ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w96 15/3 ገጽ 10-14
  • ነቶም እሙናት ኣስተብህሉሎም!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ነቶም እሙናት ኣስተብህሉሎም!
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ተኣማንነት ፍሉይ ዝዓይነቱ ነገር ኢዩ
  • የሆዋ እቲ ካብ ኵሉ ዝለዓለ እሙን
  • የሱስ ክርስቶስ: እቲ እሙን ወዲ
  • እሙናት ዝነበሩ ዘይፍጹማት ሰባት
  • ኣብዚ ዘመናዊ ግዜና ዘለዉ እሙናት ሰባት
  • “ንስኻ በይንኻ እሙን ኢኻ”
    ንየሆዋ ቕረቦ
  • ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ምግጣሙ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
  • ንመን ኢኻ እሙን ክትከውን ዘሎካ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • ምስ ማሕበር የሆዋ ብተኣማንነት ምግልጋል
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
w96 15/3 ገጽ 10-14

ነቶም እሙናት ኣስተብህሉሎም!

“ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ [“እሙን:” ትሓዓ ] እሞ: ዎ እግዚኣብሄር: ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧”​—ራእይ 15:4

1. ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ብዛዕባ እቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሲ. ቲ. ራስል ዘርኣዮ ተኣማንነት እንታይ ምስክርነት ኢዩ ዝሃበ፧

እቲ ብ1917 ከም ፕረዚደንት ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኰይኑ ንሲ. ቲ. ራስል ዝተክኦ ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎድ ኣብ ናይ ራስል ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓት ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዘረባኡ ጀመረ:- “ቻርለስ ቴዝ ራስል ንኣምላኽ እሙን ኢዩ ነይሩ: ንክርስቶስ የሱስ እሙን ኢዩ ነይሩ: ንዕላማታት ናይታ መሲሓዊት መንግስቲ እውን እሙን ኢዩ ነይሩ። ምሉእ ብምሉእ እሙን ኢዩ ነይሩ​—⁠እወ: ክሳዕ ሞት እውን ከይተረፈ እሙን ኢዩ ነይሩ።” ብሓቂ ድማ: እዚ ንሓደ እተዋህቦ ዕዮ ብዘይ ምቍራጽ ከም ዝፍጽም እምነትካ እተሕድረሉ ኣገልጋሊ የሆዋ ኣምላኽ ክወሃብ ዘለዎ ጽቡቕ መግለጺ ኢዩ። ንዝዀነ ይኹን ውልቀሰብ ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ተዋጺእሉ: እሙን ኢዩ ነይሩ: ምሉእ ብምሉእ እሙን ኢዩ ነይሩ ካብ ምባል ንላዕሊ ክወሃብ ዝኽእል ክብሪ የልቦን።

2, 3. (ሀ) ተኣማንነት ምርኣይ ብድሆ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ሓቀኛታት ክርስትያናት እሙናት ንክዀኑ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣንጻሮም መኪቶም ዘለዉ መን ኢዮም፧

2 እሙን ምዃን ብድሆ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ተኣማንነት ምስ ብሕታዊ ረብሓ ዝጋጮ ኢዩ። ካብ መንጎ እቶም ንኣምላኽ ዘይእሙናት ዝዀኑ ሰባት: ቀንዲ ናይ ህዝበ-ክርስትያን ኣቕሽሽቲ ኢዮም። ኣብ ናይ መርዓ ዝምድና ዘይእሙን ምዃን እውን ከም ሎሚ ገይሩ ፈጺሙ ኣብ ኵሉ ኣስፋሕፊሑ ኣይፈልጥን ኢዩ። ዝሙት ልሙድ ኢዩ። ዘይእሙን ምዃን ኣብ ናይ ንግዲ ዓለም እውን ግኑን ኢዩ። ብዛዕባ እዚ: ከምዚ ዝስዕብ ተባሂሉ ኣሎ:- “ብዙሓት ኣካያድቲ ስራሕን ክኢላታትን . . . ነተን ኩባንያታቶም እሙናት ዝዀኑ እቶም ዓያሱን ቋሕማማትን ሰባት ጥራይ ምዃኖም ይኣምኑ።” “ኣዝዮም እሙናት” ዝዀኑ ሰባት ኣትሒትካ ኢዮም ዝረኣዩ። ሓደ ናይ ኣመሓዳድራ ኣማኻርን ፈጻምን ናይ ምርምር ትካል ፕረዚደንት “ብቐዳምነትን እንኮን እሙን ክትከውን ዝግብኣካ ንገዛእ ርእስኻ ኢዩ” ይብል። ብዛዕባ ንገዛእ ርእስኻ እሙን ምዃን ምዝራብ ማለት ግን ንትርጕም ናይታ ቃል ምብልሻው ማለት ኢዩ። ነቲ ኣብ ሚክያስ 7:⁠2 ዘሎ “ጻድቕ [“እሙን:” ትሓዓ ] ካብ ምድሪ ጠፍኤ” ዝብል ሓሳባት ድማ የዘኻኽረና።

3 ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንኣምላኽ ዘይእሙናት ምእንቲ ክንከውን ብዝበለጸ ናባና ኢዮም መኪቶም ዘለዉ። ስለዚ ኸኣ ኢዮም ክርስትያናት ኣብ ኤፌሶን 6:⁠12 “እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር: ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ: ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ: ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ” እተባህሉ። እወ: ነቲ “ድያብሎስ: እቲ መጻርርትኹም: ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ: ተጠንቀቑ” ዝብል መጠንቀቕታ ከነድህበሉ ኣሎና።​—1 ጴጥሮስ 5:⁠8

4. እንታይ ዝንባለታት ኢዩ እሙን ንምዃን ኣዝዩ ኣሸጋሪ ዝገብሮ፧

4 ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት 8:⁠21 “ሕሊና ልቢ ሰብ ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ኽፉእ” ከምኡውን ስሱዕ ኢዩ ተባሂልሉ ዘሎ ድማ: እቲ ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ናይ ስስዐ ዝንባለታት እሙን ንምዃን ከቢድ ዝገብሮ ኢዩ። ኵላትና እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ “ነቲ ዘይደልዮ እከይ እገብሮ አሎኹ እምበር: ነቲ ዝደልዮ ሰናይ ኣይኰንኩን ዝገብር ዘሎኹ” ኢሉ እተዛረበሉ ግድል ኣሎና።​—⁠ሮሜ 7:​19

ተኣማንነት ፍሉይ ዝዓይነቱ ነገር ኢዩ

5, 6. ብዛዕባ ትርጕም ናይ ተኣማንነት እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል: ብኸመይከ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ፧

5 “ተኣማንነት” (ብእንግሊዝኛ ሎያልቲ) ሓንቲ ኣዝያ ፍልይቲ ቃል ኢያ። ስለዚ ድማ እታ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ ከምዚ ኢላ እትገልጽ:- “ነተን ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ቃላት ምሉእ ብምሉእ ዝገልጽ ናይ እንግሊዝኛ ቃላት ዘሎ ኣይመስልን ኢዩ: እንተዀነ ግን ‘ተኣማንነት’ ምስቲ ብዛዕባ ተወፋይነትን እተዋህቦ ዕዮ ብዘይ ምቍራጽ ከም ዝፍጽም እምነት ምሕዳርን (ብእንግሊዝኛ ፈይዝፉልነስ) ዝብል እትህቦ ትርጕም ብምጥቕላል ምስ ኣምላኽን ኣገልግሎቱን ክትተሓሓዝ ከላ ተቓራራቢ ትርጕም ንምሃብ ትጠቅም ኢያ።”a ብዛዕባ “ተኣማንነት” ዝመጸ ሓደ ግዜ ግምቢ ዘብዐኛ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ገለጸ:- “እተዋህበካ ዕዮ ብዘይ ምቍራጽ ምፍጻም: ግቡእካ ምግባር: ፍቕሪ: ግዴታ: ምእዛዝ። እዘን ቃላት እዚኣተን እንታይ ናይ ሓባር ዝዀነ ነገር ኣለወን፧ እተፈላለያ መዳያት ናይ ተኣማንነት ኢየን።” እወ: ኣዝየን ብዙሓት ናይ ውርዝውና ባህርያት Proofreaders, please Look up for another word if you canኢየን: እንተዀነ ግን: እተፈላለያ መዳያት ናይ ተኣማንነት ኢየን። ብርግጽ ድማ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተኣማንነትን ጽድቅን ብኸመይ ተተሓሒዘን ከም ዘለዋ ክስትብሃለሉ ዘለዎ ነገር ኢዩ።

6 እዞም ዝስዕቡ መግለጺታት እውን ሓገዝቲ ኢዮም:- ‘ተኣማንነት ንሓደ ቀጻሊ: እተዋህበ ዕዮ ብዘይ ምቍራጽ ከም ዝፍጸም እምነት ብምሕዳር ምውካልን ምእዛዝን: ኣብ ግዜ ምንዋጽን ፈተናን ዘይነቓነቕ ምዃን ማለት ከመልክት ይኽእል ኢዩ።’ ‘ተኣማንነት ንሓደ እተመባጻዕካዮ ነገር ምፍጻም ወይ ብስነ-ምግባራዊ መገዲ ነቲ ኣብ ትሕቲኡ ከም ዘሎኻ ኰይኑ ዝስመዓካ ሕጊ ወይ ስርዓት ብዘይ ምቍራጽ ምእዛዝ ዘመልክት ኢዩ፣ እታ ስያመ ምድጋፍ ጥራይ ዘይኰነትስ ነቲ ካብኡ ከውጽኣካ ወይ ከታልለካ ዝፍትን ነገር ምቅዋም እውን ተመልክት ኢያ።’ ስለዚ: ፈተና: ምጽራር: ስደት እናሃለወ ከሎ ዝኣተውዎ ቃል ብዘይ ምቍራጽ ዝሕልዉ ሰባት “እሙናት” ተባሂሎም ክጽውዑ ይኽእሉ ኢዮም።

7. ኣብ መንጎ ተኣማንነትን እተዋህበካ ዕዮ ብዘይምቍራጽ ምፍጻምን እንታይ ፍልልይ ኢዩ ክግበር ዝከኣል፧

7 ይኹን እምበር: ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ነቲ ኣብ መንጎ ተኣማንነትን ነቲ እተዋህበካ ዕዮ ብዘይ ምቍራጽ ምፍጻምን ክህሉ ዝኽእል ፍልልይ ብኣብነት ምርኣዩ ጽቡቕ ኢዩ። ኣብ ምዕራባዊ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ውዑይ ማይ ዝተፍእ ቦታ ኣሎ። ስርዓታዊ ኰይኑ ዘየቋርጽ ብምዃኑ ድማ ኦልድ ፈይዝፉል (ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ ዕዮኡ ብዘይ ምቍራጽ ዝፍጽም) ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። መጽሓፍ ቅዱስ ንከም በዓል ወርሒ ዝኣመሰሉ ትውክልቲ እትገብረሎም ህይወት ዘይብሎም ነገራት ዕዮኦም ብዘይምቍራጽ ከም ዝፍጽሙ ይዛረበሎም። መዝሙር 89:⁠37 ንወርሒ “ኣብ ደበና ዘሎ እሙን [ዕዮኣ ብዘይምቍራጽ እትፍጽም] ምስክር” ኢላ ትዛረበላ። ቃል ኣምላኽ እውን ነቲ እተባህለሉ ከም ዝፍጽም ይንገረሉ ኢዩ። ራእይ 21:⁠5 ከምዚ ትብል:- “እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ: እንሆ: ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ: በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን [ከም ዝፍጸም ክትኣምኖ እትኽእል] ሓቅን እዩ እሞ: ጽሐፍ: በለኒ።” እዚ ኵሉ እተጠቕሰ ኣብነታት ብርግጽ ዝፍጸም: ክትውከሎ እትኽእል ኢዩ: እንተዀነ ግን: ከምቲ ናይ ተኣማንነት ምስ ናይ ብሕቲ ነገራት ወይ ናይ ስነ-ምግባር ባህርያት ርክብ የብሉን።

የሆዋ እቲ ካብ ኵሉ ዝለዓለ እሙን

8. ነቲ ብሉጽ ኣብነት ናይ ተኣማንነት እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መረጋገጺ ኢዩ ዘብርሆ፧

8 ብዘይ ገለ ጥርጥር: የሆዋ ኣምላኽ ዝበለጸ ኣብነት ናይ ተኣማንነት ኢዩ። የሆዋ ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ክረኽቡ ኢሉ ወዱ ክሳዕ ምሃብ ንዓሌት ሰብ እሙን ኰይኑ ተረኺቡ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:⁠16) ኣብ ኤርምያስ 3:⁠12 ከምዚ ነንብብ:- “ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል: ኣነ መሓሪ [“እሙን:” ትሓዓ ]: . . . ገጸይ ከኣ ኣይክጭምድደልኩምን እየ እሞ: ተመለሲ: ይብል እግዚኣብሄር።” ናይ የሆዋ ተኣማንነት ዘረጋግጹ ተወሰኽቲ ቃላት ድማ እቲ ኣብ ራእይ 16:⁠5 ተመዝጊቡ ዘሎ ኢዩ:- “ኣታ ቅዱስ [“እሙን:” ትሓዓ ]: ዘሎኻን ዝነበርካን: . . . ጻድቕ ኢኻ።” ኣብ መዝሙር 145:⁠17 ድማ እንደገና ከምዚ ዝብል ንረክብ:- “እግዚኣብሄር ብዅሉ መገዱ ጻድቕ እዩ: ብዅሉ ግብሩውን ሕያዋይ [“እሙን:” ትሓዓ ] እዩ።” አረ የሆዋ ብተኣማንነቱ ኣዝዩ ብሉጽ ብምዃኑስ ራእይ 15:⁠4 ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ [“እሙን:” ትሓዓ ] እሞ: ዎ እግዚኣብሄር: ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧” የሆዋ ኣምላኽ ብዝለዓለ ደረጃ እሙን ኢዩ።

9, 10. የሆዋ ኣብቲ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝገብሮ ዝነበረ ምምልላስ እንታይ ናይ ተኣማንነት መዝገብ ኢዩ ዘለዎ፧

9 ብፍላይ ናይ ህዝቢ እስራኤል ታሪኽ እቲ የሆዋ ንህዝቡ ዘለዎ ተኣማንነት ዘርኢ ኣኽል-​­ታ⁠ርፍ መረጋገጺ ሒዙ ኣሎ። ኣብ ግዜ መሳፍንቲ እስራኤላውያን ብተዳጋጋሚ ካብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ወዲቖም ኢዮም: የሆዋ ግን ብተደጋጋሚ ስለ ዝደንገጸሎም ኣድሓኖም። (መሳፍንቲ 2:​15-​22) ኣብ ብምሉኡ እቲ እስራኤል ብነገስታት እትምርሓሉ ዝነበረት ሓሙሽተ ዘበናት: የሆዋ ነቲ ህዝቢ ዝነበሮ ተኣማንነት ኣርእዩ ኢዩ።

10 ከምቲ ኣብ 2 ዜና መዋእል 36:⁠15, 16 “ንህዝቡን ነታ ማሕደሩን ስለ ዝደንገጸሎም ድማ: እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታቶም ብልኡኻቱ ገይሩ ብጊሓት ብጊሓት ይልእከሎም ነበረ። ግናኸ ቝጥዓ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ህዝቡ ኽሳዕ ዚድይብ: ፈውሲውን ክሳዕ ዚሰአን: ንሳቶም ነቶም ልኡኻት ኣምላኽ ኣላገጹሎም: ነቲ ቓሉ ኸኣ ነዐቕዎ: ነቶም ነብያቱውን ኣዋረድዎም” ዝብሎ ናይ የሆዋ ተኣማንነት ንህዝቡ ከም ዝዕገሶም ገይርዎ ኢዩ።

11. እቲ ናይ የሆዋ ተኣማንነት እንታይ መረጋገጺ ወይ መጸናንዒ ኢዩ ዝህበና፧

11 የሆዋ ኣዝዩ እሙን ብምዃኑ: ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 8:⁠38, 39 ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ክጽሕፍ ክኢሉ ኢዩ:- “ሞት ኰነ ወይ ህይወት: መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ: ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ: ወይ ሓይልታት: ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ: ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ: ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ: ኣርጊጸ አሎኹ።” እወ: የሆዋ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኣረጋጊጹልና ኣሎ:- “ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ።” (እብራውያን 13:⁠5) ብሓቂ: የሆዋ ኣምላኽ ኵሉ ግዜ እሙን ምዃኑ ምፍላጥ መጸናንዒ ኢዩ።

የሱስ ክርስቶስ: እቲ እሙን ወዲ

12, 13. ብዛዕባ ተኣማንነት ናይ ወዲ ኣምላኽ ዝምልከት እንታይ መረጋገጺ ኢዩ ዘሎና፧

12 ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ኣብ ምግጣም ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ዝቐድሖን ጌና ድማ ዝቐድሖ ዘሎን የሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ንመዝሙር 16:⁠10 ብምጥቃስ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠27 ኣብ የሱስ ክርስቶስ ምውዓሉ ግቡእ ኢዩ ነይሩ። ከምዚ ድማ በለ:- “ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን ኢኻ: ንቕዱስካ [“ንዓኻ እሙን ዝዀነ:” ትሓዓ ] ድማ ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትህቦን ኢኻ።” የሱስ ክርስቶስ ልክዕ ከምቲ ዝግብኦ “እሙን” ዝብል ስም ተዋሂቡ ኣሎ። ብዝዀነ ይኹን መገዲ ነቦኡን ነታ ተስፋ እተገብረላ መንግስቲ ኣምላኽን እሙን ኢዩ። ሰይጣን ብመጀመርያ የሱስ ንገዛእ ርእሱ ጥቕሚ ንምርካብ: ባህ ዘብሎ ነገራት ንኽገብር ፈተናታት ብምጥቃም ንጽህናኡ ከባላሹ ፈቲኑ ኢዩ። በዚ ምዃን ምስ ኣበዮ ድማ: ድያብሎስ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዕንጨይቲ ከም ዝስቀል ብምግባር ስደት ኣምጺኡ ንየሱስ ከም ዝመውት ገበሮ። የሱስ ነቲ ኣብ ሰማያዊ ኣቦኡ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበሮ ተኣማንነት ፈጺሙ ኣየጥፍአን።​—ማቴዎስ 4:​1-​11

13 የሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 28:⁠20 ዘሎ ንሰዓብቱ ዝኣተወሎም ቃል ኣብ ምፍጻም እሙን ኰይኑ ኢዩ። ከምዚ ይብል:- “እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።” ነዚ መብጽዓ እዚ ንምፍጻም ድማ ካብ 33 ከ.ኣ.ዘ. ናይ ጴንጠቈስጠ ጀሚሩ ክሳዕ ሕጂ ንማሕበሩ እሙን ኰይኑ ይመርሓ ኣሎ።

እሙናት ዝነበሩ ዘይፍጹማት ሰባት

14. እዮብ ከመይ ዝበለ ናይ ተኣማንነት ኣብነት ኢዩ ዝገደፈ፧

14 ዘይፍጹማት ሰባትከ ከመይ ኢዮም፧ ንኣምላኽ እሙናት ክዀኑ ይኽእሉ ድዮም፧ እቲ ብሉጽ ዝዀነ ኣብነት ናይ እዮብ ኣሎና። ኣብዚ ሰይጣን ነቲ ክርክር ግልጺ ገይርዎ ኢዩ። እዮብ ንየሆዋ እሙን ድዩ ነይሩ ወይስ ብሕታዊ ረብሓ ምእንቲ ክረክብ ኢሉ ጥራይ ኢዩ ዘገልግሎ ነይሩ፧ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ እዮብ ሽግር ብምምጻእ ካብ የሆዋ ከርሕቖ ከም ዝኽእል ብትዕቢት ተዛረበ። እዮብ ዝነበሮ ኵሉ ንብረት: ኵሎም ደቁ: ጥዕንኡውን ከይተረፈ ምስ ሰኣነ ሰበይቱ ከምዚ ዝስዕብ በለቶ:- “ንኣምላኽ ግዳ ኽሓዶ እሞ ሙት።” እንተዀነ ግን: እዮብ “ንስኺ ኣዘራርባ ዓሻ ሰበይቲ ትዛረቢ አሎኺ። ካብ ኢድ ኣምላኽ ሰናይ ተቐቢልናስ: ነቲ እኩይከ ኣይንቕበሎንዶ፧” ስለ ዝበላ እሙን ኢዩ ነይሩ። “እዮብ በዚ ዅሉ ነገር ብኸናፍሩ ኣይሐጥኤን።” (እዮብ 2:⁠9, 10) አረ ነቶም መጸናንዕቱ ዝበሃሉስ “ዋላ እኳ ንሱ [ኣምላኽ] እንተ ቐተለኒ: ኣነ ግን ጌና ብእኡ ተስፋ ክገብር ኢየ” ኢዩ ዝበሎም። (እዮብ 13:15: ኒው ኢንተርናሽናል ቨርሽን) እዮብ ስምረት የሆዋ ከም ዝረኸበ ኣየጠራጥርን ኢዩ! ስለዚ ድማ የሆዋ ንኤሊፋዝ ቴማናዊ “ብዛዕባይ ከምቲ እዮብ ባርያይ ዝገበሮ ጌርኩም: ቅኑዕ ስለ ዘይተዛረብኩም: ኣባኻን ኣብ ክልቲኦም መሓዙትካን ኵራይ ተቓጺሉ እዩ” በሎ።​—እዮብ 42:​7, 10-​16፣ ያእቆብ 5:​11

15. ነቲ ተኣማንነት ናይ ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ ዝምልከት እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መረጋገጺ ኢዩ ዘሎና፧

15 ኵሎም እቶም ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11 ተጠቒሶም ዘለዉ ናይ እምነት ሰባት ዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትን እሙናት ነይሮም ክበሃለሎም ይከኣል ኢዩ። እተዋህቦም ዕዮ ብዘይምቍራጽ ፈጺሞም ጥራይ ዘይኰነስ ጸቕጥታት ከጋጥሞም ከሎ እውን እሙናት ኢዮም ነይሮም። ስለዚ ድማ: ብዛዕብኦም “ብእምነት . . . ኣፍ ኣናብስ ዐጸዉ: ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፍኡ: ካብ ስሕለት ኣስያፍ ደሐኑ . . . ገሊኣቶም ድማ ብልግጫን ብመግረፍትን: ኣብ ልዕሊ እዚውን ብመቝሕን ማእሰርትን ተፈተኑ። ብዳርባ እምኒ ተቐትሉ: ተመገዙ: ተፈተኑ ተሰይፎም ሞቱ: ኣጐዛ ኣባጊዕን ዲኖ ኣጣልን ተኸዲኖም ዞሩ: ሰአኑ: ጸበቦም: ሓሳረ መከራ ጸገቡ” ዝብል ነንብብ።​—እብራውያን 11:33-​37

16. ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ናይ ተኣማንነት ኣብነት ኢዩ ዝገደፈ፧

16 ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ እውን ዘደንጹ ኣብነት ናይ ሃዋርያ ጳውሎስ ይነግረና ኢዩ። ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ክርስትያናት ንኣገልግሎቱ ኣመልኪቱ “ኣባኻትኩም እትአምኑ ዘሎኹም: ብቕድስናን [“ብተኣማንነትን:” ትሓዓ ] ጽድቅን ብዘይ መንቅብን ምንባርና: ንስኻትኩምን ኣምላኽን ምስክር ኢኹም” ብምባል ክጽሕፍ ይኽእል ነይሩ ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 2:​10) ብዛዕባ ተኣማንነት ናይ ጳውሎስ ዝገልጽ ተወሳኺ መረጋገጺ ድማ ኣብቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 6:​4, 5 ተመዝጊቡ ዘሎ ቃላት ንረክብ ኢና: ከምዚ ድማ ነንብብ:- “ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንርእስና ነርኢ አሎና እምበር: ብብዙሕ ትዕግስቲ: ብመከራ: ብጭንቀት: ብጸበባ: ብመውቃዕቲ: ብማእሰርቲ: ብጋሮ: ብጻዕሪ: ብምንቃሕ: ብጾም።” እዚ ዅሉ ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ እሙን ብምዃኑ ዝረኸቦ ክብሪ ዘረጋግጽ ኢዩ።

ኣብዚ ዘመናዊ ግዜና ዘለዉ እሙናት ሰባት

17. ኣየኖት ቃላት ናይ ጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ ኢየን እሙን ንክኸውን ከም ዝቘረጸ ዘርእያ፧

17 ኣብዚ ዘመናዊ ግዜና እንተ ረኣና ድማ ናይቲ ኣብ መእተዊና ዝረኣናዮ ጽቡቕ ኣብነት ኣሎና። እታ ዓለምለኻዊ ድሕንነት ኣብ ትሕቲ እቲ “መስፍን ሰላም ” እትበሃል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ኣብ ገጽ 146 ኣብ ትሕቲ “ኣብ ግዜ ማእሰርቲ እተራእየ ተኣማንነት” ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ዝገለጸቶ ሓሳባት ኣስተብህለሉ። ኣብኣ ከምዚ ዝብል ነንብብ:- “ኣብቲ ተኣሲሩሉ ዝነበረ ግዜ ንማሕበር የሆዋ ዝነበሮ ተኣማንነት ብምንጽብራቕ: እቲ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንት ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ብ25 ታሕሳስ 1918 ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ጸሓፈ:- ‘ንጐይታይ ብዘይምቍራጽ ከገልግሎ ብምፍታን ምስ ባቢሎን ምልምማጥ ስለ ዝኣበኹ ተኣሲረ ኣሎኹ: በዚ ድማ ኣዝየ ኢየ ዘመስግን። . . . ብምልምማጥ ወይ ነቲ ኣራዊት ብምብርካኽ: ካብ ቤት ማእሰርቲ ወጺአ ድማ ናይ ዓለም ደገፍ ካብ ምርካብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኰይነ ናይ ኣምላኽ ስምረትን ፍሽኽታን ክረክብ ኣጸቢቐ ኢየ ዝመርጽ።’”b

18, 19. ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ ከመይ ዝበለ ዘደንጹ ኣብነታት ናይ ተኣማንነት ኢዩ ዘሎና፧

18 ብዙሓት መስጐጕቲ እተጸመሙ ካልኦት ክርስትያናት እውን ጽቡቕ ዝዀነ ናይ ተኣማንነት ኣብነታት ኢዮም። ከምቲ ኣብታ ፐርፕል ትርያንግልስ እትብል ብብዝሒ ተዘርጊሓ ዘላ ናይ እንግሊዝኛ ቪድዮ ካሴት ተገሊጹ ዘሎ ኣብ ግዜ ግዝኣት ናዚ ዝነበሩ ጀርመናውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ካብቶም እሙናት ሰባት ኢዮም። ከም ኣብ በዓል ማላዊ ዝነበሩ ብዙሓት እሙናት ኣፍሪቃውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ሰናይ ኣብነት ኢዮም። ኣብኡ ሓደ ናይ ቤት ማእሰርቲ ሓላዊ “ፈጺሞም ኣይለማመጡን ኢዮም። ስቕ ኢሎም ኢዮም ዝውስኹ” ብምባል ነቲ ናይቶም መሰኻኽር ተኣማንነት መስኪርሉ ኣሎ።

19 ሓደ ሰብ ነዚ ናይ ቀረባ ዓመታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ዓመት መጽሓፍቲ ከንብብ ከሎ በቲ እቶም ኣብ ከም በዓል ግሪኽ: ሞዛምቢክ: ከምኡውን ፖላንድ ዝነበሩ ክርስትያናት ዘርኣይዎ ተኣማንነት ከይተመሰጠ ክሓልፍ ኣይክእልን ኢዩ። ብዙሓት ካብኣቶም ዘስካሕክሕ ስቅያት ተጸሚሞም ኢዮም፣ ካልኦት ድማ ተቐቲሎም ኢዮም። ናይ 1992 ናይ ዓመት መጽሓፍ ኣብ ገጽ 177 ስእሊ ናይቶም ክሳዕ ሞት ነቲ ተኣማንነት ናይ ምርኣይ ብድሆ እተጋጠምዎ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ትሽዓተ ክርስትያናት ሰብኡት ኣውጺኣ ኣላ። ከም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን: ነቲ ተኣማንነት ናይ ምርኣይ ብድሆ ምእንቲ ክንጋጠሞ ዘነቓቕሑና ብዙሓት ጽቡቓት ኣብነታት ስለ ዘለዉናስ ኣይንሕጐስንዶ ኢና፧

20. እሙናት ኰይንና እንተ ቐጺልና እንታይ ፍረ ኣለዎ፧

20 ንፈተናታትን ጸቕጥታትን ብተኣማንነት ምስ እንቃወሞ ክብረት ንረክብ። ስለዚ እምበኣር: ኣበየናይ ወገን ናይቲ ብዛዕባ ተኣማንነት ዘሎ ክርክር ኢና ክንርከብ እንደሊ፧ ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ብምግጣምና: ብዛዕባ እቲ ክርክር ዝመጸ ብወገን የሆዋ ኣምላኽ ኢና እንኸውን: ሰይጣን ድያብሎስ ድማ ነውራም: ቀንዲ ሓሳዊ ምዃኑ ነረጋግጽ። ናይቲ ሰራሒና: የሆዋ ኣምላኽ: ስምረትን ሓጐስ ዘለዎ ዓስቢ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ንረክብ። (መዝሙር 37:29፣ 144:15ለ) ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ንኽንጋጠሞ እንታይ ከም ዘድልየና ቀጺልና ክንርእዮ ኢና።

[እግረ-ጽሑፋት]

a ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመ ክልተ ጥራዝ ዘለዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መዝገበ⁠-ፍልጠት

b ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ እተሓትመት

ብኸመይ ምመለስካ፧

◻ እሙን ምዃን ብድሆ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

◻ “ተኣማንነት” ሓንቲ ኣዝያ ፍልይቲ ቃል ኢያ እንብል ስለምንታይ ኢዩ፧

◻ ዘይፍጹማት ሰባት እሙናት ከም ዝነበሩ ዝገልጽ እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣብነት ኢዩ ዘሎና፧

◻ ከመይ ዝበለ ዘመናዊ ኣብነታት ናይ ተኣማንነት ኢዩ ዘሎና፧

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእሊ]

ቻርለስ ቴዝ ራስል

[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ብሓቂ ናይ የሆዋ “እሙን” ኢዩ ነይሩ

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእሊ]

እዮብ ዘይፍጹም እኳ እንተነበረ ንኣምላኽ እሙን ምዃኑ ኣርእዩ ኢዩ

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

ጳውሎስ ንየሆዋ ተኣማንነት ኣብ ምርኣይ ሰናይ ኣብነት ገዲፉ ኢዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ