ኢሪና እትፈትዋ ናይ መዝሙር መጽሓፍ
እዛ ጓል ትሸዓተ ዓመት ዝዀነት ኣብ ሶፍያ: ቡልጋርያ እትርከብ ኢሪና: ከም ሓንቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይና ካብ እትጥመቕ ነዊሕ ኣይገበረትን። ክትዝምር ትፈቱ: ብፍላይ ድማ እቲ ኣብታ ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ዘምሩ እትበሃል መጽሓፍ ዘሎ መዝሙራት ትሕጐሰሉ ኢያ። ስለዚ ኸኣ ኢሪና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ውሑዳት መዝሙራት ብቓላ ከተጽንዕ ሸቶ ኣውጽአት።
ሓደ ካብቲ ኢሪና ኣብ ቤት ትምህርታ እትፈትዎ ዓይነት ትምህርቲ መዝሙር ኢዩ። ስለዚ ኸኣ: ኢሪና ምስቶም ናይ ቤት ትምህርቲ ባንድ ኰይና ክትዝምር ዕድመ ምስ ቀረበላ ምእባያ ነታ ናይ ሙዚቃ መምህራ ደንጸዋ። ኢሪና ስለምንታይ ኢያ ኣብያ፧ መብዛሕትኡ እቲ ክትዝምሮ እትሕተት መዝሙራት ኣረሜናዊ መበቈል ዘለዎ: ንናይ ሃገር ጀጋኑን በዓላትን ዘሞግስ ከም ዝኸውን ስለ ዝፈለጠት ኢያ። አረ ገሊኡስ ሃገራዊ ኣተሓሳስባታት ንምትብባዕ ተባሂሉ ዕልወትን ዓመጽን ዝገልጽ ኢዩ። እታ መምህር ኢሪና ኣብዚ ነገር እዚ ዘለዋ መትከል ክትርድኦ ኣይከኣለትን። ኢሪና ነቲ ሃይማኖታዊ እምነታ ዝገልጽ ደብዳበ ንመምህራ ሃበታ—ምንም ጥቕሚ ግን ኣይነበሮን።
ኣቦኣ ንኢሪና ሓደ ሓሳባት መጾ። እተን ኢሪና እትፈትወን መዝሙራት ዝሓዘት ንየሆዋ መዝሙር ምስጋና ዘምሩ እትበሃል ናይ መዝሙር መጽሓፍ ነታ መምህር ሃባ። ውሑዳት መዓልትታት ጸኒሓ እታ መምህር ንኢሪና ናብቲ ናይ ሙዚቃ ክፍሊ ጸወዓታ። እታ መምህር ብፕያኖ እናኣሰነየታ—ኣብ ቅድሚ ደቂ ክፍላ—ካብታ መጽሓፍ ገለ እትፈትወን መዝሙራት ክትዝምር ሓተተታ። እቲ ምርኢት ልዕሊ ሓደ ሰዓት ወሰደ! እታ መምህር ድማ ኢሪና እትፈትዋ ናይ መዝሙር መጽሓፍ ጥዑም ዜማ ሒዛ ከም ዘላ ተኣመነት።