ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 1/11 ገጽ 7-12
  • መጸናንዒ ንኽትረክብ ናብ የሆዋ ጠምት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጸናንዒ ንኽትረክብ ናብ የሆዋ ጠምት
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘጸናንዕ መብጽዓ ተፈጸመ
  • ካብ ኖህ ዝዓቢ ሓደ ኣካል
  • መጸናንዒ ኣበይ ከም ዝርከብ
  • ከቢድ ፈተና ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን
  • ናይ ሓቂ ምጽንናዕ ካበይ ክርከብ ይከኣል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ‘ንዅሎም ሕዙናት ኣጸናንዓዮም’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዜጸናንዕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ብሓይሊ የሆዋ ተጸናናዕ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 1/11 ገጽ 7-12

መጸናንዒ ንኽትረክብ ናብ የሆዋ ጠምት

“እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም: ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም: ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩም።”​—ሮሜ 15:5

1. ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብዙሕ መጸናንዒ ዘድልዮ ነገራት እተምጽእ ስለምንታይ ኢያ፧

ነፍሲ ወከፍ እትሓልፍ መዓልቲ ተወሳኺ መጸናንዒ ከም ዘድልየና ዝገብር ነገራት ሒዛ ኢያ እትመጽእ። ከምቲ ሓደ ጸሓፍ መጽሓፍ ቅዱስ: 1,900 ዓመታት ይገብር ኢልዎ ዝነበረ ‘ብዘሎ እቲ ፍጥረት የስቈርቍርን ቅልውላው ሒዝዎን [“ይሳቐን:” NW ] ኣሎ።’ (ሮሜ 8:​22) ኣብዚ ግዜና “ምስቍርቋር” ከምኡውን “ስቓይ” ካብ ቅድሚ ሕጂ ዝገድድ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ወድሰብ: ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣትሒዙ: ሓደ ድሕሪ እቲ ሓደ እናተኸታተለ ብመልክዕ ውግእ: ገበን: ከምኡውን ምስቲ ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ንምድሪ ዝገብሮ ዘይግቡእ ኣተሓሕዛ እተኣሳሰረ ባህርያዊ ዕንወት ብዙሕ ቅልውላው ኣሕሊፉ ኢዩ።​—⁠ራእይ 11:18

2. (ሀ) ነዚ ሎሚ ዘሎ ናይ ደቅሰብ ወዮታት ዝያዳ ተወቃሲ ክኸውን ዝግብኦ መን ኢዩ፧ (ለ) እንታይ ጭብጥታት ኢዩ ንመጸናንዒ ዝኸውን መሰረት ዝህበና፧

2 ኣብዚ ግዜና ኣዝዩ ብዙሕ ስቓይ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ብ1914 እተፈጸመ ምውላድ ናይታ መንግስቲ ስዒቡ ዝመጸ: ናይ ሰይጣን ካብ ሰማይ ምድርባይ ክገልጽ ከሎ: “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም” ብምባል ይምልስ። (ራእይ 12:12) ናይዚ ትንቢት እዚ ፍጻሜ ዝዀነ ንጹር መርትዖ: ዳርጋ ኣብ መወዳእታ ናይቲ እኩይ ግዝኣት ሰይጣን ምብጻሕና ዝሕብር ኢዩ። ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት ድሕሪ ቐረባ ግዜ ናብቲ ሰይጣን ነቶም ቀዳሞት ወለድና ናብ ዕልወት ከይመርሖም ከሎ ዝነበረ ኵነታት ክምለስ ምዃኑ ምፍላጥሲ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ!

3. ሰባት መጸናንዒ ዘይደልይሉ እዋን መዓስ ኢዩ ነይሩ፧

3 ኣብ መጀመርታ: እቲ ናይ ሰብ ፈጣሪ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣውያን ጽምዲ ቤቶም ክትከውን ኢሉ ሓንቲ ውቅብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ሃቦም። ኣብ ሓደ “ባህታ” ወይ “ሓጐስ” ዝትርጕሙ: ኤደን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ ኢያ እትርከብ ነይራ። (ዘፍጥረት 2:8 NW  እግረ⁠-ጽሑፍ) ብተወሳኺ: ኣዳምን ሄዋንን ሞት ክመጽእ ፈጺምካ ትጽቢት ዘይትገብረሉ ፍጹም ጥዕና ኢዮም ዘስተማቕሩ ነይሮም። ነቲ ከም ንስፍራ ኣታኽልቲ ምዅስኳስ: ስነ⁠-​ጥበብ: ህንጻ: ከምኡውን ሙዚቃ ዝኣመሰለ ክእለታቶም ከዕብይሉ ዝኽእሉ ዝነበሩ ብዙሕ ዓውድታት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ነቲ ንምድሪ ክመልክዋን ገነት ክገብርዋን እተዋህቦም ትእዛዝ ክፍጽሙ ከለዉ ከጽንዕዎ ዝኽእሉ ዝነበሩ ኵሉ ናይ ፍጥረት ዕዮታት ከኣ እሞ ሕሰቦ። (ዘፍጥረት 1:​28) ብርግጽ: ናይ ኣዳምን ሄዋንን ህይወት ብሓጐስን ባህታን ድኣምበር: ብምስቍርቋርን ስቓይን ኣይምመልአን ነይሩ። ብሓቂ ድማ: መጸናንዒ ኣይመድለዮምን ነይሩ።

4, 5. (ሀ) ኣዳምን ሄዋንን ኣብቲ ዘጋጠሞም ናይ ምእዛዝ ፈተና ዝሰነፉ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ደቅሰብ መጸናንዒ ዘድልዮም ክዀኑ ዝኸኣሉ ብኸመይ ኢዩ፧

4 ይኹን እምበር: ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ሕያዋይ ሰማያዊ ኣቦኦም ዓሚቝ ፍቕርን ሞሳን ክዅስኵሱ የድልዮም ነበረ። ከምዚ ዝበለት ፍቕሪ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ንኣምላኽ ክእዘዙ መለዓዓለቶም ነይራ። (ምስ ዮሃንስ 14:31 ኣረኣእዮ።) እቲ ዘሕዝን ግን: ክልቲኦም ናይ መጀመርታ ወለድና ነቲ ሉዓላዊ ጐይታኦም የሆዋ ካብ ምእዛዝ ሰነፉ። ኣብ ክንድኡ: ገዛእ ርእሶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይቲ ውርደተኛ ዝዀነ መልኣኽ: ሰይጣን ድያብሎስ: ኣግዝእዋ። ንሄዋን ክትሓጥእን ካብታ ክልክልቲ ፍረ ክትበልዕን ዘስሓታ ሰይ⁠ጣን ኢዩ ነይሩ። ድሕርዚ ኣዳም እውን ካብታ ኣምላኽ ብዛዕባኣ “ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ” ብምባል ብንጹር ኣጠንቂቕዎ ዝነበረ ፍረ ብምብላዕ ሓጢኣተኛ ኰነ።​—⁠ዘፍጥረት 2:​17

5 ከምዚ ብምግባሮም: እቶም ሓጢኣተኛታት ሰብኣይን ሰበይትን ክሞቱ ጀመሩ። ኣምላኽ ናይ ሞት ፍርዲ ከመሓላልፍ ከሎ: ንኣዳም “ምድሪ ብዛዕባኻ ርግምቲ ትኹን። ኵሉ ዘበን ህይወትካ እንጌራኻ ኻብኣ ብጻዕሪ ኽትበልዕ ኢኻ። እሾዅን ተዀርባን ተብቍለልካ: ብቝሊ መሮር ድማ ኽትበልዕ ኢኻ” እውን ኢልዎ ነበረ። (ዘፍጥረት 3:​17, 18) በዚ ኸምዚ ኣዳምን ሄዋንን ነታ ዘይለምዐት ምድሪ ገነት ንምግባራ ዝነበሮም ተስፋ ኣጥፍኡ። ካብ ኤደን ስለ እተሰጉ: ጕልበቶም ካብታ ተረጊማ ዝነበረት ምድሪ መግቢ ብጻዕሪ ኣብ ምርካብ ከውዕልዎ ነበሮም። ዘርኦም ድማ ነዚ ሓጥእን መዋትን ኵነታት ብምውራሶም: ብዙሕ መጸናንዒ ዘድልዮም ኰኑ።​—⁠ሮሜ 5:​12

ዘጸናንዕ መብጽዓ ተፈጸመ

6. (ሀ) ወድሰብ ኣብ ሓጢኣት ምስ ወደቐ ኣምላኽ እንታይ ዘጸናንዕ መብጽዓ ገበረ፧ (ለ) ላሜክ ብዛዕባ መጸናንዒ እንታይ ትንቢት ኢዩ እተዛረበ፧

6 የሆዋ ነቲ ጠንቂ ዕልወት ሰብ ዝዀነ ኣካል ክፈርዶ ከሎ: ‘መጸናንዒ [ዝህብ] ኣምላኽ’ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኢዩ። (ሮሜ 15:5) ከምዚ ዝገበረ ድማ: ኣብ መወዳእታ ንዘርኢ ኣዳም ካብቲ ኣዕናዊ ሳዕቤን ዕልወት ኣዳም ዘድሕን ‘ዘርኢ’ ክልእኽ ምዃኑ መብጽዓ ብምግባር ኢዩ። (ዘፍጥረት 3:​15) ቀጺሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ: ኣምላኽ ነዚ ድሕነት እዚ በብደረጅኡ ዘብርህ ብርሃናት ሂቡ ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ ብሴት ኣቢሉ ርሕቕ ዝበለ ዘርኢ ኣዳም ዝዀነ ላሜክ: ወዱ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ንኽንበ ብመንፈስ ደሪኽዎ ኢዩ:⁠- “ኣብዛ እግዚኣብሄር ዝረገማ ምድሪ ኻብ ዘሎ ዕዮናን ካብ ጻዕሪ ኢድናን እዚ ኼጸናንዓና እዩ።” (ዘፍጥረት 5:​29) ምስዚ መብጽዓ እዚ ብምስምማዕ: እቲ ወዲ: ኖህ ተባሂሉ ተጸውዐ: እዚ ድማ “ዕረፍቲ” ወይ “መጸናንዒ” ማለት ከም ዝዀነ ርዱእ ኢዩ።

7, 8. (ሀ) የሆዋ ብዛዕባ ንሰብ ምፍጣሩ ከም ዝጠዓስ ዝገበሮ ኵነታት እንታይ ኢዩ ነይሩ: ነዚ ዝምልከትከ እንታይ ክገብር ኢዩ ዝዓለመ፧ (ለ) ኖህ ምስ ትርጕም ስሙ ብምስምማዕ እተመላለሰ ብኸመይ ኢዩ፧

7 ክሳዕ ሽዑ ኣብ ዝነበረ ግዜ ድማ: ሰይጣን ካብቶም ሰማያውያን መላእኽቲ ገለ ሰዓብቲ ይረክብ ነበረ። እዚኣቶም ድማ ከም ሰብ ስጋ ለቢሶም ነተን ዘርኢ ኣዳም ዝዀና ምልኩዓት ደቀ ኣንስትዮ ከም ኣንስቶም ገይሮም ወሰዱወን። ከምዚ ዝበለ ዘይባህርያዊ መውስቦ ነቲ ማሕበረሰብ መሊሱ ኣበላሸዎ: ከምኡውን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ንምድሪ ብዓመጻ ዝመልእዋ ናይ ነፍሊም: “ንጉዓት:” ዘርኢ ኣፍረየ። (ዘፍጥረት 6:​1, 2, 4, 11፣ ይሁዳ 6) “እግዚኣብሄር ከኣ: ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሔ . . . ረአየ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሰብ ኣብ ምድሪ ብምግባሩ ተጣዕሰ: ብልቡ ድማ ጐሀየ።”​—ዘፍጥረት 6:​5, 6

8 የሆዋ ነቲ እኩይ ወለዶ እቲ ዓለምለኻዊ ብዝዀነ ማይ ኣይሂ ገይሩ ከጥፍኦ መደበ: ይኹን እምበር ህይወት ምእንቲ ከድሕን ብመጀመርታ ኖህ መርከብ ከም ዝሃንጽ ገበረ። በዚ ኸምዚ ድማ: ሰብኣዊ ዓሌትን በብዓይነቶም እንስሳታትን ደሓኑ። ኖህን ስድራቤቱን ድሕሪ እቲ ማይ ኣይሂ ካብታ መርከብ ናብታ ዝጸረየት ምድሪ ክወጹ ኸለዉስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ዕረፍቲ ተሰሚዕዎም ክኸውን ኣለዎ! ንሕርሻዊ ንጥፈታት ኣዝዩ ዝቐለለ ብምግባር: ኣብ ልዕሊ እታ ምድሪ ዝነበረ መርገም ኣልጊሱ ክትርእዮስ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! ብርግጽ: ሓቅነት ትንቢት ላሜክ ተረጋጊጹ ኢዩ: ኖህ ድማ ምስ ትርጕም ስሙ ብምስምማዕ ተመላለሰ። (ዘፍጥረት 8:21) ከም እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ መጠን: ኖህ ንደቅሰብ ብእተወሰነ ደረጃ “መጸናንዒ” ኣብ ምሃብ መሳርሒ ብምዃን ዓይዩ ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ እኩይ ጽልዋ ሰይጣንን ኣጋንንቲ መላእኽትን ኣብ ማይ ኣይሂ ኣይተወድአን: ደቅሰብ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት ሓጢኣትን ሕማምን ሞትን ምስቍርቋር ቀጸሉ።

ካብ ኖህ ዝዓቢ ሓደ ኣካል

9. የሱስ ክርስቶስ ንዝናስሑ ሰባት ደጋፍን መጸናንዕን ምዃኑ ዘረጋገጸ ብኸመይ ኢዩ፧

9 ኣብ መወዳእታ: ዳርጋ ኣብ ምዝዛም ናይቲ ን4,000 ዓመታት ዝቐጸለ ሰብኣዊ ታሪኽ: እቲ ተስፋ እተገብረሉ ዘርኢ መጸ። የሆዋ ኣምላኽ በቲ ንደቅሰብ ዘለዎ ዓቢ ፍቕሪ ተለዓዒሉ ኣብ ክንዲ ሓጢኣተኛታት ደቅሰብ በጃ ብምዃን ክመውት ኢሉ ነቲ ሓደ ወዱ ናብ ምድሪ ለኣኾ። (ዮሃንስ 3:​16) የሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣብቲ መስዋእታዊ ሞቱ እምነት ብምርኣይ እተናስሑ ሓጢኣተኛታት ዓቢ ዕረፍቲ የምጽኣሎም ኢዩ። ኵሎም እቶም ህይወቶም ንየሆዋ ዝወፈዩን ጥሙቓት ደቀ መዛሙርቲ ወዱ ዝዀኑን ሰባት: ነባሪ ዕረፍትን ምጽንናዕን የስተማቕሩ ኢዮም። (ማቴዎስ 11:28⁠-​30፣ 16:24) ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰኑ: ንኣምላኽ ብጽጹይ ሕልና ብምግልጋል ዓሚቝ ሓጐስ ይረኽቡ ኢዮም። ኣብ የሱስ እምነት ምርኣይ እንተድኣ ቀጺሎም: ናይ ዘለኣለም ህይወት ዓስቢ ከም ዝረኽቡ ምፍላጦምሲ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ! (ዮሃንስ 3:​36፣ እብራውያን 5:9) ብሰንኪ ድኽመት ከቢድ ሓጢኣት እንተድኣ ፈጺሞም: በቲ ዝተንስአ ጐይታ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሎም ደጋፊ ወይ መጸናንዒ ይረኽቡ ኢዮም። (1 ዮሃንስ 2:​1, 2) ኣምላኽ ‘ንሓጢኣቶም ይቕረ ክብለሎም እሙንን ጻድቕን ምዃኑ’ ስለ ዝፈልጡ: ካብ ከምዚ ዝበለ ሓጢኣት ብምንሳሕን ንሓጢኣት ልማድ ምእንቲ ከይገብርዎ ድማ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስጕምትታት ብምውሳድን ዕረፍቲ ይረኽቡ ኢዮም።​—⁠1 ዮሃንስ 1:9፣ 3:6፣ ምሳሌ 28:13

10. ካብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ዝገበሮ ተኣምራት እንታይ ኢና እንማሃር፧

10 የሱስ ኣብ ምድሪ ከሎ እውን ነቶም ኣጋንንቲ ዝሓዝዎም ናጻ ብምግባር: ንዅሉ ዓይነት ሕማማት ብምሕዋይ: ከምኡውን ነቶም ዝሞቱ ፍቑራት ሰባት እንደገና ናብ ህይወት ብምምላስ ዕረፍቲ ኣምጺኡ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: እቶም ነዚ በረኸታት እዚ ረኺቦም ዝነበሩ ሰባት ድሕርዚ ኣሪጎም ስለ ዝሞቱ: ከምዚ ዝበለ ተኣምራት ዘምጽኦ ረብሓ ግዝያዊ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን: የሱስ በዚ መገዲ እዚ ገይሩ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ደቅሰብ ዘውሕዞ ናይ መጻኢ ግዜ ነባሪ በረኸታት ኢዩ ሓቢሩ። እዚ ሕጂ ሓያል ሰማያዊ ንጉስ ኰይኑ ዘሎ: ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣጋንንቲ ካብ ምውጻእ ዝዓቢ ነገር ክገብር ኢዩ። ነቲ መራሒኦም ዝዀነ ሰይጣን ሓዊሱ ክንቀሳቐስሉ ኣብ ዘይክእሉ ቦታ ክሕይሮም ኢዩ። ድሕርዚ እቲ ግርማዊ ናይ ሽሕ ዓመት ንግስና ክርስቶስ ክጅምር ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 8:​30, 31፣ ራእይ 20:​1, 2, 6

11. የሱስ ንገዛእ ርእሱ “ጐይታ ሰንበት” ኢሉ ዝጸውዓ ስለምንታይ ኢዩ፧

11 የሱስ “ጐይታ ሰንበት” ከም ዝዀነ ተዛሪቡ ኢዩ: ካብቲ ዝገበሮ ምሕዋይ ድማ ዝበዝሕ ኣብ መዓልቲ ሰንበት ኢዩ ገይርዎ። (ማቴዎስ 12:​8⁠-​13፣ ሉቃስ 13:14⁠-​17፣ ዮሃንስ 5:​15, 16፣ 9:​14) ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ዝገበረ፧ እወ: ሰንበት ክፍሊ ናይቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ ኢያ ነይራ: “ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር” ብምዃን ድማ ኣገልጊላ ኢያ። (እብራውያን 10:1) እተን ሽዱሽተ ናይ ስራሕ መዓልትታት ነቲ ሰብ ኣብ ትሕቲ ግፍዒ ዝመልኦ ግዝኣት ሰይጣን ባርያ ኰይኑ ዘሕለፎ 6,000 ዓመታት ዘዘኻኽራና ኢየን። እታ ኣብ መወዳእታ ናይታ ሰሙን ዘላ መዓልቲ ሰንበት ድማ ነቲ ደቅሰብ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ንግስና ናይቲ ካብ ኖህ ዝዓበየ የሱስ ክርስቶስ ዘስተማቕርዎ ምጽንናዕ ዝህብ ዕረፍቲ እተዘኻኽረና ኢያ።​—⁠ምስ 2 ጴጥሮስ 3:8 ኣረኣእዮ።

12. ነየናይ ዘጸናንዕ ተመክሮታት ኢና ብተስፋ ክንጽበ እንኽእል፧

12 ምድራውያን ተገዛእቲ ክርስቶስ: ኣብ መወዳእታ ካብቲ እኩይ ጽልዋ ሰይጣን ምሉእ ብምሉእ ናጻ ከም ዝወጹ ምስ ተረድኡ: ከመይ ዝበለ ዕረፍቲ ኰን ኢዩ ክስምዖም! ካብቲ ኣካላውን ስምዒታውን ኣእምሮኣውን ሕማም ምስ ጠዓዩ ድማ ተወሳኺ መጸናንዒ ክረኽቡ ኢዮም። (ኢሳይያስ 65:17) ድሕርዚ: ነቶም ሞይቶም ዝነበሩ ፍቑራቶም ክቕበልዎም ክጅምሩ ከለዉ ዝህልዎም ፍስሃ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ኣምላኽ በዚ መገድታት እዚ ገይሩ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ።” (ራእይ 21:4) በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ ዘምጽኦ ጥቕምታት በብደረጅኡ ኣብ ግብሪ እናወዓለ ክኸይድ ከሎ: እቶም እዙዛት ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ካብቲ ሓጢኣት ኣዳም ዘምጽኦ ኵሉ ሕማቕ ሳዕቤናት ምሉእ ብምሉእ ናጻ ብምዃን ናብ ፍጽምና ክዓብዩ ኢዮም። (ራእይ 22:​1⁠-​5) ድሕርዚ ሰይጣን “ንቕሩብ ጊዜ” ካብ ማእሰርቱ ክፍታሕ ኢዩ። (ራእይ 20:​3, 7) ነቲ ቅኑዕ ዝዀነ ሉዓላውነት የሆዋ ብተኣማንነት ዝድግፉ ኵሎም ሰባት ድማ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዓስቢ ክረኽቡ ኢዮም። “ካብ ባርነት ጥፍኣት” ምሉእ ብምሉእ “ሓራ” ምስ ‘ወጹ’ ዝህሉ: እዚ ዘይበሃል ሓጐስን ዕረፍትን እሞ ሕስብ ኣብሎ! በዚ ኸምዚ እዙዛት ደቅሰብ ነቲ “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ከስተማቕርዎ ኢዮም!​—⁠ሮሜ 8:​21

13. ኵሎም ሓቀኛታት ክርስትያናት እቲ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ መጸናንዒ ዘድልዮም ስለምንታይ ኢዩ፧

13 ክሳዕ ሽዑ ግን: ኣብ ማእከል እዚ እኩይ ኣገባብ ሰይጣን ንዝነብሩ ኵሎም ሰባት ልሙድ ዝዀነ ምስቍርቋርን ስቓይን ከነሕልፍ ኢና። እናወሰኸ ዝኸይድ ኣካላዊ ሕማምን ስምዒታዊ ምምዝባልን ንእሙናት ክርስትያናት ሓዊስካ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ዝትንክፍ ኢዩ። (ፊልጲ 2:​25⁠-​27፣ 1 ተሰሎንቄ 5:​14) ብተወሳኺ: ‘ካብ ንሰብ ንኣምላኽ ብምእዛዝና’ ከም ክር⁠ስ⁠ትያ⁠ናት መጠን መብዛሕትኡ ግዜ በቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሌና ዘውርዶ ዘይፍትሓዊ ላግጽን መስጐጕትን ንሳቐ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 5:​29) ስለዚ: ክሳዕ መወዳእታ ናይ ሰይጣን ዓለም ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ክንጽመም እንተድኣ ኴንና: እቲ ካብ ኣምላኽ ዝርከብ መጸናንዕን ደገፍን ሓይልን የድልየና ኢዩ።

መጸናንዒ ኣበይ ከም ዝርከብ

14. (ሀ) የሱስ ኣብታ ቅድሚ ሙማቱ ዝነበረት ምሸት እንታይ መብጽዓ ኢዩ ዝገበረ፧ (ለ) ካብቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዝርከብ መጸናንዒ መሊእና ክንጥቀም እንተድኣ ኴንና እንታይ ኢዩ ዘድሊ፧

14 የሱስ ኣብታ ቅድሚ ሙማቱ ዝነበረት ምሸት: ድሕሪ ቑሩብ ክሓድጎምን ናብ ኣቦኡ ክምለስን ምዃኑ ነቶም እሙናት ሃዋርያቱ ብንጹር ገሊጹሎም ኢዩ። እዚ ድማ ኣጨኒቕዎምን ኣጕህይዎምን ኢዩ። (ዮሃንስ 13:33, 36፣ 14:27⁠-​31) የሱስ ቀጻሊ መጸናንዒ ከም ዘድልዮም ብምስትብሃል “ኣነ ኸኣ ነቦ ኽልምኖ እየ: ንሱ ድማ ንዘለኣለም ምሳኻትኩም ዚነብር ካልእ መጸናንዒ ኺህበኩም እዩ” ኢሉ ተመባጽዓሎም። (ዮሃንስ 14:16 NW እግረ-ጽሑፍ።) የሱስ ከምዚ ክብል ከሎ: ነቲ ድሕሪ ትንሳኤኡ 50 መዓልትታ ጸኒሑ ኣብ ልሊ ደቀ መዛሙርቱ ዝፈሰሰ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ዘመልክት ነይሩ።a ገለ ካብቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝገበሮ ነገራት: ኣብ ግዜ ፈተናኦም ኣጸናኒዕዎም: ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ክቕጽሉ ድማ ኣሐይልዎም ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:​31) ይኹን እምበር: ከምዚ ዝበለ ሓገዝ ብቕጽበት ከም ዝመጽእ ገይርካ ክርአ የብሉን። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ካብዚ መንፈስ እዚ መሊኡ ምእንቲ ክጥቀም: ነቲ ኣምላኽ ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ዝህቦ ዘጸናንዕ ሓገዝ ንኽረክብ ከየባተኸ ክጽሊ ይግብኦ።​—⁠ሉቃስ 11:13

15. ገለ ካብቲ የሆዋ ንዓና መጸናንዒ ዝህበሉ መገድታት እንታይ ኢዩ፧

15 ኣምላኽ መጸናንዒ ዝህበሉ ካልእ መገዲ ድማ ብቓሉ: መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:⁠- “ብትግዕስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና: እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።” (ሮሜ 15:4) እዚ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት ተመዝጊቡ ዘሎ ነገራት ስርዓታውያን ኴንና ምንባብን ምስትንታንን ከም ዘድልየና ዘርኢ ኢዩ። ከምኡውን ኣብቲ ካብ ቃል ኣምላኽ ዘጸናንዕ ሓሳባት እንረኽበሉ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኴንና ክንካፈል የድልየና። ሓደ ካብቲ ናይ ከምዚ ዝበለ ኣኼባታት ቀንዲ ዕላማ ንሓድሕድና ምትብባዕ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 10:25

16. እቲ ናይ ኣምላኽ ዘጸናንዕ ምድላዋት እንታይ ክንገብር ኢዩ ከተባብዓና ዘለዎ፧

16 እታ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ዝሰደዳ መልእኽቲ ቀጺላ ነቲ ዘጸናንዕ ምድላዋት ኣምላኽ ምስ እንጥቀመሉ እንረኽቦ ጽቡቕ ፍረ ትገልጽ። ጳውሎስ “ግናኸ ሐቢርኩም ብሓደ ኣፍ ኴንኩም ንኣምላኽ: ንሱ ኸኣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ: ምእንቲ ኸተኽብሩስ: እቲ ናይ ትዕግስትን ምጽንናዕን ኣምላኽ ኣብ ንሓድሕድኩም: ከምቲ ናይ ክርስቶስ የሱስ ጌርኩም: ሓደ ሓሳብ ክትሐስቡ ይሀብኩም” ብምባል ጸሓፈ። (ሮሜ 15:​5, 6) እወ: ካብቲ ናይ ኣምላኽ ዘጸናንዕ ምድላዋት ምሉእ ጥቕሚ ብምርካብ: ነቲ ተባዕ መራሒና የሱስ ክርስቶስ ክንመስሎ ኢና። እዚ ኣብ ዕዮ ስብከትና: ኣብ ኣኼባታትና: ኣብቲ ምስ ኣመንቲ ብጾትና እንገብሮ ብሕታዊ ዕላል: ከምኡውን ኣብ ጸሎትና ኣፍና ንኣምላኽ ንምውዳስ ብቐጻሊ ክንጥቀመሉ ከለዓዕለና ኢዩ።

ከቢድ ፈተና ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን

17. የሆዋ ንወዱ ዘጸናነዖ ብኸመይ ኢዩ: ምስ እንታይ ፍረኸ፧

17 የሱስ ኣብታ መሪር ሞት ቅድሚ ሙማቱ ዝነበረት ምሸት ‘ተኪዙ’ ከምኡውን ‘ኣዝዩ ጕህዩ’ ነበረ። (ማቴዎስ 26:37, 38) ስለዚ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ቑሩብ ርሕቕ ኢሉ ሓገዝ ክህቦ ናብ ኣቦኡ ጸለየ። ‘ንኣምላኽ ምፍርሁ [ድማ] ተሰምዐ።’ (እብራውያን 5:7) መጽሓፍ ቅዱስ “ዜበርትዖ መልኣኽ [ንየሱስ] ካብ ሰማይ ተራእዮ” ብምባል ጸብጻብ ይህብ። (ሉቃስ 22:43) እቲ የሱስ ንጸላእቱ ኣብ ምግጣም ዘርኣዮ ተባዕን ናይ ስብእነትን መገዲ: ኣምላኽ ንወዱ ዘጸናነዓሉ ኣገባብ ኣዝዩ ኣስላጢ ምዃኑ ዘረጋግጽ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 18:​3⁠-​8, 33⁠-​38

18. (ሀ) ኣብ ህይወት ሃዋርያ ጳውሎስ ብፍላይ ፈታኒ ዝነበረ እዋን ኣየናይ ኢዩ፧ (ለ) ነቶም ጻዕረኛታትን ናይ ድንጋጽ ስምዒት ዘለዎምን ሽማግለታት ምንጪ ምጽንናዕ ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

18 ሃዋርያ ጳውሎስ እውን መሪር ፈተና ዝነበሮ እዋናት ኣሕሊፉ ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ኣብ ኤፌሶን ዝገበሮ ኣገልግሎት ‘ብብዙሕ ንብዓትን ብውዲት ኣይሁድ ብዝበጽሖ ፈተናታትን’ እተፈልጠ ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:17⁠-​20) ኣብ መወዳእታ: ደገፍቲ ናይታ ኣርጤምስ እትበሃል ኣንስተይቲ ኣምላኽ: ነታ ከተማ ብሰንኪ ስብከት ኣገልግሎቱ ምስ ኣናዓብዋ ጳውሎስ ንኤፌሶን ሓዲግዋ ከደ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:23⁠-​29፣ 20:1) ጳውሎስ ናብ ከተማ ጥሮኣስ ንሰሜን ኣቢሉ ምስ ከደ: ካልእ ነገር ኣዝዩ ኣጨነቖ። ቅድሚ እቲ ኣብ ኤፌሶን ዝነበረ ናዕቢ ገለ ግዜ ይገብር: ዘሰንብድ ጸብጻብ ሰሚዑ ነበረ። እታ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረት ሓዳስ ጉባኤ ብሰንኪ ምፍልላይ ተሃዊኻ: ንምንዝር ድማ ስቕ ኢላ ትጻወሮ ነበረት። ስለዚ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ኰይኑ ነቲ ኵነታት ክእርሞ ተስፋ ብምግባር ከቢድ ተግሳጽ ዝሓዘ ደብዳበ ጽሒፉ ነበረ። ከምዚ ክገብር ቀሊል ኣይነበረን። ኣብታ ካልኣይቲ ደብዳበ “ብብዙሕ ጸበባን ጭንቀት ልብን ብዙሕ እናነባዕኩ ዝጸሐፍኩልኩም” ብምባል ገለጸ። (2 ቈረንቶስ 2:4) ልክዕ ከም ጳውሎስ: ናይ ድንጋጽ ስምዒት ዘለዎም ሽማግለታት ናይ ገዛእ ርእሶም ድኽመታት ከም ዘለዎም ስለ ዝግንዘቡ ናይ መኣረምታ ምኽርን ተግሳጽን ምሃብ ቀሊል ኰይኑ ኣይረኽብዎን ኢዮም። (ገላትያ 6:1) እምበኣር: ነቲ ዝህቡና ፍቕራውን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተን ምኽሪ ክንቅበሎ ድሉዋት ብምዃን: ነቶም ኣብ ማእከልና መሪሕነት ዝወስዱ ሰባት ምንጪ ምጽንናዕ ንዅን።​—እብራውያን 13:17

19. ጳውሎስ ካብ ጥሮኣስ ናብ መቄዶንያ ዝኸደ ስለምንታይ ኢዩ: ኣብ መወዳእታ ዕረፍቲ ዝረኸበኸ ብኸመይ ኢዩ፧

19 ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን ከሎ: ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ኣሕዋት ጽሒፍሎም ጥራይ ዘይኰነስ: ነታ ደብዳብ ዝምልከት ዝነበሮም ተቐባልነት ዝገልጽ ጸብጻብ ሒዙ ክምለስ ብምእዛዝ ንቲቶስ እውን ልኢኹሎም ኢዩ። ጳውሎስ ንቲቶስ ኣብ ጥሮኣስ ክረኽቦ ተስፋ ገይሩ ነበረ። ጳውሎስ ኣብዚ ቦታ እዚ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ሰናይ ኣጋጣሚታት ብምርካቡ ተባሪኹ ኢዩ። ይኹን እምበር: ቲቶስ ጌና ስለ ዘይመጸ እዚ ኣጋጣሚታት እዚ ንጭንቀቱ ከህድኦ ኣይከኣለን። (2 ቈረንቶስ 2:​12, 13) ስለዚ ምስ ቲቶስ ኣብ መቄዶንያ ክራኸብ ተስፋ ብምግባር ናብኡ ከደ። እቲ ጭንቀት ዝመልኦ ኵነታት ጳውሎስ በቲ ንኣገልግሎቱ ዘጋጠሞ ምጽራር መሊሱ ገደደ። ጳውሎስ “ናብ መቄዶንያ ምስ በጻሕና ድማ: ካብ ወጻኢ ውግእ: ኣብ ውሽጢውን ፍርሃት ነበረና እሞ: ብዅሉ ጨነቐና እምበር: ስጋና እኳ ዕረፍቲ ኣይረኸበን። እቲ ንጥቑዓት ዜጸናንዕ ኣምላኽ ግና ብምምጻእ ቲቶስ ገይሩ ኣጸናንዓና” ብምባል ይገልጽ። (2 ቈረንቶስ 7:​5, 6) ኣብ መወዳእታ ቲቶስ ብዛዕባ እቲ ሰብ ቈረንቶስ ንደብዳበ ጳውሎስ ዘርኣይዎ ኣወንታዊ ምላሽ ክነግሮ ኢሉ ናብኡ ምስ መጸስ: ከመይ ዝበለ ቅሳነት ኰን ኢዩ ነይሩ!

20. (ሀ) ከምቲ ኣብ ኵነታት ጳውሎስ እተራእየ: የሆዋ መጸናንዒ ዝህበሉ ካልእ ኣገዳሲ መገዲ እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ እንታይ ኢና ክንርኢ፧

20 ናይ ጳውሎስ ተመክሮ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ ኣምላኽ: ብዙሓት ካብኣቶም ድማ ምስ ፈተናታት ብምግጣሞም ‘እተጠቕዑ’ ወይ “እተጨነቑ” (ትርጕም ፊሊፕስ) ዘጸናንዕ ኢዩ። እወ: ከምቲ ጳውሎስ በቲ ቲቶስ ዘቕረበሉ ጸብጻብ ናይቲ ሰብ ቈረንቶስ ዘርኣይዎ ናይ ነስሓ ዝንባለ መጸናንዒ ዝረኸበ: ‘እቲ ናይ ምጽንናዕ ኣምላኽ’ ውልቃዊ ድልየትና ይፈልጥ ኢዩ: ንሓድሕድና መጸናንዒ ክንከውን ድማ ክጥቀመልና ይኽእል ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 7:​11⁠-​13) ኣብታ እትቕጽል ዓንቀጽና: እቲ ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ዝለኣኸሎም ምዉቕ መልስን እዚ ድማ ንሕና ነቲ ሎሚ ኣምላኽ ዝህቦ መጸናንዒ ኣብ ምምቓል ውጽኢታውያን ምእንቲ ክንከውን ብኸመይ ክሕግዘና ከም ዝኽእልን ክንርኢ ኢና።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ኣብ ልዕሊ እቶም ናይ መጀመርታ ክፍለ⁠-ዘበን ክርስትያናት ዝወረደ መንፈስ ኣምላኽ: ሓደ ካብቲ ቀንዲ ዕዮታቱ ከም ፍሉይ ውልድነት እተቐበሉ መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽን ኣሕዋት የሱስን መጠን ንምቕብኦም ኢዩ ነይሩ። (2 ቈረንቶስ 1:​21, 22) እዚ ነቶም 144,000 ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ጥራይ እተመደበ ኢዩ። (ራእይ 14:​1, 3) ሎሚ መብዛሕትኦም ክርስትያናት ኣብ ምድራዊት ገነት ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ብሕያውነት ተዋሂብዎም ኣሎ። ቅቡኣት እኳ እንተ ዘይኰኑ: ንሳቶም እውን መንፈስ ኣምላኽ ዝህቦ ሓገዝን መጸናንዕን ይቕበሉ ኢዮም።

ክትምልስዶ ምኸኣልካ

◻ ደቅሰብ መጸናንዒ ዘድልዮም ዝዀኑ ብኸመይ ኢዮም፧

◻ የሱስ ካብ ኖህ ዝዓቢ ምዃኑ ዘረጋገጸ ብኸመይ ኢዩ፧

◻ የሱስ ንገዛእ ርእሱ “ጐይታ ሰንበት” ኢሉ ዝጸውዓ ስለምንታይ ኢዩ፧

◻ ኣምላኽ ሎሚ መጸናንዒ ዝህብ ዘሎ ብኸመይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ካርታ/ስእሊ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ጳውሎስ ካብቲ ቲቶስ ብዛዕባ ሰብ ቈረንቶስ ዝሃቦ ጸብጻብ ዓቢ ምጽንናዕ ረኺቡ ኢዩ

መቄዶንያ

ፊልጲ

ግሪኽ

ቈረንቶስ

እስያ

ጥሮኣስ

ኤፌሶን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ