ትዝክሮዶ፧
ነቲ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝወጸ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ምንባብ ተሓጒስካሉዶ፧ ተሓጒስካሉ እንተድኣ ኴንካ: ነዞም ዝሰዕቡ ምዝካሮም ኣገዳሲ ኰይኑ ክትረኽቦ ኢኻ:-
◻ ናይታ ኣብ ማቴዎስ 24:3, 27, 37, 39 ተጠቒሳ ዘላ: ፓ.ሩ.ሲያ ’ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ትርጕም እንታይ ኢዩ፧
ብቫይን እተዳለወ ኤክስፖዚቶሪ ዲክሸነሪ ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት ወርድስ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ይብል:- “ፓሩሲያ . . . ኣብ ሓደ ቦታ ምብጻሕን ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ኣብቲ ቦታ ምህላውን እተመልክት ኢያ።” ስለዚ: ነቲ ኣብ ሓደ ቦታ ዝበጽሓሉ ግዜ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብቲ ዝበጽሓሉ ግዜ ቀጺሉ ዘሎ ህላወ ኢያ እተመልክት።—15/8 ገጽ 11
◻ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን “ስጋ” ምእንቲ ክድሕን ‘እተን መዓልትታት ዝሓጸራ’ ብኸመይ ኢየን: ብዝዓበየ ደረጃኸ መዓስ ኢዩ ክፍጸም፧ (ማቴዎስ 24:22)
ብ66 ከ.ኣ.ዘ. ናይ ክርስትያናት “ስጋ” ክድሕን ኣጋጣሚ ብምሃብ: ሮማውያን ነቲ ኣብ የሩሳሌም ገይሮምዎ ዝነበሩ ከበባ ሃንደበት ኣቋረጽዎ። ብተመሳሳሊ: እቲ ንመጻኢ ኣብ ልዕሊ ዓባይ ባቢሎን ዝወርድ መጥቃዕቲ ብገለ መገዲ ሓጺር ክኸውን ንጽበ ኢና። በዚ ኸኣ ቅቡኣት ክርስትያናትን ብጾቶምን ካብቲ ዝመጽእ ጥፍኣት ክድሕኑ ኢዮም።—15/8 ገጽ 18-20
◻ ሓደ ሰብ ካብቲ ናይ ዝኽሪ ምሳልያዊ ቅጫን ወይንን ክወስድ እንተ ጀመረ ወይ እንተ ኣቋረጸ: ስምዒትና ከመይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧
ካልኦት ክርስትያናት ክሻቐሉ ኣየድልዮምን ኢዩ። የሱስ “ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። ነባጊዔይ እፈልጠን” በለ። ብርግጽ: የሆዋ ነቶም ከም መንፈሳውያን ውሉዳት መጠን ብሓቂ ዝሓርዮም ሰባት ይፈልጦም ኢዩ። (ዮሃንስ 10:14፣ ሮሜ 8:16, 17)—15/8 ገጽ 31
◻ እቲ ቐንዲ ዕላማ ሕጊ ሙሴ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
ብቐዳምነት: ንእስራኤላውያን ካብቲ ሓጥእ ኵነታቶም ዝብጀዎም መሲሕ ከም ዘድልዮም መሃሮም። (ገላትያ 3:24) እቲ ሕጊ ኣምላኻዊ ፍርህን ምእዛዝን እውን ምሂሩ ኢዩ፣ ንእስራኤላውያን ድማ ካብቲ እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ኣህዛብ ዝገብርዎ ብልሹው ተግባራት ንኽፍለዩ ሓጊዙ ኢዩ። (ዘሌዋውያን 18:24, 25)—1/9 ገጽ 9
◻ ናይቲ ሓድሽ ኪዳን ዕላማ እንታይ ኢዩ፧ (ኤርምያስ 31:31-34)
ኵሎም ደቅሰብ ምእንቲ ክባረኹ ነገስታትን ካህናትን ዝዀኑ ህዝቢ ንምፍራይ ኢዩ። (ዘጸኣት 19:6፣ 1 ጴጥሮስ 2:9፣ ራእይ 5:10)—1/9 ገጽ 15
◻ ይቕሬታ ናይ ምሕታት ልምዲ ከነማዕብል ዘሎና ስለምንታይ ኢዩ፧
ይቕሬታ ምሕታት ነቲ ብዘይፍጽምና ዝስዕብ ቃንዛ ዘፍኵስ: ነቲ ኣብ መዋጥር ዝወደቐ ዝምድና ድማ ዘዐሪ ኢዩ። እንሓቶ ነፍሲ ወከፍ ይቕሬታ ናይ ትሕትና ትምህርቲ ዝህብ: ከምኡውን ብዛዕባ ናይ ካልኦት ስምዒት ዝያዳ እንግደስ ንኽንከውን ዘለማምደና ኢዩ።—15/9 ገጽ 24
◻ እቲ ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበረ ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ ታሪኻዊ ሓቂ ድዩ ነይሩ፧
እወ። ብዛዕባ ዓለምለኻዊ ምዕልቕላቕ ማይ ዝዛረብ ናይ ጥንቲ ጸብጸባት ካብ ኣመሪካ ኣትሒዝካ ክሳዕ ኣውስትራልያ ኣብ መላእ ዓለም ክርከብ ይከኣል ኢዩ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣዝዩ እተስፋሕፍሐ ቀንዲ ኣርእስቲ: ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዋሂቡ ዘሎ ጸብጻብ: ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ ከም እተፈጸመ ዝገልጽ ተወሳኺ ደገፍ ዝህብ ኢዩ። (ዘፍጥረት 7:11-20)—15/9 ገጽ 25
◻ ተቐባል ጋሻ ምዃን እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧ (ሮሜ 12:13)
ምቕባል ጋሻ ካብታ “ፍቕሪ” ከምኡውን “ጋሻ” ዝብል ትርጕም ዘለወን ክልተ ሱር ቃላት ዝቘመት ናይ ግሪኽ ቃል እተተርጐመት ኢያ። ስለዚ: ብመሰረቱ ምቕባል ጋሻ “ነጋይሽ ምፍቃር” ማለት ኢዩ። ይኹን እምበር: ካብታ ግቡእካ ኰይኑ ስለ እተሰማዓካ እተርእያ ኣብ ሕጊ እተመስረተት ፍቕሪ ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። ኣብ ናይ ሓቂ ለውሃት: ምፍታው: ከምኡውን ኣብ ምሕዝነት እተመስረተ ኢዩ።—1/10 ገጽ 9
◻ ጳውሎስ ኣብ ምዕራፍ 7 ናይታ ንሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኸሎም ቀዳመይቲ ደብዳበ: ብዛዕባ መርዓን ንጽል ምዃንን ከረድኦ ዝደለየ ቀንዲ ነጥቢ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧
መርዓ ቅቡል: ኣብ ትሕቲ ገሊኡ ኵነታት ድማ ንገለ ሰባት ጽቡቕ ኢዩ። ጌና ግን: ንጽል ምዃን ነቶም ንየሆዋ ዝወሓደ ዓንቃፊ ነገራት ብዘለዎ መገዲ ከገልግልዎ ዝደልዩ ክርስትያን ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ጠቓሚ ምዃኑ ዘይከሓድ ኢዩ።—15/10 ገጽ 13
◻ ሓደ ሽማግለ ‘ነቶም ናቱ ዝሓሊ’ ብኸመይ ኢዩ፧ (1 ጢሞቴዎስ 5:8)
ሓደ ሽማግለ ‘ነቶም ናቱ’—በዓልቲ ቤቱን ደቁን—ብስጋ: ብመንፈስ: ከምኡውን ብስምዒት ‘ክሓልየሎም’ ኣለዎ።—15/10 ገጽ 22
◻ የሆዋ ንኣገልገልቱ መጸናንዒ ዝህቦም ብኸመይ ኢዩ፧
ናይ ኣምላክ መንፈስ ቅዱስ ከም “መጸናንዒ” ኰይኑ ይዓዪ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:16) ኣምላኽ መጸናንዒ ዝህበሉ ካልእ መገዲ ድማ ብመጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ኢዩ። (ሮሜ 15:4) ኣምላኽ ንውልቃዊ ድሌትና ይፈልጦ: ከምቲ ጳውሎስ በቲ ቲቶስ ዘምጽኣሉ ናይ ሰብ ቈረንቶስ ጸብጻብ ኣቢሉ ምጽንናዕ ዝረኸበ ድማ: ንሓድሕድና መጸናንዒ ንኽንከውን ክጥቀመልና ይኽእል ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 7:11-13)—1/11 ገጽ 10, 12
◻ እቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 1:3 ዝርከብ: ንየሆዋ ዝምልከት ‘ኣቦ [“ለዋህ:” NW ] ምሕረት’ ዝብል ናይ ጳውሎስ መግለጺ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧
እታ “ለዋህ ምሕረት” ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ስም ካብታ ብስቓይ ካልእ ሰብ እተሰማዓካ ሓዘን ንምግላጽ እትውዕል ቃል ዝመጸት ኢያ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ: ጳውሎስ ነቲ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ጸበባ ዘሕልፉ ዘለዉ ኣገልገልቱ ዘለዎ ለዋህ ስምዒታት ዝገለጸ።—1/11 ገጽ 13
◻ እስራኤላውያን ኣብታ ዓመታዊት መዓልቲ ምትዕራቕ ብምጻሞም እንታይ ኢዩ እተፈጸመ፧ (ዘሌዋውያን 16:29-31፣ 23:27)
ጾም ምጻሞም ንህዝቢ እስራኤል ብዛዕባ ሓጢኣትን ኣድላይነት በጅነትን ዝያዳ ንቑት ንክዀኑ ዘለዓዕሎም ኢዩ ነይሩ። ብእኡ ኣቢሎም ብሰንኪ ሓጢኣቶም እተሰምዖም ሓዘንን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም እተናስሑን ገለጹ።—15/11 ገጽ 5
◻ “[“ሕጂ:” NW ] ንፈጣሪኻ ዘክሮ” ዝብል ትእዛዝ ንመንእሰያት እንታይ ማለት ኢዩ፧ (መክብብ 12:1)
ሓደ ጽሑፍ እታ “ምዝካር” ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቃል ብዙሕ ግዜ “ብኣተሓሳስባ ምፍታው: ከምኡውን ምስ ናይ ዝሓለፈ ተዘክሮታት ተሰንዩ ዝመጽእ ተግባር” ኢያ እተመልክት ይብል። ስለዚ ነዚ ትእዛዝ እዚ ምሕላው ብዛዕባ የሆዋ ካብ ምሕሳብ ንላዕሊ ዘጠቓልል ኢዩ። እዚ ድማ ዕዮ ምዕያይ: ንዕኡ ባህ ዘብሎ ተግባር ምፍጻም ዘጠቓልል ኢዩ።—1/12 ገጽ 16