ትዝክሮዶ፧
ናይ ቀረባ ግዜ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ሕታማት ኣብ ናብራ ህይወትካ ዝዓዩን ዝጠቕሙን ኰይኖምዶ ረኺብካዮም፧ ስለዚ እምበኣር ክሳዕ ክንደይ ትዝክር ምዃንካ በዚ ዝስዕብ ሕቶታት ንባዕልኻ ዘይትመዝን፧
◻ ካብ ናይ ዓሞናውያን ውድቀት እንታይ ትምህርቲ ኢና ክንመሃር እንኽእል፧ (ጸፎንያስ 2:9, 10)
የሆዋ ነቲ ዝገለጾ ሕያውነት ብጽልኢ ክፍደ ኸሎ ሸለል ኢሉ ኣይሓልፎን ኢዩ: ከምቲ ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝገበሮ ድማ: ኣብቲ ግቡእ ግዜኡ ስጕምቲ ክወስድ ኢዩ። (ምስ መዝሙር 2:6-12 ኣረኣእዮ።)—15/12 ገጽ 10
◻ ክርስትያናት በየናይ መገድታት ኢዩ ሰላም ዘለዎም፧
ቀዳማይ ‘ምስ ኣምላኽ ብጐይታኦም የሱስ ክርስቶስ ሰላም’ ኣለዎም። (ሮሜ 5:1) ካልኣይ ነታ “ቅድም ንጽህቲ . . . ድሓርውን ሰላማዊት” ዝዀነት “ናይ ላዕሊ ጥበብ” ብምዅስኳስ: ኣብ መንጎኦም ሰላም ኣለዎም። (ያእቆብ 3:17)—1/1 ገጽ 11
◻ ቃል ኣምላኽ ዝምሰለሉ ገለ ነገራት እንታይ ኢዩ: እዚ ንዓና ጠቓሚ ዝኸውንከ ብኸመይ ኢዩ፧
ቃል ኣምላኽ ከም ዝዕንግል ጸባ: ዕጹም መግቢ: ዘሐድስን ዘጽርን ማይ: መስትያት: ከምኡውን ከም በሊሕ ሰይፊ ተመሲሉ ኣሎ። እዘን ስያመታት እዚኣተን እንታይ ከም ዘመልክታ ምርዳእ ንሓደ ኣገልጋሊ መጽሓፍ ቅዱስ ብሕልና ንኽጥቀመሉ ክሕግዞ ይኽእል ኢዩ።—1/1 ገጽ 29
◻ ሚዛናዊ ዝዀነ ዓለማዊ ትምህርቲ እንታይ ንምግባር ኢዩ ክሕግዘና ዘለዎ፧
ጽቡቕ ገይርና ንኸነንብብ: ጽቡቕ ገይርና ንኽንጽሕፍ: ብኣእምሮን ስነ-ምግባርን ንኽንዓቢ: ከምኡውን ንመዓልታዊ መነባብሮን ንስሉጥ ዝዀነ ቅዱስ ኣገልግሎትን ዘድሊ ተግባራዊ ልምምድ ንኽንረክብ ክሕግዘና ኣለዎ።—1/2 ገጽ 10
◻ ብዛዕባ ትምህርቲ ዝምልከት እንታይ ጠቓሚ ሓሳባት ኢና ካብ የሱስ ክንመሃር እንኽእል፧
ትምህርቲ ገዛእ ርእስና ንምኽባር ዘይኰነስ: ነቲ ዓቢ መምህር የሆዋ ኣምላኽ ንምውዳስ ክንጥቀመሉ ኣሎና። (ዮሃንስ 7:18)—1/2 ገጽ 10
◻ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ፧
እታ መንግስቲ ብመለኮታዊ መገዲ ዝቘመት ሰማያዊት ምምሕዳር ኰይና: ንናይ ሓጢኣትን ሞትን ሳዕቤናት ኣጥፊኣ: ጽድቃዊ ኵነታት ኣብ ምድሪ ንምምላስ ፍቓድ ኣምላኽ እተምጽእ ኢያ። (ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 11:15፣ 12:10)—1/2 ገጽ 16
◻ መጽሓፍ ቅዱስ ዓመጽ ንሓዋሩ ንምጥፋእ ዘድሊ ትምህርቲ ዘዳሉ ብኸመይ ኢዩ፧
የሆዋ ብቓሉ ብመጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ: ሰባት ሰላም ዘፍቅሩን ቅኑዓትን ክዀኑ ይምህሮም ኢዩ። (ኢሳይያስ 48:17, 18) ቃል ኣምላኽ ናይ ሓደ ሰብ ኣተሓሳስባን ጠባይን ብምልዋጥ ኣብ ልቡ ክበጽሕን ክትንክፎን ሓይሊ ኣለዎ። (እብራውያን 4:12)—15/2 ገጽ 6
◻ እቲ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 35 ዘሎ ትንቢት በየናይ መገዲ ኢዩ ሰለስተ ፍጻሜታት ኣለዎ ክበሃል ዝከኣል፧
ትንቢት ኢሳይያስ እቶም ኣይሁድ ብ537 ቅ.ኣ.ዘ. ካብ ምርኮ ባቢሎን ምስ ተመልሱ ቀዳማይ ፍጻሜኣ ረኺባ ኢያ። ሎሚ ድማ ካብቲ መንፈሳውያን እስራኤል ካብ ምርኮ ናይ ዓባይ ባቢሎን ሓራ ዝወጽእሉ ግዜ ጀሚሩ ቀጻሊ ዝዀነ መንፈሳዊ ፍጻሜ ኢዩ ዘለዎ። ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንመጻኢ ዝኸውን ምምላስ ናይቲ ቃል ብቓሉ ኣብ ምድሪ ዝህሉ ገነታዊ ኵነታት ዝህቦ መረጋገጺ እተተሓሓዘ ሳልሳይ ፍጻሜ ድማ ክህልዎ ኢዩ። (መዝሙር 37:10, 11፣ ራእይ 21:4, 5።)—15/2 ገጽ 17
◻ እቲ ኣምላኽ ኣብ ደቅሰብ ዘለዎ ፍሉይ ተገዳስነት: ብኸመይ ኢዩ ኣብቲ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ እተፈጸመ ትእምርትታት እተገልጸ፧
የሱስ “ኣቦኡ ኺገብሮ ዝረአዮ እምበር: ካብ ርእሱ ሓንቲ ነገር እኳ ኺገብር [ስለ ዘይከኣሎ]:” እቲ ዘርኣዮ ድንጋጽ የሆዋ ንነፍሲ ወከፍ ኣገልጋሊኡ ዘለዎ ለውሃት ዝመልኦ ሓልዮት ዘመልክት ኢዩ። (ዮሃንስ 5:19)—1/3 ገጽ 5
◻ እቲ የሱስ እተጠቕመሉ ኣብ ዮሃንስ 5:28, 29 ዝርከብ “ናይ ዝኽሪ መቓብር” ዝብል መግለጺ እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧
እታ ምነ·ሜየ’ኦን (ናይ ዝኽሪ መቓብር) እትብል ኣብዚ ተጠቒሳ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል የሆዋ እቲ ዝሓለፈ ኵነታት ናይቲ ዝሞተ ሰብ: እቲ ዝወረሶ ወይ ዝወረሰቶ መለለዪ ጠባይን ምሉእ ተዘክሮኡን እውን ሓዊስካ: ይዝክሮ ምዃኑ ኢያ እትሕብር። እዝስ ኣምላኽ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ይግደስ ምዃኑ ዘርኢ ከመይ ዝበለ ዘደንቕ መረጋገጺ ኰን ኢዩ!—1/3 ገጽ 6
◻ እንታይ ኣብ ትንቢት ጸፎንያስ ዘሎ ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ኢዩ ተግባራዊ ደገፍ ዝህበና፧
ሎሚ ናይ ምጥርጣር ሓሳባት ኣብ ልብና ሱር ክሰድድ እነፍቅደሉ ከምኡውን ብኣእምሮና ወይ ብልብና ንምምጻእ መዓልቲ የሆዋ እነደንጒየሉ ግዜ ኣይኰነን። ከምኡውን ካብቲ ረሸሽ ዘብል ናይ ዘይምግዳስ ስምዒት ዘምጽኦ ሳዕቤናት ክንጥንቀቕ ኣሎና። (ጸፎንያስ 1:12, 13፣ 3:8)—1/3 ገጽ 17
◻ ንኣምላኽ እሙን ምዃን ብድሆ ዘምጽእ ስለምንታይ ኢዩ፧
ምኽንያቱ ተኣማንነት ምስቲ ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ናይ ስስዐ ዝምባለታት እትጋጮ ባህሪ ኢያ። (ዘፍጥረት 8:21፣ ሮሜ 7:19) ብዝያዳ ድማ: ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንኣምላኽ ዘይእሙናት ንኽገብሩና ብቘራጽነት ኢዮም ተላዒሎም ዘለዉ። (ኤፌሶን 6:12፣ 1 ጴጥሮስ 5:8)—15/3 ገጽ 10
◻ ኣበየኖት ኣርባዕተ መዳያት ኢና ነቲ ናይ ተኣማንንት ብድሆ ክንጋጠሞ ዘሎና: ከምኡ ንኽንገብር ዝድግፈናኸ እንታይ ኢዩ፧
እቲ ኣርባዕተ መዳያት ንየሆዋ: ንማሕበሩ: ንጉባኤኡ: ከምኡውን ንናይ መርዓ ብጾትና እሙናት ምዃን ኢዩ። ሓደ ካብቲ ነዚ ብድሆታት እዚ ክንገጥመሉ ዘኽእለና ሓገዝ: እቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ምስቲ ናይ የሆዋ ሉዓላዊነት ምርግጋጽ እተኣሳሰረ ምዃኑ ምግንዛብ ኢዩ።—15/3 ገጽ 20
◻ ካብቲ ዳዊት ነቲ ታቦት ኪዳን ናብ የሩሳሌም ከደይቦ ምስ ፈተነ ዘሕለፎ ተመክሮ እንታይ ኢና ክንመሃር እንኽእል፧ (2 ሳሙኤል 6:2-7)
ዳዊት ነቲ የሆዋ ብዛዕባ እቲ ታቦት ከመይ ገይርካ ክጽወር ከም ዘለዎ ዝሃቦ መምርሒ ሸለል ኢልዎ ኢዩ: እዚ ድማ መዓት ኣምጽኢሉ። እቲ ካብዚ እንመሃሮ ትምህርቲ እምበኣር: ነቲ ንጹር መምርሒታቱ ብምጥሓስና ክመጽኣና ዝኽእል ግድላት ፈጺምና ንየሆዋ ክንወቕሶ ከም ዘይግብኣና ኢዩ። (ምሳሌ 19:3)—1/4 ገጽ 28, 29