እዚ እዋን እዚ ኣዝዩ ሕማቕ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧
ጋዜጣ ከተንብብ ወይውን ናይ ተለቪዥን ዜና ክትከታተል ወይ ናይ ረድዮ ፈነወ ዜና ክትሰምዕ ኢልካ ኮፍ ምስ እትብል ሕማቕ ዜና ኢኻ እትጽበ: ኣይኰነንዶ፧ ሓደ ዘየቋርጽ ውግእ ገና እናበርትዐ ይኸይድ ከም ዘሎ: ከቢድ ገበን ገና ካብ ቍጽጽር ወጻኢ እናዀነ ይኸይድ ምህላዉ: ወይ ድማ ጥሜት ንሓይሊ ናይ ሓንቲ ኣብ ምምዕባል እትርከብ ሃገር ገና ይመጽዮ ከም ዘሎ ምስማዕ ምናልባት ኣየገርመካን ይኸውን።
ካብቲ እዚ ፍጻመታት እዚ ዝካየደሉ ከባቢ ርሒቕካ ትነብር እንተድኣ ኴንካ: ብሰንኪ ከምዚ ዝበለ ጸብጻባት ምናልባት ወትሩ ብዙሕ ጓሂ ኣይስማዓካን ይኸውን። ድሓር ድማ: ኣየናይ ሰብ ኢዩ እሞ ንዅሎም እቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ደንጊጹ ክወጾ ዝኽእል፧ ደንጊጽካ ዘይውጻእ እኳ እንተዀነ: ምስቲ ስቓይ ንውልቀ-ሰባት ዝትንክፈሉ መገድታት ገጽ ንገጽ ምስ እንጋጠም ግን ከይተሰማዓና ክንተርፍ ዘይሕሰብ ኢዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ: ብዛዕባ ውግእ ምንባብን ጸብጻብ ናይቲ ዝወረደ ጕድኣት ምሕሳብን ሓደ ነገር ክኸውን ከሎ: ብዛዕባ እቲ ቦምባ ንገዝኦም ምስ ኣዕነዎ ኣዲኡ ዝሞተቶ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ቦዝንያዊ ኣድነን ምንባብ ግን ፈጺሙ ካልእ ነገር ኢዩ። ኣቦኡ ንኣድነን ገለ ኣዋርሕ ጸኒሑ ኣብ መገዲ ብሓንሳእ እናኸዱ ከለዉ ብሓደ ኣድብዩ ዝትኵስ ሰብ ተቐትለ። ሓብቱ ሒደት ሰሙናት ጸኒሓ ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ብዝወደቐ ቦምባ ተወቒዓ ደም ዛሕዛሕ እናበላ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ሞተት። እቶም ንኣድነን ብሰንኪ እቲ ዘጋጠሞ ስምባድ ዝሕክምዎ ዝነበሩ ሓካይም እቲ ቘልዓ ከም ዝደንዘዘ: ኵሉ ስምዒታቱ—ናይ ምፍላጥ ህንጥዮት እውን ከይተረፈ—ከም ዘጥፍአ ተረድኡ። ፍርህን እቲ ሕማቕ ተዘክሮታትን ንመዓልቱ ኣጸልመቶ፣ ዘፍርህ ሕልሚ ለይቲ ድማ ድቃስ ከልኦ። ኵነታት ኣድነን ሓፈሻዊ ጸብጻብ ኣይኰነን። ብሓቂ ዝሳቐ ዘሎ ቈልዓ ኢዩ፣ ካብ ምድንጋጽ ሓሊፍና ኸኣ እንገብሮ የለን።
ካልእ ናይ ዓለም ሽግራት ምስ እንርኢ ድማ ልክዕ ከምኡ ኢዩ። ብዛዕባ ጥሜት ምንባብ ሓደ ነገር ኢዩ፣ ስእሊ ናይ ሓንቲ እተነፍሐ ከብድን ዓጽሚ ጥራይ ዝተረፈ ኢደ-እግርን ዘለዋ: ግዳይ ዓጸቦ ብምዃን እትሰሓግ ዘላ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ቈልዓ ምርኣይ ድማ ፈጺሙ ካልእ ነገር ኢዩ። ንገበን ዝምልከት ኣሃዛዊ ጸብጻብ ምርኣይ ሓደ ነገር ኢዩ፣ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት መበለት ብጭከና ክትህረም: ንብረታ ክትዝረፍ: ከምኡውን ብጾታዊ ርክብ ክትዕመጽ ከላ ምስማዕ ድማ ፈጺሙ ካልእ ነገር ኢዩ። ብዛዕባ ምንቍልቋል ርክብ ስድራቤት ምንባብ ሓደ ነገር ኢዩ፣ ሓንቲ ኣደ ደይ መደይ ኢላ ንውሉዳ ተጥምዮን ብጭከና ትሃስዮን ምህላዋ ምፍላጥ ድማ ፈጺሙ ካልእ ነገር ኢዩ።
ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ ነገራት ምንባብ ዘሰቅቕ ኢዩ። ይኹን እምበር ሓደ ካብዚ ዓለምለኻዊ መዓታት እዚ ብቐጥታ ምስ ዝትንክፈና ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢዩ ኣዝዩ ዝገደደ ዝኸውን! ብብሕትኻ መከራ ተሕልፍ እንተድኣ ኣሊኻ: እቲ ኣብ ናይ ዓለም ዜናታት ዝቐርብ ዓለምለኻዊ ኵነታት ንስምዒትካ ክዕብልሎ ይኽእል ኢዩ። እቲ ብሰንኪ ገበን: ውግእ: ጥሜት: ከምኡውን ሕማም ዝስዕብ ስቓይ ኣብ ሰብኣዊ ታሪኽ ብዝለዓለ ደረጃ እናወሰኸ ምኻዱ ሓቂ ምዃኑ ክትፈልጥ ዘርዕድ ኢዩ። ምስዚ ናይ መበል 20 ክፍለ-ዘበን ክውንነት ብምግጣም ዝመጽእ ሳዕቤናት ብርግጽ ዓሚቝ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: እንታይ ከም እትገብር ክጠፍኣካ: ፍርሂ: ከምኡውን መንፈስ ጭንቀት ድማ ልሙድ ኢዩ።
ኣብ ብዙሓት ሃይማኖታት ዘለዉ ሰባት ንኸም: ኵነታት ኣዝዩ ሕማቕ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ ወድሰብ ናበይ ገጹ ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ፧ ዝብሉ ኣሸገርቲ ሕቶታት መልሲ ይደልዩ ኢዮም ዘለዉ።
እቲ ዘሕዝን ግን: ሎሚ ዘለዋ ሃይማኖታት ዘዕግብ መልሲ ዳርጋ ኣይህባን ኢየን። ነቲ ኣብ ገበር ናይዚ መጽሔት እዚ ዘሎ ሕቶ መጀመርታ ኣንብብ ምስ ኣበልካዮ: ብምጥርጣር ርኢኻዮ ክትከውን ትኽእል ኢኻ: እዚ ድማ ትጽቢት ዝግበረሉ ተርእዮ ኢዩ። ጥሩፋት ሃይማኖታት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ፈጺሙ ዘይርከብ—ናይዛ ዓለም እዚኣ ጥፍኣት ዝፍጸመሉ ልክዕ መዓልትን ሰዓትን—ንምግላጽ መብዛሕትኡ ግዜ ሒዅ ኢየን ዝብላ። (ማቴዎስ 24:36 ርአ።) ናይዚ መጽሔት እዚ አዳለውቲ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ክገልጽ ከፍቅድሉ ኢዮም ዝመርጹ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዳሕሮት መዓልታት ዝህቦ መግለጺ ጭቡጥን ምኽንያታውን ከም ዝዀነ ምስ ፈለጥካ ትግረም ትኸውን። ከምኡውን መጽሓፍ ቅዱስ ኵነታት ስለምንታይ ኣዝዩ ከም ዝኸፍአ ጥራይ ኣይኰነን ዝገልጽ። ንመጻኢ ተስፋ ይህብ ኢዩ: እዚ ድማ ብሓቂ ዘጸናንዕ ተስፋ ኢዩ። እዚ ከመይ ኢሉ ከምኡ ከም ዝዀነ ንኽትፈልጥ ነዘን ዝስዕባ ዓንቀጻት ከተንብበን ንዕድመካ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Jobard/Sipa Press