ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/8 ገጽ 21
  • ትዝክሮዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትዝክሮዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ‘ንሓድሕድኩም ብኸምኡ ይቕረ ተበሃሃሉ’
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ኣምላኽ ይቕረ ይብለለይ ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • “ንዅሎም ኣህዛብ ቤት ጸሎት”
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/8 ገጽ 21

ትዝክሮዶ፧

ነቶም ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝወጹ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ምንባብ ኣማሲኻሉዶ፧ እምበኣር: ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ክትምልሾም ትኽእል እንተድኣ ኴንካ ርአ:⁠-

◻ እቲ “ሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም” ዝብል ቃላት የሱስ: ክርስትያናት ሓጢኣት ክሓድጉ ይኽእሉ ኢዮም ማለት ድዩ፧ (ዮሃንስ 20:23)

ክርስትያናት ብሓፈሻ ወይ ከኣ ኣብታ ጉባኤ እተሾሙ ሽማግለታት: ሓጢኣት ክሓድጉ መለኮታዊ ስልጣን ኣሎዎም ኢልካ ንምድምዳም ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት የለን። እቲ ናይ የሱስ ቃላት ሒዝዎ ዘሎ ምሉእ ሓሳባት: እቶም ሃዋርያት ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ሓጢኣት ክሓድጉ ወይ ክሕዙ ብመለኮታዊ መገዲ ፍሉይ ስልጣን ከም እተዋህቡ ዝገልጽ ኢዩ ዝመስል። (ግብሪ ሃዋርያት 5:​1⁠-​11፣ 2 ቈረንቶስ 12:12 ርአ።)​—⁠15/4 ገጽ 28

◻ ነታ መጀመርታ ብ1864 እተሓትመት ናይ ጀይ. ጀይ. ስተዋርት ፓሮን ትርጕም መጽሓፍ መዝሙር ብልጽቲ ዝገብራ እንታይ ኢዩ፧

ፓሮን ኣብቲ ትርጕሙ: “ብኣበሃህላኡ ይኹን ብስዋስዋዊ ኣቕዋም ናይቲ ሓረጋት ጠቢቑ ነቲ ናይ እብራይስጢ ቅርጺ” ንምድጋፍ ፈቲኑ ኢዩ። ከምዚ ክገብር ከሎ እቲ መለኮታዊ ስም ናብቲ “የሆዋ” ዝብል ቅርጺ ንኽምለስ ደጊፉ ኢዩ።​—⁠15/4 ገጽ 31

◻ ነቲ እስራኤላውያን ካህናት ኣብቲ ናይ የሩሳሌም ቤተ⁠-​መቕደስ ዝገብርዎ ዝነበሩ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ሎሚ ክንምርምሮ ጠቓሚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

ምምርማርና ነቲ እዞም ሎሚ ዘለዉ ሓጥኣን ደቅሰብ ብእኡ ገይሮም ምስ ኣምላኽ ዝተዓረቕሉ ምሕረት ዝመልኦ ምድላው ዝያዳ መሊእና ከነማስወሉ የኽእለና። (እብራውያን 10:​1⁠-​7)​—⁠1/7 ገጽ 8

◻ ነቲ ምስ ናይ ዓለም መንግስታት ዝህልዎም ርክብ ዝምልከት የሱስ ንሰዓብቱ እንታይ መምርሒ ኢዩ ዝሃቦም፧

የሱስ “እምብኣርሲ ናይ ቄሳር ንቄሳር: ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ ሀቡ” በለ። (ማቴዎስ 22:21) ከምኡውን “ሓደ ምዕራፍ ንዝሰሐበካ: [“በዓል ስልጣን:” ትሓዓ ] ክልተ ምዕራፍ ምስኡ ኺድ” ኢሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:​41) የሱስ ነቶም ሕጋዊ ነገራት ዝሓቱ: ኣብ ሰብኣዊ ርክባት ይኹን ብመንግስቲ ዝሕተት ነገራት: ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዝሰማምዑ ምስ ዝዀኑ ሕራይ ኢልካ ምእዛዝ ከም ዘድሊ ዝገልጽ መብርሂ ኢዩ ሂቡ። (ሉቃስ 6:​27⁠-​31፣ ዮሃንስ 17:14, 15)​—⁠1/5 ገጽ 12

◻ ‘ብሓቂ ምምልላስ’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧ (መዝሙር 86:11)

እዚ: ብስርዓታት ኣምላኽ ክትቅየድ ከምኡውን ብተኣማንነትን ብቕንዕናን ምግልጋሉ ማለት ኢዩ። (መዝሙር 25:​4, 5፣ ዮሃንስ 4:​23, 24)​—⁠15/5 ገጽ 18

◻ የሆዋ ንዮናስ ናብ ነነዌ ብምልኣኹ እተዓመ ነገር እንታይ ነበረ፧

ከምቲ ጸኒሑ እተራእየ ዮናስ ኣብ ነነዌ ዝገበሮ ዕዮ ስብከት ነቲ ኣብ መንጎ እቶም እተናስሑ ሰብ ነነዌን እቶም ፈጺሞም እምነትን ትሕትናን ኣጕዲሎም ዝነበሩ ተረርቲ ክሳድ እስራኤላውያንን ዝነበረ ምንጽጻር ኢዩ ገሊጹ። (ምስ ዘዳግም 9:​6, 13፣ ዮናስ 3:​4⁠-​10 ኣረኣእዮ።)​—⁠15/5 ገጽ 28

◻ እቶም ኣብ ዘፍጥረት 3:​15 ተጠቒሶም ዘለዉ ተመንን እታ “ሰበይትን” እንታዎት ኢዮም፧

እቲ ተመን ተራ ተመን ዘይኰነስ እቲ ብእኡ ገይሩ እተጠቕመ ሰይጣን ድያብሎስ ኢዩ። (ራእይ 12:9) እታ ‘ሰበይቲ’ ሄዋን ዘይኰነትስ: ሰማያዊት ማሕበር የሆዋ: ኣደ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ብመንፈስ እተቐብኡ ኣገልገልቱ ኢያ። (ገላትያ 4:​26)​—⁠1/6 ገጽ 9

◻ ሓደ ሰብ ካብ ዓባይ ባቢሎን ወጺኡ ዕቝባ ክረክብ ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (ራእይ 18:4)

ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖታውያን ማሕበራትን ካብቲ ሒዘናኦ ዘለዋ ልምድታትን ኣረኣእያታትን ምሉእ ብምሉእ ክፍለ: ድሕርዚ ድማ ናብቲ ኣብ ውሽጢ ቲኦክራሲያዊት ማሕበር የሆዋ ዝርከብ ናይ ድሕነት ቦታ ክሃድም ኣለዎ። (ኤፌሶን 5:​7⁠-​11)​—⁠1/6 ገጽ 18

◻ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንስሪ ብተደጋጋሚ ዝጥቀስ ስለምንታይ ኢዩ፧

ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ባህርያቱ: ከም እኒ ጥበብ: መለኮታዊ ዕቝባ: ከምኡውን ቅልጣፈ ንምምልካት ብምሳልያዊ መገዲ ስለ ዝጥቀምሉ ኢዩ።​—⁠15/6 ገጽ 8

◻ እዞም ሎሚ ዘለዉ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ማዕረ ናይቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ክርስትያናት መንፈስ ኣምላኽ ኣለዎም ክንብል ንኽእልዶ ኢና፧

ብመሰረቱ እቲ መልሲ: እወ ኢዩ። መንፈስ ኣምላኽ ንኽልቲኦም ክፍልታት ማዕረ ኢዩ ዝብጽሖም: ፍልጠትን ምርዳእን ድማ ንኽልቲኦም ማዕረ ኢዩ ዝወሃቦም: ንኽረኽብዎ ዘለዎም ኣጋጣሚ እውን ማዕረ ኢዩ።​—⁠15/6 ገጽ 31

◻ እታ ኣብ የሩሳሌም ተሃኒጻ ዝነበረት ካልኣይቲ ቤተ⁠-​መቕደስ ካብታ ብሰሎሞን እተሃንጸት ዝዓቢ ክብሪ ዝረኸበት ብኸመይ ኢያ፧

እታ ካልኣይቲ ቤተ⁠-​መቕደስ ካብታ ናይ ሰሎሞን ቤተ⁠-​መቕደስ 164 ዓመታት ዝያዳ ጸኒሓ ኢያ። ካብ ብዙሓት ሃገራት ዝመጹ ተወሰኽቲ ኣምለኽቲ ናብቲ ኣጸዳ ውሒዞም ኢዮም። ዝያዳ ዘገድስ ድማ: እዛ ካልኣይቲ ቤተ⁠-​መቕደስ ወዲ ኣምላኽ: የሱስ ክርስቶስ: ኣብ ውሽጢ ኣጸዳ ኰይኑ ብምምሃሩ ዓቢ መዓርግ ረኺባ ኢያ።​—⁠1/7 ገጽ 12, 13

◻ ኣምላኽ ነታ መንፈሳዊት ቤተ⁠-​መቕደሱ ዘቘማ መዓስ ኢዩ ነይሩ፧

ኣምላኽ ነቲ ናይ የሱስ ናይ ጥምቀት ጸሎት ስምረቱ ከርኢ ከሎ: ብ29 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ነይሩ። (ማቴዎስ 3:​16, 17) ብመንፈሳዊ መገዲ: ኣምላኽ ነቲ ዝቐረበ ኣካል የሱስ ስምረቱ ብምርኣዩ: ካብቲ ኣብ ቤተ⁠-​መቕደስ የሩሳሌም ዝነበረ ዝዓቢ መሰውኢ ናብ ህላወ መጺኡ ማለት ኢዩ።​—⁠1/7 ገጽ 14, 15

◻ ይቕረ በሃልቲ ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ክርስትያናዊ ሓድነት ክንዕቅብ እንተድኣ ኴንና ንሓደ ይቕሬታ ዝሓተተ ሰብ ይቕረ ክንብል ኣድላዪ ኢዩ። ጽልእን ቂም ምሓዝን ናይ ኣእምሮ ሰላም የጥፍኣልና ኢዩ። ይቕረ ዘይንብል እንተድኣ ኴንና: ሓደ መዓልቲ የሆዋ ሓጢኣትና ፈጺሙ ዘይሓድገልና ግዜ ክህሉ ይኽእል ኢዩ። (ማቴዎስ 6:​14, 15)​—⁠15/7 ገጽ 18

◻ እስራኤላውያን ቅዱሳት ክዀኑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ብኸመይ ኢዮም፧

ቅድስና ምስቲ ቅዱስ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ብምህላው: በቲ ንዕኡ ዘቕርብዎ ጽሩይ ኣምልኾ ጥራይ ኢዩ ክርከብ ዝከኣል ዝነበረ። ብስጋውን መንፈሳውን ንጽህና: ማለት ብቕድስና ምእንቲ ከምልኽዎ ርጡብ ፍልጠት ናይቲ “ኣዝዩ ቅዱስ” ኣድልይዎም ኢዩ። (ምሳሌ 2:​1⁠-​6፣ 9:​10)​—⁠1/8 ገጽ 11

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ