ሚልዮናት ሰባት ክኸዱ ኢዮም—ንስኻኻ ክትከይድ ዲኻ፧
ናበይ፧ ናብ ዓመታዊ ዝኽሪ ሞት የሱስ ክርስቶስ። ብ1996 ኣብ መላእ ዓለም ብድምር 12,921,933 ተኣኪቦም ነበሩ።
ሰባት ናብኡ ዝኸዱ ስለምንታይ ኢዮም፧ ሞት የሱስ ንደቅሰብ ትርጕም ዘለዎ ስለ ዝዀነ ኢዮም ዝኸዱ። ካብ ሕማም: ስቓይ: ከምኡውን ሞት ምንጋፍ ማለት ኢዩ። እቶም ሞይቶም ዘለዉ እነፍቅሮም ሰባት እውን ከይተረፉ ኣብታ እንደገና ገነት እትኸውን ምድሪ ንምንባር ክትንስኡ ኢዮም።
ሞት የሱስ ክርስቶስ ከምዚ ዝኣመሰለ በረኸታት ከምጽእ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ ናይዚ መልሲ ምእንቲ ኽትረክብ ተዓዲምካ ኣሎኻ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣጋጣሚ ምስኣቶም ክትእከብ መርሓባ ይብሉኻ።
ኣብታ ንገዛኻ ዝቐረበት ኣደራሽ መንግስቲ ተኻፈል። ኣብዚ ዓመት እዚ እቲ ዕለት: ሰንበት 23 መጋቢት ድሕሪ ጸሓይ ምዕራባ ኢዩ። እቲ ልክዕ ሰዓት ንምፍላጥ ካብቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣረጋግጽ ኢኻ።