ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w95 15/12 ገጽ 4-7
  • ናይ ምሃብ መንፈስ ኣሎካዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ምሃብ መንፈስ ኣሎካዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስምረቱ እትደሊ ገለ ሰብ ኣሎዶ ኢዩ፧
  • እቲ ህያብ ካብ ፍቓደኛ ልቢ ዝመጽእ ድዩ፧
  • እቲ ኣውራ ዘገድሰካ​—⁠እቲ ኣጋጣሚ ድዩ፧ ወይስ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ኢዩ፧
  • ዓመት ምሉእ ዝግበር ናይ ልግስነት መንፈስ
  • ብሉጽ ውህበት ምንዳይ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • “ቅድሚ ሕጂ ኻብ እተቐበልክዎ ውህበት ዝበለጸ እዩ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ብሉጽ ውህበት ኣምላኽ—ኣዝዩ ኽቡር ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
w95 15/12 ገጽ 4-7

ናይ ምሃብ መንፈስ ኣሎካዶ፧

ሰባት ንኽህቡ ዘለዓዕሎም ካብ ሓደ ንላዕሊ ድራኸ ከም ዘሎ ኣስተብሂልካዶ፧ ህያብ ናይ ፍቕሪ: ልግሲ: ምስጋና መግለጺ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ህያብ ካብ ሓደ ስምረት ናይ ካልእ ሰብ ክረክብ ዝደሊ እውን ክመጽእ ከም ዝኽእል ኣይተዓዘብካን ዲኻ፧ ወይ ድማ ካብ ናይ ምግዳድ ስምዒት እተላዕለ ወይ እቲ ዝህብ ዘሎ ኣምሳያኡ ገለ ነገር ስለ ዝደለየ ጥራይ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

እቲ ህያብ ብሓደ ውቁብ መእሰሪ ገመድ እተኣስረ ጥቕላል ነገር ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ ጽቡቕ ህያብ ሕቋፍ ዕንባባ: መግቢ: ወይ ናይ ሕያውነት ተግባር እውን ክኸውን ከም ዝኽእልሲ ሓቂዶ ኣይኰነን፧ እኳ ድኣ: እቲ ኣዝዩ ዓሚቝ ምስጋና ዝዋሃቦ ህያባትሲ መብዛሕትኡ ግዜ ገዛእ ርእስኻ ምሃብ ዘጠቓልል ኢዩ።

ስምረቱ እትደሊ ገለ ሰብ ኣሎዶ ኢዩ፧

ሓደ ሰብ ንኻልእ ስምረቱ ዝደሊ ሰብ ህያብ ምሃብ ዘይልሙድ ኣይኰነን። ኣብ ገለ ሃገራት: ሓደ ጐበዝ ንሓንቲ ክምርዓዋ ዝደሊ ሰብ ልባ ምእንቲ ክማርኽ ዕንባባታት የምጽኣላ ኢዩ። እታ ደገኛ ሰበይቲ ግን ክንዮ እቲ ዕንባባ ዘሎ ኢያ እትርኢ። ንሳ ብድሕሪ እቲ ህያብ ዘሎ ናይቲ ጐበዝ መንፈስ: ንፉዕ በዓልቤት እውን ዝገብሮ: ብፍቕሪ እተለዓዓለ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኢያ ኣብ ግምት እተእቱ። ከምዚ ዝኣመሰለ ህያብ: ኣምላኻዊ መንፈስ ዘንጸባርቕ እንተድኣ ኰይኑ: ንኽልቲኦም: ነቲ ወሃብን ተቐባልን ናብ ብዙሕ ሓጐስ ክመርሕ ይኽእል ኢዩ።

ኣቢጋይል: ሰበይቲ ናባል: ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንዳዊት: ነቲ ኣብ መጻኢ ግዜ ናይ እስራኤል ንጉስ ክኸውን ብኣምላኽ እተሓርየ ምዃኑ ዘለለየቶ: ናይ ልግሲ ህያብ ቀልጢፋ ከም ዘዳለወት መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና ኢዩ። ንሳውን ስምረት ክትረክብ ኢያ ትደሊ ነይራ። ሰብኣያ ንዳዊት ብንዕቀት ነጺግዎ ከምኡውን ንናይ ዳዊት ሰባት ገኒሕዎም ኢዩ። ዳዊት: ገለ 400 ዝዀኑ ጕጅለ ዕጡቓት ሰብኡት መሪሑ: ንናባልን ንዅሉ ቤተሰቡን ከጽንት ወሰነ። ኣቢጋይል: ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባት ዝኸውን መግቢ ዝሓዘ ናይ ልግሲ ህያብ ናብ ዳዊት ቀልጢፋ ብምስዳድ: ጣልቃ ኣተወት። ነቲ ህያብ ስዒባ ድማ ባዕላ ኣብቲ ቦታ በጽሐት: ነቲ ሰብኣያ ዝገበሮ ብትሕትና ይቕሬታ ድሕሪ ምሕታታ ድማ ከምቲ ምስ ዳዊት ክትረዳዳእ ከላ ዘርኣየቶ ብዙሕ ምስትውዓል ከም ዝነበራ መረጋገጺ ሃበት።

ዕላምኣ ብሉጽ ኢዩ ነይሩ: እቲ ፍረ ድማ ሰናይ ነበረ። ዳዊት ንህያባ ተቐበሎ: ከምዚ ድማ በላ:- “ዘረባኺ ሰሚዔ: ገጽኪ ኸኣ ኣኽበርኩ: ናብ ቤትኪ ብሰላም ደይቢ።” ጸኒሑ: ናባል ምስ ሞተ: ዳዊት ንኣቢጋይል ንመርዓ እውን ከይተረፈ ሓተታ: ኣቢጋይል ድማ ተሓጒሳ ተቐበለቶ።​—⁠1 ሳሙኤል 25:​13-42

ይኹን እምበር: ኣብ ገለ ገለ ኵነታት: እቲ ሰብ ዝደልዮ ዘሎ ስምረት: ኣድልዎ: ናይ ፍትሒ ምቕናን እውን ከይተረፈ ዘጠቓልል ይኸውን ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት እቲ ህያብ ጉቦ ኢዩ። እቲ ዝህብ ዘሎ ሰብ ገለ ጥቕሚ ክረክብ ኢዩ ዝሓስብ: እንተዀነ ግን: ንገዛእ ርእሱ ናይ ኣእምሮ ሰላም ኢዩ ዝሰርቃ። ኵሉ ግዜ ካልኦት ነቲ ነገር ከይፈልጥዎ ዝብል ስግኣት ኣሎ: ክሕተተሉ ድማ ኢዩ። እቲ እተደልየ ስምረት እንተ ተረኽበ እውን ከይተረፈ: ሕጂ እቲ ስምረት ዝደሊ ዝነበረ ሰብ ንጥርጠራ ቅሉዕ ዝዀነ ድራኼ ዘለዎ ስም ከም ዘለዎ ክርዳእ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኻዊ ጥበብ ብምንጽብራቕ: ካብ ከምዚ ዝበለ ህያባት ክንሕሎ የጠንቅቐና ኢዩ።​—⁠ዘዳግም 16:19፣ መክብብ 7:⁠7

እቲ ህያብ ካብ ፍቓደኛ ልቢ ዝመጽእ ድዩ፧

ንሓደ እተፍቅሮ ሰብ ገለ ነገር ክትህብ ከሎኻ: ካልኦት ክትገብሮ ደፋፊኦምኻ ዘይኰነስ: ባዕልኻ ክትህቦ ስለ ዝደለኻ ምስ ዝኸውን ዝያዳ ሓጐስ ከም ዘለዎ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

ነቶም ብስጋዊ ነገራት ሓገዝ ዘድልዮም ዝኸውን ናይ ረድኤት ቀረባት ንምእካብ ዝምልከት ሃዋርያ ጳውሎስ ናይ ኣምላኻዊ ኣወሃህባ ብሉጽ መምርሒታት ሰሪዑ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ፍቓድ ልቢ እንተ አልዩስ: በቲ ዘለዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር: ብዜብሉ ኣይኰነን።” ወሲኹ ድማ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ” ኢሉ ጸሓፈ። (2 ቈረንቶስ 8:12፣ 9:⁠7) ስለዚ: ብዓቢኡ ኣባኻ እተመርኰሰ ኢዩ። በቲ ህያብ ናይ ምሃብ ፈንጠዝያ ኣብ ዕዳ ኣብ ክንዲ ትኣቱ: በቲ ዘሎካ ናይ ገንዘብ ዓቕሚዶ ኢኻ እትካየድ፧ ኣብ ክንዲ ብቐንዱ ብሰንኪ ማሕበራዊ ወይ ንግዳዊ ጸቕጢ ክትህብ ከም ዘሎካ ናይ ምግዳድ ስምዒት ዝስማዓካ: ነቲ ብልብኻ ዝሓለንካዮዶ ትገብር ኢኻ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ከምዚ ዝበለ ኣምላኻዊ ስርዓት ዝሰዓቡ “ነዚ [ብሕያውነት ናይ ምሃብ መሰልን ትሓዓ ] ንሕብረት ምግልጋል ቅዱሳንን ብብዙሕ ልማኖ እናለመኑና:” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠2 ቈረንቶስ 8:⁠4

ኣንጻር ናይዚ ድማ: እታ ናይ ሕዳር⁄ታሕሳስ 1994 ሮያል ባንክ ሌተር ብዛዕባ እተን ቅድሚ ልደት ዘለዋ ሰሙናት ከምዚ በለት:- “እቲ ናይ በዓል እዋን: ነቶም ዓማዊል ነቲ ኣብ ካልእ ግዜ ክገዝእዎ ዘይክእሉ ምእንቲ ክገዝኡ ንምድፍፋእ ብናይ ነጋዶ ድሌት እተለዓዓለ ደጋዊ ሓጐስ ገይርካ ክረአ ይከኣል ኢዩ።” እቲ ምዕዳግ ብለቓሕ ተገይሩ እንተድኣ ኰይኑ ድማ: ነቲ ህያባት ብምሃብካ እትረኽቦ ሓጐስ ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ብዘየገድስ: እቲ ነቲ ገንዘብ እትኸፍለሉ ግዜ ምስ መጸ ሓጐስካ ቀልጢፉ ክቕህም ኢዩ።

እቲ ኣውራ ዘገድሰካ​—⁠እቲ ኣጋጣሚ ድዩ፧ ወይስ ናይ ፍቕሪ መግለጺ ኢዩ፧

እቲ እትህቦ ህያባት ብዓቢኡ ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ክወሃብ ይግባእ ኢዩ ኢልካ ዝገበርካዮ ምዃኑ ዲኻ ተገንዚብካዮ፧ ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ: ነቲ ካብ ናይ ኣጋጣሚ ምሃብ ክርከብ ዝኽእል ብዙሕ ሓጐስ ኣይትረኽቦን ትኸውን።

ካብቲ ኣብ እተወሰነ ግዜ ህያባት ምሃብ ዝረኸብዎ ፍረ ዘይተሓጐሱ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ሓንቲ ኣደ ከምኡውን ደራሲት: እቲ ህያባት ክትቅበል ትጽቢት እትገብረሉ ግዜ ክቐርብ ከሎ ኣብ ደቃ ስስዐ ከም ዝርአ ኣፍልጦ ሃበት። ንገዛእ ርእሳ እውን ካልእ ትጽበ ስለ ዝነበረት እቲ ካብታ ውቅብቲ ህያብ ዝረኸበቶ ሓጐስ ከም ዝቐሃመ ተኣመነት። እቲ ድግሳትን ናይ ህያባት ምልውዋጥን ዘለዎ በዓላት እውን: ብዙሕ ስምዒታዊ ጸቕጢ ዝህልወሉን ኣልኮል ብዘይ ኣገባብ ዝዝውተረሉን ግዜ ምዃኑ ብዙሓት ጸብጻባት ይገልጹ ኢዮም።

ሓደ ናይ ስነ-ኣእምሮ ፕሮፌሶር: እቲ ኣብ ግዜ በዓላት ብዛዕባ ህያባት ምሃብ ዝግበር ምግናን ሓድሓደ ግዜ ንቘልዑ ብሕማቕ ከም ዝትንክፎም ብምዕዛብ: ኣብ ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ከምዚ ኢሉ ሓሳባት ይህብ:- “ኣብ ካልእ መዓልትታት ገለ ህያባት ምሃብ ከም ሓደ ንጓሂ ዘጕድል መገዲ ገይርካ ሕሰቦ።” እዚ ጽቡቕ ውጽኢት ይህልዎ ኢዩ ኢልካዶ ትሓስብ፧

ኣብ ሓደ በዓል ልደትን መዓልቲ ልደትን ዘየብዕሉ ቤተሰብ ዘላ ሓንቲ 12 ዓመት ዝዕድሜኣ ተሜ እተባህለት ጓል ከምዚ ኢላ ጸሓፈት:- “ከይተጸበኻዮ እትረኽቦ ህያብ ዝያዳ ደስ ዘብል ኢዩ።” ንሳ: ህያባት ኣብ ዓመት ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ጥራይ ኣብ ክንዲ ምሃብ: ወለዳ ንዓኣን ንሓዋን ምሉእ ዓመት ህያባት ከም ዝህብዎም ተዛረበት። እንተዀነ ግን: ንዓኣ ካብዞም ህያባት እዚኣቶም ንላዕሊ ዝያዳ ዘገድሳ ካልእ ነገር ኣሎ። ከምቲ ናታ ኣበሃህላ: “ሕጕስ ናይ ስድራቤት ህይወት ኣሎኒ።”

እታ ሰክረትስ ኦቭ ስትሮንግ ፋሚሊስ (ናይ ጽኑዓት ስድራቤታት ምስጢር) እትበሃል መጽሓፍ ብግህዶ ከምዚ ኢላ ትገልጽ:- “መብዛሕትና ኣብ ዓመት ብዙሕ ግዜ ንመዓልቲ ልደት: ዓመታዊ በዓላት: ወይ ንእነፍቅሮም ሰባት ዝግበር በዓላት ዝሰማማዕ ህያባት ኣብ ምምራጽ ግዜን ገንዘብን ነጥፍእ ኢና። እቲ ካብ ኵሉ ዝበለጸ ህያብ ገንዘብ ከተጥፍእ ኣይሓተካን ኢዩ። ክትጥቕልሎ እውን ኣየድልየካን ኢዩ። ከምቲ ብዙሓት ሰባት ዝኣምንዎ: ንስኻውን ካብቲ ዘሎካ ጥሪት እታ ኣዝያ ክብርቲ ህይወትካ ምዃና ትኣምን እንተድኣ ኴንካ: እቲ ክትህቦ እትኽእል ኣዝዩ ክቡር ህያብ እምበኣር ካብ ግዜኻ ሒደት ምሃብ ኢዩ። እዚ ክቡር ህያብ እዚ ብመጠን እቲ ንእነፍቅሮም ሰባት እንህቦም ግዜ ኢና እንገብሮ።”

እዚ ምሃብ እዚ ክንዮ ስድራቤትካ ከም ዝሓልፍ እውን ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ። ንኻልኦት ብርግጽ ዘድልዮም ነገራት ንምምላእ ኢልካ እትገብሮ ናይ ኣጋጣሚ ምሃብ ፍሉይ ዕግበት ከምጽእ ይኽእል ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ንድኻታት: ሓንካሳት: ከምኡውን ንዕዉራት ፍቕራዊ ሕያውነት ከነርኢ ኣተባቢዑና ኢዩ: ወሲኹ ድማ “ዚፈድዩኻ የብሎምን እሞ: ብጹእ ክትከውን: . . . ኢኻ” ይብል።​—⁠ሉቃስ 14:​12-14

እታ ሮክላንድ ጆርናል-ኒውስ (ሕ.መ.ኣ.) ኣብዚ ቐረባ ግዜ ከምዚ ዓይነት ናይ ምሃብ ኣብነት ዝገልጽ ጸብጻብ ኣቕሪባ ኣላ። ናይ ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ዓይነ-ስውር ሰበይቲ ገዛ ምስ ፈረሰ: ፈተውቲ ሓድሽ ገዛ ሃነጹላ። ብዙሓት ናይቲ ከባቢ ነጋዶ ወፈያታት ገበሩ: ከምኡውን በቲ ናይቲ ከባቢ መንግስታዊ ወኪል ናይ ገንዘብ ፍቓድ ተዋህበ። እታ ጋዜጣ “ይኹን እምበር: ካብ ኵሉ ዝበለጸ: እቶም 150 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀኑ ሰባት: መብዛሕትኦም ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጉባኤ ሃቨርስትሮ ዝካፈሉ: ነታ ገዛ ንምህናጽ ግዜ ኢዮም ወፍዮም” በለት።

እታ ዓንቀጽ “ኣብቲ ከባቢ ናይቲ ህንጻ: ካብቲ መግቢ መሊኡ ዝነበረ ጣውላ ቀጺሉ እተደርደረ ኣቑሑ ነበረ። ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ እቶም ሰራሕተኛታት: ክልተ ስድራቤት ዝሕዝ ሰለስተ ደርቢ ዘለዎ ገዛ ሃነጹ። . . . ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀልጢፍካ ኣባይቲ ብናይ ምስራሕ ክእለቶም ፍሉጣት ኢዮም። . . . ይኹን እምበር: እዚ ከምዚ ዝበለ ቅልጣፈ ብመንጽር ናይ ተልእኾኦም ዕማም​—⁠ብናይ ፍቕሪ ተግባራት መንበሪ ምቕራብ​—⁠ኢዩ ዝረአ። ወይዘሪት ብላክለ ነቲ ሓድሽ ገዝኣ ክትርእዮ ኣይትኽእልን ትኸውን: እንተዀነ ግን: ኣእዳዋ ክድህስስኦ ይኽእላ ኢየን: ከምኡውን እቲ በዚ ስስዐ ዘይብሉ ተግባር እተለዓዓለ ዕሙቀት ናይ ስምዒታ ልባ ይፈልጦ ኢዩ” በለት።

ዓመት ምሉእ ዝግበር ናይ ልግስነት መንፈስ

እቶም ብሓቂ መንፈስ ልግሲ ዘለዎም ሰባት: ንፍሉያት መዓልትታት ኣይጽበዩን ኢዮም። ህይወቶም ኣብ ገዛእ ርእሶም ጥቕሚ ጥራይ ዘተኰረት ኣይኰነትን። ሓደ ሰናይ ነገር ክቕበሉ ከለዉ: ምስ ካልኦት ክማቐልዎ የሐጕሶም ኢዩ። እዚ ብሓይሊ ህያባት ዝህቡ ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ስድራቤታቶም ክሳዕ ዝጥንጥኑ ኰይኖም ንኻልኦት ይህቡ ኢዮም ማለት ኣይኰነን። ኣብቲ ተቐባሊ ዘለዎ ሳዕቤን ከይሓሰቡ ስቕ ኢሎም ይህቡ ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ከምቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ክገብርዎ ዝማሃሮም ‘ዝህቡ’ ሰባት ኢዮም።​—⁠ሉቃስ 6:⁠38

ብዛዕባ ኵነታት ናይቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ዓበይቲ: ሕሙማት: ወይ ድማ ምትብባዕ ዝደልዩ ዘለዉ ፈተውትን ጐረባብትን ንቑሓት ኢዮም። እቲ ዝህብዎ “ህያብ” ናብ ድኳን ምኻድ ወይ ኣብ ዕዮ ገዛ ምሕጋዝ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ምናልባት ዕንጨይቲ ምፍላጽ ወይ ገዛ ምዅስታር ክኸውንውን ይኽእል። ምናልባት ድማ እተዳለወ መግቢ ምምጻእ ወይ ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ግዜ ምብጻሕን ብሓባር ምንባብን ክኸውን ይኽእል። ናይ ገዛእ ርእሶም ናብራ ብስራሕ ትሑዝ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ይኹን እምበር: ከም ዘይሕግዙ ዝገብሮም ኣዝዩ ትሑዝ ኣይኰነን። ካብ ተመኵሮታቶም ብሓቂ ‘ካብ ምቕባል ምሃብ ኣዝዩ ከም ዝባረኽ’ ተማሂሮም ኢዮም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠35

ርግጽ ኢዩ: እቲ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ወሃቢ ፈጣሪና: የሆዋ ኣምላኽ: ኢዩ። ንሱ “ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ንዅሉ ዚህብ እዩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠25) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ንእከይን ሕማምን ሞትን መወዳእታ ክገብረሉ: ከምኡውን ንምድሪ ገነት ንኽገብራ ዘለዎ ዕላማ ዝገልጽ ፍልጠት እውን ኣዳልዩልና ኣሎ። (መዝሙር 37:​10, 11፣ ራእይ 21:​4, 5) እዚ ምስ ተማህሩ: እቶም መንፈስ ልግሲ ዘለዎም ሰባት ነቲ ብስራት እቲ ንገዛእ ርእሶም ሒዞምዎ ስቕ ኣይብሉን ኢዮም። ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ባህ ዘብሎም ምስ ካልኦት ክካፈልዎ ኢዩ። እቲ ናታቶም ብሓቂ ናይ ምሃብ ኣምላኻዊ መንፈስ ዘለዎ ኢዩ። ንስኻኸ እትዅስኵሶ ዘሎኻ መንፈስ እዚ ድዩ፧

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ገለ ካብቶም ኣዝዮም ክቡራት ህያባት ገንዘብ ዘይክፈሎም ኢዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ