ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/4 ገጽ 31
  • ነቲ ዝዓበየ ስም እተጠቕመሉ ምኽንያት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቲ ዝዓበየ ስም እተጠቕመሉ ምኽንያት
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/4 ገጽ 31

ነቲ ዝዓበየ ስም እተጠቕመሉ ምኽንያት

“ብኣረኣእያ ሓደ ካብቶም ተዓዘብተይ ኣብ ክንዲ እቲ ንብዙሕ ክፍለ-ዘበናት መተካእታ ኰይኑ ዝጸንሐ ‘ጐይታ’ ነቲ ‘የሆዋ’ ዝብል ቃል ብምእታወይ ከም ሓጢኣተኛ ተቘጺረ ኢየ።”

እዚ ጀይ. ጀይ. ስተዋርት ፓሮን ኣብ ናይ መዝሙር ዳዊት ትርጕም መጽሓፉ: ኣብ መቕድም ናይታ ካልኣይቲ ሕታም ዝሃቦ ሓሳባት ኢዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብመጀመርታ ብ1864 ኢያ ተሓቲማ። እቲ ተዓዛቢ በታ ናይ 2 ሓምለ 1864 ሳቱርደይ ሪቪው (እንግሊዝኛ) ጽሕፍቲ ገይሩ: ኣይሁድ ይኹኑ ናይ ክርስትያን ቤተ⁠-​­ክርስትያናት ነቲ ስም ምጥቃም ኣቋሪጾም ክነሶም: ንሱ ኣብቲ ትርጕም ነቲ ስም ኣምላኽ ስለ እተጠቕመ ወቐሶ። እቲ የሆዋ ዝብል ስም ምስ ኣይሁድ እተኣሳሰረ ብምዃኑ: ኣብ ክንድኡ ካልእ ቃል ከም እኒ “ጐይታ” ወይ ከኣ “ኣምላኽ” ዝብል “ምስ ዝዀነ ከባቢ ወይ ከኣ ሃገር ምትእስሳር ዘይብሉ” ክንጥቀም ይግባእ በለ።

ፓሮን ምስ እዚ ሓሳብ እዚ ኣይተሰማምዐን ምኽንያቱ ድማ ንሱ ካብቲ ኣምላኽ ንሰብ ዝገለጸሉ “ሓንቲ ፊደል እውን ትኹን ከጕድል ድልየት” ኣይነበሮን። እቶም ነቲ ናይ እብራይስጢ መለኮታዊ ስም “ጐይታ” ኢሎም ዝተርጐሙ ተርጐምቲ: ኣብ መንጎ እተን ክልተ ናይ እብራይስጢ ቃላት ክፈላልዩ ዘይምኽኣሎም ተማጒትዎም ኢዩ።

ብተወሳኺ ፓሮን ነቲ መለኮታዊ ስም ንኽምለስ ደገፍ ዝገብሩ ብቑዓት ምንጭታት ከም ዝነበሩ ገሊጹ ኢዩ። ነቲ ውሩይ እንግሊዛዊ ገጣሚ ሳሙኤል ተይሎር ኮለሪጅ ጠቐሰ:-

“ስለምንታይ ኢና ንትርጕም ሰብዓሰገድ ካብ እብራይስጢ ናብ እንግሊዝኛ ንምትርጓም ብቐጻልነት ከም መንጎኛ ገይርና እንጥቀመሉ፧ ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ለሚድናያዶ ኸይኰንና፧ እቲ Κύριος, ወይ ከኣ ጐይታ ዝብል ትርጕም ሰብዓሰገድ ኣብ ኣዝዩ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ናይቲ የሆዋ ዝብል ናይ እብራይስጢ ቃል ናይ ግሪኽ መተካእታዶ ኸይኰነ፧ ስለምንታይ ድኣ እሞ ነቲ ናይ መጀመርታ ቃል ዘይንመልሶ: ከምኡውን ኣብ ብሉይ ኪዳን ነቲ የሆዋ ዝብል ቃል ብምጥቃም ብተኣማንነት የሆዋ ኢልና ዘይንትርጕሞ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘሎ ካብ ብሉይ እተጠቕሰ ጥቕስታት ድማ ኣብቲ ተሓቢሩሉ ዘሎ ጥቕስታት እቲ ናይ እብራይስጢ ቃል ዘይንጥቀም፧”

ፓሮን እቲ ብኣርባዕተ ፊደላት እብራይስጢ ዝቘመ ስም ኣደማምጻኡ ሕጂ ጠፊኡ ምዃኑ ተኣመነ: ይኹን እምበር እዚ ዝስዕብ ርእይቶኡ ሃበ:- “እቲ ስም ብምኽንያት ካብ ማሪታዊ ሓሳባት ዝመጸ ዘይቅኑዕ ኣረኣእያ ጥራይ ካብ ናይ ኣይሁድ ቤተ-ክርስትያን ህልውናኡ ስለ ዘቋረጸ: ከምኡውን ብምኽንያት እቲ ልክዕ ዘይኰነ ኣቀዳድሓ ናይ ግሪኽን ላቲንን: ኣብ ናትና [እንግሊዝኛ] ትርጕም ክህሉ ዘይምኽኣሉ: እዚ ናብቲ በዅሪ ኣጠቓቕማ ንኸይምለስ ዘእምን ብርቱዕ ምኽንያት ክኸውን አይክእልን ኢዩ።” ፓሮን እቲ “የሆዋ” ዝብል ስም ኣዝዩ ዝውቱር ስለ ዝዀነ ደጊፍዎ ኢዩ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብዙሓት ዘመናውያን ትርጕማት ነቲ መለኮታዊ ስም ክጥቀሙሉ ጸኒሖም ኢዮም። ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም (እንግሊዝኛ) ነቲ የሆዋ ዝብል ስም ልዕሊ 7,200 ግዜ ኣብ ናይ እብራይስጥን ናይ ክርስትያን ግሪኽ ጽሑፋትን ተጠቒሙሉ ኢዩ።

ፓሮን ኣብቲ ናይ መዝሙር ዳዊት ትርጕሙ: “ብኣበሃህላኡ ይኹን ብስዋስዋዊ ኣቕዋም ናይቲ ሓረጋት ጠቢቑ ነቲ ናይ እብራይስጢ ቅርጺ” ንምድጋፍ ፈቲኑ ኢዩ። ንመዝሙር ምዕራፍ 69 ቍጽሪ 5ን 6ን ክትርጕመን ከሎ: ኣብ መንጎ እቶም “ኣምላኽ:” (ʼኤሎ·ሂምʹ): “ጐይታ” (ʼኣዶ·ናይʹ): ከምኡውን “የሆዋ” ዝብሉ ናይ እብራይስጢ ቃላት ፈላሊኻ ምንጻሮም ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ ተገንዘበ:- “ዎ ኣምላኽ [ʼኤሎ·ሂምʹ]: ንስኻ ዕሽነተይ ትፈልጥ ኢኻ: በደለይውን ካባኻ ኣይተሓብኤን። ዎ ጐይታ [ʼኣዶ·ናይʹ]: የሆዋ (ኣምላኽ) ሰራዊት: እቶም ዚጽበዩኻ ብኣይ ኣይሕፈሩ። ኣታ ኣምላኽ እስራኤል: እቶም ዚደልዩኻ ብኣይ ኣይነውሩ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ