ሓቂ ናጻ ተውጽእካ
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ: ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ተኣሲሮም ኣለዉ። ካብዚኣቶም ሰለስተ ሽሕ ዝዀኑ ንሞት እተፈርዱ ኢዮም። ኣብቲ ኵነታት እቲ ከም ዘሎኻ ገይርካ እሞ ንገዛእ ርእስኻ ገምታ። ከመይ ምተሰማዓካ፧ ከምዚ ዝበለ ትጽቢት ክትሓስቦ ከሎኻ ብሓቂ ዘሕዝን ኢዩ። ይኹን እምበር: ብምሳልያዊ መገዲ ኵሎም ሰባት ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ኢዮም ዝርከቡ ዘለዉ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኵሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም” ይብል። (ሮሜ 3:23) እወ: ከም ዘርኢ ኣዳም መጠን: ብሓጥእ ኵነታት “እተኣሰርና” ኢና። (ሮሜ 5:12) ከምቲ “ኣብ ኣካላተይ ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ: ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ” ኢሉ ዝጸሓፈ ክርስትያን ሃዋርያ ጳውሎስ እተሰመዖ: ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ናይ መእሰርትና ሳዕቤናት ይስማዓና ኢዩ።—ሮሜ 7:23
ብምሳልያዊ ኣዘራርባ: ከም ውጽኢት ናይዚ ሓጥእ ኵነታትና ነፍሲ ወከፍና ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ሞት ኢና ዘሎና: ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ” ይብል። (ሮሜ 6:23) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ሙሴ “ሰብዓ ዓመታት ኢየን ዘለዋና—እንተ በርታዕና ድማ ሰማንያ ዓመታት፣ እቲ ሒዘናልና ዝመጻ ኸኣ መከራን ሓዘንን ኢዩ፣ ህይወት ቀልጢፋ ትውዳእ: ንሕና ድማ ንሓልፍ” ብምባል ንዅነታትና ጽቡቕ ገይሩ ገለጾ።—መዝሙር 90:10 ቱደይስ ኢንግሊሽ ቨርሽን (እንግሊዝኛ)፣ ምስ ያእቆብ 4:14 ኣረኣእዮ።
ወድሰብ ናይ ሓጢኣትን ሞትን ባርያ ምዃኑ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ከኣ ኢዩ የሱስ ንሰዓብቱ “ሓቂ . . . ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” ዝበሎም። (ዮሃንስ 8:32) የሱስ በዘን ቃላት እዚኣተን ገይሩ ንሰዓብቱ ካብ መግዛእቲ ሮሜ ናጻ ካብ ምዃን ኣዝዩ ዝዓበየ ተስፋ ኢዩ ዝዝርግሓሎም ነይሩ—ካብ ሓጢኣት ይምሕሮምን ካብ ሞት ይገላግሎምን ነበረ! እዚ ብኸመይ ኢዩ ክዋሃቦም ዝነበሮ፧ የሱስ “ወዲ ሓራ እንተ ኣውጽኣኩም: ብሓቂ ውጹኣት ሓራ ኽትኰኑ ኢኹም” ኢሉ ነገሮም። (ዮሃንስ 8:36) እወ: የሱስ እቲ “ወዲ” ነቲ ኣዳም ዘጥፈኦ ህይወት እንደገና ንምዕዳግ ህይወቱ ኣሕሊፉ ብምሃብ ከም ናይ መተዓረቒ መስዋእቲ ኰነ። (1 ዮሃንስ 4:10) እዚ ኸኣ ንዅሎም እዙዛት ደቅሰብ ካብ ማእሰር ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ክወጹ መገዲ ከፈተሎም። እቲ ሓደ ወዱ ንኣምላኽ: ብእኡ ‘ዝኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእ:’ ኢሉ ሞተ።—ዮሃንስ 3:16
ስለዚ እታ ናጻ እተውጽኣና ሓቂ ኣብ የሱስ ክርስቶስ እተመርኰሰት ኢያ። እቶም ኣስኣሰሩ ዝስዕቡ ሰባት: መንግስቲ ኣምላኽ ንጕዳያት ምድሪ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቍጽጽራ ምስ ገበረቶ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ናይ ምዃን ተስፋ ኣለዎም። ሕጂ እውን ከይተረፈ: እቶም ንሓቂ ናይ ቃል ኣምላኽ ዝቕበሉ: ናይ ሓቂ ናጽነት የስተማቕሩ ኢዮም። በየናይ መገድታት፧
ንምዉታት ካብ ምፍራህ ናጻ ምዃን
ሎሚ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ንምዉታት ይፈርሁ ኢዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሃይማኖታቶም: ነፍሲ ካብ ኣካል ተፈልያ ትኸይድ ናብ መንፈሳዊ ግዝኣት ድማ ትሓልፍ ኢለን ምሂረንኦም ኢየን። በዚ ምኽንያት እዚ ኢዩ ኣብ ገለ ሃገራት: ኣዝማድ እቲ መዋቲ ንሓያለይ መዓልትን ለይትን ዝጸንሕ ትዕዝብተ-ሬሳ ክገብሩ ልሙድ ዝዀነ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ዓው ኢልካ ምዝማርን ከበሮታት ምህራምን ዘጠቓልል ኢዩ። እቶም ሓዘንተኛታት: ከምዚ ምግባሮም ነቲ ዝሞተ ሰብ ከም ዘሐጕሶን መንፈሱ ተመሊሱ ነቶም ህያዋን ከየንጸላልዎም ከም ዝኽልክሎን ይኣምኑ። ንምዉታት ዝምልከት ናይ ህዝበ-ክርስትያን ናይ ሓሶት ትምህርቲ: እዚ እምነት እዚ ንኽቕጽል ጥራይ ኢዩ ጠቒሙ።
ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ንዅነታት ምዉታት ዝምልከት ሓቂ ይገልጽ። ነፍስኻ ንስኻ ምዃንካ ድኣ እምበር ድሕሪ ሞት ምንባር እትቕጽል ሓንቲ ምስጢራዊት ክፍሊ ኣካላትካ ከም ዘይኰነት ብግልጺ ኢዩ ዝዛረብ። (ዘፍጥረት 2:7፣ ህዝቅኤል 18:4) ብተወሳኺ: ምዉታት ኣብ ገሃነም ሓዊ ኣይሳቐዩን ኢዮም ዘለዉ: ክፍሊ ናይቲ ንህያዋን ጽልዋ ክገብር ዝኽእል መንፈሳዊ ግዝኣት ድማ ኣይኰኑን። መጽሓፍ ቅዱስ “ምዉታት . . . ገለ እኳ ኣይፈልጡን . . . ኣብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ [መቓብር] ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን” ይብል።—መክብብ 9:5, 10
እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቅታት እዚ ንብዙሓት ሰባት ንምዉታት ካብ ምፍራህ ናጻ ገይርዎም ኣሎ። ድሕሪ ደጊም ንዝሞቱ ኣባሓጐታቶም ኣፎም ክዓብሱ ኢሎም ብዙሕ ወጻኢ ዝሓትት መስዋእቲ ኣይገብሩን ኢዮም: እቶም ዘፍቅርዎም ምዉታት ብሰንኪ ሓጢኣቶም ብዘይ ገለ ምሕረት ይሳቐዩ ኣለዉ ብምባል እውን ኣይጭነቑን ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ሞይቶም ዘለዉ ሓደ ዘደንቕ ተስፋ ሒዝሎም ከም ዘሎ ተማሂሮም ኢዮም: ከመይሲ ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ” ከም ዝኸውን ይነግረና ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15፣ ዮሃንስ 5:28, 29) ስለዚ እምበኣር: ምዉታት ሕጂ ከም ኣብ ዓሚቝ ድቃስ ዘሎ ሰብ ኣዕሪፎም ኢዮም ዘለዉ።—ምስ ዮሃንስ 11:11-14 ኣረኣእዮ።
እቲ ንዅነታት ምዉታት ዝምልከት ሓቅን ተስፋ ትንሳኤን ካብቲ ብሰንኪ ሞት ክስዕብ ዝኽእል ተስፋ ምቝራጽ ናጻ ክገብረና ይኽእል ኢዩ። ከምዚ ዝበለ ተስፋ ኣብ ኣመሪካ ንዝርከቡ ምርዑዋት ሰብኣይን ሰበይትን ወዲ ኣርባዕተ ዓመት ወዶም ብሓደጋ ምስ ሞተ ደጊፍዎም ኢዩ። ኣዲኡ ከምዚ ብምባል ትእመን:- “ወድና ብትንሳኤ እንደገና ክሳዕ እንርእዮ ኣብ ህይወትና ክምላእ ዘይከኣል ሃጓፍ ኣሎ። ስቓይና ግዝያዊ ምዃኑ ግን ንፈልጥ ኢና: ምኽንያቱ የሆዋ ናይ ሓዘን ንብዓትና ክደርዞ ምዃኑ ተማባጺዑ ኢዩ።”—ራእይ 21:3, 4
ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ካብ ምፍራህ ናጻ ምዃን
መጻኢ ግዜ እንታይ ሒዙ ኣሎ፧ ምድርና ብኑክሌራዊ ህልቂት ክትጠፍእ ድያ፧ ምዕናው ኣከባቢ ምድሪ ንፕላኔትና ክትነብረላ ከም ዘይትከኣል ክገብራ ድዩ፧ ሞራላዊ ውድቀት ናብ ፋሉልነትን ሕንፍሽፍሽን ከምርሕ ድዩ፧ እዚ ሎሚ ንብዙሓት ሓዲርዎም ዘሎ ግሁድ ፍርሂ ኢዩ።
ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይጥዑይ ፍርሂ ናጻ ይገብረና። “ምድሪ . . . ንዘለኣለም ትቐውም” ብምባል የረጋግጸልና። (መክብብ 1:4) የሆዋ ፕላኔትና ብሓላፍነት ዘይስምዖም ሰባት ጠፊኣ ክርኢ ኢሉ ኣይኰነን ፈጢርዋ። (ኢሳይያስ 45:18) ኣብ ክንድኡስ: የሆዋ ንምድሪ ሓድነት ንዘለዎ ሰብኣዊ ስድራቤት ገነታዊት ቤት ኰይና ከተገልግል ኢዩ ፈጢርዋ። (ዘፍጥረት 1:27, 28) ዕላምኡ ኸኣ ኣይተለወጠን። መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ከጥፍኦም’ ከም ዝዀነ ይነግረና ኢዩ። (ራእይ 11:18) ድሕሪዚ “ትሑታት . . . ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ይዛረብ።—መዝሙር 37:11
እዚ መብጽዓ እዚ ዘተኣማምን ኢዩ: ከመይሲ ኣምላኽ ኣይሕሱን ኢዩ። የሆዋ ብነብዪኡ ኢሳይያስ ኣቢሉ “እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ . . . ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ” ብምባል ተዛረበ። (ኢሳይያስ 55:11፣ ቲቶስ 1:2) ስለዚ እምበኣር: ንፍጻሜ ናይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:13 ተመዝጊቡ ዘሎ “ንሕና ግና: ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” ዝብል መብጽዓ ኣምላኽ ብተስፋ ክንጽበዮ ንኽእል ኢና።
ንሰብ ካብ ምፍራህ ናጻ ምዃን
መጽሓፍ ቅዱስ: ብሉጽ ኣብነት ናይቶም ኣብቲ ንኣምላኽ ዝነበሮም ተወፋይነት ፍርሂ ዘየርኣዩ ሰብኡትን ኣንስትን ይህበና። ካብ መንጎ እዚኣቶም—ሒደት ኣስማቶም ንምጥቃስ ዝኣክል—ጊዴዎን: ባራቅ: ዴቦራ: ዳንኤል: ኣስቴር: ኤርምያስ: ኣቢጋይል: ከምኡውን ያዔል ይርከብዎም። እዞም እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን እዚኣቶም ናይቲ “ኣብ ኣምላኽ ተወኪለ ኣይፈርህን: ሰባትከ እንታይ ከይገብሩኒ፧” ኢሉ ዝጸሓፈ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበሮ ዝንባለ ኢዮም ኣርእዮም።—መዝሙር 56:11
ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን: ሃይማኖታውያን ሰበ-ስልጣን ንሃዋርያ ጴጥሮስን ዮሃንስን ምስባኽ ከቋርጹ ምስ ኣዘዝዎም ተመሳሳሊ ትብዓት ኣርእዮም ኢዮም። “ንሕናስ ነቲ ዝርኤናዮን ዝሰማዕናዮን ምዝራቡ ኽንሐድግ ኣይኰነልናን እዩ” ኢሎም ድማ መለሱ። ብምኽንያት ጽኑዕ ኣቕዋሞም ከኣ: ጴጥሮስን ዮሃንስን ጸኒሖም ተኣሲሮም ኢዮም። ብተኣምራታዊ መገዲ ድሕሪ ምፍትሖም: ቀልጢፎም ናብ ዕዮኦም ተመልሱ: ‘ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ምዝራብ’ ከኣ ቐጸሉ። ሽዑ ንሽዑ ግን ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ኣብ ቅድሚ ናይ ኣይሁድ ሳንሄድሪን ቀረቡ። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ “በዚ ስም እዚ ኸይትምህሩዶ ኣምሪርና ኣይከልከልናኩምን፧ እንሆ ኸኣ: ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ” በሎም። ጴጥሮስን እቶም ካልኦት ሃዋርያትን ከኣ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ኢሎም መለሱ።—ግብሪ ሃዋርያት 4:16, 17, 19, 20, 31፣ 5:18-20, 27-29
ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ምስባኽ ዕዮኦም: ነቲ ቕንኢ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ክቐድሕዎ ይጽዕሩ። እቶም ኣብ መንጎኦም ዘለዉ መንእሰያት እውን ከይተረፉ ንኻልኦት ብዛዕባ እምነቶም ብምዝራብ መብዛሕትኡ ግዜ ፍርሂ ከም ዘይብሎም የርእዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ርአ።
ስታሲ እተባህለት ኰተቴ ጓል ብተፈጥሮኣ ሓፋር ኢያ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: ኣብ መጀመርታ ብዛዕባ እምነታ ንኻልኦት ምዝራብ ዓቐብ ኰይንዋ ነበረ። ንሕፍረታ ከተሰንፍ እንታይ ገበረት፧ ከምዚ ትብል:- “መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽናዕኩ ነቲ ዝዛረቦ ድማ እርድኦ ምዃነይ ኣረጋገጽኩ። ከምዚ ምግባረይ ነቲ ኵነታት ኣቕለለይ: ከምኡውን ርእሰ-ተኣማንነት ኣሕደረለይ።” ስታሲ ጽቡቕ ስም ብምትራፋ ኣብቲ ናይቲ ከባቢ ጋዜጣ ብዛዕብኣ ተጻሕፈ። እታ ኣብ ቤት ትምህርታ ዝነበረት ሓንቲ መምህር ዝጸሓፈታ ዓንቀጽ ከምዚ ዝብል ርእይቶ ነበራ:- “[ናይ ስታሲ] እምነት ንሓያለይ ካብቲ ንመብዛሕትኦም ኰተቴታት ዝስምዖም ጸቕጥታት ምእንቲ ኽትቃለስ ሓይሊ ዝሃባ ነገር ይመስል። . . . ንኣምላኽ እተቕርቦ ኣገልግሎት ኣብ ኣእምሮኣ እቲ ቐንዲ ነገር ክኸውን ከም ዝግብኦ ኢዩ ዝስምዓ።”
ቶሚ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ወለዱ ክማሃር ዝጀመረ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ከሎ ኢዩ። ኣብቲ ንኡስ ዕድሚኡ ከሎ እውን ከይተረፈ ንሓቀኛ ኣምልኾ ተባዕ ኣቕዋም ወሰደ። እቶም መንእሰያት መማህርቱ ንበዓላት ዘንጸባርቕ ስእልታት ክስእሉ ከለዉ: ቶሚ ግን እታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ገነት ዘርኢ ስእሊ ሰኣለ። ከም ኰተቴ መጠን: ቶሚ እቶም ተማሃሮ ብዛዕባ እምነት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ደንጽዩዎም ከም ዝነበረ ኣስተብሃለ። ነቶም ተማሃሮ ፈሪሁ ስቕ ኣብ ክንዲ ዝብል: ንዅሉ ሕቶታቶም ብሓንሳብ ምእንቲ ክምልሰሎም ምስቶም ተማሃሮ ናይ ሕቶን መልስን ምይይጥ ክገብር ዝኽእል እንተ ዀይኑ ንሓደ ካብ መማህራኑ ሓተቶ። ተፈቕደሉ እሞ: ጽቡቕ ምስክርነት ከኣ ሃበ።
ማርኬተ ጓል 17 ዓመት ምስ ኰነት ኣብ ክፍላ ንዝርከቡ ካልኦት ብዛዕባ እምነታ ንኽትዛረብ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ረኸበት። ከምዚ ኸኣ ትብል:- “መደረ ከነስምዕ ዕዮ ተዋህበና። ካብታ መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን—ተግባራዊ መልስታትን እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ድማ ኣርእስቲ መረጽኩ።a ካብታ መጽሓፍ ሓሙሽተ ምዕራፋት ወሲደ ኣርእስተን ኣብቲ ሰሌዳ ጸሓፍክዎ። ኣዝዩ ኣገዳሲ ኰይኑ እተሰምዖም ብቅደም-ተኸተል ገይሮም ክሰርዕዎ ኸኣ ነቶም ተማሃሮ ሓተትክዎም።” ድሕሪኡ እቶም ተማሃሮ እተሳተፍሉ ምይይጥ ተገብረ። ማርኬተ “እታ መጽሓፍ ነቶም ተማሃሮ ኣርኣኽዎም እሞ: ብዙሓት ተማሃሮ ሓደ ቅዳሕ ክወሃቦም ሓተቱ። መምህረይ እውን ከይተረፈት ሓንቲ ቕዳሕ ከም ዝደለየት ነገረትኒ።”
በታ ሓቂ ናጻ ኽትወጽእ ትኽእል ኢኻ
ርኢናዮ ከም ዘሎና: እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘላ ሓቂ ነቶም ዘጽንዕዋን መልእኽታ ኣብ ልቦም ከም ዝበጽሕ ዝገብሩን ኣብ ኵሉ ዕድመ ዝርከቡ ሰባት ሓራ ናይ ምግባር ሓይሊ ኣለዋ። ንምውታት ካብ ምፍራህ: ንመጻኢ ግዜ ካብ ምፍራህ: ከምኡውን ንሰብ ካብ ምፍራህ ሓራ ትገብር። ኣብ መወዳእታ ኸኣ: በጅነት የሱስ ንእዙዛት ደቅሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ናጻ ክገብሮም ኢዩ። ኣብታ ድሕሪ ደጊም በቲ ዝወረስናዮ ሓጥእ ኵነታትና ዘይንእሰረላ ገነታዊት ምድሪ ክንነብርሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ክኸውን ኢዩ!—መዝሙር 37:29
ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣተስፍይዎ ዘሎ በረኸታት ዝያዳ ክትፍልጥ ምደለኻዶ፧ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ እንታይ ክትገብር ይግብኣካ፧ የሱስ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) ስለዚ እቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ እተመባጽዓሎም ናጽነት ክትምከሮ ትደሊ እንተድኣ ዄንካ: ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን ወዱን ክትማሃር ኣሎካ። ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ክትፈልጥን: ፈሊጥካ ኸኣ ክትገብሮን የድልየካ: ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ኢዩ ዝብል።—1 ዮሃንስ 2:17
[እግረ-ጽሑፍ]
a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ደቅሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ክዀኑ ኢዮም