ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/5 ገጽ 29-31
  • ሚዛናዊ ፓይነር ዲኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሚዛናዊ ፓይነር ዲኻ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብመንፈስ ድልዱል ኵን!
  • ነቲ ናይ ስድራቤት ሓላፍነታት ሚዛናዊ ገይርካ ምሓዙ
  • ቍጠባዊ ሚዛን
  • ሚዛናውያን ፓይነራት ናይ ሓቂ በረኸት ኢዮም
  • ካብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝርከብ በረኸት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ዕዮ ፈላምነት ምስ ኣምላኽ ንዘሎና ርክብ የደልድሎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ናይ ፓይነር ኣገልግሎት—ንዓኻ ዝምልከት ድዩ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/5 ገጽ 29-31

ሚዛናዊ ፓይነር ዲኻ፧

ሓደ ኣቦ ጓሉ ታተ ክትብል ከላ ሰንከልከል እናበለት ትመጾ እሞ ኣእዳዉ ዘርጊሑ ክሓቝፋ እናተጸበየ ኣዒንቱ ትኵር ኢለን ይጥምታ። ሃንደበት ክምብል እንተድኣ ኢላ እንደገና ክትፍትን የተባብዓ። ሚዛናን ሓይላን ቀልጢፋ ክትሕሉ ምዃና ይፈልጥ ኢዩ።

ብተማሳሳሊ መገዲ: ሓደ ሓድሽ ፓይነር ኣገልጋሊ: ከም ናይ ምሉእ ግዜ ኣዋጂ መንግስቲ ኰይኑ ንኽዕወት: እቲ ዘድሊ ሚዛን ንኽሕሉ: ግዜን ምትብባዕን የድልዮ ይኸውን ወይ የድልያ ይኸውን። ብዙሓት ፓይነራት: ንዓሰርተታት ዓመታት ብሓጐስ እናኣገልገሉ ይቕጽሉ ኢዮም። ሒደት ከኣ ኣብ ኵነታቶም ዘይተጸበይዎ ለውጥታት ምስ ኣጋጠሞም ሚዛኖም ኣጥፊኦም ኢዮም። አረ ገሊኦምሲ ሓጐሶምውን ከይተረፈ ኣጥፊኦም ኢዮም። ኣብ ሓንቲ ሃገር: ካብቶም ናይ ፓይነር ዕዮ ዝጀመሩ 20 ካብ ሚእቲ ዝዀኑ: ኣብተን ናይ መጀመርታ ክልተ ዓመታት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎቶም ኣቋሪጾም ኢዮም። ንሓደ ፓይነር ነዚ ኣዝዩ ዘሐጕስ ኣገልግሎት እዚ ከም ዘቋርጾ ክገብሮ ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧ ነዚ ዕንቅፋታት እዚ ንምልጋስ ገለ ክግበር ዝኽእል ነገር ኣሎዶ፧

ሽሕ’ኳ ጕድለት ጥዕና: ናይ ገንዘብ ኣድላይነት: ናይ ስድራቤት ሓላፍነታት: ንገሊኦም ነቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎቶም ከም ዘቋርጹ ዝገብሮም እንተዀነ: ንኻልኦት እምኒ መዐንቀፊ ኰይንዎም ዘሎ ግን ኣብ መንጎ እቲ እተፈላለየ ክርስትያናዊ ግዴታታት ጽቡቕ ሚዛን ሓልዮም ክኸዱ ዘይምኽኣሎም ኢዩ። ሚዛን “ሓደ ክፍሊ: ረቛሒ: ወይ ከኣ ጽልዋ ንኻልእ ዘይምዕብላል: ወይ ድማ ካብቶም ካልኦት ረቛሒታት ዘይምብላጽ” ኢዩ ዘመልክት።

የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ እቲ ናይ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ብኸመይ ክግበር ከም ዘለዎ ኣርእይዎም ኢዩ። ኣብቲ ባዕሉ ዝፈጸሞ ኣገልግሎትውን: ብኸመይ ሚዛንካ ሓሊኻ ክትከይድ ከም እትኽእል ብምሳሌ ኣርእዩ ኢዩ። የሱስ ነቶም ናይ ኣይሁድ ሃይማኖታውያን መራሕቲ “ካብ ጨና ኣዳም: ካብ ሽላን: ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ: እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፤ ፍርዲ: ምሕረት: እምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም . . . እዚ ምግባር እቲውን ዘይምሕዳግ ይግባእ” ብምባል ሚዛናውያን ከም ዘይነበሩ ኣርእዩ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 23:⁠23

ብፍላይ ሎሚ እዚ ስርዓት እዚ ኣብቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዝዓዪ ኢዩ። ገሊኦም ምሉእ ብምሉእ ከይተዳለዉሉ ወይ ከኣ እቲ ምስኡ ዝኸይድ ነገራት ከይሓሰብሉ ብህንጥዮትን ብጽቡቕ ዕላማን ተደሪኾም ነቲ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ጀሚሮምዎ ኢዮም። (ሉቃስ 14:⁠27, 28) ካልኦት ድማ እቲ ግራት ኣገልግሎት ኣዝዩ ስለ ዝሰሓቦም: ነቲ ኣድላዪ ዝዀነ ካልእ ናይ ክርስትና ንጥፈታት ሸለል ኢሎምዎ ይርከቡ ኣለዉ። ብኸመይ ኢዮም ሚዛኖም ክሕልዉን ክዕቅቡን ዝኽእሉ፧

ብመንፈስ ድልዱል ኵን!

የሱስ ንመንፈሳውነቱ ብፍጹም ሸለል ኢሉ ኣይፈልጥን ኢዩ። ሽሕ’ኳ እቶም ንኽሰምዕዎን ንኽፍወሱን ዝመጹ ህዝቢ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ግዜኡ ምስኦም ከሕልፎ እንተደለይዎ: ዓሚቝ ጸሎት ንምግባር ግዜ መዲቡ ኢዩ። (ማርቆስ 1:​35፣ ሉቃስ 6:​12) ሎሚውን እንተዀነ ሓደ ፓይነር ሚዛናዊ ናይ ፓይነር ዕዮ ክህልዎ ዝኽእል ብመንፈስ ድልዱል ምእንቲ ክኸውን ነቲ ዘሎ ምድላዋት ንኽጥቀመሉ እኹል ግዜ ምስ ዝህልዎ ኢዩ። ጳውሎስ “እምበኣርሲ ኣታ ንኻልእ እትምህር: ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧” ብምባል ምኽንያት ሃበ። (ሮሜ 2:⁠21) ግዜኻ ብምሉኡ ንኻልኦት ኣብ ምስባኽ ጥራይ ብምሕላፍ ግቡእ ዝዀነ ናይ ብሕቲ መጽናዕትን ስርዓታዊ ጸሎትን ንምግባር ግዜ ናይ ምምዳብ ሸለልትነት ምርኣይ ብርግጽ ጌጋ ኢዩ።

ኩሚኮ ንዕስራ ዓመታት ፓይነር ኰይና ዘገልገለት ሓብቲ ኢያ። ሽሕ’ኳ ሰለስተ ቈልዑን ዘይኣምን ብዓል⁠ቤትን እንተለዋ: ካብቲ ዘሕለፈቶ ተመክሮ ቅድሚ ምድቃሳ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብን ንምጽናዕን እቲ ዝበለጸ ግዜ ኰይኑ ረኸበቶ። ከተጽንዕ ከላ: ነቲ መዓልታዊ ኣገልግሎት ሓድሽን ዝስሕብን ንምግባሩ ምእንቲ ክትክእል ኣብ ግራት ኣገልግሎት እትጥቀመሉ ነጥብታት ተመልክት። ካልኦት ዕዉታት ፓይነራት ከኣ ቅድሚ ካልኦት ኣባላት ስድራቤቶም ብምትንሳእ ኣብቲ ናይ ወጋሕታ ህዱእ ሰዓታት መንፈሳዊ ሓይሎም ንኸሐድሱ ተጠቒሞምሉ ኢዮም። ንስኻውን ንኣኼባታት ንምድላውን ምስቲ ሓደስቲ ክርስትያናዊ ጸሑፋት ማዕረ ማዕረ ምእንቲ ክትከይድን ዝመደብካዮ ካልእ ምቹእ ግዜያት ይህልወካ ይኸውን። ነቲ ካብ ኣገልግሎት ዝርከብ ሓጐስ ክትዕቅቦ ትደሊ እንተድኣ ኴንካ: ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ብሃታሃታ ክትገብሮ ወይ ከኣ ሸለል ኢልካ ክትሓልፎ የብልካን።

ነቲ ናይ ስድራቤት ሓላፍነታት ሚዛናዊ ገይርካ ምሓዙ

ፓይነራት ዝዀኑ ወለዲ: “ፍቓድ የሆዋ” ዝገብሩሉ ዝዓበየ መገዲ: ነቲ ስጋውን ስምዒታውን መንፈሳውን ድልየታት ናይ ስድራቤቶም ምሕላይ ዘጠቓለለ ምዃኑ ክዝክርዎ ኣለዎም። (ኤፌሶን 5:⁠17 ትሓዓ፣ 6:⁠1-4፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:⁠8) አረ ሓድሓደ ግዜስ ኣማኒ ናይ መርዓ ብጻይን ናይ ስድራቤት ኣባላትን እውን ከይተረፉ: እታ ሰበይቲ ወይ እታ ኣደ ሓንሳእ ናይ ፓይነር ዕዮ እንተድኣ ጀሚራ ምቾትን ደገፍን ኣይክትህበናን ኢያ ዝብል ስግኣት ይሓድሮም ኢዩ። እዚ ስምዒታት እዚ እንተድኣ ኣልዩ ድማ ናይ ፓይነር ባህጋ ክትገልጸሎም ከላ ኣይከተባብዕዋን ኢዮም። ጽቡቕ መደብን ኣቐዲምካ ምሕሳብን እንተድኣ ኣልዩ ግን ሚዛንካ ክትሕሉ ይከኣል ኢዩ።

ብዙሓት ፓይነራት ኣባላት ስድራቤቶም ካብ ገዛ ምስ ወጹ ኵሉ እቲ ናይ ስብከት ዕዮታቶም ክፍጽምዎ ይጽዕሩ። እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኩሚኮ: ስድራቤታ ክቘርሱ ከለዉ ምስኦም ኰይና ትቘርስ እሞ ንግሆ ንሰብኣያን ንደቃን ተፋንዎም: ቀዲማቶም ከኣ ንገዝኣ ትምለስ። ሰኑይ-ሰኑይ ኣቐዲማ ብርክት ዝበለ መግቢ ስለ ተዳሉ ድማ ኣብ ክንዲ ኣብ ክሽነ ሓርኰትኮት ክትብል እትውዕል ዕርፍ ኢላ ምስ ስድራቤታ ትምገብ። ኣብ ሓደ ግዜ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዕዮታት ምዕያይ: ንኣብነት መግቢ እናሰርሓኻ ካልእ ናይ ገዛ ዕዮ ምዕያይ: እውን ይሕግዝ ኢዩ። በዚ መገዲ እዚ: ኩሚኮ ንመሓዙት ደቃ ንኽትዕድሞምን ፍሉይ ዓይነት ዘሐጕስ ምድላዋት ንኽትቅርበሎምዉን ከይተረፈ ግዜ ትረክብ።

ቈልዑ ናብ ዕድመ ኰተቴ ገጾም ክኸዱ ከለዉ: ነቲ ዝዕብልሎም ሓደስቲ ስምዒታትን ባህግታትን ምጥርጣራትን ፍርህን ንኽዋጽእሉ ዝያዳ ኣቓልቦ የድልዮም ኢዩ። እዚ ንሓደ ፓይነር ዝዀነ ወላዲ ኣብቲ መደባቱ ንቑሕ ምዃንን ምትዕርራይ ክገብርን ይሓቶ ኢዩ። ነታ ኣደ ሰለስተ ቈልዑ ዝዀነት ሂሳኮ ዝስማ ፓይነር ርአ። እታ ቦኽሪ ጓላ ብምኽንያት እቲ ካብ ዓለማውያን ደቂ ቤት ትምህርታ ዝመጻ ዝነበረ ጽልዋ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣብ ግራት ኣገልግሎትን ዝነበራ ሓጐስን ተገዳስነትን ክቕህም ምስ ጀመረ እንታይ ገበረት፧ እቲ ቀንዲ ኣድላዪ ነገር: ጓላ እቲ ሓቂ ናታ ንኽትገብሮ ክትሕግዛን ካብ ዓለም ምፍላይ ድማ እቲ ዝበለጸ ስጕምቲ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ ከተእምናን ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 4:4

ሂሳኮ “ነቲ ኣብ መጽሓፍ ንዘለኣለም ምንባር (እንግሊዝኛ) ዘሎ መሰረታዊ ዝዀነ ሰረተ እምነታት መዓልቲ መዓልቲ እንደገና ጽንዓት ክገብረላ ወሰንኩ። ኣብቲ መጀመርታ እነጽንዓሉ ዝነበርና ግዜያት ጓለይ እስተሞኮይ: ርእሰይ ኣጸቢቐየ ሓሚመ እናበለት ተመኻኒ ብምንባራ ንሒደት ደቓይቕ ጥራይ ኢና ነጽንዕ ነይርና። ይኹን እምበር: ስርዓታዊት ኰይነ እገብረላ ነበርኩ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ: መንፈሳዊ ኣቕዋማ ኣጸቢቑ ተመሓየሸ: ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ከኣ ህይወታ ወፍያ ክትጥመቕ ክኢላ” ብምባል ትገልጽ። ሕጂ ሂሳኮ ምስ ጓላ ኰይና ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ተስተማቕር ኣላ።

ፓይነራት ኣቦታት እውን ነቶም ዝጕብዙ ዘለዉ ደቆም እቲ ዘድልዮም ስምዒታዊ ደገፍን መምርሕን ምሃብ ክሳዕ ዝስእኑ: ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንዝረኽብዎም ተገደስቲ ሰባትን ንናይ ጉባኤ ዕዮታቶምን ኣብ ምሕላይ ጥራይ ግዜኦም ከየሕልፉ ክጥንቀቑ ከድልዮም ኢዩ። እዚ ጉዳይ እዚ ሰብኣይ ናብ ሰበይቱ ከመሓላልፎ ዘለዎ ነገር ኣይኰነን። ሓደ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ፓይነር ኰይኑ ዘገልግል ዘሎን ንሓደ ንእሽቶ ንግዲ ዘመሓድርን ትሑዝ ክርስትያን ሽማግለ: ንነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ደቁ በብብሕቶም ጽንዓት ክገብረሎም ግዜ መደበ። (ኤፌሶን 6:4) ብተወሳኺ ነቲ ሰሙናዊ ኣኼባታት ምስ ስድራቤቱ ኰይኑ ይዳለወሉ። ሚዛናውያን ፓይነራት: ብስጋዊ ይኹን ብመንፈሳዊ ንስድራቤቶም ሸለል ኣይብልዎምን ኢዮም።

ቍጠባዊ ሚዛን

ፓይነራት ጽቡቕ ሚዛን ሓልዮም ንኽኸዱ ክጽዕሩሉ ዘለዎም ካልእ መዳይ ድማ ብዛዕባ እቲ መዓልታዊ ዘድልዮም ስጋዊ ነገራት ግቡእ ኣረኣእያ ምህላው ኢዩ። ኣብዚ እውን እንደገና ካብቲ ናይ የሱስ ሰናይ ኣብነትን ምኽርን ብዙሕ ክንማሃር ንኽእል ኢና። ብዛዕባ ስጋዊ ሓልዮት እምብዛ ከይንጭነቕ ኣጠንቂቑና ኢዩ። ነቶም ደቀ መዛሙርቱ: ኣምላኽ ከምቲ ነቶም ካልኦት ዝተረፉ ፍጥረታቱ ዝሓልየሎም ንዓታቶም እውን ከም ዝሓልየሎም ተስፋ ብምሃብ: ነታ መንግስቲ ከቐድሙ ኣተባቢዕዎም ኢዩ። (ማቴዎስ 6:⁠25-34) ብዙሓት ፓይነራት ነዚ ጽቡቕ ምኽሪ እዚ ብምስዓብ: ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ንዓመታት ክቕጽሉ ኽኢሎም ኢዮም: የሆዋ ኸኣ “ናይ ዕለት እንጌራ” ክረኽቡ ንዝገብርዎ ጻዕርታት ባሪኽዎም ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 6:⁠11

ሃዋርያ ጳውሎስ ንብጾቱ ክርስትያናት ‘እቲ ምኽንያታውነቶም ኣብ ኵሉ ከም ዝፍለጥ ክገብሩ’ መኺርዎም ኢዩ። (ፊልጲ 4:⁠5 ትሓዓ) ምኽንያታውነት ንጥዕናና ግቡእ ዝዀነ ጥንቃቐ ክንገብረሉ እውን ይሓተና ኢዩ። ሚዛናውያን ፓይነራት ነቲ ዘርእይዎ ጠባይ ካልኦት ከም ዝዕዘብዎም ስለ ዝፈልጡ: ኣብ ናብራ ህይወቶምን ኣብ ስጋዊ ነገራት ዘለዎም ኣረኣእያን ምኽንያታውነት ከንጸባርቑ ብዙሕ ጻዕሪ ኢዮም ዝገብሩ።​—⁠ምስ 1 ቈረንቶስ 4:⁠9 ኣረኣእዮ።

ኣብ ናይ ፓይነር ኣገልግሎት ዘለዉ መንእሰያት ነቲ ካብ ወለዶም ዝረኽብዎ ልግሲ ክብለጽሉ ካብ ምፍታን ክቝጠቡ ኣለዎም። ምስ ወለዶም ዝነብሩ እንተድኣ ኰይኖም: ነታ ቤት ምእንቲ ክሕግዝዋ ኣብቲ ናይ ቤት ዕዮታት ምስ ዝካፈሉን ኣብ ናይ ክፍለ-ግዜ ስራሕ ምስ ዝሰርሑን ጽቡቕ ሚዛንን ሞሳን ከም ዘለዎም ዘርኢ ኢዩ።​—⁠2 ተሰሎንቄ 3:​10

ሚዛናውያን ፓይነራት ናይ ሓቂ በረኸት ኢዮም

ግቡእ ሚዛን ንምሕላው እትጽዕር ዘሎኻ ፓይነር ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ክትበጽሖ ከም እትኽእል ተኣማመን። ልክዕ ከምቲ ሓደ ንእሽቶ ቈልዓ ሚዛኑ ሓልዩ ብእግሩ ንኽኸይድ ግዜ ዘድልዮ: ብዙሓት ብሱላት ፓይነራት እውን ንዅሉ ዕዮታቶም ንምፍጻም ዘኽእሎም ሚዛን ክሕልዉ ግዜ ከም ዝወሰደሎም ይዛረቡ ኢዮም።

ገለ ካብቲ ፓይነራት ሚዛኖም ንምሕላው ዝጽዕርሉ መዳያት ከም እኒ ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ምግባርን ንኣባላት ስድራቤት ምሕላይን ነቲ ዘድልዮም ስጋዊ ነገራት ምቕራብን ዝኣመሰለ ኢዩ። ብዙሓት ፓይነራት ንሓላፍነታቶም ብፍሉይ መገዲ ከም እተዋጽእሉ ጸብጻባት ይሕብር ኢዩ። ብሓቂ ድማ ንማሕበረሰብ በረኸት: ኣብ ቅድሚ የሆዋን ማሕበሩን ከኣ ክቡራት ኢዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ