክሮም ነገራት የድልዮም ከም ዝነበረ ኣይጠቅስን ኢዩ። እኳ ድኣ: ሃዋርያ ጳውሎስ በተን “ብእምነት እምበር: ብምርኣይ ኣይኰንናን እንመላለስ” ዝብላ ቃላት ገይሩ ንክርስትያናት ኣተባቢዕዎም ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 5:​7) እቲ ክርስትያናት ዘስተማቕርዎ ሓድነት “ሕብረት እምነት” ከም ዝዀነ እተገልጸ እምበኣር በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ።​—ኤፌሶን 4:​11-​13

[እግረ-ጽሑፍ]

a ናይ 22 ሚያዝያ 1980 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 21-3 ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ