ኣዝዩ ብዙሕ ስቓይ
“እዚ ዅሉ በብውልቅን ከም ሰብካን ዘጋጥም ዘሎ ሕሱም ስቓይ ኣብ ምንቲ ምንታይ ይበሃል . . . ፧ ኣምላኽ ዕላማ ከም ዘለዎ ገይርካ ኢዩ ዝሕሰብ: ኣብዛ ዓለም እዚኣ ግን ቁም ነገር ዘይብሉ ኣዝዩ ብዙሕ ነገራት: ኣዝዩ ብዙሕ ትርጕም ኣልቦን ከንቱ ሓጢኣትን ኣሎ። እዝስ ምናልባት እቲ ኒችዝስኪ:- ውልቀ-መላኺ: መታለሊ: ጉሒላ: ቀታሊ ብምባል ዝኸሰሶ ኣምላኽ ደዀን ይኸውን፧”—ኦን ቢን ኤ ክርስችያን (እንግሊዝኛ) ብሃንስ ኩንግ
ናይ ካቶሊክ ናይ ስነ-ሃይማኖት ምሁር ዝዀነ ሃንስ ኩንግ: ሓደ ኵሉ ዝኽእልን ፈቃርን ኣምላኽ ኣዝዩ ብዙሕ ስቓይ ንኽህሉ ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧ ዝብል ንብዙሓት ዘደንጽዎም ሕቶ የቕርብ ጥራይ ከም ዘሎ ክትግንዘቦ ትኽእል ኢኻ። ሰባት ከምዚ ዝበለ ሕቶ ክሓቱ ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧ ድንጋጽ ዘለዎ ዝዀነ ይኹን ሰብ በቲ ኩንግ “መወዳእታ ዘይብሉ ዋሕዚ ደም: ረሃጽን ንብዓትን: ቃንዛ: ሓዘንን ፍርህን: ጽምዋን ሞትን” ኢሉ ዝገለጾ ኵነታት ይሓዝን ኢዩ። እዚ ብርግጽ ኣብ ታሪኽ ብሚልዮናት ንዝቝጸር ህይወት ሰብ ዝወቕዐ ናይ ፍርሕን ጓህን ምዕልቕላቕ ኢዩ ክበሃል ይከኣል።—እዮብ 14:1
“ጻዕርን መከራን” ዝመልአ
ነቲ ውግእ ዘስዕቦ ስቓይ: ነቲ ቓንዛ ናይቶም ተሳቕዮም ዝሞቱ ጥራይ ዘይኰነስ ናይቶም ብህይወት ተሪፎም ዝሓዝኑ ወለድን ኣዝማድን: ህይወት ናይቶም ግዳያት ዝዀኑ ቈልዑን ካልኦት ብኣራዊታዊ መገዲ እተቐትሉ ሰባትን እሞ ገምቶ። ማሕበር ቀይሕ መስቀል “ኣብዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት 1.5 ሚልዮን ቈልዑ ኣብ ወተሃደራዊ ግርጭታት ተቐቲሎም” ኢሉ ነበረ። ማሕበር ቀይሕ መስቀል: ኣብ ሩዋንዳ ብ1994 “ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ብኣራዊታዊ መገድን ብብልሓትን ተቐቲሎም ኢዮም” ብምባል ጸብጻብ ሃበ።
እቶም ንቘልዑ ብጾታዊ ርክብ ዝዕምጹ ሰባት ዘስዕብዎ ቃንዛ እውን ዕሽሽ ክንብሎ ኣይግብኣናን ኢዩ። ወዳ ብሓደ መጕዚት ድሕሪ ምዕማጹ ርእሰ-ቕትለት ከም ዝፈጸመ እተዛረበት ሓንቲ ሓዘንተኛ ኣደ “እቲ ንወደይ ዝዓመጸ ሰብኣይ . . . ንወደይን ንብዙሓት ካልኦት ቈልዑን ኣዝዩ ብልሓት ብዘለዎን ብልሹውን ክበሃል ዝከኣል መገዲ ገይሩ ኣጥፊእዎም ኢዩ።” ብዛዕባ ግዳያት ናይቶም “ን25 ዓመታት ዝጨውዩን ዝጋሰሱን ዘሳቕዩን ዝቐትሉን” ዝዀኑ ኣብ ብሪጣንያ እተታሕዙ ሰባትን ካልኦት ከምኣቶም ዝኣመሰሉ ጨካናት ቀተልቲ ወይ ተኸታታሊ ቅትለት ዝፍጽሙ ዝስምዖም ናይ ምብህራር ስምባድከ እንታይ ምተባህለ፧ ኣብ ታሪኽ እቲ ሰብኡትን ኣንስትን ኣብ ንሓድሕዶም ዘውረድዎ ቃንዛን ስቓይን ደረት ዘይነበሮ ኢዩ ዝመስል።—መክብብ 4:1-3
ኣብ ርእሲ እዚ እውን: ብሰንኪ ስምዒታውን ኣካላውን ሕማማት ዝመጽእ ስቓይ: ከምኡውን እቲ ዘፍቅራኦም ኣባላተን ኣብ ዘይመዓልቶም ክሞቱ ከለዉ ንስድራቤታት ዝስምዐን ሕሱም ናይ ሓዘን ቃንዛ ኣሎ። እቲ ንግዳያት ጥሜት ወይ ካልእ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት ዝስምዖም ጓሂ ድማ ኣሎ። ብዛዕባ እተን 70 ወይ 80 ዓመታትና “ጻዕርን መከራን” ዝመልኣ ኢየን ዝብል ናይ ሙሴ ሓሳባት ዝማጐቱ ሰባት ሒደት ኢዮም።—መዝሙር 90:10
ክፍሊ ዕላማ ኣምላኽ ድዩ፧
ከምቲ ገሊኣቶም ዝበልዎ: እዚ ዘየቋርጽ ስቓይ እዚ ክፍሊ ናይ ሓደ ክርድኣካ ዘይክእል ዕላማ ኣምላኽዶ ይኸውን፧ ‘ኣብታ እትቕጽል ዓለም’ ንህይወት ምእንቲ ከነስተማቕራ ሕጂ ክንሳቐ የድልየና ድዩ፧ እቲ ተየር ደ ሻርዲን እተባህለ ፈረንሳዊ ፈላስፋ ዝኣምኖ ዝነበረ: “ዝቐትልን ዘመሽምሽን ስቓይ: ሰብኣዊ ፍጡር ምእንቲ ክነብርን መንፈሳዊ ኣካል ክኸውንን ኣድላዪ ኢዩ ” ዝብልስ ሓቂ ድዩ፧ (ዘ ረሊጅን ኦቭ ተየር ደ ሻርዲን [እንግሊዝኛ]፣ ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ብርግጽ ኣይኰነን!
ሓደ ግዱስ ፈጣሪ ኰነ ኢሉ ቀዛፊ ዝዀነ ኣከባቢ ብምፍጣር ድሕርዚ ኸኣ ንሰባት ካብቲ ሳዕቤናቱ ምስ ኣድሓኖም ከኣ ደንጋጺ ኢየ ክብልዶ ምኸኣለ፧ ፈጺሙ ኣይምኸኣለን! ሓደ ፈቃር ዝዀነ ኣምላኽ ስለምንታይ ከምዚ ዝበለ ነገር ይገብር፧ ስለምንታይ ደኣ ኢዩ እሞ ኣምላኽ ስቓይ ዘፍቀደ፧ ስቓይ መወዳእታ ይህልዎዶ ይኸውን፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ሕቶታት እዚ ክትመያየጠሉ ኢያ።
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
WHO photo by P. Almasy