ረቢ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝበቅዕ መን ኢዩ፧
ኣብቲ ከተማ ከመይ ዝበለ ናይ ትራፊክ ምዕልቕላቕ ከም ዘሎ ዘይፈለጠ ቱሪስት: ኣብ ሰዓቱ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ክበጽሕ ተስፋ የብሉን። ኣማእታት ዝዀኑ ፓሊስ ነቶም ኣብ ናይ የሩሳሌም ጐደናታት ተጨቓጪቖም ዝነበሩ ልዕሊ 300,000 ዝዀኑ ሓዘንተኛታት ሰባት እናሓለዉ ነቲ ዝነበረ ናይ ትራፊክ ምንቅስቓስ ክኣልይዎ ይፍትኑ ነበሩ። እቲ ዘ ጀሩሳሌም ፖስት (እንግሊዝኛ) “ንፕረዚደንትታት: ነገስታት ወይ ድማ ጨቈንቲ ውልቀ-መለኽቲ ዝግበር ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ኢዩ” ኢሉ ጸውዖ። ንናይ እስራኤል ርእሲ ኸተማ ንሰዓታት ዝኸውን ምንም ምንቅስቓስ ከም ዘይህልዋ ዝገብር ክሳዕ ክንድዚ ተወፋይነት እተዋህቦ መን ኰን ኢዩ፧ ክብረት ዝወሃቦ ዝነበረ ረቢ ኢዩ። ኣብ መንጎ ኣይሁድ እቲ ረቢ ዝብል መዓርግ ከምዚ ዝበለ ክብረትን ተወፋይነትን ዝወሃቦ ስለምንታይ ኢዩ፧ እታ “ረቢ” እትብል ቃል መጀመርታ ክትዝውተር ዝጀመረት መዓስ ኢዩ፧ ብልክዕከ ኣብ መን ኢያ እትውዕል፧
ሙሴ ረቢ ድዩ ነይሩ፧
ኣብ ኣይሁድነት እቲ ኣዝዩ ክቡር ስም: እቲ ኣብ ናይ እስራኤል ሕጊ ኪዳን ማእከላይ ዝነበረ ሙሴ ዝብል ስም ኢዩ። ሃይማኖታውያን ኣይሁድ ን“ሙሴ ‘ናትና ረቢ’” ኢሎም ኢዮም ዝጽውዕዎ። ይኹን እምበር: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ሙሴ “ረቢ” ብዝብል መዓርግ ኣይተጸውዐን። አረ እታ “ረቢ” እትብል ስያመ ንባዕላውን ኣብ ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይትርከብን ኢያ። እሞ ኣይሁድ ድኣ ብኸመይ ኢዮም ንሙሴ በዚ ማዕርግ እዚ ክጽውዕዎ ዝጀመሩ፧
ብመሰረት ናይ እብራይስጢ ቅዱሳት ጽሑፋት: ነቲ ሕጊ ክምህሩን ክገልጹን ሓላፍነትን ስልጣንን እተዋህቦም ነቶም ካብ ዓሌት ኣሮን ዝነበሩ ናይ ነገድ ሌዊ ካህናት ኢዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 10:8-11፣ ዘዳግም 24:8፣ ሚልክያስ 2:7) ይኹን እምበር: ኣብ ካልኣይ ክፍለ-ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣብ ኣይሁድነት ጐነጽ ዘይብሉ መሰረታዊ ለውጢ ጀመረ: እዚ ድማ ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ ንናይ ኣይሁዳውያን ኣተሓሳስባ ነባሪ ብዝዀነ መገዲ ከም ዝልወጥ ገበሮ።
ብዛዕባ እዚ መንፈሳዊ ዝዀነ መሰረታዊ ምቕያር እዚ: ዳንኤል ጀርሜ ሲልቨር ኣብታ ኤ ሂስትሪ ኦቭ ጁዳይዝም እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣብቲ ግዜ እቲ ገለ ካብ ክፍሊ ካህናት ዘይኰኑ ጸሓፍትን ምሁራትን: ቶራህ [ናይ ሙሴ ሕጊ] ንምትርጓም ዝነበረ ናይ ክህነት ሕጋዊ መሰል ብድሆ ከቕርብሉ ጀመሩ። ካህናት ከም ናይ ቤተ-መቕደስ ሰራሕተኛታት መጠን ኣድለይቲ ምዃኖም ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝሰማምዓሉ ኢዩ: እንተዀነ ግን: ንቶራህ ዝምልከት ጉዳያት ናይ መወዳእታ ውሳነ ዝህቡ ስለምንታይ ኢዮም፧” ንስልጣን ናይቲ ክፍሊ ክህነት ብድሆ ዘቕረቡ መለዓዓልቲ መን ኢዮም ነይሮም፧ እቶም ፈሪሳውያን ተባሂሎም ዝፍለጡ ኣብ መንጎ ኣይሁድነት እተላዕሉ ሓድሽ ጕጅለ ኢዮም ነይሮም። ሲልቨር ቀጺሉ ከምዚ ይብል:- “እቶም ፈሪሳውያን ናብቲ ቤት ትምህርቶም ንምእታው ብቕዓታት ድኣምበር ትውልዲ [ብናይ ክህነት ዘርኢ] ከም ዘይከውን ገበርዎ: ኣብ ሃይማኖታዊ መሪሒነት ከኣ ሓድሽ ናይ ኣይሁድ ጕጅለ ኣቘሙ።”
ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ካብዚ ናይ ፈሪሳውያን ቤት ትምህርቲ እተመረቑ ናይ ሕጊ ኣይሁድ መምህራን ተባሂሎም ተጸውዑ። ከም ምልክት ናይ ኣኽብሮት ድማ ካልኦት ኣይሁድ “መምህረይ:” ብእብራይስጢ ረቢ ኢሎም ክጽውዕዎም ጀመሩ።
እዚ ሓድሽ መዓርግ እዚ: ኣብቲ ኣብ ናይ ኣይሁድ ታሪኽ ዝዓበየ መምህር ምዃኑ ዝእመነሉ ዝነበረ ሙሴ ካብ ምውዓል ንላዕሊ ተቐባልነት ከም ዝረክብ ክገብሮ ዝኽእል ካልእ ዋላ ሓንቲ ክህሉ ኣይክእል ኢዩ። ውጽኢት ናይዚ: ነቲ ንክህነት ዝወሃቦ ዝነበረ ክብሪ ዝያዳ ዘሕስር: ነቲ ኣብቲ ጽልዋኡ እናዓበየ ዝኸደ ናይ ፈሪሳውያን መሪሕነት ዝነበረ ኣረኣእያ ድማ ክብ ከብል ዝኽእል ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ድማ ድሕሪ ሞቱ ልዕሊ 1,500 ዓመታት ጸኒሑ: ሙሴ “ረቢ” ተባሂሉ ተጸውዐ።
ነቲ መምህር ምምሳሉ
ዋላ እኳ ሓድሓደ ግዜ ነታ “ረቢ” (“መምህረይ”) እትብል መግለጺ እቲ ሓፋሽ ህዝቢ ንዘኽብሮም ካልኦት መምህራን ንምጽዋዕ ይጥቀመላ እንተነበረ: እታ ስያመ ዝበዝሕ ግዜ ነቶም ኣብ መንጎ ፈሪሳውያን ዝነበሩ ምርኡያት መምህራን: “ጥበበኛታት ሰብኡት”: እትውዕል ኢያ ነይራ። ምስቲ ብ70 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበረ ምጥፋእ ቤተ-መቕደስ እቲ ናይ ካህናት ስልጣን ኣብቅዐ: ናይ ፈሪሳውያን ረብታት ድማ ነቕ ዘይብሉ ናይ ኣይሁድነት መራሕቲ ኰኑ። እቲ ተወዳዳሪ ዘይነበሮ ስልጣኖም ድማ ናይ ረቢ ጥበበኛታት ዝሕምብርቱ ሓደ ዓይነት ኣምልኾ ንኽዓቢ ኣተባብዐ።
ነዚ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዝበን ዝነበረ ናይ መሰጋገሪ ግዜ ብምምይያጥ ፕሮፌሰር ዶቭ ዝሎትኒክ ከምዚ ኢሉ ሓሳባት ይህብ:- “‘ነቶም ጥበበኛታት ተጠንቂቕካ ምርኣይ’ ካብ ንቶራህ ምጽናዕ ንላዕሊ ኣገዳሲ ኰነ።” ኣብ ርእሲ እዚ ኣይሁዳዊ ምሁር ጃኮብ ኖይስነር ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “እቲ ‘ናይቶም ጥበበኛታት ወደ መዝሙር’ ንገዛእ ርእሱ ምስ ረቢ ዝጠበቐ ተማሃራይ ኢዩ። ከምዚ ዝገብር ድማ ን‘ቶራህ’ ክማሃር ስለ ዝደሊ ኢዩ። . . . ቶራህ በቲ ሕጊ ኣቢልካ ኣይኰነን ዝጽናዕ: ኣብ ክንድኡስ ነቲ ኣብቲ ኣካላዊ ምንቅስቓስን ተግባራትን ናይቶም ህያዋን ጥበበኛታት ዘሎ ሕጊ ብምጽናዕ ኢዩ ዝግበር። ነቲ ሕጊ በቲ ዝብልዎ ጥራይ ዘይኰነስ በቲ ዝገብርዎ እውን ይምህሩ ኢዮም።”
ናይ ታልሙድ ምሁር ኣዲን ስታይንሳልትስ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ብምጽሓፍ ይድግፍ:- “እቶም ጥበበኛታት ባዕላቶም: ‘ሓፈሻዊ ዕላል: ዋዛ: ስቕ ኢልካ ዝመጽእ ሓሳባት ናይቶም ጥበበኛታት ከጽንዑ ኣለዎም’ ይብሉ።” እዚኸ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ክጽናዕ ዘለዎ፧ ስተይንሳልትዝ ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “ሕሉፍ ኣብነት ናይዚ: ሓደ ወደ መዝሙር እቲ ዓቢ መምህሩ ምስ ሰበይቱ ብኸመይ ርክብ [ጾታዊ ርክብ] ከም ዝገብር ንኽርኢ ኢሉ: ኣብ ትሕቲ ዓራት ናይ መምህሩ ከም እተሓብአ ዝገልገጽ ጸብጻብ ኢዩ። ብዛዕባ ወጠምጠም ምባሉ ምስ ተሓተ: እቲ መንእሰይ ወደ መዝሙር ከምዚ ኢሉ መለሰ:- ‘ቶራህ ኢዩ: ክጽናዕ ድማ ኣለዎ:’ እዚ ድማ ብረቢታትን ተማሃሮን ቅቡል ገይርካ ዝውሰድ መገዲ ኢዩ።”
ኣብ ክንዲ ኣብ ቶራህ ኣብ ረቢ ዝያደ ኣትኵሮ ብምግባር—ብረቢ ገይርካ ንቶራህ ምምሃር—ካብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ከ.ኣ.ዘ. ንነጀው ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣይሁድነት ረቢ ዝሕመረቱ ሃይማኖት ኰነ። ሓደ ሰብ ናብ ኣምላኽ ክቐርብ ዝኽእል በቲ እተጻሕፈ መንፈስ ዘለዎ ቃል ዘይኰነስ: በቲ ብሕታዊ ኣብነት ናይቲ መምህር: ረቢ ኢዩ። ስለዚ ድማ: ኣብ መንፈስ ቅዱስ ዝነፈሶ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝያዳ ኣተኵሮ ኣብ ክንዲ ምግባር: ናብቲ በቶም ረቢታት ዝወሃብ ዝነበረ ኣፍኣዊ ሕግን ልምድታትን ተቐየረ። ካብዚ ግዜ እዚ ኣትሒዙ ከም እኒ ታልሙድ ዝኣመሰለ ናይ ኣይሁድ ስነ-ጽሑፍ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ብኣምላኽ እተዋህበ መግለጺታት ዝያዳ ኣብ ምምይያጥ: ሓጸርቲ ዛንታታት: ከምኡውን ኣብ ናይ ረቢ ጠባያት ከም ዘተኵር ኰነ።
ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት ዝነበረ ናይ ረብታት ግደ
እቶም ናይ ቀደም ረብታት: ሰፊሕ ስልጣንን ጽልዋን እኳ እንተነበሮም: ካብቲ ሃይማኖታዊ ንጥፈታቶም እቶት ኣይነበሮምን። እቲ ኢንሳይክሎፔድያ ጁዳይካ (እንግሊዝኛ) ከምዚ ኢሉ ይገልጽ:- “እቲ ኣብ ናይ ታልሙድ ዝነበረ ረቢ . . . ካብቲ ሎሚ ነቲ መዓርግ ሒዙ ዘሎ ሰብ ኣጸቢቑ እተፈልየ ኢዩ። እቲ ኣብ ናይ ታልሙድ ዝነበረ ረቢ ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ኣፍኣዊ ሕግን ተርጓሚ ከምኡውን ገላጺ ኢዩ ነይሩ: ዳርጋ ዝበዝሕ ግዜ ድማ ናብራኡ ዘካይደሉ ስራሕ ነይርዎ ኢዩ። ኣብ እዋን ማእከላይ መዋእል ጥራይ ኢዩ እቲ ረቢ . . . መምህር: ሰባኺ: ከምኡውን መንፈሳዊ ርእሲ ናይ ኣይሁድ ጉባኤ ወይ ማሕበረሰብ ዝዀነ።”
እቶም ረቢታት ነቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ ቦታ ናብ ደሞዝ ዘውህብ ስራሕ ምስ ለወጥዎ: ገሊኣቶም ክነቕፍዎ ጀመሩ። እቲ ማይሞኒደስ እተባህለ: ሓኪም ኰይኑ ናብራኡ ዘካይድ ዝነበረ ናይ መበል 12 ክፍለ-ዘበን ውሩይ ረቢ: ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ረቢታት ኣጸቢቑ ተቓወሞም። “ካብ ውልቀ-ሰባትን ማሕበረሰብን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክወሃቦም ወሰኑ: ነቲ ህዝቢ ኸኣ ቶራህ ስርሖም ስለ ዝዀነ ነቶም ጥበበኛታትን ምሁራትን ንቶራህ ዘጽንዑን: [ብገንዘብ] ምሕጋዞም ግዴታን ግቡእን ኢዩ ብምባል ናይ ዕሽነት ኣተሓሳስባ ከም ዝሓስብ ገበርዎ። እንተዀነ ግን እዚ ኵሉ ጌጋ ኢዩ። ኣብ ቶራህ ይኹን: ኣብቲ እቶም ጥበበኛታት ዝብልዎ ሓንቲ ቃል እውን ትኹን ነዚ እትድግፍ የላን።” (ኮመንታሪ ኦን ዘ ሚሽናህ: ኣቮት 4:5) እንተዀነ ግን: እቲ ማይሞኒደስ ዝበሎ ኵነኔ በቶም ስዒቦም ዝመጹ ረቢታት ኣቓልቦ ኣይተገብረሉን።
ኣይሁድነት ኣብ ዘመናዊ መዋእል ምስ ኣተወ: ናብ እተፈላለየ ክፍልታት ማለት ተሃድሶ: ዓቀብቲ: ከምኡውን ናይ ኣይሁድ ኦርቶዶክስ ተኸፋፈለ። ንብዙሓት ድማ ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታዊ እምነት ኣብቲ ጕዳያቶም ካልኣይ ደረጃ ሓዘ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ናይ ረቢ ቦታ ክቐልል ጀመረ። እቲ ቀንዲ ዕዮ ናይ ረቢ ድማ እናተኸፍለ ዝሰርሕ: ንኣባላት ናይ ጕጅለኡ ድማ ክኢላ መምህርን መኻርን ንክኸውን እተመዘዘ ርእሲ ናይታ ጉባኤ ኰነ። ይኹን እምበር: ኣብ መንጎ እቶም ናይ ሄሲዲክ ጕጅለ ናይ ረቢ ትርጕም ካብ መምህርን ኣብነትን ንላዕሊ ዘጠቓልል ኰነ።
ነቲ ኤድዋርድ ሆፍማን ኣብታ ብዛዕባ ናይ ሄሰዲክ ቻባድ-ሉባቪች ምንቅስቓስ እትገልጽ መጽሓፉ ዝሃቦ ሓሳባት ኣስተብህለሉ:- “እቶም ናይ መጀመርያ ሄሲዲም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወለዶ: ብትምህርቱን ተወፋይነቱን ተወዳዳሪ ዘይብሉ: ናይቲ ግዜኡ ሙሴ ዝዀነ: ሓደ ናይ ኣይሁድ መራሒ ዛዲክ [ጻድቕ] ኣሎ ዝብል እውን ይጸቕጥሉ ነይሮም ኢዮም። ነፍሲ ወከፍ ጕጅለ ናይ ሄሲዲም: እቲ ናቶም ረቤ [ብሄድሽ “ረቢ” ዝጽዋዓሉ] በቲ ዘለዎ ዘገርም ድንጋጸ: ንሕግታት እቲ ኵሉ ዝኽእል እውን ክጸልዎ ከም ዝኽእል ኰይኑ ኢዩ ዝስምዖም። ከም ኣብነት መጠን ዝኽበር በቲ ዝገብሮ ገላጺ ዝርርባት ጥራይ ዘይኰነስ: ኣነባብራኡ (ከምቲ ተገሊጹ ዘሎ ‘ኣገባብ ኣተኣሳስራ ሰራኽ ኣሳእኑ’) ንደቅሰብ ክብ ዘብል: ከምኡውን ናብቲ መለኮታዊ ዘእቱ እተሓላለኸ ሓበሬታታት ዝህብ ገይርካ ኢዩ ዝርአ።”
“ረቢ ኣይትበሃሉ”
እቲ ንክርስትና ዝመስረተ ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ኣይሁዳዊ የሱስ: ኣብቲ ናይ ፈሪሳውያን ኣተሓሳስባ ንኣይሁድነት ክዕብልል ዝጀመረሉ እዋን ኢዩ ዝነብር ነይሩ። ፈሪሳዊ ኣይነበረን: ወይ ድማ ኣብ ቤት ትምህርትታቶም ልምምድ ኣይወሰደን: እንተዀነ ግን ንሱውን ረቢ ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ።—ማርቆስ 9:5፣ ዮሃንስ 1:38፣ 3:2
ነቲ ኣብ ኣይሁድነት ዝነበረ ናይ ረቢ ዝንባለ ብምውራድ የሱስ ከምዚ በለ:- “ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ኣብ መንበር ሙሴ ተቐሚጦም አለዉ። ኣብ ምሳሕ ስፍራ ኽብሪ: ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኣብ ኣውራ ምቕማጥ ይቕመጡ። ኣብ ዕዳጋ ኺሳለምዎም: ብሰብውን መምህራን [“ረቢ:” ትሓዓ ] ኪብሀሉ ይፈትዉ። ንስኻትኩም ግና: መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ: መምህራን [“ረቢ:” ትሓዓ ] ኣይትበሀሉ: ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም።”—ማቴዎስ 23:2, 6-8
የሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣይሁድነት ዝምዕብል ዝነበረ ኣብ መንጎ ኣቕሽሽትን ምእመናንን ዝነበረ ናይ መዓርግ ፍልልይ ኣጠንቂቑ ኢዩ። ንሰባት ከምዚ ዝበለ ዘይግባእ ኣኽብሮት ምሃብ ኣዋሪድዎ ኢዩ። ኣበርቲዑ “መምህርኩም ሓደ እዩ” ኢሉ ገለጸ። እዚኸ መን ኢዩ ነይሩ፧
እቲ እቶም ጥበኛታት ባዕላቶም “ናትና ረቢ” ኢሎም ዝጽውዕዎ ዝነበሩ “እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ዝፈልጦ” ሙሴ: ዘይፍጹም ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ። ጌጋታት እውን ከይተረፈ ፈጺሙ ኢዩ። (ዘዳግም 32:48-51፣ 34:10፣ መክብብ 7:20) ንሙሴ ከም ዝለዓለ ኣብነት ገይሩ ኣብ ክንዲ ዝጠቕሶ የሆዋ ከምዚ በሎ:- “ከማኻ ዝበለ ነብዪ ኻብ ማእከል ኣሕዋቶም ከተንስኣሎም እየ: ቃለይ ከኣ ኣብ ኣፉ ኸንብር እየ: ንሱ ድማ ዝኣዘዝክዎ ዅሉ ኺነግሮም እዩ። ይኸውን ከኣ: ነቲ ብስመይ ዚዛረቦ ዘረባይ ዘይሰምዕ ሰብ: ኣነ ኻብኡ ኽደልዮ እየ።”—ዘዳግም 18:18, 19
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት: እዚ ቃላት እዚ ኣብ የሱስ እቲ መሲሕ ከም እተፈጸመ የረጋግጽ።a የሱስ ‘ከም’ ሙሴ ጥራይ ኣይኰነን ነይሩ፣ ካብ ሙሴ ዝዓቢ ኢዩ ነይሩ። (እብራውያን 3:1-3) ቅዱሳት ጽሑፋት የሱስ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ከም እተወልደ ይገልጽ: ካብ ሙሴ ብእተፈልየ መገዲ ድማ ንኣምላኽ ‘ብዘይ ሓጢኣት’ ኣገልጊሉዎ ኢዩ።—እብራውያን 4:15
ነቲ ኣብነት ሰዓቦ
ነቲ ናይ ረቢ ተግባራትን ቃላትን ኣጸቢቕካ ምጽናዕ ንኣይሁዳውያን ናብ ኣምላኽ ከቕርቦም ኣይከኣለን። ዘይፍጹም ሰብ ናይ ተኣማንነት ኣብነት ክኸውን ዝኽእል እኳ እንተዀነ: ነፍሲ ወከፍ ተግባሩ እንተድኣ ነጽንዖን ንቐድሖን ኰይንና ግን ጌጋታቱን ዘይፍጽምናታቱን ምስ እቲ ጽቡቕ ጐንታቱ ክንቀድሖ ኢና ማለት ኢዩ። በዚ ኸኣ ኣብ ክንዲ ንፈጣሪ ነቲ እተፈጥረ ዘይግባእ ክብሪ ክንህብ ኢና።—ሮሜ 1:25
እንተዀነ ግን: የሆዋ ንደቅሰብ ኣብነት ኣዳልይሎም ኢዩ። ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት: የሱስ ሰብ ኰይኑ ቅድሚ ምምጻኡ ይነብር ነይሩ ኢዩ። አረ “መልክዕ እቲ ዘይርኤ ኣምላኽ: በዅሪ ዅሉ ፍጥረትውን እዩ” ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። (ቈሎሴ 1:15) የሱስ ኣብ ሰማይ እዚ ንዘይበሃል ሚልዮናት ዓመታት ከም “ሰራሕተኛ” ኰይኑ ስለ ዘገልገለ: ንየሆዋ ክንፈልጦ ዝዓበየ ሓገዝ ክዀነና ይኽእል ኢዩ።—ምሳሌ 8:22-30፣ ዮሃንስ 14:9, 10
ስለዚ ድማ ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ክጽሕፍ ከኣለ:- “ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ።” (1 ጴጥሮስ 2:21) ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ኣተባብዖም:- “ናብቲ . . . ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት።” “ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ አሎ” ኢሉ እውን ገሊጹ ኢዩ። (እብራውያን 12:2፣ ቈሎሴ 2:3) ዝዀነ ይኹን ካልእ ሰብኣይ—ሙሴ ይኹን ወይስ ናይ ረቢ ጥበበኛ—ከምዚ ዝበለ ኣቓልቦ ክግበረሉ ብቑዕ ኣይኰነን። ኣጸቢቕና ክንቀድሖ እንኽእል ሰብ እንተድኣ ኣልዩስ የሱስ ኢዩ። ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም እኒ ረቢ ዝኣመሰለ መዓርጋት: ብፍላይ ምስቲ ኣብዚ ዘበን እዚ ዝህቦ ትርጕም ኣተሓሒዝካ: ኣየድልዮምን ኢዩ። ረቢ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝግብኦ እንተድኣ ነይሩ ግን የሱስ ኢዩ።
[እግረ-ጽሑፍ]
a የሱስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲህ ምዃኑ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ነታ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት ውግእ ዘይብላ ዓለምሲ ክትህሉዶ ትኸውን: እትበሃል ብሮሹር (እንግሊዝኛ) ገጽ 24-30 ርአ።
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ምንጪ ስእሊ]
© Brian Hendler 1995. መሰል ዋና ሕሉው’ዩ።