ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/4 ገጽ 32
  • “ናይ የሆዋ ዕዮ ኢዩ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ናይ የሆዋ ዕዮ ኢዩ”
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/4 ገጽ 32

“ናይ የሆዋ ዕዮ ኢዩ”

እዚ: ናይ ሓንቲ ኣብ መክሲኮ ኣብ ከተማ ሞንተረ እትሕተም ኤል ኖርተ እትበሃል ጋዜጣ ናይ ሓደ ዓንቀጽ ኣርእስቲ ኢዩ። እቲ ዓንቀጽ ብዛዕባ ሓደ ሓድሽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ኣሰምብሊ ኣዳራሽ ዝዛርብ ኢዩ።

ሞንተረ ሰሜናዊ ክፍሊ ናይ መክሲኮ ዝዀነት (ነተን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ዓድታት ሓዊስካ) 2, 300, 000 ተቐማጦ ከምኡውን 19,200 ናይ መንግስቲ ኣስፋሕቲ ዘለዉዋ ከተማ ኢያ። ንሓደ ዓመትን ፈረቓን ዝኸውን: እቶም መሰኻኽር ነቲ 3, 000 ዝኸውን ምቹእ መቐመጢታትን ኣየር ዘመቻችእ መሳርሕን ዘለዎ ምልኩዕን ጠቓምን ዝዀነ ናይ ኣሰምብሊ ኣዳራሽ ተሓባቢሮም ሰሪሖም ኢዮም። ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣባል ዝዀነ ነቲ ናይ ወፈያ ዝርርብ ምስ ኣቕረበ: እቶም ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ መሰኻኽር ተሓጒሶም ኢዮም። እቲ ፕሮግራም ብዛዕባ እቲ ኣብ ሞንተረ እተገብረ ዕዮ ሓጺር ታሪኽ ዘጠቓለለ ኰይኑ: ምስቶም ኣብቲ ምህናጽ እተኻፈሉ ድማ ቃለ⁠-መጠይቕ ተገይሩ ኢዩ። ድሕርዚ እቶም ኣብቲ ኣኼባ እተኻፈሉ 4, 500 ዝዀኑ ነቲ እተዋህበ ናይ ወፈያ ዝርርብ ተሓጒሶምሉ ኢዮም።

እዚ ካብቶም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ መክሲኮ በቲ “ዝበዝሑን ዝዓበዩን ዝሓሹን ኣደራሻት መንግስትን ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሻትን” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ወፈራ እተሃንጹ ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሻት እቲ ሳልሳይ ኢዩ።

ነቶም ካብ 443,000 ዝበዝሑ ኣብ መክሲኮ ዘለዉ ኣስፋሕትን ከምኡውን ነቲ ብ1995 ኣብ በዓል ዝኽሪ እተኣከቡ 1,492,500 ሰባት ርኢኻ ከም እኒ እቲ ኣብ ሞንተረ እተሰርሐ ሓድሽ ናይ ኣሰምብሊ ኣደራሻት ብሓቂ ነቲ መለኮታዊ ዕላማ ዘገልግል ኢዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ