ኣብ ሃገር “ከረን ኣምላኽ” ዝርከብ “ጨርሒ ምስክር”
ኣብ ካርታ ናይታ ኣህጉር: ብወሰናስን ምዕራብ ኣፍሪቃ ገይርካ ንሸነኽ ምብራቕ ብወሽመጥ ጒንያ ኣቢልካ ምስ እትኸይድ: እቲ ወሰናስን ንደቡብ ገጹ ኣብ ዝዕጸፈሉ ኣታው መሬት: ንካሜሩን ክትረኽባ ኢኻ። በቲ ወሰናወሰን ኣቢልካ ንደቡብ እንተድኣ ቀጺልካ ሰፊሕ ዝንውሓቱ ጸሊም ሑጻ ዘለዎ ገማግም ባሕሪ ትረክብ። እቲ ጸሊም ሑጻ ናይ ከረን ካሜሩን እሳተ-ጎመራዊ መስርሕ ውጽኢት ኢዩ።
እዚ 4,070 ሜትሮ ዝቑመቱ ናይ ጨርሒ ቅርጺ ዘለዎ በሪኽ ከረን: ነቲ ከባቢኡ ምሉእ ብምሉእ ይዕብልሎ ኢዩ። እትዓርብ ዘላ ጸሓይ ነቲ ቍልቍለት ከረን ካሜሩን ብርሃና ምስ እተዕርፈሉ: ድሙቕ ሕብርታት—ሊላ: ኣራንሾኒ: ወርቃዊ: ከምኡውን ጁኽ—ዘለዎ መስተንክር ትርኢት ኢዩ ዝህብ። እቲ ባሕርን ኣብ ጥቓኡ ዘሎ ዓዘቕትን ነቲ ሰማይ ካብቲ ምድሪ ምፍልላዪ ዳርጋ ዘይከኣል ክሳዕ ዝኸውን: ልክዕ ከም መስትያት ንዅሉ እዚ ሕብርታት እዚ የንጸባርቖ። እቶም ነበርቲ ናይዚ ከባቢ ዝዀኑ ሰባት: ነፍሲ ካብ ኣካል ምስ ተፈልየት ብህይወት ምንባር ትቕጽል ኢያ ኢሎም ዝኣምኑ ዓሌታት: ነቲ ከረን ሞንጎ ማ ሎባ: ትርጕሙ “ሰረገላ ኣማልኽቲ” ወይ ዝያዳ ብልምዲ “ከረን ኣምላኽ” ኢሎም ዝጸውዕዎ ስለምንታይ ምዃኑ ንምርድኡ ቀሊል ኢዩ።
ንደቡብ ርሕቕ ኢልካ ድማ: ተር ዝበለ ኣእዋም ዓርኮብኮባይ ዘለዎ ኣዝዩ ነዊሕ ናይ ጻዕዳ ሑጻ ገማግም ባሕሪ ኣሎ። ብዘይካ እቲ ባህ ዘብል ወሰናስን ባሕሪ: መብዛሕትኣ እታ ሃገር በቲ ክሳዕ ዶብ ምስ ኮንጎን ረፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ንሰሜን ድማ ክሳዕ ናይጀርያን ሓውሲ ሰሃራ ጫድን ዝበጽሕ ጽዑቕ ዱር ቅናት ምድሪ እተሸፈነት ኢያ። ምዕራባዊ ክፍሊ እታ ሃገር ኣኽራን ዝመልኦ ኢዩ: እዚ ድማ ንሓደ ገያሺ: ናይ ኣውሮጳ ቦታታት ኢዩ ዘዘኻኽሮ። ይኹን እምበር: እቲ ውዑይ ኵነታት ኣየር ጥቓ ቅናት ምድሪ ምህላውካ ኣየረስዓካን ኢዩ። እቲ ገጠር እተፈላለየ ኣቀማምጣ ዘለዎ ብምዃኑ: ቱሪስት ዝመርሑ ሰባት: ካሜሩን ቅምጥ ኢላ ንእሽቶ ኣፍሪቃ ኢያ ኢሎም ከም ዝገልጽዋ ይገብሮም። እተፈላለዩ ዓሌታዊ ጕጅለታት ከምኡውን ልዕሊ 220 ዝኸውን ብወግዒ ዝፍለጥ ቋንቋታትን ናይ ከባቢ ኣዘራርባታትን ስለ ዘሎ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መግለጺ ዘትርሮ ኢዩ።
ኣብ ካሜሩን እንተ ትህሉ ነይርካ: ኣብ ሓደ ካብቲ ኣብ ወደብ ዱዋላ: ወይ ርእሲ ከተማ ያውንዴ ዝርከብ ዓበይቲ ሆቴላት ተዕርፍ ትኸውን። ይኹን እምበር ብዛዕባ ናብራ እቲ ህዝቢ: ብፍላይ ድማ ናይቶም ኣብ ምልእቲ እታ ሃገር “ከረን ኣምላኽ” “ጨርሒ ምስክር” ኣብ ምህናጽ ትሑዛት ዘለዉ ልዕሊ 24,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ምፍላጥ ኣጋጣሚ ከምልጠካ ይኽእል ይኸውን።a ንሓደ ካብኣቶም ምእንቲ ክትረክብ ስለምንታይ ናብታ ሃገር ጕዕዞ ዘይትገብር፧ ነዛ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሃገር ምድህሳስካ ብርግጽ ብዙሕ ጥቕሚ ክትረክብ ኢኻ።
ብንእሽቶ ናይ ዕንጨይቲ ጃልባ: ኣብ በረኻ እትኸይድ ታክሲ: ወይስ ብብሽክለታ፧
ሳነገ እቲ ዝዓበየ ፈለግ ናይ ካሜሩን: ምስቲ ውቅያኖስ ክሕውስ ከሎ ኣብ ሰፊሕ ቦታ ፋሕ ዝብል ጨናፍር ይኸውን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዞም ኣብዚ ሰፊሕ ከባቢ ዘለዉ ተቐማጦ ምእንቲ ክበጽሕዎም: መብዛሕትኡ ግዜ ብንኣሽቱ ናይ ዕንጨይቲ ጃላቡ ክጐዓዙ ኣለዎም። እቶም ኣብ ኤምቢያኮ እትርከብ ንእሽቶ ጕጅለ ዘለዉ ትሽዓተ ኣስፋሕቲ ናይታ መንግስቲ ከምዚ ኢዮም ገይሮም። ክልተ ካብኣቶም ዮዮ ኣብ እትበሃል ቁሸት 25 ኪሎ ሜተር ርሒቖም ኢዮም ዝነብሩ። ናብ ኤምቢያኮ ምእንቲ ክበጽሑ: ኣብቲ ማያት ኣበርቲዕካ ምጅላብ ዝሓቶም እኳ እንተዀነ: ኵሉ ግዜ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ይካፈሉ ኢዮም። ነዞም ጕጅለ እዚኦም ክበጽሕ ከሎ: ሓደ ገያሺ ተዓዛቢ ነታ ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እታ ብድሕሪ እቲ ስም ዘላ ማሕበር (እንግሊዝኛ) እትበሃል ቪድዮ ካሴት ከርእዮም ሓሳብ ኣቕረበ። እዚ ግን ክትገብሮ ቀሊል ኣይነበረን። ኣብ ከምዚ ዝበለ ምሕዱግ ቁሸት: ቪድዮ: ቴሌቪዥን: ከምኡውን ነዚ ዝኸውን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካበይ ክረክብ ይኽእል፧
ኣብታ ዝበጽሓላ ሰሙን: ገለ ኣሕዋት ነቲ ቐሺ ናይታ ኣብቲ ከባቢ ዘላ ቤተ-ክርስትያን በጽሕዎ። እቲ ዘገረሞም ድማ እቲ ቐሺ ምዉቕ ኣቀባብላ ገበረሎም: ደስ ዘብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ከኣ ገበሩ። እቶም ኣሕዋት እቲ ቐሺ ቪድዮ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ኤሌክትሪክ ጀነረተር እውን ከም ዘለዎ ምስ ረኣዩ: ትብዕ ኢሎም ነቲ ኣቕሓ ክልቅሕዎ ዝኽእሉ እንተድኣ ኰይኖም ሓተትዎ። እቲ ቐሺ ነቲ ድሮ ዝገበርዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ተሓጕስሉ ብምንባሩ: ክሕግዞም ተሰማምዐ። ቀዳም ምሸት: ነቲ ቐሽን ዝበዝሑ ኣባላት ቤተ-ክርስትያኑን ሓዊስካ: 102 ሰባት ናብቲ ምርኢት መጹ። እቶም ካብ ዮዮ ዝመጹ ክልተ መሰኻኽር ብኽልተ ናእሽቱ ጃላቡ ዕንጨይቲ ገይሮም ብርክት ዝበሉ ተገደስቲ ሰባት ኣምጽኡ። ኣንጻር እቲ ዝለዓል ዝነበረ ማዕበል ምጅላብ ምንም ኣይተሰምዖምን። ነታ ቪድዮ ድሕሪ ምርኣዮም: ኣጸቢቖም ተተንኪፎምን ተተባቢዖምን ኢዮም: ክፍሊ ናይታ ዕላማኣ ንየሆዋ ምኽባር ዝዀነ ዓባይ ማሕበር ብምዃኖም ድማ ሓበን ተሰምዖም።
ሓደ ሰብ ናብቲ ንኣሽቱ ናይ ዕንጨይቲ ጃላቡ ክበጽሕኦ ዘይክእላ ቦታታት ክኸይድ እንተድኣ ዀይኑ: ኣብ በረኻ እትኸይድ ታክሲ ክጥቀም ይኽእል ኢዩ። እቲ እዘን ታክስታት እዚኣተን ተጓዓዝቲ ዝጽበያሉ ቦታታት ኵሉ ግዜ ብምንቅስቓሳት ዝመልአ ኢዩ። ኣብ ማእከል እቶም ሸየጥቲ ዝሑል ማይ: ሸየጥቲ ባናና: ፎቶሪኖታት ልብኻ ክጠፍኣካ ቀሊል ኢዩ። ናይቶም ፎቶሪኖታት ስራሕ ንተጓዓዝቲ ናብተን “ንኽትብገስ እተቐረበት ኢያ” ዝብልወን ኣብ በረኻ ዝኸዳ ታክስታት ምእታው ኢዩ። ይኹን እምበር: “እተቐረበት” ክብሉ ኸለዉ ከም ልክዕ ትርጕም ናይቲ ቓል ኣይኰነን። ተጓዓዝቲ ክጽበዩ እንተ ዀይኖም ሰዓታት ወይ ሓድሓደ ግዜ ድማ መዓልትታት እውን ከይተረፈ ክጽበዩ ኣለዎም። ኵሎም እቶም ተጓዓዝቲ ናብ ውሽጢ እታ ታክሲ ተጸቓቒጦም ምስ ኣተዉ እቲ መራሕ መኪና ድማ ኣብቲ መስቀል ኣቕሑ ጽዕነት: ምህርቲ ዝሓዘ ሳንጣታት: ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ደርሁን ኣጣልን እውን ከይተረፈ ይጽዕን እሞ: ድሕርዚ እታ ኣብ በረኻ እትኸይድ ታክሲ ናብቲ ሓባጥ ጐባጥን ደሮና ዝመልኦን መገዲ ትኸይድ።
ሓደ ገያሺ ኣገልጋሊ ከምዚ ዝበለ ጕዕዞ ተስፋ ስለ ዘቝረጾ: ርእሱ ክኽእል መረጸ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኵሉ ጕዕዞታቱ ብብሽክለታ ኢዩ ዝገብር። ከምዚ ይብል:- “ካብ ጉባኤ ናብ ጉባኤ ብብሽክለታ ክኸይድ ካብ ዝወሰንክሉ ግዜ ኣትሒዘ: ኵሉ ግዜ ኣብ ሰዓተይ እበጽሕ። ሓቂ ኢዩ: እቲ ጕዕዞ ብዙሕ ሰዓታት ክወስድ ይኽእል ይኸውን: እንተ ወሓደ ግን ነታ ኣብ በረኻ እትኸይድ ታክሲ ክጽበ ሓደ ወይ ክልተ መዓልቲ ኣየሕልፍን ኢየ። ኣብ ግዜ ክረምቲ: ገለ ገለ መገድታት ብሰንኪ ምጥልቕላቕ ማይ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ይጠፍኡ ኢዮም። ነቲ ጭቃን ማይን ምእንቲ ከተቋርጾ ሳእንኻ ከተውጽእ ኣሎካ። ሓደ መዓልቲ ሳእነይ ኣብ ውሕጅ ኣተወ: ንሰሙናት ዝኣክል ከኣ ኣይተረኽበን: ድሓር ግን ጓሉ ንሓደ ካብቶም መሰኻኽር ዓሳ ክትገፍፍ ከላ ሃንደበት ረኸበቶ! ንገለ ግዜ ኣብ ማይ ድሕሪ ምጽንሑ: እንደገና ነዚ ጽምዲ ሳእኒ እዚ ክወድዮ ምኽኣለይ ተሓጒሰ ኢየ። ሓድሓደ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፈጺሞም ሰቢኾምሉ ናብ ዘይፈልጡ ከባቢታት እኸይድ። እቶም ደቂ እቲ ቑሸት ኵሉ ግዜ እንታይ ሒዘ ከም ዝመጻእኩ ይሓቱኒ። ስለዚ መጽሔታትን ብሮሹራትን ኣብ ቀረባ እሕዝ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደው ዝበልኩሉ ግዜ: ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋት እዕድል: ሕጽር ዝበለ ምስክርነት ድማ እህብ። የሆዋ ነቲ ዘርእታት ናይ ሓቂ ከም ዘዕብዮ እኣምን ኢየ።”
ኣብቲ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታታት
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብስራት ናይታ መንግስቲ ነቶም ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ናይ ካሜሩን: ኣብ ውሽጢ እቲ ዱር ተሓቢአን ኣብ ዘለዋ ኣቝሻት እውን ከይተረፈ ዘለዉ ካልኦት ሰባት ከካፍልዎ ይጽዕሩ ኢዮም። እዚ ብርቱዕ ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ: ፍሪኡ ግን ልቢ ዘምውቕ ኢዩ።
ማሪ እተባህለት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት: ምስ ሓንቲ ኣርለት እትበሃል መንእሰይ ጓል ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረት። ኣብታ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ጽንዓተን ምስ ወድኣ: ኣብዛ ናይ ኣፍሪቃ ክፍሊ ዝዀነት ቦታ ከምኡ ልምዲ ስለ ዘሎ: ማሪ ክትከይድ ምስ ተበገሰት ንኣርለት ከተፋንዋ ሓተተታ። ይኹን እምበር: እታ መንእሰይ ጓል ኣእጋራ ስለ ዘቐንዝዋ ክትከይድ ከም ዘይትኽእል ገለጸትላ። ናይ ኣርለት ኣእጋራ ብቦጀሌ ቈሲሉ ነበረ። ማሪ ነቶም ቦጀሌ ሓደ ብሓደ ተጠንቂቓ ኣውጽኣቶም። ጸኒሓ ኸኣ: እዛ መንእሰይ ጓል እዚኣ ለይተ ለይቲ ብኣጋንንቲ ከም እትሳቐ ፈለጠት። ማሪ: ሓደ ሰብ ኣብ ጸሎቱ ዓው ኢሉ ስም የሆዋ ብምጽዋዕ: ኣብኡ ትውክልቱ ብኸመይ ከም ዝገብር ብትዕግስቲ ገለጸትላ።—ምሳሌ 18:10
ኣርለት ቅልጡፍ ዕብየት ኣርኣየት። ኣብ መጀመርታ ስድራቤታ ነቲ ብኣካል ይኹን ብኣእምሮ ዝገበረቶ ርኡይ ምዕባለ ርእዮም እቲ መጽናዕቲ ጌጋ ከም ዘይብሉ ተረዲኦም ነበሩ። ይኹን እምበር ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትከውን ከም ዝደለየት ምስ ፈለጡ: መጽናዕቲ ከይትቕጽል ከልከልዋ። ሰለስተ ሰሙናት ጸኒሑ: ኣደ ኣርለት ጓላ ክሳዕ ክንደይ ከም እተጨነቐት ብምርኣይ: ንማሪ ረኺባ ጽንዓት ክትቅጽለላ ሓተተታ።
ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ዝግበረሉ ግዜ ምስ መጸ: ኣርለት ኣብኡ ምእንቲ ክትካፈል ክልቲኡ መዓልትታት ክወስዳ ኢላ: ማሪ ንሓደ በዓል ታክሲ ከፈለቶ። ይኹን እምበር: እቲ በዓል ታክሲ ናብ ገዝኣ ዝወስድ መገዲ ኣየሕልፈንን ኢዩ ብምባል ናብ ቤት ኣርለት ምኻድ ኣበየ። ስለዚ ማሪ ነታ ጓል ናብቲ መገዲ ከተምጽኣ ተገደደት። የሆዋ ነዚ ጻዕርታት እዚ ብርግጽ ባሪኽዎ ኢዩ። ሎሚ ኣርለት ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ጉባኤ ትካፈል ኢያ። ከምዚ ንምግባር ምእንቲ ክትሕግዛ: ማሪ ከይተሓለለት መጺኣ ትወስዳ ኢያ። ብሓንሳእ ኰይነን ኣብ ሓደ እግሪ: 75 ደቓይቕ ይኸዳ። ናይ ሰንበት ኣኼባ 8:30 ቅ.ቐ. ስለ ዝጅምር: ማሪ ካብ ገዛ 6:30 ክትነቅል ኣለዋ፣ እንተዀነ ግን: ኣብ ልክዕ ግዜ ይበጽሓ። ኣርለት ድሕሪ ሓጺር ግዜ ወፈያኣ ብማይ ጥምቀት ገይራ ከተርኢ ትጽበ ኣላ። ማሪ ከምዚ ትብል:- “ጽንዓት ክትጅምር ከላ ዘይረኣያ ዝዀነ ይኹን ሰብ ክሳዕ ክንደይ ብዙሕ ከም እተለወጠት ክግምት ኣይክእልን ኢዩ። በቲ ንዓኣ ባሪኽሉ ዘሎ መገዲ ንየሆዋ ኣዝየ ኢየ ዘመስግኖ።” ማሪ ናይ ርእሰ-መስዋእታዊት ፍቕሪ ሰናይ ኣብነት ኢያ።
ክሳዕ ርሑቕ ሰሜን
ሰሜናዊ ካሜሩን ተቐያያርን ዘገርም ነገራት ዝመልአን ኢዩ። ኣብ እዋን ክራማት: ናብ ዓብን ልሙዕን ቦታ ኣታኽልቲ ይቕየር። እታ እተንድድ ጸሓይ ምስ ወጸት ድማ እቲ ሳዕሪ ይነቅጽ። ቀትሪ: ጸሓይ ኣብ ርእሲ ክትከውን ከላ: ጽላል ምርካብ ድማ ኣሸጋሪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን: ኣባጊዕ ናብቲ ካብ ቀይሕ መሬት እተሰርሐ መናድቕ ኣባይቲ ልሕግ ኢየን ዝብላ። ኣብ መንጎ እቲ ሑጻን ንቑጽ ሳዕርን ናይ ሓምላይ ነገር ኣሰር ዝርኣየሉ: ናይ ባዎባብ እተባህለ ኦም ሒደት ኣቝጽልቲ ጥራይ ኢዩ። ምዕባዩ ክንድቲ ኣብ ዱር ቅናት ምድሪ ዘሎ ከምኡ ዝዓሌቱ ኣእዋም እኳ እንተ ዘይኰነ: ንሕማቕ ኵነታት ክጻወር ይኽእል ኢዩ። ነቲ ኣሸጋሪ ኵነታት ኣየር ክጽመሙ ዘለዎም ክእለት: ንቕንእን ትብዓትን ናይቶም ነቲ ሒዞምዎ ዘለዉ ብርሃን ሓቂ ምእንቲ ከብርሁ ኣብቲ ከባቢ እቲ ክነብሩ ኢሎም ዝኸዱ ሒደት መሰኻኽር ጽቡቕ ገይሩ ኢዩ ዝገልጾ።
ኣብዚ ከባቢ እዚ ዘለዋ ገሊአን ጉባኤታት ካብ 500 ክሳዕ 800 ኪሎ ሜተር ምርሕሓቕ ዘለወን ኢየን: በይንኻ ናይ ምዃን ስምዒት ድማ ብሓቂ ኣሎ። ይኹን እምበር ኣዝዩ ብዙሕ ተገዳስነት ኣሎ። መሰኻኽር ክሕግዙ ኢሎም ካብ ካልእ ከባቢታት ናብዚ ተንቀሳቒሶም ኢዮም። ኣብቲ ኣገልገሎት ኣስለጥቲ ምእንቲ ክዀኑ ድማ ፉፉልዳ ዝበሃል ናይቲ ከባቢ ቋንቋ ክማሃሩ ኣለዎም።
ካብ ከተማ ገሩኣ ዝመጸ ሓደ ምስክር: ኣብታ 160 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ እተወለደላ ዓዱ ምእንቲ ክሰብኽ ኣብኣ ሒደት መዓልትታት ከሕልፍ ወሰነ። ገለ ተገደስቲ ረኸበ: ይኹን እምበር ናይ መጐዓዝያ ዋጋ ክቡር ብምዃኑ ኣዘውቲሩ ክመላለስ ኣይከኣለን። ሒደት ሰሙናት ጸኒሑ: እቲ ምስክር ካብ ሓደ ተገዳሲ ሰብ: ተመሊሱ ክበጽሖም ዝልምን ደብዳበ ተቐበለ። ጌና ዋሕዲ ገንዘብ ስለ ዝነበሮ: ክኸይድ ኣይከኣለን። እቲ ተገዳሲ: ዓሰርተ ሰባት ክመጽእ ይጽበይዎ ከም ዘለዉ ክሕብሮ ኢሉ: ኣብ ከተማ ገሩኣ ናብ ገዝኡ ምስ መጸስ እቲ ምስክር ክሳዕ ክንደይ ከም እተገረመ እሞ ሕሰቦ!
ኣብ ሓንቲ ምስ ጫድ ኣብ ዝዳወብ ቦታ ዘላ ካልእ ቑሸት ድማ: 50 ዝዀኑ ተገደስቲ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክገብሩ ተመሓደሩ። ሰለስተ ካብኣቶም ናብታ ኣብ ጫድ ዘላ ዝቐረበት ጉባኤ ከይዶም ክካፈሉ መደቡ። እዚኣቶም ምስ ተመልሱ ድማ: ምስ ብምሉኡ እቲ ጕጅለ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይገብሩ። ብርግጽ: ናይ የሱስ ቃላት ኣብዚ ክውዕል ይኽእል ኢዩ:- “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ: በሎም።”—ማቴዎስ 9:37, 38
ኣብተን ከተማታት ምስክርነት ምብጻሕ
ድሕሪ ናይ ብዙሕ ዓመታት ሕጽረት: ዳርጋ ክልተ ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! መጽሔታት ኣብ ካሜሩን ብናጻ ክርከብ ተኻኢሉ ኢዩ። ብዙሓት ሰባት ንመጀመርታ ግዜ ከንብብዎ ከለዉ ኣብዚ መጽሔታት እዚ ውዕዉዕ ስምዒትን ተገዳስነትን ኣርእዮም ኢዮም። ኣብ ሓንቲ ካብተን ከተማታት እተመደቡ ፍሉያት ፓይነራት ዝዀኑ መንእሰያት ሰብኣይን ሰበይትን ኣብዚ ሓድሽ ዞባ ኣብታ መጀመርታ ዝሰበኹላ ንግሆ 86 መጽሔታት ኣበርከቱ። ገሊኣቶም ኣስፋሕቲ ክሳዕ 250 ዝኸውን መጽሔታት ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ወርሒ ኣበርኪቶም ኢዮም! ምንጪ ዓወቶም እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ መጽሔታት ምዕዳል ኢዩ ነይሩ።
ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ዝሰርሕ ምስክር ኵሉ ግዜ ነቲ መጽሔታት ሰባት ክርእይዎ ኣብ ዝኽእሉ ግሉጽ ቦታ የቐምጦ። ሓንቲ ሰበይቲ ነቲ መጽሔታት ረኣየቶ: ግን ዋላ ሓንቲ ኣይወሰደትን። እቲ ምስክር ንተገዳስነታ ኣስተውዒሉ ሓደ ቅዳሕ ሃባ: ንሳ ድማ ተቐበለቶ። እታ ቐጺላ ዝነበረት መዓልቲ ተመሊሳ ምስ መጸት ገረሞ። ነቲ ዝወሰደቶ መጽሔት ክትከፍል ጥራይ ዘይኰነስ ዝያዳ ክትወስድ ደልያ እውን ኢያ መጺኣ። ስለምንታይ፧ ብስጋዊ ርክብ ተዓሚጻ ብምንባራ: ነቲ ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ ዝዛረብ መጽሔት መረጸቶ። ነቲ እተዋህበ ምኽሪ ምሉእ ለይቲ ደጊማ ደጋጊማ ከተንብቦ ሓደረት። ብዙሕ ዘቕስን ነገር ብምርካባ: ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ክትፈልጥ ደለየት።
ንኣሽቱ ቈልዑ እውን ከይተረፈ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መልእኽቲ ተስፋ ኣብ ምዝርጋሕ ክካፈሉ ይኽእሉ ኢዮም። ሽዱሽተ ዓመት ዝዕድሚኣ ጓል ምስክር: ናይ ካቶሊክ ዜማ ክትዝምር ብመምህራ ተሓተት: ሓንቲ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃና ብምግላጽ ድማ: ምዝማር ኣበየት። እቲ መምህራ ብእኡ ነጥቢ ምእንቲ ክሓስበላ ሓደ ካብቲ ናይ ሃይማኖታ መዝሙራት ክትዝምር ሓተታ። ነታ “ኣምላኽ ዝሃቦ ናይ ገነት መብጽዓ” ዘርእስታ መዝሙር ክትዝምር መረጸት: ብምዝካር ጥራይ ድማ ዘመረት። እቲ መምህር “ክትዝምሪ ከሎኺ ገነት ዝብል ጠቒስኪ: እዛ ገነት እዚኣ ኣበይ ኢያ ዘላ፧” ብምባል ሓተታ። እታ ጓል: ድሕሪ ኣዝዩ ቐረባ ግዜ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ገነት ከቕውም ዕላማ ከም ዘለዎ ገለጸትሉ። በቲ መልሳ ተገሪሙ: ነቲ ንሳ እተጽንዖ ዝነበረት መጽሓፍ ክህብዎ ንወለዳ ሓተቶም። በቲ ኣብ ክፍሊ ዝዋሃብ ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ዘይኰነስ በቲ ካብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝረኸበቶ ትምህርቲ ነጥቢ ክህባ ፍቓደኛ ኰነ። እቶም ወለዲ ኸኣ ንዕኣ ብልክዕ ነጥቢ ክህባ እንተድኣ ኰይኑ መጀመርታ ንሱ ከጽንዕ ከም ዘለዎ ሓሳብ ኣቕረብሉ። ምስኡ ድማ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ተጀመረ።
ንምብጻሕ ውጥን ምገበርካዶ፧
ሎሚ ኣብ ብዙሕ ክፍሊ ዓለም: ሰባት ንብስራት ናይታ መንግስቲ ተገዳስነት ኣየርእዩን ኢዮም። ኣምላኽ ይኹን መጽሓፍ ቅዱስ ኣየገድሶምን ኢዩ። ካልኦት ድማ ብፍርሂ ለሚሶም ኢዮም: ዝዀነ ይኹን ጋሻ ኣብ ኣፍ ደጊኦም ከዘራርቦም ድማ ኣይደልዩን ኢዮም። እዚ ዅሉ ንናይ የሆዋ መሰኻኻር ኣብ ኣገልግሎቶም ናይ ሓቂ ብድሆ ኢዩ ዝዀኖም። ኣብ ካሜሩን ግን ከመይ ዝበለ ፍልልይ ኰን ኢዩ ዘሎ!
ኣብ ካሜሩን ካብ ቤት ናብ ቤት ምስባኽ ባህ ዘብል ዕዮ ኢዩ። ማዕጾ ኣብ ክንዲ ምዅሕኳሕ: “ኮን: ኮን: ኮን:” ኢልካ ምድሃይ ልሙድ ኢዩ። ድሕርዚ ካብ ውሽጢ “መን ኢኻ፧” ዝብል ደሃይ ይመጽእ: ቀጺልና ኸኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃንና ንነግር። መብዛሕትኡ ግዜ: ወለዲ ንደቆም ኮፍ መበሊ ጣውላ ከምጽኡ እሞ ኣብ ጽላል ገረብ: ምናልባት ኣብ ትሕቲ ኦም ማንጉስ ከንብርዎ ይነግርዎም። ድሕርዚ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃና: ንደቅሰብ ካብዚ ጭንቂ ዝመልኦ ኵነታት ምእንቲ ከተዕርፎም እንታይ ከም እትገብር ብምግላጽ ደስ ዘብል ግዜ ነሕልፍ።
ከምዚ ዝበለ ምይይጥ እናገበርና ከሎና: ሓንቲ ሰበይቲ ከምዚ ብምባል ስምዒታ ገለጸት:- “እታ ዝደልያ ዝነበርኩ ሓቂ ኣብቲ እተወለድኩሉን ዝዓበኹሉን ሃይማኖት ከም ዘይትርከብ ምስ ፈለጥኩ ተጨኒቐ ኢየ ነይረ። ነታ ሓቂ ዝገለጸለይ ንኣምላኽ አመስግኖ። ኣብ ቤተ-ክርስትያነይ ድያቆን ኢየ ነይረ። ነፍሲ ወከፍ ድያቆን እቲ ዝደልዮ ነገራት ክልምና ምእንቲ ክኽእል ናይ ድንግል ማርያም ሓወልቲ ንሓደ ሰሙን ኣብ ቤቱ ይቕመጥ ኢዩ። ኣነ ድማ: ሓቂ ክፈልጥ ምእንቲ ክትሕግዘኒ: ኵሉ ግዜ ንማርያም እልምና ነበርኩ። ሕጂ ግን እታ ሓቂ ምስኣ ከም ዘየላ ኣምላኽ ገሊጹለይ ኢዩ። ንየሆዋ አመስግኖ።”
ስለዚ እምበኣር ሓደ መዓልቲ ነቲ ብስራት ናይታ መንግስቲ ብምስባኽ ክርከብ ዝኽእል ዓሚቝ ሓጐስ ከተስተማቕሮ እንተድኣ ደሊኻ: ስለምንታይ ነዚ ክፍሊ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝዀነ ቦታ ዘይትበጽሖ፧ ብንእሽቶ ጃልባ ድዩ: ኣብ በረኻ ብእትኸይድ ታክሲ: ወይ ብብሽክለታ ነዛ “ንእሽቶ ኣፍሪቃ” ዝዀነት ሃገር ኣብ ርእሲ ምፍላጥካ: ነቲ ኣብ ሃገር “ከረን ኣምላኽ” ዝህነጽ ዘሎ “ጨርሒ ምስክር” እውን ግዴኻ ከተበርክት ኢኻ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a “ጨርሒ ምስክር” ናይታ “ጊልዓድ” ብምባል ተተርጒማ ዘላ እብራዊት ቃል ትርጕም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካብ 1943 ኣትሒዙ: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ: ንካሜሩን ሓዊስካ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ነቲ ዕዮ ስብከት ምእንቲ ክኸፍትዎ ሚስዮናውያን ይልእኽ ኢዩ ዘሎ።
[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ካርታ:- Mountain High Maps® Copyright© 1995 Digital Wisdom, Inc.