ዑደት ናብ ምድሪ ተስፋ
ሓደ ዓርክኻ ኣብ ማእከል ውቁብን ህዱእን ከባቢ—ብመልክዕ ህያብ—ሓድሽ ገዛ ከም ዝዓደገልካ ነጊሩካ ንበል። ‘እንታይ ኰን ይመስል ይኸውን፧’ ብምባል ምተገረምካ ነይርካ። ብዘይ ምጥርጣር ድማ: ነቲ ገዛ ባዕልኻ ክትርእዮ: ክትዞሮ: ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ድማ በብሓደ ክትዕዘቦ ምተሃንጠኻ ነይርካ። ከመይሲ: እዚ ሓድሽ ቤትካ ኢዩ!
ብ1473 ቅ.ኣ.ዘ.: የሆዋ ንጥንታውያን ህዝቢ እስራኤል: ካብ ሰሜን ንደቡብ ዳርጋ 500 ኪሎ ሜተር ዝቑመቱ 55 ኪሎ ሜተር ከኣ ዝስፍሓቱ ወሽመጥ መሬት: ሓድሽ ቤት—ምድሪ ተስፋ—ኣውረሶም።a እታ ኣብቲ ፈርታይል ክረሰንት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ እትርከብ ምድሪ ተስፋ: ንምንባር ባህ እተብልን በቲ ናይ ገዛእ ርእሳ ዝዀነ መለለይታት ዝበልጸገትን ኢያ ነይራ።
ይኹን እምበር ንኻልእ ሰብ: ብፍላይ ከኣ ነዊሕ ግዜ ይገብር ንዝነበረ ሰብ እተዋህበ “ቤት:” ሎሚ ክትግደሰሉ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ብዛዕባ እዛ ታሪኻዊት ሃገር እዚኣ ምፍላጥ: ነቲ ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት ዘሎካ ሞሳ ከዕብዮ ስለ ዝኽእል ኢዩ። ፕሮፌሰር ዮሃናን ኣሃሮኒ “ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሃገር: ጂኦግራፍን ታሪኽን ዓሚቝ ምትእስሳር ዘለዎ ብምዃኑ: ነቲ ሓደ ብዘይ ሓገዝ ናይቲ ሓደ ክትርድኦ ዘይከኣል ኢዩ” ብምባል ጸሓፈ። ብተወሳኺ: ምድሪ ተስፋ በቲ ዝለዓለ ደረጃኣ ክትርአ ኸላ: እታ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዘላ ገነት ኣብ ምልእቲ ምድሪ ንዝርከቡ ደቅሰብ እንታይ ማለት ምዃና: ንኡስ ኣብነት እትኸውን ኢያ!—ኢሳይያስ 11:9
የሱስ ክርስቶስ ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ: ተግባራዊ ትምህርትታት ምእንቲ ክምህር ነቲ ኣብ ምድሪ ተስፋ ዝርከብ ዝነበረ ልሙድ ናይ ቦታ ትርኢታት ተጠቒምሉ ኢዩ። (ማቴዎስ 13:24-32፣ 25:31-46፣ ሉቃስ 13:6-9) ንሕናውን ንሓደ ሓደ ቦታታት ናይ ጥንታዊ ጳለስጢና ብምርኣይ: ተግባራዊ ብዝዀነ መገዲ ብዙሕ ክንማሃር ንኽእል ኢና። ስለዚ እምበኣር: ናይዛ ንብዙሕ ዘበናት ንህዝቢ ኣምላኽ ከም ቤቶም ኰይና ዘገልገለት ሃገር ፍሉይ መለለይታት ብምዕዛብ: ኣብቲ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ክፍልታታ ዝዀነ ገለ ገለ ቦታታት ዑደት ንግበር። ቀጺልና ከም እንርእዮ: ካብታ ምድሪ ተስፋ ክንማሃሮ እንኽእል ብዙሕ ነገራት ኣሎ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a ኣብዚ ዓንቀጻት እዚ: ኣወዓዕላ ናይታ “ምድሪ ተስፋ” እትብል ስያመ: ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጽዎ ዘሎ ናይቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበረ ትርኢት ድኣምበር: ነቲ ሎሚ ኣብዚ ከባቢ እዚ ዘሎ ዘመናዊ ፓለቲካውን ሃይማኖታውን ጕዳያት ዘመልክት ኣይኰነን።
[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Cover: Pictorial Archive (Near Eastern History) Est.
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
Garo Nalbandian