ካብታ ምድሪ ተስፋ ዝርከብ ተግባራዊ ትምህርትታት
እታ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻብ ተገሊጻ ዘላ ምድሪ ተስፋ: ብርግጽ እተፈልየት ኢያ። ኣብዛ ብተዛማዲ ንእሽቶ ዝዀነት ከባቢ: ኣዝዩ እተፈላለየ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ንረክብ ኢና። ኣብ ሰሜን ብበረድ እተሸፈኑ ኣኽራናት፣ ኣብ ደቡብ ድማ ሙቐት ዘለዎም ከባቢታት ኣለዉ። ፍርያም ቆላታት: ዝባደመ ናይ ምድረ በዳ ከባቢታት ኣለዉዋ: ከምኡውን ንኣታኽልቲ ፍረታትን መጓሰን ዝኸውን ሸኻታት ዘለዎ ኩርባታት ዝርከባ ኢያ።
እተፈላለየ ብራኸን ኵነታት ኣየርን ዓይነት ሓመድን ስለ ዘለዎ—ገሊኡ ኣብቲ ቆራሪ ኣኽራን ዘለዎ ከባቢታት ዝጥጥዕ: ካልእ ኣብቲ ውዑይ ምድረ በዳ ዝበቍል: ጌና ካልእ ድማ ኣብቲ ድበት ዘለዎ ለሰታት ወይ ድማ ኣብቲ ናይ ከበሳ ከውሕታት ዝጭብጭብ ሓዊስካ—ኣዝዩ እተፈላለየ ዓይነት ኣእዋምን ቈጥቋጥን ካልኦት ዓይነት ኣትክልትን ዝርከብዋ ቦታ ኢያ። ሓደ ብዛዕባ ስነ-ኣትክልቲ ዘጽንዕ ሰብ: ኣብቲ ከባቢ እቲ 2,600 ኣቢሉ ዝኸውን እተፈላለየ ኣትክልቲ ክርከብ ከም ዝኽእል ይግምት! እቶም ነታ ሃገር ዝዳህሰስዋ ናይ መጀመርያ እስራኤላውያን ነቲ ዝነበራ ዕቑር ዓቕሚ ብዓይኖም ርእዮምዎ ኢዮም። ካብ ሓደ ሽንጭሮ ሓደ ኣስካል ወይኒ ሒዞም ተመሊሶም ኢዮም: ኣዝዩ ዓቢ ስለ ዝነበረ ድማ ክልተ ሰባት ብመሰላ ገይሮም ክስከምዎ ነበሮም! ምስዚ ብምስምማዕ ከኣ ስም እቲ ሽንጭሮ ኤሽኮል: ትርጕሙ “ኣስካል ወይኒ” ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ።a—ዘሁልቍ 13:21-24
ይኹን እምበር: ነቲ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ናይዛ ፍልይቲ ዝዀነት ወሽመጥ መሬት: ብፍላይ ድማ ነቲ ደቡባዊ ክፍሊ እስከ ቅርብ ኢልና ንርኣዮ።
ሸፈላህ
ምዕራባዊ ዶባት ናይታ ምድሪ ተስፋ: እቲ ምስ መዲተራንያን ባሕሪ ዝዳወብ ገማግም ባሕራ ኢዩ። ናብ ምድሪ ገጹ ዳርጋ 40 ኪሎ ሜተር እትው ኢሉ ድማ: ሸፈላህ ኣሎ። እታ “ሸፈላህ” እትብል ቃል “ቆላ” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዋ: ይኹን እምበር ብሓቂ ክርአ ኸሎ እዚ ቦታ እዚ ጎቦታት ዘለዎ ከባቢ ኢዩ: ምስቲ ብሸነኽ ምብራቕ ዝርከብ ኣኽራናት ይሁዳ ክወዳደር ከሎ ጥራይ ድማ ኢዩ ታሕቲ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝኽእል።
ኣብቲ ሰንጣቒት ቅርጺ ዘርኢ መሰነይታ ካርታ ርአ እሞ: ነቲ ሸፈላህ ምስቲ ኣብ ከባቢኡ ዝርከብ ቦታታት ዘለዎ ርክብ ኣስተብህለሉ። ብምብራቕ ኣኽራናት ይሁዳ: ብምዕራብ ድማ ኣብ ጥቓ ገማግም ባሕሪ ዝርከብ ጐላጉል ፍልስጥኤም ይርከብ። ስለዚ: ሸፈላህ መንጎኣዊ ዞባ ብምዃን የገልግል ነበረ: ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ንህዝቢ ኣምላኽ ካብቶም ጥንታውያን ጸላእቶም ዝፈሊ ሓጹር ኢዩ ነይሩ። ብምዕራብ ኣቢሉ ዝወርር ዝዀነ ይኹን ጸላኢ ንየሩሳሌም: ነታ ናይ እስራኤል ርእሲ ከተማ: ቅድሚ ምጥቅዑ ብሸፈላህ ሰንጢቑ ክሓልፍ ነበሮ።
ከምዚ ዝበለ ፍጻመ ኣብ ታሽዓይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣጋጢሙ ነበረ። መጽሓፍ ቅዱስ: ሓዛኤል ንጉስ ሶርያ “ደየበ እሞ: ንጋት [ምናልባት ኣብ ዶብ ሸፈላህ እትርከብ] ተዋጊኡ ሐዛ። ሓዛኤል ድማ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ገጹ ኣቕንዔ” ብምባል ጸብጻብ ይህብ። ንጉስ ዮኣስ ካብቲ ኣብ ቤተ-መቕደስን ኣብ ቤተ-መንግስትን እተረኽበ ክቡር ኣቕሑ ብምሃብ ደው ኣበሎ። እንተዀነ ግን: እዚ ጸብጻብ እዚ ሸፈላህ ንድሕንነት የሩሳሌም ወሳኒ ግደ ከም ዝነበሮ ኢዩ ዘርኢ።—2 ነገስት 12:17, 18
ካብዚ ተግባራዊ ትምህርቲ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሓዛኤል ንየሩሳሌም ክሕዝ ደልዩ ነበረ: ይኹን እምበር መጀመርታ ብሸፈላህ ኣቢሉ ክሓልፍ ነበሮ። ብተመሳሳሊ: ሰይጣን ድያብሎስ ነገልገልቲ ኣምላኽ ‘ክውሕጦም ይደሊ’ ኢዩ፣ ይኹን እምበር መብዛሕትኡ ግዜ: መጀመርታ ንሓደ መንጎኣዊ ዞባ—ንኸም ሕማቕ ዕርክነትን ፍቕረ-ንዋይን ዝምልከት ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ተኣማንነት—ሰንጢቑ ክሓልፍ ኣለዎ። (1 ጴጥሮስ 5:8፣ 1 ቈረንቶስ 15:33፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:10) ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምልምማጥ መብዛሕትኡ ግዜ ከቢድ ሓጢኣት ናብ ምፍጻም ዝመርሕ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ኢዩ። ስለዚ ነቲ መንጎኣዊ ዞባ እቲ ኣጽኒዕካ ሓልዎ። ሎሚ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ስዓብ: ጽባሕ ድማ ሕግታት ኣምላኽ ኣይከተፍርስን ኢኻ።
ኵርባታት ዝመልኦ ምድሪ ይሁዳ
ካብ ሸፈላህ ቀጺሉ ንውሽጢ እትው ኢሉ ዝርከብ እቲ ኵርባታት ዝመልኦ ምድሪ ይሁዳ ኢዩ። እዚ: ጽቡቕ እኽልን ዘይቲ ኣውሊዕን ወይንን ዘፍሪ ኣኽራን ዝመልኦ ከባቢ ኢዩ። ምድሪ ይሁዳ ልዕል ዝበለ ብራኸ ዘለዎ ብምዃኑ ድማ: ዝበለጸ ቦታ ዕቝባ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ: ንጉስ ዮታም ኣብኡ “ዕርድታትን ግምብታትን” ዝሃነጸ። ኣብ ግዜ ሽግር: ሰባት ዕቝባ ምእንቲ ክረኽቡ ናብዚ ቦታታት እዚ ክሃድሙ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም።—2 ዜና መዋእል 27:4
የሩሳሌም: ጽዮን ተባሂላ እውን እትጽዋዕ: ቀንዲ ክፍሊ ናይቲ ኵርባታት ዝመልኦ ምድሪ ይሁዳ ኢያ ነይራ። የሩሳሌም ብሰለስተ ወገና: ብጸዳፍ ሽንጭሮታት: ብሰሜናዊ ወገና ድማ: ከም ኣበሃህላ ጆሰፉስ እቲ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ጸሓፍ ታሪኽ: ብሰለስተ ተኸታታሊ መናድቕ: እተኸበት ብምንባራ ኣብ ዘየስግእ ቦታ ዘላ ኢያ ትመስል ነይራ። ይኹን እምበር ዕርዲ ድሕንነት ዘለዎ ኰይኑ ንኽቕጽል: ልዕሊ መናድቕን ኣጽዋርን ዘድሊ ነገር ኣሎ። ማይ እውን ክህልዎ ኣለዎ። እዚ ኣብ እዋን ከበባ ኣድላዪ ኢዩ: ከመይሲ ማይ እንተድኣ ዘየልዩ ኣብ መጻወድያ ዝኣተዉ ዜጋታት ብቕልጡፍ ኢዶም ንምሃብ ይግደዱ ኢዮም።
የሩሳሌም ካብ ቀላይ ሰሊሆም ማይ ትረክብ ነበረት። ይኹን እምበር ኣብ ግዜ ሻሙናይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ.: ንጉስ ህዝቅያስ ኣሶራውያን ክኸብዎ ትጽቢት ስለ ዝነበሮ: ምስታ ከተማ ብምሕዋስ: ንቐላይ ሰሊሆም ብደጊኡ መንደቕ ሃነጸሉ። እቶም ክኸቡ ዝመጹ ኣሶራውያን ብስእነት ማይ ምእንቲ ክሽግሩ: ነቲ ካብታ ከተማ ወጻኢ ዝነበረ ዔላታት እውን ደፈኖ። (2 ዜና መዋእል 32:2-5፣ ኢሳይያስ 22:11) እዚ ጥራይ ኣይኰነን። ህዝቅያስ ተወሳኺ ማይ ናብ የሩሳሌም ገጹ ዘእትወሉ መገዲ ረኸበ!
ህዝቅያስ: ሓደ ካብቲ ናይ ጥንቲ ዓበይቲ ዘደንቕ ስራሕ መሃንድስነት ተባሂሉ ዝጽዋዕ: ካብ ዓይኒ ማይ ጊሆን ክሳዕ ቐላይ ሰሊሆም ዝዝርጋሕ መትረብ ኰዓተ።b እዚ ብገምጋም 1.8 ሜትሮ ቁመት: 533 ሜትሮ ከኣ ንውሓት ዘለዎ መትረብ ኢዩ ነይሩ። ዳርጋ ፍርቂ ኪሎ ሜተር ዝኸውን ንውሓት ዘለዎ: ከውሒ ሰንጢቑ ዝሓልፍ መትረብ—ሕስብ እሞ ኣብሎ! ሎሚ: ገለ 2,700 ዓመታት ጸኒሑ: ናብ የሩሳሌም ዝኸዱ በጻሕቲ ብማእከል እቲ ብልምዲ መትረብ ህዝቅያስ ተባሂሉ ዝፍለጥ ብሉጽ ስራሕ መሃንድስነት ክሓልፉ ይኽእሉ ኢዮም።—2 ነገስት 20:20፣ 2 ዜና መዋእል 32:30
እቲ ህዝቅያስ ነቲ ናይ የሩሳሌም ማይ ንምክልኻልን ንምውሳኽን ዝገበሮ ጻዕሪ ሓደ ተግባራዊ ትምህርቲ ክህበና ይኽእል ኢዩ። የሆዋ ‘ፈልፋሊ ህያው ማይ’ ኢዩ። (ኤርምያስ 2:13) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ናቱ ሓሳባት ህይወት ዝህብ ኢዩ። ስለዚ ድማ ኢዩ ብሕታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ኣድላዪ ዝዀነ። ይኹን እምበር ንመጽናዕቲ ዝኸውን ኣጋጣሚ: ከምኡውን እቲ ካብኡ ዝርከብ ፍልጠት: ብቐሊሉ ናባኻ ኣይውሕዝን ኢዩ። ንመጽናዕቲ ዝኸውን ግዜ ንኽትረክብ ካብቲ ኣዝዩ ትሑዝ ዝዀነ መዓልታዊ ዋኒንካ ‘መትረብ ክትኵዕት’ ከድልየካ ኢዩ። (ምሳሌ 2:1-5፣ ኤፌሶን 5:15, 16) ሓንሳእ ምስ ጀመርካ: ንብሕታዊ መጽናዕትኻ ቀዳምነት ብምሃብ: ኣብ መደብካ ጽኑዕ ኵን። ዝዀነ ይኹን ሰብ ወይ ዝዀነ ይኹን ነገር ነዚ ክቡር ማይ ክሰርቀካ ከይተፍቅደሉ ተጠንቀቕ።—ፊልጲ 1:9, 10
እቲ ናይ በረኻ ከባቢታት
ካብ ኣኽራን ይሁዳ ንምብራቕ ገጹ በረኻ ይሁዳ ኣሎ: ጀሺሞን እውን ተባሂሉ ይጽዋዕ: ትርጕሙ ኸኣ “ምድረ በዳ” ማለት ኢዩ። (1 ሳሙኤል 23:19 ትሓዓ እግረ-ጽሑፍ) ናብቲ ባሕሪ ጨው ገጹ: እዚ መኻን ከባቢ እዚ ከውሒ ዝመልኦ ሽንጭሮታትን በላሕቲ ኣጻድፍን ዘለዎ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ናይ 24 ኪሎ ሜተር ዝርጋሐ ጥራይ: ንታሕቲ 1,200 ሜትሮ ዝወርድ ብምዃኑ: በረኻ ይሁዳ ነቲ ካብ ምዕራብ ዝመጽእ ዝናም ሓዘል ንፋስ ኣይረኽቦን ኢዩ፣ ሒደት መጠን ዝናም ጥራይ ዝረክብ ድማ በዚ ኢዩ። ኣብቲ ዓመታዊ መዓልቲ ምትዕራቕ እቲ ድቤላ ንዓዛዝኤል ዝፍነወሉ ዝነበረ በረኻ ብዘይጥርጥር እዚ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዳዊት ካብ ሳኦል ዝሃደመሉ ቦታ እውን እዚ ኢዩ ነይሩ። የሱስ ን40 መዓልትታት ዝጾመ ድሕሪኡ ድማ ብድያብሎስ እተፈተነ ኣብዚ ኢዩ ነይሩ።—ዘሌዋውያን 16:21, 22፣ መዝሙር 63 ልዕለ-ጽሑፍ፣ ማቴዎስ 4:1-11
ካብ በረኻ ይሁዳ ንሸነኽ ደቡባዊ ምዕራብ ብግምት 160 ኪሎ ሜተር ርሒቑ በረኻ ጳራን ይርከብ። እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ናብ ምድሪ ተስፋ ኣብ ዝገበርዎ ናይ 40 ዓመታት ጕዕዞ: ዝበዝሐ ካብቲ ዝሰፍርሉ ዝነበሩ ቦታታት ኣብዚ በረኻ እዚ ኢዩ ነይሩ። (ዘሁልቍ 33:1-49) ሙሴ ብዛዕባ እቲ ‘ዚነዱ [“መርዛማት:” ትሓዓ ] ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ዘለዉዎ: ማይ ዘይብሉ ኣጻምእን ገፊሕን ዘፍርህን በረኻ’ ጽሒፉ ኢዩ። (ዘዳግም 8:15) ብሚልዮናት ዝቝጸሩ እስራኤላውያን ኣብዚ ብህይወት ክቕጽሉ ምኽኣሎም ዘገርም ኢዩ! እንተዀነ ግን: የሆዋ ኢዩ ኣናቢርዎም።
እዚ: ኣብዛ ብመንፈስ ባዲማ ዘላ ዓለም እውን ከይተረፈ: የሆዋ ከናብረና ከም ዝኽእል መዘኻኸሪ ዝህበና ይግበሮ። እወ: ቃል ብቓሉ እኳ እንተ ዘይኰነ: ንሕናውን ኣብ ማእከል ኣትማንን ዕንቅርቢታትን ኢና እንመላለስ ዘሎና። ምስቶም ንኣተሓሳስባና ብቐሊሉ ክብክሎ ዝኽእል መርዛም ዘረባ ንኸውስኡ ዓይነ-ሕፍረት ዘይብሎም ሰባት መዓልታዊ ንኽንራኸብ ንግደድ ንኸውን ኢና። (ኤፌሶን 5:3, 4፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:20) እቶም እዚ ዕንቅፋታት እዚ እናሃለወ ኸሎ ንኣምላኽ ከገልግሉ ዝጽዕሩ ሰባት ክንኣዱ ኣለዎም። ተኣማንነቶም የሆዋ ብርግጽ የናብሮም ከም ዘሎ ዘርኢ ሓያል መርትዖ ኢዩ።
ኵርባታት ቀርሜሎስ
ቀርሜሎስ ዝብል ስም “ኣታኽልቲ ፍረታት” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለዎ። እዚ 50 ኪሎ ሜተር ንውሓት ዘለዎ ኣብ ሰሜን ዝርከብ ፍርያም ከባቢ: ብኣታኽልቲ ወይንን ኦም ኣውሊዕን ፍረታት ብዘለዎ ኣግራብን እተሰለመ ኢዩ። እቲ ዘይተሓርሰ ክፍሊ ናይዚ ሰንሰለት ኵርባታት በቲ ግርማኡን ጽባቔኡን ዘይርሳዕ ኢዩ። ኢሳይያስ 35:2 ነቲ እታ እተመልሰት ሃገር እስራኤል ዝህልዋ ግርማ ጽላሎት ከም ዝዀነ ገይራ: ብዛዕባ ‘ጌጽ ቀርሜሎስ’ ትዛረብ ኢያ።
ኣብ ቀርሜሎስ ብዙሕ ዝዝከር ፍጻመታት ተኻይዱ ኢዩ። ኤልያስ ንነብያት በዓል ዝበድሆም: ልዕልነት ኣምላኽ ንምርግጋጽ ድማ ‘ሓዊ እግዚኣብሄር ዝወረደ’ ኣብዚ ኢዩ ነይሩ። ከምኡውን ኤልያስ ነታ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ደርቂ ብተኣምራታዊ መገዲ ዝዛዘመት ብርቱዕ ዝናም ዘምጽአት ንእሽቶ ደበና ዘስተብሃለላ: ኣብ ርእሲ ቀርሜሎስ ኰይኑ ኢዩ። (1 ነገስት 18:17-46) እቲ ንኤልያስ ስዒቡ ዝመጸ ኤልሳእ: እታ ሹናማዊት ሰበይቲ ብምኽንያት እቲ ዝሞተ ወዳ—ድሓር ኤልሳእ ዘተንስኦ—ሓገዝ ደልያ ክትመጾ ኸላ ኣብ ከረን ቀርሜሎስ ኢዩ ነይሩ።—2 ነገስት 4:8, 20, 25-37
እቲ ቍልቍለት ቀርሜሎስ ጌና ኣታኽልቲ ፍረታት: ኦም ኣውሊዕ: ከምኡውን ኣታኽልቲ ወይኒ ይርከቦ ኢዩ። ኣብ እዋን ቀውዒ: እዚ ቍልቍለት እዚ ብውቁብ ዕንባባታት ኢዩ ዝሽፈን። ምናልባት ንጽባቐ ጸጕራ ወይ ነቲ ብሉጽ ብዝዀነ ኣገባብ ካብ ክሳዳ ልዕል ኢሉ ዝነበረ ውቁብ ርእሳ ብምእማት: ሰሎሞን “ርእስኺ ኣብ ልዕሌኺ ኸም ቀርሜሎስ እዩ” በለ።—መሃልየ መሃልይ 7:6text adjusted
እቲ ናይ ኵርባታት ቀርሜሎስ መለለዪ ዝነበረ ጌጽ: ነቲ የሆዋ ኣብ ልዕሊ እታ ብኣምለኽቱ ዝቘመት ዘመናዊት ማሕበሩ ኣንቢርዎ ዘሎ መንፈሳዊ ጽባቐ ኢዩ ዘዘኻኽረና። (ኢሳይያስ 35:1, 2) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ ኣብ መንፈሳዊ ገነት ኢዮም ዝነብሩ ዘለዉ: ምስቲ “ኣብ ባህ ዜብል ቦታ ዕጻ በጺሑኒ: ኤረ ጽቡቕ ርስቲ መጺኡኒ” ኢሉ ዝጸሓፈ ንጉስ ዳዊት ዝነበሮ ስምዒታት ድማ ይሰማምዑ ኢዮም።—መዝሙር 16:6
ልክዕ ከምቲ ናይ ጥንቲ እስራኤላውያን ነቲ ቀጻሊ ካብ ጸላእቲ ኣምላኽ ዝመጾም ዝነበረ ምጽራር እተጋጠምዎ: ብሓቂ: እዞም ሎሚ ዘለዉ መንፈሳውያን ህዝቢ ኣምላኽ ክጋጠምዎም ዘለዎም ኣሸገርቲ ብድሆታት ኣለዉ። እንተዀነ ግን: ሓቀኛ ክርስትያናት—ነቲ እናቐጸለ ዝኸይድ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብርሃን: ዓለምለኻዊ ሕውነት: ከምኡውን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ሓዊስካ—ነቲ የሆዋ ዝህቦም በረኸታት ኵሉ ግዜ ይግንዘብዎ ኢዮም።—ምሳሌ 4:18፣ ዮሃንስ 3:16፣ 13:35
“ኸም ገነት እግዚኣብሄር”
እታ ጥንታዊት ምድሪ ተስፋ ክትርእያ ባህ እትብል ኢያ ነይራ። “ጸባን መዓርን እተውሕዝ” ተባሂላ ብጽቡቕ ተገሊጻ ኣላ። (ዘፍጥረት 13:10፣ ዘጸ ኣት 3:8) ሙሴ ከምዚ ብምባል ጸውዓ:- “ጸብቕቲ ምድሪ . . . ወሓዝቲ ማያት ኣብ ሽንጭሮታትን ኣብ ኣኽራንን ዚፍልፍሉ ዓይኒ ማያትን ዔላታትን ዘለዋ: ምድሪ ስርናይን ስገምን ወይንን በለስን ሮማንን: ምድሪ ናይ ዘይቲ ኣውልዕን መዓርን: እንጌራ ድኽነት ዘይትበልዓላ: ገለ እኳ ዘይጐድለካ ምድሪ: ኣእማና ሓጺን: ካብ ኣኽራና ድማ ኣስራዚ እትዅዕተላ ምድሪ።”—ዘዳግም 8:7-9
የሆዋ ነቶም ጥንታውያን ህዝቡ ከምዚ ዝበለት ሃብታምን ምልክዕትን ሃገር ክህቦም ካብ ከኣለ: ነዞም ዘመናውያን እሙናት ኣገልገልቱ ኣኽራን: ሽንጭሮታት: ወሓይዝ: ከምኡውን ቐላያት ዘለዋ ኣብ ምልእቲ ምድሪ እተስፋሕፍሕ ግርማዊት ገነት ብርግጽ ክህቦም ይኽእል ኢዩ። እወ: እታ ጥንታዊት ምድሪ ተስፋ ምስ ኵሉ እቲ እተፈላለየ ኣቀማምጣኣ ናይታ ሎሚ መሰኻኽሩ ዘስተማቕርዋ ዘለዉ መንፈሳዊት ገነትን ናይታ ኣብ ሓዳስ ዓለም ዘላ መጻኢት ገነትን ንእሽቶ መርኣያ ኢያ ነይራ። ሽዑ እቲ ኣብ መዝሙር 37:29 ተመዝጊቡ ዘሎ መብጽዓ ክፍጸም ኢዩ:- “ጻድቃን ንሃገር [“ንምድሪ:” ትሓዓ ] ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።” የሆዋ ንእዙዛት ደቅሰብ እታ ገነታዊት ቤት እቲኣ ምስ ሃቦም: ኣብ ኵሉ እቲ “ክፍልታታ” ንዘለኣለም ዑደት ክገብሩስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ክሕጐሱ ኢዮም!
[እግረ-ጽሑፋት]
a ካብቲ ቦታ እቲ እተረኽበ ሓደ ኣስካል ወይኒ 12 ኪሎ: ካልእ ድማ ልዕሊ 20 ኪሎ ከም እተመዝነ ተመዝጊቡ ኢዩ።
b ዓይኒ ማይ ጊሆን ካብቲ ምብራቓዊ ወሰናስን የሩሳሌም ውጽእ ኢልካ ኣብ ዘሎ ቦታ ኢዩ ዝርከብ። ኣብ ውሽጢ በዓቲ እተሓብአ ኢዩ ነይሩ፣ ስለዚ ኣሶራውያን ምህላዉ እውን ዘይፈልጡ ነይሮም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም።
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ካርታ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ገሊላ
ከረን ቀርሜሎስ
ባሕሪ ገሊላ
ሰማርያ
ሸፈላህ
ኣኽራን ይሁዳ
ባሕሪ ጨው
[ምንጪ ስእሊ]
NASA photo
[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ካርታ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ሸፈላህ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽን ጸላእቲ ኣምላኽን ከልካሊ ሓጹር ኢዩ ነይሩ
ማይል 0 5 10
ኪ.ሜ. 0 8 16
ጐልጐል ፍልስጤም
ሸፈላህ
ኵርባታት ዝመልኦ ምድሪ ይሁዳ
በረኻ ይሁዳ
ሃጓፍ ሽንጭሮ
ባሕሪ ጨው
ምድሪ ዓሞንን ሞኣብን
[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ካርታ/ስእልታት]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
መትረብ ህዝቅያስ:- ብማእከል ተሪር ከውሒ ሰንጢቑ እተዃዕተ 533 ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ መትረብ
ሽንጭሮ ታይሮፓይን
ሰሊሆም
ከተማ ዳዊት
ሽንጭሮ ቄድሮን
ጊሆን
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
ኣብ በረኻ ይሁዳ: ዳዊት ካብ ሳኦል ዕቝባ ደለየ። ጸኒሑ ድማ የሱስ ኣብዚ ቦታ እዚ ብድያብሎስ ተፈተነ
[ምንጪ ስእሊ]
Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]
ኤልያስ ንካህናት በዓል ዘዋረደሉ ከረን ቀርሜሎስ
[ምንጪ ስእሊ]
Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእሊ]
“እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብ ጽብቕቲ ምድሪ ኼእትወካ እዩ እሞ: ወሓዝቲ ማያት ኣብ ሽንጭሮታትን ኣብ ኣኽራንን ዚፍልፍሉ ዓይኒ ማያትን ዔላታትን ዘለዋ።”—ዘዳግም 8:7