ሓይሎም ካበይ ኢዮም ዝረኽብዎ፧
ነዛ ኣብዚ ስእሊ እዚ ዘላ ጽምብላሊዕ ኣትኲርካ እንተድኣ ጠሚትካያ: ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ መንገብገባ ፈጺማ ኣይትጠቅምን ኢያ። ይኹን እምበር: እታ ጽምብላሊዕ ምምጋብን ምንፋርን ትቕጽል ኢያ። እዚ ፍሉይ ነገር ኣይኰነን። ጽምብላሊዕ: ካብ መንገብገበን 70 ካብ ሚእቲ ኣልጊሱ ክነሱ: መዓልታዊ ንጥፈታተን ከም ዝፍጽማ ተራእዩ ኢዩ።
ብተመሳሳሊ መገዲ: ብዙሓት ሰባት ጽንዓት ኣርእዮም ኢዮም። በቲ ዝወርዶም ከቢድ ኣካላዊ ወይ ስምዒታዊ ግድላት እናተሳቐዩ ክነሶም: ኣይሕለሉን ኢዮም።—ምስ 2 ቈረንቶስ 4:16 ኣረኣእዮ።
ሃዋርያ ጳውሎስ: ኣብ ግዜ ሚስዮናዊ ኣገልግሎቱ: ብብሕቱ ከቢድ ጸገማት ተጸሚሙ ኢዩ። ተገሪፉ: ተኸትኪቱ: ብዳርባ እምኒ ተዘቢጡ: ከምኡውን ተኣሲሩ ኢዩ። ብተወሳኺ ብገለ ዓይነት ጕድለት: ምናልባት በቲ ናይ ዓይኑ ጸገም: ስቓይ ነይርዎ ኢዩ: እዚ ድማ ንዕኡ ‘ኣብ ስጋኡ’ ቀጻሊ “ግራጭ” ኢዩ ነይሩ።—2 ቈረንቶስ 12:7-9፣ ገላትያ 4:15
ዳቪድ እተባህለ ንሓያሎ ዓመታት ምስ ከቢድ መንፈስ ጭንቀት እተቓለሰ ክርስትያን ሽማግለ: ከም ዝሓዊ ዝገበሮ ናይ የሆዋ መንፈስ ምዃኑ ኢዩ ዝኣምን። “ብዙሕ ግዜ ንኽትበጽሖ ዘሸግር ዕብየት ዘምለጠካ ኰይኑ ይስምዓካ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተስፋ ምቝራጽ ምስ ኣጋጠመኒ: ንገዛእ ርእሰይ ናብ የሆዋ ደርበኽዋ: ብሓቂ ድማ የዕቚቡኒ ኢዩ። ኣብ ሓደ ግዜ ንነዊሕ ሰዓታት ዝጸለኹሉ እዋናት ነይሩ ኢዩ። ንየሆዋ ምስ ተዛረብክዎ: እቲ ናይ ጽምዋን ዘይረብሕ ምዃነይን ዝስምዓኒ ዝነበረ ስምዒታት: ኣልጊሱ ኢዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ እዋናት ምስ ሓደ ዓቢ ድኻም ተቓሊሰ ኢየ: ግናኸ የሆዋ ይመስገን: ካብዚ ድኻም እዚ: ሓይሊ: አረ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ዘኽእል ሓይሊውን ከይተረፈ ክረክብ ክኢለ ኢየ” ኢሉ ይገልጽ።
የሆዋ ኣምላኽ ንጳውሎስ ኣሐይልዎ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ: “ምስ ዝደክም: ሽዑ እየ ዝብርትዕ” ክብል ዝኸኣለ። (2 ቈረቶስ 12:10) እወ: ናይ ጳውሎስ ድኽመታት ኣብቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ሓይሊ ንኽውከል ምሂርዎ ኢዩ። እቲ ሃዋርያ “በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ” በለ። (ፊልጲ 4:13) የሆዋ ብሓቂ ንኣገልገልቱ የሐይሎም ኢዩ።