ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w97 1/2 ገጽ 8
  • ንዅሉ ዓይነት ሰብ ሓቂ ሒዝካ ምብጻሕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዅሉ ዓይነት ሰብ ሓቂ ሒዝካ ምብጻሕ
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ከም እትዋጽኣሉ
    ንቕሑ!—2014
  • ኣቱም መንእሰያት፡ ንጸቕጢ መዛኑ ተዋጽኡሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ናይ መዛኑ ጸቕጥን ንኽትሰብኽ ዘሎካ መሰልን
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
w97 1/2 ገጽ 8

ጸብጻብ ኣወጅቲ መንግስቲ

ንዅሉ ዓይነት ሰብ ሓቂ ሒዝካ ምብጻሕ

ሃዋርያ ጳውሎስ ቀናእ ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ። ምጽራር ካብቲ “ወንጌል” ንኽሰብኽ ዝነበሮ መዝነት ከጓናድቦ ኣይፈቐደሉን። (1 ቈረንቶስ 9:​16፣ ግብሪ ሃዋርያት 13:​50⁠-52) ጳውሎስ ካልኦት ኣብነቱ ክስዕቡ ተማሕጺኑ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 11:⁠1

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ቈራጽ ናይ ስብከት ጻዕርታቶም ኣብ መላእ ዓለም ፍሉጣት ኢዮም። ብርግጽ: ነቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞ ‘ደቀ መዛሙርቲ [ናይ] ምግባር’ ዕዮ ንምፍጻም ንኻልኦት ‘ብግዜኡ’ ከምኡውን ‘ብዘይ ግዜኡ’ ኢዮም ዝዛረብዎም። (2 ጢሞቴዎስ 4:​2፣ ማቴዎስ 28:​19, 20) እዚ ቀጺሉ ዘሎ ተመክሮታት ከም ዘርእዮ: ኣብተን ኣሕዋት ምጽራር ዘሕልፉለን ዘለዉ ሃገራት እውን ከይተረፈ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝምልከት መልእኽቲ ይበጽሖም ኣሎ።

□ ኣብ ሓንቲ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተኣገደላ ኣብ ምዕራባዊ ፓሲፊክ እትርከብ ደሴት: ሓደ ወዲ 12 ዓመት ኣብ ቤት ትምህርቲ ብሕማቓት መሓዙት ተኸቢቡ ከም ዘሎ ኣስተብሃለ። ብዙሓት ካብ መማህርቱ ሽጋራ ናይ ምትካኽ ልምዲ ዘለዎም: ስእለ⁠-ጽዩፍ ጽሑፋት ዘንብቡ: ንመማህራኖም ዘሸግሩ: ከምኡውን ተባኣስቲ ኢዮም ነይሮም። እቲ ኵነታት እናገደደ ስለ ዝኸደ: እቲ ወዲ ናብ ካልእ ቤት ትምህርቲ ክልወጥ ዝኽእል እንተ ዀይኑ ነቦኡ ሓተቶ። ይኹን እምበር: እቲ ኣቦ ምስ ወዱ ዀይኑ ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ክኸውን ከም ዘይክእል ተዘራረበሉ: ምኽንያቱ ጠባይ ናይቶም ኣብቲ ጥቕኦም ዝርከባ ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ዘለዉ ተማሃሮ እተፈልየ ከም ዘይኰነ ስለ እተሰምዖ ኢዩ። ንወዱ ግን ብኸመይ ክሕግዞ ነበሮ፧

እቲ ኣቦ: ንመንእሰያት እትኸውን መጽሓፍ ኣብቲ ገዛ ከም ዘላ ዘከረ። ካብ ሓደ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ዘመድ ዝረኸባ ህያብ ኢያ ነይራ። ስለዚ ነታ መጽሓፍ ደለያ: ምስ ረኸባ ኸኣ ንወዱ ሃቦ። መንእሰያት ዝሓትዎ ሕቶታትን​—⁠ተግባራዊ መልስታትን (እንግሊዝኛ) ዝብል ኣርእስቲ ድማ ነበራ።a እቲ ወዲ “ነቲ ናይ መሰታ ጸቕጢ ከመይ ገይረ ኢየ ብዓወት ክዋጽኣሉ ዝኽእል፧” እትብል ምዕራፍ ብፍላይ ሓጋዚት ምዃና ረኸባ። እታ መጽሓፍ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኽብረት ምዕቃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ: ካልኦት ዘይጥበባዊ መገዲ ንኽስዕብ ጸቕጢ ክገብርሉ ምስ ዝፍትኑ ከመይ ገይሩ ብሜላ ክኣቢ ከም ዘለዎ እውን ምሂራቶ ኢያ። ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ብምውዓል: እቲ መንእሰይ ነቲ ናይ መሳቱ ጸቕጢ ከመይ ገይሩ ብዓወት ክዋጽኣሉ ከም ዝኽእል ተማህረ።

እቲ ኣቦ: እዝን ካልእ ኣወንታዊ ለውጥታትን ኣብ ወዱ ምስ ኣስተብሃለ: ነታ መጽሓፍ ከንብባ ወሰነ። እቲ ኣቦ በቲ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ተግባራዊ ምኽርታት ብምምሳጡ: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብርሉ ሓተቶም። ጸኒሖም ከኣ: ካልኦት ኣባላት ስድራቤቱ ኣብቲ ጽንዓት ሓበርዎ። ውጽኢት ናይዚኸ እንታይ ኰነ፧ ሕጂ እቲ ወዲ: ምንኣሱ ሓዉ: ኣቦኡ: ክልቲኦም ኣቦሓጐታቱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም።

□ ኣብዛ ሃገር እዚኣ እውን: ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምኽንያት እቲ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ጽኑዕ ተኣዛዝነቶም ተኣሲሮም ነበሩ። ይኹን እምበር: እቲ ኵነታቶም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብትብዓት ካብ ምዝራብ ክዓናቕጾም ኣይፈቐድሉን። ናብ ሓደ ኣዛዚ ቤት ማእሰርቲ ቀሪቦም ፍቓድ ሓተቱ እሞ: ድራር ጐይታ ንምብዓል ፍቓድ ረኸቡ። 14 እሱራት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ተገዳስነት ምስ ገለጹን ኣብዚ ኣገዳሲ ፍጻመ እዚ ምስቶም መሰኻኽር ምስ ሓበሩን ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢዮም እተሓጐሱ! ካብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምውጽኦም ገለ ካብኣቶም መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሕባርን ቀጸሉ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ልዕሊ 25 ሃገራት ብሰንኪ እገዳታት ወይ ብእተፈላለየ ዓይነት ምጽራር ወይ መስጐግቲ ይሳቐዩ ኣለዉ። ይኹን እምበር: ልክዕ ከምቶም ሃዋርያት ‘ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ከየብኰሩ’ ይቕጽሉ ኣለዉ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:​42

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ