ናይ ምሉእ ህይወተይ ተስፋ ፈጺምካ ዘይሙማት ዝብል ኢዩ
ብሄክተር ኣር. ፕሪስት እተዘንተወ
እቲ ሓኪም “እዚ መንሽሮ እዚ ዘይሓዊ ኢዩ: ካብዚ ንላዕሊ ክንገብረልካ እንኽእል ነገር የሎን” በለ። እቲ ምርመራ እቲ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ይገብር ኢዩ ተገይሩ። ጌና ግን እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ከይሞትካ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ዝብል ተስፋ ኣሎኒ።—ዮሃንስ 11:26
ወለደይ ናብታ ካብቲ ናይ ስድራና ሕርሻ ብዙሕ ዘይረሓቐት: ኣብ ንእሽቶ ዓዲ እትርከብ ቤተ ክርስትያን: ስርዓታውያን ኰይኖም ዝሳተፉ ቕኑዓት ኣመንቲ ሜቶዲስት ኢዮም ነይሮም። ኣነ ኣብቲ ካብ ዌሊንግቶን: ኒው ዚላንድ: ንሰሜናዊ ምብራቕ ዳርጋ 130 ኪ.ሜ. ርሒቑ ዝርከብ ናይ ዋይራርፐ ተፈታዊ ናይ ሕርሻ ስንጭሮታት ኢየ ተወሊደ። ኣብኡ ናይቲ ብበረድ እተሸፈነ ኣኽራናት: ጽሩይ ናይ ከረን ርባታት: ጸፋሕቲ ጎቦታት: ከምኡውን ፍርያም ለሴታት ኣስተማቒርናዮ ኢና።
ኣብቲ ናይ ሜቶዲስት ቤተ ክርስትያን: ኵሎም ጽቡቕ ዝገበሩ ሰባት ናብ ሰማይ ከም ዝኸዱ: እቶም ሕማቕ ዝገበሩ ግን ናብ ሓዊ ስቓይ ዝዀነ ቦታ: ናብ ገሃነም ከም ዝኸዱ ኢና ተማሂርና። ኣምላኽ ሰባት ኣብ ሰማይ ክነብሩ ዝደልዮም እንተድኣ ኰይኑ ብመጀመርታኡ ስለምንታይ ኣብኡ ከም ዘይገበሮም ክርድኣኒ ኣይከኣለን። መብዛሕትኡ ግዜ ስለምንታይ ክንመውት ከም ዘሎና ይገርመኒ ብምንባሩ: ኵሉ ግዜ ሞት እፈርሕ ኢየ ነይረ። ብ1927: ወዲ 16 ዓመት ከሎኹ ስድራቤትና ዘሕዝን ነገር ኣጋጠማ። እዚ ኸኣ ኢዩ ንሕቶታተይ መልሲ ናብ ምድላይ ዝመርሓኒ።
ሬጅ ስለምንታይ ሞይቱ፧
ሬጅ ሓወይ ወዲ 11 ዓመት ከሎ: ከቢድ ሕማም ሓመመ። እቲ ሓኪም: እቲ ሕማም እንታይ ምዃኑ ክርድኦ ኣይከኣለን: ክሕግዞ እውን ኣይከኣለን። ኣደይ ነቲ ናይ ሜቶዲስት ኣገልጋሊ ጸውዓቶ። ኣብ ልዕሊ ሬጅ ኰይኑ ጸለየ: እንተዀነ ግን እዚ ነደይ ከጸናንዓ ኣይከኣለን። እኳ ድኣ: ነቲ ኣገልጋሊ ጸሎቱ ዋጋ ከም ዘይነበሮ ነገረቶ።
ሬጅ ምስ ሞተ: ኣደይ እዚ ንእሽቶ ወዳ ስለምንታይ ከም ዝሞተ ንኽትፈልጥ ዝነበራ ጽምኢ ዘርዊ ሓቀኛ መልስታት ንምርካብ ንዅሉ ሰብ ትሓትት ነበረት። ኣብ ከተማ ንዝርከብ ሓደ ነጋዳይ ከተዘራርቦ ከላ ብዛዕባ ናይ ምዉታት ኵነታት ገለ ዝፈልጥ እንተድኣ ዀይኑ ሓተተቶ። ዝፈልጦ ኣይነበሮን: ግን “ሓደ ሰብ ንኣኺ እትኸውን መጽሓፍ ኣብዚ ገዲፉ ኣሎ” በላ።
ኣደይ ነታ መጽሓፍ ንገዛ ወሰደታ እሞ ከተንብባ ጀመረት። ከተቐምጣ ድማ ኣይከኣለትን። በብቑሩብ ከኣ ኣተሓሳስባኣ ብምሉኡ ተለወጠ። ንስድራና ድማ “እዚኣ ኢያ፣ እዚኣ ኢያ እታ ሓቂ” በለትና። እታ መጽሓፍ ካብ መጽናዕቲ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት እታ ናይ መጀመርታ ጥራዝ ዝዀነት ናይ ዘበናት መለኮታዊ ውጥን እትበሃል ኢያ ነይራ። ኣብ መጀመርታ እጠራጠር ነበርኩ: ኣንጻር እቲ እታ መጽሓፍ እትጥቀመሉ ናይ ፈጣሪ ዕላማ ኣቀራርባ ክከራኸር ድማ ፈተንኩ። ኣብ መወዳእታ ምክርኻር ኣቋረጽኩ።
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ምቕባል
‘ኣየ: ፈጺምካ ኸይሞትካ: ንዘለኣለም ክትነብር ማለት እኮ ኢዩ!’ ኢለ ሓሰብኩ። ከምዚ ዝበለ ተስፋ ሓደ ሰብ ካብ ሓደ ፈቃር ኣምላኽ ዝጽበዮ ኢዩ። ምድራዊት ገነት! እወ: እዚ ንዓይ ኢዩ ነይሩ።
ነዚ ዘደንቕ ሓቅታት እዚ ድሕሪ ምምሃራ: ኣደይን ኣብ ዌሊንግተን ዝርከባ ሰለስተ ክርስትያን ኣሓትን—ሓብትና ቶምፕሰን: ባርተን: ከምኡውን ሓብትና ጆነስ—ነቲ ናይታ መንግስቲ ዘርኢ ኣብ ኵሉ ቦታታት ናይታ ሃገር ንምዝርጋሕ: ሓድሓደ ግዜ ንነዊሕ መዓልታት ይገሻ ነበራ። ሽሕ’ኳ ኣቦይ ከም ናይ ኣደይ ዝኣመሰለ ናይ ሚስዮናውነት መንፈስ እንተዘይነበሮ: ኣብቲ ዕዮኣ ሓጊዝዋ ኢዩ።
ንሓቂ ኣሚነሉ ኢየ ነይረ: ይኹን እምበር ንእተወሰነ ግዜ ብዛዕባ እምነተይ ንጡፍ ኣይነበርኩን። ብ1935: ንሮዪና ኮርለት ተመርዓኹ: ኣብ መወዳእታ ድማ ኤነድ ዝስማ ጓልን ባረ ዝስሙ ወድን ብምውላድ ተባረኽኩ። ካብቶም ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ኣሽሓት ናይ ማል ኣርሓታት ብምዕዳግ: ከም ዓዳግ ከብቲ ኰይነ እሰርሕ ነበርኩ። እቶም ሓረስቶት ብዛዕባ ፖለቲካ ክዘራረቡ ኸለዉ: ኣነ ድማ “ካብዚ ናይ ሰባት ጻዕርታት ዋላ ሓደ እውን ይኹን ኣይክዕወትን ኢዩ። እታ ሓንቲ ቁም ነገር ዘለዋ መንግስቲ: መንግስቲ ኣምላኽ ኢያ” ኢለ ክነግሮም ደስ ይብለኒ ነበረ።
ዘሕዝን ግን: ናይ ትምባኾ ውሉፍ ኰንኩ፣ ኣብ ኣፈይ ድማ ብዘይ ምቍራጽ ሽጋራ ነበረ። ድሕርዚ ጥዕናይ እናሓመቐ ኸደ: ዘቐንዙ ናይ ጨጐራ ሕማም ስለ ዝነበረኒ ድማ ኣብ ሆስፒታል ኣተኹ። ብሰንኪ ምትካኽ ሽጋራ ዝመጽእ ብርቱዕ ሕማም ጋስትሮኢንተሪትስ ከም ዘሎኒ ተነግረኒ። ሽሕ’ኳ ነቲ ኣመል እንተ ኣቋረጽኩዎ: ሓደ ንዘለኣለም ዝኸውን ትምባኾ ወይ ሽጋራ ምትካኽ ሕልመይ ኰነ። ትምባኾ ከመይ ዝበለ ሕማቕ ወልፊ ኰን ኢዩ!
ትምባኾ ምስ ገደፍኩዎ ካልእ ኣገዳሲ ምትዕርራያት ገበርኩ። ብ1939: ወዲ 28 ዓመት ምስ ኰንኩ: ኣብቲ ዓዲ ጥቓ ገዛና ኣብ ዝነበረ ማኔቲ ዝበሃል ርባ ተጠመቕኩ። ሮበርት ላዘንበ: ጸኒሑ ናይቲ ኣብ ኒው ዚላንድ ዝነበረ ዕዮ ስብከት ተዓዛቢ ዝዀነ: ኣብ ገዛና ዝርርብ ክህብን ከጠምቐንን ካብ ዌሊንግተን ዝኣክል ነዊሕ መገዲ ተጓዕዘ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዘ: ተባዕ ናይ የሆዋ ምስክር ኰንኩ።
ነቲ ዕዮ ስብከት ምምሕዳር
ምስ ተጠመቕኩ ናይ ኢኬታሁና ጉባኤ ተዓዛቢ ኰይነ ተመዘዝኩ። በዓልቲ ቤተይ: ሮዪና: ጌና ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ኣይተቐበለትን ነበረት። ይኹን እምበር: ካብ ቤት ናብ ቤት ከመይ ገይርካ ብግቡእ ከም ዝስበኽ ምእንቲ ከርእየኒ ንኦልፍ ብርያንት ካብ ፖሄቱወ ክመጽእ ክዕድሞ ምዃነይ ኣፍለጥኩዋ። ነቲ ዕዮ ስብከት ከመሓድሮን ንዞባና ድማ ብሜላ ክሽፍኖን ደለኹ።
ሮዪና ከምዚ በለት:- “ሄክተር: ካብ ቤት ናብ ቤት ክትሰብኽ እንተድኣ ኬድካ ምስ ተመለስካ ኣብዚ ኣይጸንሓካን ኢየ። ሓዲገካ ክኸይድ ኢየ። ሓላፍነትካ ኣብዚ—ኣብ ቤት ምስ ስድራቤትካ—ምዃን ኢዩ።”
እንታይ ከም ዝገብር ጠፍኣኒ። እናተወላወልኩ ክዳነይ ተኸደንኩ። ክገብሮ ኣሎኒ እናበልኩ ድማ እሓስብ ነበርኩ። ‘ህይወተይን ህይወት ስድራቤተይን ኣብኡ እተመርኰሰ ኢዩ።’ ስለዚ ንሮዪና ብዝዀነ መገዲ ክጐድኣ ከም ዘይደሊ ኣረጋገጽኩላ። ኣዝየ ከም ዘፍቅራ: ይኹን እምበር ንስም የሆዋን ሉዓላውነቱን: ከምኡውን ንህይወትናን ዘጠቓለለ ስለ ዝዀነ በዚ ኣገባብ እዚ ክሰብኽ ከም ዘሎኒ ነገርኩዋ።
ኣነን ኦልፍን ናብታ ናይ መጀመርታ ማዕጾ ከድና: ንሱ ድማ መጀመርታ ተዛረበ። ይኹን እምበር ነቲ በዓል ቤት እቲ ኣብ ግዜ ኖህ እተፈጸመ: ምስዚ ኣብ ግዜና ዝኸውን ዘሎ ዝመሳሰል ብምዃኑ ድሕነትና ምእንቲ ከነረጋግጽ ገለ ነገር ክንገብር ኣሎና ኢለ ብምዝራብ: ኣብቲ ዕላል ተሓወስኩ። (ማቴዎስ 24:37-39) ናእሽቱ መጻሕፍቲ ድማ ሓደግኩሉ።
እናተበገስና ከሎና: ኦልፍ “እዚ ዅሉ ፍልጠት ካበይ ረኺብካዮ፧ ኣነ ኣየድልየካን ኢየ። በይንኻ ኪድ: ናይዚ ዞባ ዕጽፊ ድማ ክንሽፍን ኢና” በለኒ። ከምኡ ድማ ገበርና።
ንገዛ ክንምለስ ከሎና: እንታይ ከም ዝጽበየና ኣይፈለጥኩን። ዘገረመንን ዘሐጐሰንን ድማ: ሮዪና ሻሂ ኣዳልያትልና ጸንሐት። ድሕሪ ክልተ ቕነ በዓልቲ ቤተይ ኣብቲ ህዝባዊ ምስክርነት ሓበረትኒ: ናይ ክርስትያናዊ ቅንኢ ሰናይ ኣብነት ድማ ኰነት።
ካብ መንጎ እቶም ኣብቲ ናይ ሕርሻ ስንጭሮና ንመጀመርታ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀኑ ሞድ ማንሰርን ወዳ ዊልያምን: ከምኡውን ጓላ ሩቢን ኢዮም። በዓል ቤታ ንሞድ ጸዋግ ትርኢት ዝነበሮ ገንጫር ሰብኣይ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ኣነን ሮዪናን ንሞድ ናብ ኣገልግሎት ክንወስዳ ኢልና ናብቲ ሕርሻኦም ከድና። መንእሰይ ዊልያም መኪናኡ ክንጥቀመላ መዲቡ ነበረ: ኣቦኡ ግን ካልእ ሓሳብ ሓሰበ።
እቲ ኵነታት ውጥረት ዝነበሮ ኢዩ ነይሩ። ሮዪና ነታ ንእሽቶ ጓልና: ኤነድ: ክትሕዛ ነገርኩዋ። ኣቶ ማንሰር ቅድሚ ምውጻእና ነቲ ጋራጅ ክዓጽዎ ብምፍታን ክጓየ ኸሎ: ናብታ ናይ ዊልያም መኪና ደይበ ካብቲ ጋራጅ ቀልጢፈ ወጻእኩ። ይኹን እምበር: በታ መኪና ቅሩብ ርሕቕ ኢልና ምስ ከድና ደው በልና: ነቲ ተቘጢዑ ዝነበረ ኣቶ ማንሰር ክረኽቦ ድማ ካብታ መኪና ወረድኩ። “ናብ ግራት ኣገልግሎት ክንከይድ ኢና: ወ/ሮ ማንሰር ድማ ምሳና ክትከይድ ኢያ” በልኩዎ። ምስ ለመንክዎ ድማ: ብመጠኑ ሕርቃኑ ሃድአ። ንድሕሪት ምልስ ኢለ ክዝክሮ ከሎኹ: ምናልባት ነቲ ኵነታት ብፍልይ ዝበለ ኣገባብ ክሕዞ ምተገብኣኒ ነይሩ: ማንሰር ፈጺሙ ምስክር እኳ እንተዘይኰነ ጸኒሑ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ጽቡቕ ኣረኣእያ ዘለዎ ኰነ።
ኣብቲ ዓመታት እቲ ህዝቢ የሆዋ ሒደት ጥራይ ኢዮም ነይሮም: ከምኡውን ነቲ እቶም ኣብቲ ሕርሻና ምሳና እተቐመጡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ምብጻሕ ብሓቂ ተሓጒስናሉን ተጠቒምናሉን ኢና። እዞም በጻሕቲ እዚኣቶም ኣድርያን ቶምፕሰን ሓብቱ ሞሊብ: ክልቲኦም ኣብቲ ንሚስዮናውያን እተዳለወ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ናይ መጀመርታ ክፍልታት እተኻፈሉ ከምኡውን ኣብ ናይ ወጻኢ መዝነታት ኣብ ጃፓንን ፓኪስታንን ዘገልገሉ ኢዮም ነይሮም።
ኣብ እዋን ውግእ ዝነበረ ተመኵሮታት
ኣብ መስከረም 1939: ካልኣይ ውግእ ዓለም ተጀመረ: ኣብ ጥቅምቲ 1940 ድማ: መንግስቲ ኒው ዚላንድ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕዮ ኣገዶ። ብዙሓት ክርስትያናት ኣሕዋትና ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ፍርድታት ናይታ ሃገር ቀረቡ። ገሊኦም ናብቲ ናይ ሸቕሊ ደምበታት ተወስዱ: ካብ ኣንስቶምን ደቆምን ድማ ተፈለዩ። ሽሕ’ኳ ጽዕዲት ዘፍሪ ሕርሻ እንተ ነበረና: እቲ ውግእ እናበርትዐ ምስ ከደ: ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት እጽዋዕዶ እኸውን ብምባል እሓስብ ነበርኩ። ድሕርዚ ሓረስቶት ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ተባሂሉ ካብ ሕርሽኦም ኣይውሰዱን ኢዮም ዝብል ኣዋጅ ወጸ።
ነፍሲ ወከፍና ነቲ ዕዮ ስብከት ኣብ ወርሒ ልዕሊ 60 ሰዓታት ብምውፋይ: ኣነን ሮዪናን ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ቀጸልና። ኣብዚ እዋን እዚ: ነቶም ክርስትያናዊ ገለልትነቶም ዝሓለዉ ናእሽቱ መሰኻኽር ናይ ምሕጋዝ መሰል ነበረኒ። ኣብ ቅድሚ ኣብያተ ፍርዲ ዌሊንግቶን: ፓልሜሪስተን ኖርዝ: ፓሂታው: ከምኡውን ማስተርተን: ኣብ ክንድኦም ኰይነ እቐርብ ነበርኩ። ኣብቲ ናይ ኣማኸርቲ ሽማግለ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ቐሺ ብምንባሩ: ነቲ ውግእ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዘይክርስትያናዊ ደገፍ ከተጋልጾም ደስ ዘብል ኢዩ ነይሩ።—1 ዮሃንስ 3:10-12
ሓደ ምሸት ኣነን ሮዪናን ግምቢ ዘብዐኛ እናኣጽናዕና ከሎና: ፈተሽቲ ኸበቡና። ኣብ ገዛና ድማ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ተረኽበ። “እዚ ከእስረና ይኽእል ምዃኑ” ተነገርና። ክኸዱ ኢሎም ናብ መኪናኦም ምስ ደየቡ: እቲ ፍሬኖ ስለ ዝሰጠመ እታ መኪና ከም ዘይትንቀሳቐስ ተረድኡ። ዊልያም ማንሰር ነታ መኪና ኣዐረያ: ካብኡ ንንዮ ፈጺምና ርኢናዮም ኣይንፈልጥን።
ኣብ እዋን እቲ እገዳ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ኣብቲ ሕርሻና ርሕቕ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ህንጻ ንሓብኦ ነበርና። ኣብ ሰዓታት ፍርቂ ለይቲ: ኣብቲ ናይ ኒው ዚላንድ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እበጽሕ: ንመኪናይ ድማ ጽሑፋት እመልኣ ነበርኩ። ድሕርዚ ንገዛ አምጽኦ እሞ: ኣብቲ ርሕቕ ዝበለ ህንጻና እኽዝኖ ነበርኩ። ሓደ ለይቲ ናይ ምስጢር ምግዕዓዝ ክገብር ኣብቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ምስ በጻሕኩ: ሃንደበት ኵሉ እቲ ከባቢ በርሀ! እቶም ፖሊስ ድማ ዓው ኢሎም “ረኺብናካ!” በሉ። እንተዀነ ግን: እቲ ዘገርም: ብዙሕ ከየጭነቑለይ ሓዲጎምኒ ከዱ።
ብ1949: ኣነን ሮዪናን ነቲ ሕርሻ ሸጥናዮ: ገንዘብና ክሳዕ ዝውዳእ ድማ ፓይነራት ኴንና ከነገልግል ወሰንና። ኣብ ማስተርተን ናብ ዝርከብ ቤት ገዓዝና ምስ ጉባኤ ማስተርተን ድማ ፓይነራት ኴንና ኣገልገልና። ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት 24 ንጡፋት ኣስፋሕቲ ዘለዉዋ: ኣነ ድማ ከም ኣቦ መንበር ተዓዛቢ ኰይነ ዘገልገልኩላ ጉባኤ ፈዘርስተን ቈመት። ድሕርዚ: ብ1953: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብቲ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ዝርከብ ያንኪ ስታድዩም ኣብ እተገብረ ናይ ሸሞንተ መዓልታት ኣህጉራዊ ኣኼባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽካፈል ዝረኸብኩዎ መሰል ኣስተማቒረዮ ኢየ። ሮዪና ግን ነታ መልመስቲ ዝነበራ ኤነድ ጓልና ክትከናኸና ስለ ዘድሊ ምሳይ ክትከይድ ኣይከኣለትን።
ናብ ኒው ዚላንድ ምስ ተመለስኩ ዓለማዊ ስራሕ ክሰርሕ ነበረኒ። ናብታ ኣቦ መንበር ተዓዘቢ ኰይነ እተመዘዝኩላ ጉባኤ ማስተርተን ተመለስኩ። ኣብዚ ግዜ እዚ ኣቢሉ ዊልያም ማንሰር ነታ ኣብ ማስተርተን ዘላ ናይ ቲያትር ኣዳራሽ ዓደጋ: እዚኣ ኸኣ ኣብ ዋይራርፓ እታ ናይ መጀመርታ መንግስቲ ኣዳራሽ ኰነት። ኣብ እዋን 1950ታት ጉባኤና ብመንፈስን ብቝጽርን ሰናይ ዕቤት ኣስተማቒራ ኢያ። ስለዚ: እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ክበጽሕ ከሎ: መብዛሕትኡ ግዜ ንብሱላት ሰባት ነቲ ኣብኡ ዘሎ ዕዮ ስብከት ምእንቲ ክሕግዙ ናብቲ ካልእ ክፍልታት እታ ሃገር ክኸዱ የተባብዖም ነበረ: ብዙሓት ሰባት ድማ ከምኡ ገበሩ።
ስድራ ቤትና ኣብ ማስተርተን ጸንሐት: ኣብቲ ዝሰዓበ ዓሰርተታት ዓመታት ድማ ኣብ ጉባኤ ብዙሕ መሰላት ነይሩኒ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ክልቲኡ ማለት ኣብ ሃገራውን ኣህጉራውን ዓበይቲ ኣኼባታት መዝነታት ኣስተማቒረ ኢየ። ሮዪና ካልኦት ከምኡ ክገብሩ ከየቋረጸት ብምሕጋዝ ኣብቲ ግራት ኣገልግሎት ብውዕዉዕ ቅንኢ ትካፈል ነበረት።
ናይ እምነት ፈተናታት ምጽማም
ኣብቲ መጀመርታ ከም እተገልጸ: ብ1985 ዘይሓዊ መንሽሮ ከም ዘሎኒ ተፈልጠ። ኣነን እምንቲ በዓልቲ ቤተይ ሮዪናን ደቅናን ካብቶም ሕጂ ዘለዉ ፈጺሞም ዘይሞቱ ሚልዮናት ሰባት ክንከውን ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እንደሊ! ይኹን እምበር: እቶም ሓካይም ክመውት ኢሎም ናብ ገዛ ሰደዱኒ። እንተዀነ ግን: ብመጀመርታ ነቲ ምርመራ ብኸመይ ከም ዝርእዮ ሓተቱኒ።
“ዓቕሊ ክገብር ኣወንታዊ ድማ ክኸውን ኢየ” ኢለ መለስኩሎም። ብርግጽ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ መህድእየይ ኰይኑ ኢዩ:- “ዓቃል ልቢ ንስጋ ህይወቱ እዩ።”—ምሳሌ 14:30
እቶም ናይ መንሽሮ ፍሉይ ክእለት ዝነበሮም ሓካይም: ነዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ኣመስጊኖምሉ ኢዮም። “እቲ ኣተሓሳስባ እቲ ንናይ መንሽሮ ሕሙማት 90 ካብ ሚእቲ ፈውሶም ኢዩ” በሉ። ሸውዓተ ሰሙናት ዝወስድ ብናይ ብርሃን ጮራ ዝግበር ሕክምና እውን ኣዘዙለይ። ዘሐጕስ ድማ: ኣብ መወዳእታ ንመንሽሮ ኣብ ምቅላስ ተዓወትኩ።
ኣብዚ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ዝዀነ እዋን ዘሰንብድ ነገር ኣጋጠመኒ። ምልክዕትን እምንትን በዓልቲ ቤተይ ብናይ ሓንጎል መድመይቲ ተሳቕያ ሞተት። በቶም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተመዝጊቦም ዘለዉ እሙናት ሰባት ከምኡውን በቲ ንጽህናኦም ክሳዕ ዝሓለዉ: የሆዋ ንግድላቶም ብኸመይ ከም ዝፈትሓሎም ዝገልጽ ኣብነታት ምጽንናዕ ረኸብኩ። ኣብታ ሓዳስ ዓለም ዘሎኒ ተስፋ ብሩህ ነበረ።—ሮሜ 15:4
ይኹን እምበር: ኣዝየ ሓዘንኩ ከም ሽማግለ ኴንካ ምግልጋል ድማ ደው ከብሎ ደለኹ። እቶም ናይቲ ከባቢ ኣሕዋት ንኽቅጽል ሓይሊ ክሳዕ ዝረክብ ኣተባብዑኒ። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ: ኣብዚ ዝሓለፈ 57 ዓመታት ከም ክርስትያን ሽማግለን ተዓዛብን ኰይነ ብቐጻሊ ከገልግል ክኢለ ኢየ።
ንመጻኢ ብተኣማንነት ምግጣም
ኣብዚ ኵሉ ዓመታት ንየሆዋ ምግልጋለይ ዘይግመት መሰል ኰይኑ ጸኒሑ ኢዩ። ክሳዕ ክንደይ ብዙሕ በረኸታት ኰን ኢዩ ነይሩኒ! ወዲ 16 ዓመት ከሎኹ ኣደይ “እዚኣ ኢያ፣ እዚኣ ኢያ እታ ሓቂ” ኢላ ክትዛረብ ክሰምዓ ከሎኹ: ሕጂ ዀይኑ ይርኣየኒ። ኣደይ ዕድሜኣ ልዕሊ 100 ዓመት ከላ: ብ1979 ክሳዕ እትመውት: እምንትን ቀናእን ምስክር ኢያ ነይራ። ሓንቲ ጓላን ሽዱሽተ ኣወዳት ደቃን እውን እሙናት መሰኻኽር ኰይኖም ኢዮም።
ናይ ወሽጢ ባህገይ ስም የሆዋ ካብ ኵሉ ጸርፊ ክጸሪ ከሎ ምእንቲ ኽትርኢ ምንባር ኢዩ። ነቲ ፈጺምካ ዘይሙማት ዝብል ናይ ምሉእ ህይወተይ ተስፋስ ክርእዮ ደዀን እኸውን፧ ርግጽ ኢዩ: እዚ ጸኒሑ ዝርአ ነገር ኢዩ። ይኹን እምበር: ነዚ በረኸት እዚ ብዙሓት ከም ዝርእይዎ: እወ: ኣብ መወዳእታ ሚልዮናት ሰባት ከም ዝረኽብዎ ርግጸኛ ኢየ። ስለዚ ብህይወት ክሳዕ ዘሎኹ: ነቲ ምስቶም ፈጺሞም ዘይሞቱ ሰባት ክቝጸር ዘሎኒ ተስፋ ክዕቅቦ ኢየ።—ዮሃንስ 11:26
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ኣደይ
[ኣብ ገጽ 28 ዘሎ ስእሊ]
ምስ በዓልቲ ቤተይን ደቀይን